ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • g 9/14 ገጽ 3
  • ካብ ከባቢ ዓለም

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ካብ ከባቢ ዓለም
  • ንቕሑ!—2014
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ዓለም
  • ብሪጣንያ
  • ቻይና
  • ኤውሮጳ
  • ኣምላኽ ንዓመጻ ብኸመይ ይርእዮ፧
    ንቕሑ!—2002
  • ዓመጽ ዘይብላ ዓለም ክትህሉ ድያ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም ህዝቢ)—2016
  • ኣትኵሮ ኣብ ሃይማኖት
    ንቕሑ!—2015
  • ደቂ ኣንስትዮ ዜሕልፋኦ ጸገማት
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2012
ዝያዳ ርአ
ንቕሑ!—2014
g 9/14 ገጽ 3

ካብ ከባቢ ዓለም

ዓለም

ብመጻምድታ ዓመጽ ዝወረዳ ሰበይቲ

ብመሰረት ውድብ ጥዕና ዓለም (WHO) ኣብ ልዕሊ ኣንስቲ ዚወርድ ዓመጽ “ብደረጃ ዓለምለኸ ኣብ ጥዕና ሰባት ጸገም ዘስዓበ ተመሓላላፊ ሕማም” ኰይኑ ኣሎ። ብመሰረት እቲ ውድብ፡ “ካብ ኵለን ኣንስቲ፡ 35 ሚእታዊት ዚዀና ብመጻምድተን ወይ ብኻልእ ሰብኣይ ዓመጽ ይወርደን እዩ።” ብዘይካዚ፡ “እቲ ኣብ ልዕሊ ኣንስቲ ብመጻምድቲ ዚወርድ ዓመጽ ኣብ መላእ ዓለም ካብ ዘለዋ ኣንስቲ ን30 ሚእታዊት ዜጋጥመን ልሙድ ዓይነት ዓመጽ” ኰይኑ ኣሎ።

ብሪጣንያ

ቤተ ክርስትያን

ኣብ ልዕሊ 64,303 ሰባት እተገብረ መጽናዕቲ ኸም ዚሕብሮ፡ 79 ሚእታዊት፡ “ሃይማኖት ጠንቂ እዚ ሎሚ ኣብ ዓለም ዚርአ ዘሎ ብዙሕ ስቓይን ግጭትን ከም ዝዀነ” እዮም ዚኣምኑ። ብዘይካዚ፡ እቲ ብ2011 ኣብ ዓዲ እንግሊዝን ኣብ ወልስን እተገብረ መጽናዕቲ ኸም ዚሕብሮ፡ ክርስትያናት ከም ዝዀኑ ዝገለጹ ሰባት 59 ሚእታዊት እዮም ነይሮም። ብ2001 ግና ቍጽሪ እቶም ክርስትያናት ከም ዝዀኑ እተዛረቡ ሰባት 72 ሚእታዊት እዩ ነይሩ። ቍጽሪ እቶም ምስ ሃይማኖት ምትእስሳር ዘይብሎም ሰባት ከኣ ኣብቲ ዓሰርተ ዓመት እቲ፡ ካብ 15 ናብ 25 ደይቡ።

ቻይና

ብዕድመ ዝደፍኡ ቻይናውያን ወለዲ

ብመራኸቢ ብዙሓን እተገልጸ ሓደ ጸብጻብ ከም ዚሕብሮ፡ ኣብ ቀረባ እዋን እተመሓየሸ ሕጊ፡ ዓበይቲ ውሉዳት ብዕድመ ንዚደፍኡ ወለዶም ኣዘውቲሮም ኪበጽሕዎም ጥራይ ዘይኰነስ፡ “ብስምዒታዊ መዳይ ዜድልዮም” ነገራት ኬማልኡሎም ከም ዘለዎም እውን ዚሓትት እዩ። ይኹን እምበር፡ እቲ ሕጊ፡ እቶም ከምዚ ዘይገብሩ ውሉዳት ‘ኪቕጽዑ ኸም ዘለዎም ኣይሕብርን እዩ።’

ኤውሮጳ

ብምድንጋር እተዳለወ ነገራት

ጕጅለ ገበነኛታት፡ ከም ኵሕለምሕልን ንጽሬት ዚሕግዝ ከሚካላትን ምግብን ኣደናጊሮም የቕርቡ ኣለዉ። ፕረዚደንት ሓንቲ ኩባንያ ድሕንነት ምግቢ፡ “ዳርጋ ነፍሲ ወከፍ መቃመሚ፡ እቲ ማእከላይ ቍጠባዊ ጥቕሚ ዘለዎ እውን ከይተረፈ፡ ንምድንጋር እተቓልዐ እዩ” በለ። ሓደ ምሁር ከም ዝገለጾ፡ ኣብ ዝማዕበላ ሃገራት ካብ ዚዕደግ ምግቢ፡ 10 ሚእታዊት ዚኸውን ውሕስነቱ ዘይተረጋገጸ እዩ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ