ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • g 6/14 ገጽ 14-15
  • ንወጻኢታት ብኸመይ ከም እትቈጻጸሮ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ንወጻኢታት ብኸመይ ከም እትቈጻጸሮ
  • ንቕሑ!—2014
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ጸገም
  • ገንዘብ ምክዋን
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2009
  • ንገንዘበይ ብኸመይ ከካውኖ እኽእል፧
    መንእሰያት ዚሓትዎ ሕቶታትን ተግባራዊ መልስታቱን፡ 2ይ ጥራዝ
  • ወጻኢታተይ ክቈጻጸር ዝኽእል ብኸመይ እየ፧
    መንእሰያት ዚሓትትዎ
  • ገንዘብ ብኸመይ ከም እተካውን
    ስድራ ቤትካ ሕጕስቲ ኽትከውን ትኽእል እያ
ዝያዳ ርአ
ንቕሑ!—2014
g 6/14 ገጽ 14-15
ኣብ ዕዳጋ ዘለዉ ሰብ ሓዳር

ንስድራ ቤት | |ሓዳር

ንወጻኢታት ብኸመይ ከም እትቈጻጸሮ

ጸገም

ነቲ ናይ ባንክ ሕሳብካን ወጻኢታትካን ክትርእዮ ኸለኻ፡ ገንዘብካ ልክዕ ከም ሑጻ ኻብ ኢድካ ይሰትዅ ከም ዘሎ ትግንዘብ። ካብ እትምርዖ ነዊሕ እኳ እንተ ዘይገበርካ፡ ወጻኢታትካ ግና ካብ ቍጽጽር ወጻኢ ዀይኑ ኣሎ። እሞኸ ነዚ ዚሕተተሉ መጻምድትኻ ድዩ፧ ከምኡ ኢልካ ተሃዊኽካ ኣይትደምድም። የግዳስ፡ ብሓባር ኴንኩም ክትዓይዩን ንኽልቴኹም ኣብዚ ጸገም እዚ ኸም እትወድቁ ዝገበረኩም እንታይ ምዃኑ ኽትሓስቡሉን ኣሎኩም።a

እቲ ጸገም ዜጋጥመሉ ምኽንያት

ምትዕርራይ። ቅድሚ ምምርዓውካ ምስ ስድራ ቤትካ ትነብር እንተ ኔርካ፡ ወጻኢታት ምኽፋል ሓድሽ ኪዀነካ ይኽእል እዩ። ብዘይካዚ፡ ንስኻን መጻምድትኻን ብዛዕባ ገንዘብ እተፈላለየ ኣረኣእያ ኺህልወኩም ይኽእል እዩ። ንኣብነት፡ ሓዴኹም ብቐሊሉ ገንዘብ ዜውጽእ ኪኸውን ከሎ፡ ሓዴኹም ከኣ ብዝያዳ ዚቝጥብ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ሰብ ሓዳር ንኣጠቓቕማ ገንዘብ ብዚምልከት፡ ምትዕርራይ ገይሮም ኣብ ሓደ ስምምዕ ምእንቲ ኺበጽሑ፡ ግዜ የድልዮም እዩ።

ጻህያይ ኣብ ኣእጋር ሰብ ሓዳር ተጠምጢሙ ኺሓልኮም ከሎ

ዕዳ ሸለል እንተ ተባሂሉ፡ ልክዕ ከም ጻህያይ እዩ ዚዓቢ

ምድንጓይ። ሕጂ ዕዉት ብዓል ንግዲ ዝዀነ ጂም፡ ሓድሽ መርዓዊ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ናይ ምምሕዳር ክእለት ስለ ዘይነበሮ፡ ብዙሕ ጸገም ኣጋጢምዎ እዩ። ከምዚ በለ፦ “ወጻኢታት ቀልጢፈ ዘይከፍል ስለ ዝነበርኩ፡ ኣነን ሰበይተይን ብሰንኪ ምድንጓይ ኣሽሓት ዶላራት ነውጽእ ኔርና። ብሰሪ እዚ ኸኣ፡ ገንዘብና ወዳእና።”

“ስዉር ገንዘብ” ዘለዎ ሓደጋ። ገንዘብ ካብ ጁባኻ ኺወጽእ ከሎ ዘይትርእዮ እንተ ዄንካ፡ ብቐሊሉ ኺዝሮ ይኽእል እዩ። ብሕልፊ ብዕዳ ወይ ብክረዲት ካርድ ወይ ብኢንተርነት ትዕድግን ብእኡ ኣቢልካ ባንክ ትጥቀምን እንተ ዄንካ፡ ከምኡ ኼጋጥመካ ይኽእል እዩ። ሓደስቲ ሰብ ሓዳር ብቐሊሉ ኺልቅሑ ዚኽእሉ እንተ ዀይኖም፡ ከይሓሰብዎ ብዙሕ ገንዘብ ኬውጽኡ ይኽእሉ እዮም።

እቲ ምኽንያት ዝዀነ ይኹን ብዘየገድስ፡ ገንዘብ ንሓዳር ንፋስ ኬእትወሉ ይኽእል እዩ። ፋይቲንግ ፎር ዮር መሪጅ (ምእንቲ ሓዳርካ ዚግበር ቃልሲ) ዘርእስታ መጽሓፍ፡ “መብዛሕትኦም ሰብ ሓዳር፡ ዘለዎም ብዝሒ ገንዘብ ብዘየገድስ፡ ቀንዲ ዜጋጥሞም ጸገም ምስ ገንዘብ እተተሓሓዘ እዩ። እወ፡ ገንዘብ መብዛሕትኡ እዋን ጠንቂ ኽትዕ እዩ” በለት።

ክትገብሮ እትኽእል ነገራት

ምስ መጻምድትኻ ተሓባቢርኩም ንኽትዓይዩ ወስኑ። ኣብ ክንዲ ምስ መጻምድትኻ እትወቓቐሱ፡ ብሓባር ኴንኩም ንወጻኢታትኩም ክትቈጻጸርዎ ፈትኑ። ካብ ፈለማ ኣትሒዝኩም፡ ምስ ገንዘብ ዚተሓሓዝ ጕዳያት ኣብ መንጎኹም ጋግ ኪፈጥር ከም ዘይብሉ ተሰማምዑ።—ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ፦ ኤፌሶን 4:32።

ባጀት ኣውጽእ። ኣብ ሓደ ወርሒ ንእተውጽኦ ወጻኢታት፡ ዋላ እውን ንእሽቶ ይኹን ጽሓፎ። ከምኡ ምግባርካ፡ ገንዘብካ ኣብ ምንታይ ይውዕል ከም ዘሎ ንኽትፈልጥን ዘየድሊ ወጻኢታት ንኸተለልን ኪሕግዘካ እዩ። ስለዚ፡ ነቲ ብዘይ ግቡእ ዚወጽእ ገንዘብ ክትቈጸጻሮ ኣሎካ።

ዝርዝር እቲ ኣገዳሲ ዝዀነ ወጻኢታት ኣዳሉ፣ እዚ ኸኣ ምግብን ክዳንን ክራይ ገዛን ክፍሊት ማኪናን ከምኡ ዝኣመሰለ ኻልእ ነገራት ዜጠቓልል ኪኸውን ይኽእል እዩ። ኣብ ውሽጢ እተወሰነ እዋን፡ ምናልባት እውን ኣብ ውሽጢ ወርሒ ኽንደይ ከም እተውጽእ ብምሕሳብ፡ ነቲ እተውጽኦ መጠን ገንዘብ ኣብ ጥቓ እቲ ዝርዝር ወጻኢታት ጽሓፎ።—ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ፦ ሉቃስ 14:28።

“ተለቃሒ . . . ባርያ እቲ ዜለቅሖ እዩ።” —ምሳሌ 22:7።

ነፍሲ ወከፍ ወርሒ፡ ንምግብን ንክራይ ገዛን ንነዳድን ንኻልእ ነገራትን እተውጽኦ ገንዘብ ብንጹር መድብ። ገሊኦም ሰባት ነዚ ገንዘብ እዚ ኣብቲ ነቲ ወጻኢታት ኢሎም ዘዳለውዎ ነናቱ ጶስጣ የቐምጥዎ እዮም።b ካብተን ጶስጣታት እታ ሓንቲ እንተ ተወዲኣ፡ ነቲ እታ ጶስጣ እተዳለወትሉ ወጻኢ የቋርጽዎ ወይ ከኣ ካብ ካልእ ጶስጣ ይልቅሑ።

ነቲ ብዛዕባ ጥሪት ዘሎካ ኣረኣእያ እንደገና ሕሰበሉ። ሓጐስ፡ ዘመናዊ ነገራት ካብ ምውናን ኣይኰነን ዚመጽእ። ከመይሲ፡ የሱስ እውን እንተ ዀነ፡ “ሰብ ብዙሕ እኳ እንተ ኣለዎ፡ ብገንዘቡ ህይወት ኣይረክብን እዩ” ኢሉ ነይሩ እዩ። (ሉቃስ 12:15) መብዛሕትኡ እዋን፡ ገንዘብ እተውጽኣሉ መገዲ፡ ንቓላት የሱስ ትኣምነሉ እንተ ዄንካ ዚሕብር እዩ።—ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ፦ 1 ጢሞቴዎስ 6:8።

ምትዕርራይ ግበር። ካብ ዚምርዖ ኽልተ ዓመት ዝገበረ ኣሮን፡ ከምዚ በለ፦ “ኣብ ፈለማ፡ ቲቪ ምዕዳግን ኣብ ደገ ምብላዕን ዚከኣል ኪመስል ይኽእል እዩ፣ ውዒሉ ሓዲሩ ግና፡ ንገንዘባዊ ዓቕምኻ ዚጐድእ እዩ። ኣነን ሰበይተይን ንገሊኡ ነገራት ብምሕዳግ፡ ከም ዓቕምና ኽንነብር ከም ዘሎና ኽንመሃር ኣድልዩና እዩ።”

a እዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ኣብ ሓደስቲ ምርዑዋት ዘተኰረት እኳ እንተ ዀነት፡ እቲ መሰረታዊ ስርዓት ግና ንዅሎም ሰብ ሓዳር ዚምልከት እዩ።

b ብኤለክትሮኒካዊ መገዲ ወይ ብክረዲት ካርድ ትኸፍል እንተ ዄንካ፡ ኣብቲ ጶስጣ፡ ነቲ ብዛዕባ ኽፍሊትካ ዚገልጽ ወረቐት ደኣ እምበር፡ ገንዘብ ኣይተቐምጥ።

ቀንዲ ጥቕስታት

  • “ብናጻ ይቕረ እናተባሃሃልኩም፡ ንሓድሕድኩም ለዋሃትን ርሕሩሓትን ኩኑ።”—ኤፌሶን 4:32።

  • “መን ካባኻትኩምከ እዩ ግምቢ ኺሰርሕ ዚደሊ እሞ፡ ንምውዳኡ ዚኣክል እንተ ኣለዎ፡ ቅድም ተቐሚጡ ዘይጽብጽብ፧”—ሉቃስ 14:28።

  • “ምግብን ክዳንን መጽለልን እንተ ኣሎናስ፡ በዚ ዕጉባት ንኹን።”—1 ጢሞቴዎስ 6:8።

ማይካን ሜገንን

ማይካን ሜገንን

“ኣብ ሓዳር ንገንዘብ ዚሕዝን ወጻኢታት ዚኸፍልን ሓደ ሰብ እኳ እንተ ዀነ፡ ሰብኣይን ሰበይትን ክልቲኦም ብዛዕባ ዅነታት ገንዘቦም ምሉእ ብምሉእ ኪፈልጡ ኣለዎም። እሂን ምሂን ምብህሃል፡ ካብ ጸገማት ኪሰትረካ ይኽእል እዩ።”

ዴቪድን ናታሊንን

ዴቪድን ናታሊንን

“ኣቐዲምኩም መደብ ግበሩ። ንብምሉኡ እቲ ኣብ ባንክ ዘሎ ገንዘብ ክትጥቀሙሉ ኸም እትኽእሉ ጌርኩም ኣይትሕሰቡ። ገንዘብ ዘይተዋህልሉ እንተ ዄንኩም፡ ከም ማኪና ምዕራይ ንዝኣመሰለ ሃንደበታዊ ዅነታት ኣይክትዳለዉን ኢኹም።”

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ