ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • g 4/14 ገጽ 4-5
  • መአረምታ ብኸመይ ከም እትቕበል

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • መአረምታ ብኸመይ ከም እትቕበል
  • ንቕሑ!—2014
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ጸገም
  • ተግሳጽ-መርኣያ ፍቕሪ የሆዋ
    ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2019
  • ብኸመይ ሓቦኛ ኸም ዚኸውን
    ንቕሑ!—2019
  • 6 ተግሳጽ
    ንቕሑ!—2018
  • ንደቅኻ ትሕትና ምሃሮም
    ንቕሑ!—2017
ዝያዳ ርአ
ንቕሑ!—2014
g 4/14 ገጽ 4-5
ሓደ መንእሰይ ብዕድመ ኻብ ዝዓብዮ ሰብ መአረምታ ኪቕበል ከሎ

ንስድራ ቤት | መንእሰያት

መአረምታ ብኸመይ ከም እትቕበል

ጸገም

“ሓደ ሰብ ኪእርመካ ኸሎ፡ ብመሰረቱ ኸም እተጋገኻ እዩ ዚነግረካ ዘሎ። ‘ከም እተጋገኹ ኺንገረኒ ኸሎ፡ ደስ እዩ ዚብለኒ’ ዚብል ሰብ ከኣ ኣይፈልጥን እየ።”—ኣሚ፡ ጓል 17።a

ተቘጻጸርቲ ነፈርቲ ንኽልተ ነፈርቲ፡ ንኸይጋጨዋ መምርሒ ኺህብወን ከለዉ

መአረምታ ዘይቅበል ሰብ፡ ከምቲ ኻብ መቈጻጸሪ ንዚውሃቦ መምርሒ ዕሽሽ ዚብል መራሕ ነፋሪት እዩ። ኣዝዩ ሓደገኛ ሳዕቤን ከኣ እዩ ዘለዎ።

ካብ ወለድኻን መምህራንካን ካልኦት ዓበይቲ ሰባትን መአረምታ ኽትቅበል ይኸብደካ ድዩ፧ ዚኸብደካ እንተ ዀይኑ፡ እዛ ዓንቀጽ እዚኣ ኽትሕግዘካ እያ።

ክትፈልጦ ዘሎካ

ኵሉ ሰብ መአረምታ የድልዮ እዩ።

“ኵላትናስ ብዙሕ ሳዕ ንስሕት ኢና።”—ያእቆብ 3:2።

“ብምግጋይካ ኽትእረም እንተ ኣድልዩካ ዜሕፍር የብሉን።”—ጀሲካ።

ተኣሪምካ ማለት ወዲቕካ ማለት ኣይኰነን።

“እግዚኣብሄር ንዘፍቀሮ ይቐጽዖ እዩ እሞ፡ ተግሳጽ እግዚኣብሄር ኣይትንዐቕ፡ እንተ ቐጽዓካ ኸኣ ኣይትመረር።”—ምሳሌ 3:12።

“ሰባት ኪእርሙኒ ኸለዉ፡ ቀሪቦም ንኼዘራርቡኒ ኽሳዕ ክንደይ ከቢድዎም ኪኸውን ከም ዚኽእልን ንኺመኽሩኒ ዝደረኸቶም ፍቕሪ ምዃናን ክሓስብ እየ ዝጽዕር።”—ታማራ።

መአረምታ፡ ዝሓሸ ሰብ ከም እትኸውን ይገብረካ።

“ጠቢባን ኩኑ፡ ተግሳጸይ ስምዑ።”—ምሳሌ 8:33።

“ዕቤት ንኽትገብር መአረምታ ኣድላዪ እዩ። ካልኦት ሰባት ብኸመይ ከም ዚርእዩኻ ንኸተስተውዕልን ከይተፈለጠካ ንዘማዕበልካዮ ሕማቕ ባህርያት ንኽትቈጻጸሮን ይሕግዘካ።”—ድያን።

ክትገብሮ እትኽእል ነገራት

ነቲ ጕዳይ ብኽፉት ኣእምሮ ተመልከቶ። መአረምታ ምስ ተዋህበካ፡ ትዅሪ ትኸውን። ግናኸ፡ ስምዒትካ ኽትቈጻጸር ፈትን። ነዚ ንምግባር ንኺሕግዘካ ድማ፡ ንርእስኻ ንግዜኡ ኻብቲ ዅነታት ኣውጽኣያ እሞ፡ ንኻልእ ሰብ፡ ምናልባት እውን ንምንኣስካ ሓውካ ትእርሞ ኸም ዘለኻ ጌርካ ሕሰብ። እሞኸ፡ ኣብቲ ምኽሪ እቲ ገለ ጽቡቕ ነገር ክትርኢ ኽኢልካዶ፧ ሕጂ ኸኣ ናብቲ ዅነታት ተመለስ እሞ፡ ነቲ ጕዳይ በቲ ዓይኒ እቲ ኽትርእዮ ፈትን።—ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ፦ መክብብ 7:9።

“ሓድሓደ ግዜ፡ ነቐፌታ ኣዝዩ ስለ ዜበሳጭወካ፡ እዚ ሰብ እዚ ንኼጕህየካ ዘይኰነስ፡ ዝሓሸ ሰብ ንኽትከውን ኪሕግዘካ ከም ዝጸዓረ ኽትርስዕ ትኽእል ኢኻ።”—ተሬሳ።

ትሑት ኩን። ትዕቢት፡ መአረምታ ኸም እትነጽግ ንኽትገብረካ ኣይትፍቀደላ። ብኣንጻሩ ኸኣ፡ ከተመሓይሾ ዘሎካ ነገር ስለ ዘሎ ጥራይ፡ ተስፋ ብምቝራጽ ንኸይትሕለል ተጠንቀቕ። ትሕትና ሚዛናዊ ንኽትከውን ክትሕግዘካ እያ። እቲ ብዝያዳ ዜድልየካ መአረምታ፡ ዝያዳ ዜጕሂ ኪኸውን ከም ዚኽእል ኣይትረስዕ። ብዝዀነ ይኹን ምኽንያት ተደሪኽካ ምስ እትነጽጎ ግና፡ ኣይክትጥቀምን ኢኻ።—ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ፦ ምሳሌ 16:18።

እቲ ብዝያዳ ዜድልየካ መአረምታ፡ ዝያዳ ዜጕሂ ኪኸውን ከም ዚኽእል ኣይትረስዕ

“መአረምታ ምቕባል ሓደ ኻብቲ ብሱል ሰብ ንኽትከውን ዚሕግዘካ ኣገዳሲ ረቛሒ እዩ። እንተ ዘይተቐቢልናዮን እንተ ዘይተጠቒምናሉን ግና፡ ውዒልና ሓዲርና ንርእስና ኢና እንጐድእ።”—ሊና።

መማሰዊ ኹን። ነቲ መአረምታ ምቕባሉ እኳ እንተ ኸበደካ፡ ነቲ ዝመኸረካ ሰብ ንምንታይ ዘይተመስግኖ፧ እቲ ሰብ እቲ ኸም ዚግደሰልካን ብሓቂ ኽትዕወት ከም ዚደልየካን ፍሉጥ እዩ።—ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ፦ መዝሙር 141:5።

“ብፍላይ ዜድልየካ ምኽሪ ኺውሃበካ ኸሎ፡ ‘አመስግነካ’ ምባልካ ጌጋ የብሉን። እቲ ምኽሪ ዘየድልየካ እውን እንተ ዀነ፡ እቲ ሰብ ቀሪቡ ንኼዘራርበካ ብዝገበሮ ጻዕሪ ኸተማስዎን ከተመስግኖን ትኽእል ኢኻ።”—ካርላ።

a ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ ዚርከብ ገሊኡ ስማት ተቐዪሩ እዩ።

ቀንዲ ጥቕስታት

  • “ብመንፈስካ ንዅራ ኣይትተሀወኽ።”—መክብብ 7:9።

  • “ንውርደት ትዕቢት ትቕድማ።”—ምሳሌ 16:18።

  • “ጻድቕ [ብመግናሕቲ] ይውቅዓኒ፡ ለውሃት እዩ።”—መዝሙር 141:5።

ጃስቲን

“ነቐፌታ ዜጕሂ እኳ እንተ ዀነ፡ እቲ ዚመኽረኒ ሰብ ጽቡቐይ ከም ዚደሊ ኽዝክር እየ ዝፍትን። ክዕወት ዚደልየኒ ፈታዊ ኸም ዝዀነ ገይረ ኽርእዮ እጽዕር እየ።”​—ጃስቲን

ሻርለት

“ከም ዝጋገ ስለ ዝፈልጥ፡ ሰባት ክጋገ ኸለኹ ምስ ዚነግሩኒ አማስወሉ እየ። በዚ ኸምዚ፡ ኣብ ምንታይ ከመሓይሽ ከም ዜድልየኒ እፈልጥ።”​—ሻርለት

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ