ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • g 2/13 ገጽ 12-13
  • ፕላቶ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ፕላቶ
  • ንቕሑ!—2013
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ስለምንታይ እዩ ዜገድሰካ፧
  • ትምህርትታት ፕላቶ ዘስፋሕፍሐ ብኸመይ እዩ፧
  • እቲ ሓሳባት ናብ ኣይሁድነት: ህዝበ-ክርስትያን: ከምኡውን ምስልምና ይኣቱ
    ምስ ሞትና እንታይ ኢና እንኸውን፧
  • ህይወት ድሕሪ ሞት—ሰባት እንታይ ኢሎም ኢዮም ዝኣምኑ፧
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1999
  • ኣብ ትንሳኤ ዘሎካ እምነት ክሳዕ ክንደይ ኢዩ ጽኑዕ፧
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1998
  • ናይቲ ነፍሲ ኣይትመውትን ኢያ ዝብል ሰረተ-እምነት ኣጀማምራ
    ምስ ሞትና እንታይ ኢና እንኸውን፧
ዝያዳ ርአ
ንቕሑ!—2013
g 2/13 ገጽ 12-13

ከመይ ይመስል ነበረ፧

ፕላቶ

ፕላቶ (ከባቢ 427-347 ቅ.ክ.)፡ ኣረማዊ ፈላስፋ ግሪኽ እዩ ነይሩ። ኣብ ኣቴንስ ካብ ኣሪስቶክራት ወይ ከበርቴ ስድራ ቤት እዩ ተወሊዱ፣ ጽቡቕ ትምህርቲ ድማ እዩ ተማሂሩ። እቲ ውሩይ ፈላስፋ ዝነበረ ሶቅራጥስ ከምኡውን ሰዓብቲ እቲ ፈላስፋን ክኢላ ሕሳብን ዝነበረ ፓይታጎራስ፡ ኣብ ፕላቶ ሓያል ጽልዋ ኣሕዲሮም እዮም።

ፕላቶ ኣብ ከባቢ ባሕሪ መዲተራነያን ድሕሪ ምዛሩን ኣብ ፖለቲካ እታ ሲራክዩስ እትብሃል ኣብ ሲስሊ እትርከብ ከተማ ግሪኽ ድሕሪ ምክፋሉን፡ ናብ ኣቴንስ ተመሊሱ፡ ኣካዳሚ ዚብሃል ቤት ትምህርቲ ኸፈተ። እዚ ቤት ትምህርቲ እዚ፡ ናይ መጀመርታ ዩኒቨርሲቲ ኤውሮጳ ዀይኑ፡ ኣብ ምርምር ሕሳብን ፍልስፍናን ዘተኰረ እዩ ነይሩ።

ስለምንታይ እዩ ዜገድሰካ፧

ትምህርትታት ፕላቶ ኣብ ሃይማኖታዊ እምነታት ብሚልዮናት ዚቝጸሩ ሰባት፡ እንተላይ ኣብ ስመ ክርስትያን ሓያል ጽልዋ ኣሕዲሩ እዩ፣ ብዙሓት ሰባት ግና፡ እቲ እምነታት ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ እዩ ዚመስሎም። ካብቲ ፕላቶ ዝመሃሮ ትምህርትታት እቲ ቐንዲ፡ ደቂ ሰብ ድሕሪ ሞት ካብ ስጋ ተፈልያ እትኸይድ ዘይትመውት ነፍሲ ኸም ዘላቶም ዚገልጽ እዩ።

“እቲ ብዛዕባ ዘይትመውት ነፍሲ ዚገልጽ ትምህርቲ፡ ሓደ ኻብቲ ፕላቶ ኣዝዩ ዚፈትዎ ዝነበረ ዛዕባታት እዩ ነይሩ።”—ቦዲ ኤንድ ሶል ኢን ኤንሸንት ፊሎዚፊ

ፕላቶ ብዛዕባ እቲ ድሕሪ ሞት ዘሎ ህይወት ኣዝዩ ይግደስ ነበረ። እታ ቦዲ ኤንድ ሶል ኢን ኤንሸንት ፊሎዚፊ ዘርእስታ መጽሓፍ፡ “እቲ ብዛዕባ ዘይትመውት ነፍሲ ዚገልጽ ትምህርቲ፡ ሓደ ኻብቲ ፕላቶ ኣዝዩ ዚፈትዎ ዝነበረ ዛዕባታት እዩ ነይሩ” በለት። ፕላቶ፡ ብመሰረት እቲ ሓደ ሰብ ኣብ ምድሪ ኸሎ ዝገበሮ ነገራት፡ “ነፍሲ ኣብ ግቡእ ግዜኡ [ኣብቲ ድሕሪ ሞት ዘሎ ህይወት] ዓስቢ ምእንቲ ኺውሃባ ወይ ከኣ ምእንቲ ኽትቅጻዕ፡ ካብቲ ዚመውት ስጋ ተፈልያ ትነብር እያ” ኢሉ እዩ ብጽኑዕ ዚኣምን ነይሩ።a

ትምህርትታት ፕላቶ ዘስፋሕፍሐ ብኸመይ እዩ፧

እቲ ፕላቶ ዝኸፈቶ ኣካዳሚ ንትሽዓተ ዘመን፡ ማለት ካብ 387 ቅ.ክ. ክሳዕ 529 ድ.ክ. ኣብ ዝቐጸለሉ እዋን፡ ሓያል ጽልዋ እዩ ነይርዎ። ኣተሓሳስባ ፕላቶ ኣብተን ኣብ ትሕቲ ግሪኽን ሮሜን ዝነበራ ሃገራት ህቡብ ኰነ። እቲ ኣይሁዳዊ ፈላስፋ ዝነበረ ፊሎ ብዓል እስክንድርያ፡ ንኣተሓሳስባ ፕላቶ ተቐበሎ፣ እቶም ኣብ ህዝበ ክርስትያን ዝነበሩ መራሕቲ ሃይማኖት እውን ከምኡ ገበሩ። ከም ውጽኢቱ ድማ፡ ኣብ ፍልስፍና እተመርኰሰ ኣረማዊ ኣተሓሳስባ፡ እንተላይ እቲ ብዛዕባ ዘይትመውት ነፍሲ ዚገልጽ ትምህርቲ፡ ናብ ትምህርትታት ኣይሁድነትን ክርስትናን ተኣታተወ።

ዘ ኣንኮር ባይብል ዲክሽነሪ፡ “ኵሉ ስነ ሃይማኖት ክርስትና፡ ብእተወሰነ ደረጃ ኣብ ዘመናዊ ፍልስፍና ግሪኽ፡ ብፍላይ ከኣ ኣብ ፍልስፍና ፕላቶ እተመርኰሰ እዩ። ገሊኦም ክርስትያን ፈላስፋታት ግና፡ . . . ንፍልስፍና ፕላቶ ተቐቢሎምዎ እዮም” በለት። እዚ ዚስዕብ ምንጭታት እንታይ ከም ዚብል እስከ ኣረኣኢ።

ፕላቶ ዝበሎ፦ “[ኣብ ግዜ ሞት]፡ እታ ዘይትመውት ነፍሲ ኢልና እንጽውዓ ኣብ ውሽጥና ዘላ ነገር፡ ካባና ወጺኣ ናብ ካልኦት ኣማልኽቲ ትኸይድ፣ . . . ኣብኡ ኸኣ ጸብጻብ ተቕርብ፣ እቶም ቅኑዓት ብትብዓት ተስፋኦም ይጽበዩ፡ እቶም እኩያት ከኣ ብራዕዲ ይጽበዩ።”—ፕላቶ—ሕግታት፡ መበል 12 ጥራዝ።

መጽሓፍ ቅዱስ ዚብሎ፦ ነፍሲ ነቲ ሰብ ባዕሉ ወይ ከኣ ነቲ ዚነብሮ ህይወት እያ እተመልክት። እንስሳታት እውን ነፍሳት እዮም። ኣብ ግዜ ሞት፡ ካብቲ ሰብ ተፈልያ እትነብር ነገር የላን።b ነዚ ዚስዕብ ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ እሞ ርአ፦

  • “እቲ ቐዳማይ ሰብ፡ ኣዳም፡ ህያው ነፍሲ ዀነ።”—1 ቈረንቶስ 15:45።

  • “ኣምላኽ ከኣ፡ ‘ምድሪ በብዓይነቱ ህያዋን ነፍሳትን በብዓይነቱ እንስሳ ዘቤትን ለመምትን እንስሳ ዘገዳም ምድርን ተውጽእ’ በለ።”—ዘፍጥረት 1:24፡ NW።

  • “ነፍሰይ . . . ትሙት።”—ዘሁልቍ 23:10።

  • “እታ ሓጢኣት እትገብር ነፍሲ ንሳ ኽትመውት እያ።”—ህዝቅኤል 18:4።

ብንጹር እምበኣር፡ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኣብ ግዜ ሞት ካብ ስጋ ተፈልያ እትኸይድ ነፍሲ ኸም ዘላ ኣይምህርን እዩ። ስለዚ፡ ‘እምነተይ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመርኰሰ ድዩ ወይስ ኣብ ፍልስፍና ፕላቶ፧’ ኢልካ ንርእስኻ ሕተታ።

a ፕላቶ ነቲ ብዛዕባ ዘይትመውት ነፍሲ ዚገልጽ ትምህርቲ ህቡብ እኳ እንተ ገበሮ፡ ንሱ ኣይኰነን ግና ኣተኣታትይዎ። ነቲ ኣብ ግብጽን ኣብ ባቢሎንን ዝነበረ እውን ሓዊስካ፡ ኣብ ኣረማዊ ሃይማኖታት፡ ንነዊሕ እዋን ብእተፈላለየ መልክዑ ይእመነሉ ነይሩ እዩ።

b መጽሓፍ ቅዱስ፡ ምዉታት ብምሳልያዊ መገዲ ደቂሶም ከም ዘለዉን ትንሳኤ ኸም ዚጽበዩን እዩ ዚምህር። (መክብብ 9:5፣ ዮሃንስ 11:11-14፣ ግብሪ ሃዋርያት 24:15) ብኣንጻሩ ግና፡ እታ ዘይትመውት ነፍሲ ኽትትንስእ ኣየድልያን እዩ።

“እቲ ነፍሲ ድሕሪ ሞት ከም እትነብር ዚገልጽ ሓሳባት፡ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ኣይርከብን እዩ።”​—ኒው ካቶሊክ ኢንሳክሎፔድያ።

“እቲ ነፍሲ ኸም ዘይትመውት ዚገልጽ ንጹርን ጽኑዕን እምነት እተመስረተ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ተጻሒፉ ምስ ተዛዘመ ጥራይ እዩ፣ . . . እምነ መሰረት ናይ ኣይሁድን ክርስትያናትን እምነት ድማ ኰነ።” (ሰያፍ ዝገበርናዮ ንሕና ኢና።​—ኢንሳይክሎፔድያ ጁዳይካ።

“ነፍሲ ድሕሪ ምፍራስ ስጋና ብህይወት ከም እትነብር ዚገልጽ እምነት፡ . . . ካብ ፍልስፍናዊ ወይ ስነ ሃይማኖታዊ ግምታት ዝመጸ እዩ፣ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት እውን ኣብ ዋላ ሓንቲ ቦታ ተጠቒሱ ኣይርከብን እዩ።”​—ዘ ጂውሽ ኢንሳይክሎፔድያ።

ሓጺር ሓበሬታ

  • ፕላቶ ሓደ ኻብቶም ኣብ ታሪኽ ምዕራባዊ ባህሊ ሓያል ጽልዋ ዘሕደሩ ፈላስፋታት እዩ ነይሩ።

  • መንእሰይ ከሎ ብዛዕባ ፖለቲካ ይግደስ እኳ እንተ ነበረ፡ ደሓር ግና ብፖለቲካዊ ስርዓታት ኣዝዩ ጐሃየ።

  • ብዛዕባ ስነ ምግባርን ፍትሕን ፍልጠትን ሚዛናውነትን መንፈሳውነትን ነፍስን ጅግንነትን ጽሒፉ እዩ።

  • ኣሪስቶትል ውሩይ ተመሃራይ ፕላቶ እዩ ነይሩ፣ መምህርን ፈላስፋን ተመራማሪ ስነ ፍልጠትን ድማ ኰነ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ