ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • g 3/15 ገጽ 7
  • ኣትኵሮ ኣብ ኣፍሪቃ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ኣትኵሮ ኣብ ኣፍሪቃ
  • ንቕሑ!—2015
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ዘይሕጋዊ ሃድን ሓርሽ
  • ከይተነግረሉ ዚተርፍ ጉቦ
  • ኣፍሪቃውያን ተጠቀምቲ ኢንተርነት
  • ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2005
  • ንብልሽውና ብናይ መንፈስ ሰይፊ ምቅላሱ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2000
  • ብልሽውና ኣመና ኣስፋሕፊሑ ዘሎ ስለምንታይ ኢዩ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2000
  • ጥበባዊ ኣጠቓቕማ ኢንተርነት
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2011
ዝያዳ ርአ
ንቕሑ!—2015
g 3/15 ገጽ 7
ክልተ ሓርሽ

ካብ ከባቢ ዓለም

ኣትኵሮ ኣብ ኣፍሪቃ

ብዙሓት ውድባትን ውልቀ ሰባትን፡ ንህይወት ኣፍሪቃውያን ንምምሕያሽ ቀጻሊ ጻዕሪ ይገብሩ እዮም። ይኹን እምበር፡ እዛ ኽፍለ ዓለም እዚኣ፡ ሕጂ እውን እንተ ዀነ፡ ክንዲ እምባ ብዚኸውን ጸገማት እያ ተዋሒጣ ዘላ።

ዘይሕጋዊ ሃድን ሓርሽ

ብ2013 ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ፡ 1,004 ሓርሽ ብዘይሕጋዊ መገዲ ተቐትሉ፣ ብ2007 ግና 13 ጥራይ እዮም ተቐቲሎም ነይሮም። ብሰንኩ ብዙሕ ቀርኒ ሓርሽ እኳ እንተ ተረኽበ፡ እቲ ቐርኒ ብብዙሓት ሰባት ስለ ዚድለ፡ ሓደ ኪሎ ግራም ቀርኒ ሓርሽ ካብ ሓደ ኪሎ ግራም ወርቂ ይኸብር። ሓደ ቐርኒ ሓርሽ፡ ብፍርቂ ሚልዮን ዶላር ኪሽየጥ ይኽእል እዩ።

ነዚ ዚስዕብ ሕሰበሉ፦ መንግስትታት ንጥሕሰት ሕጊ የጥፍኣኦ ደዀን ይዀና፧—ኤርምያስ 10:23።

ከይተነግረሉ ዚተርፍ ጉቦ

ሓደ ሰብ ጉቦ ኺህብ ከሎ

ትራንስፓረንሲ ኢንተርናሽናል ዚብሃል ውድብ ከም ዝሓበሮ፡ ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ፡ ካብ መላእ ዓለም ንላዕሊ ምስ ጉቦ ዚተሓሓዝ ዝለዓለ ገበን ዚፍጸመለን ቦታታት እየን። ኰይኑ ግና፡ ካብቶም ጉቦ ንኺህቡ ዚሕተቱ ሰባት ኣስታት 90 ሚእታዊት ዚዀኑ፡ ንዚምልከቶ ኣካል ኣይነግሩን እዮም። ኣፈኛ እቲ ውድብ፡ ኣብቲ ንኬንያ ዚምልከት ምዕራፍ፡ “እቶም ዜጋታት፡ መንግስቲ ነቲ ንብልሽውና ብዚምልከት ዚቐርበሉ ጸብጻብ ተቐቢሉ ገለ ለውጢ ኼምጽእ ከም ዚኽእል ኣይኣምኑን እዮም” በለ።

መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧ “መማለዲ [ወይ ጉቦ] ነቶም ዚርእዩ የዕውር።”—ዘጸኣት 23:8።

ኣፍሪቃውያን ተጠቀምቲ ኢንተርነት

ኢንተርናሽናል ቴለኮምዩኒኬሽን ዩንየን (ዓለምለኻዊ ሕብረት ቴለኮምዩኒኬሽን) ከም ዝሓበሮ፡ ኣብ መወዳእታ 2014፡ ዳርጋ 20 ሚእታዊት ኣፍሪቃውያን፡ ተጠቀምቲ ኢንተርነት ከም ዚዀኑ እዩ ዚግመት። ብዝሒ እቶም ብሞባይሎም ኣገልግሎት ኢንተርነት ንምርካብ ዚሓትቱ ኣፍሪቃውያን ዓማዊል፡ ካብቶም ኣብ መላእ ዓለም ዘለዉ ዓማዊል ንላዕሊ ብዕጽፊ ይውስኽ ኣሎ።

1. ስእሊ ኽፍለ ዓለም ኣፍሪቃ ዘለዋ ኮምፕዩተር፣ 2. ካብ ሚእቲ፡ ዕስራ ዚዀኑ ሰባት፣ 3. 20 ሚእታዊት ብቐይሕ እተለኽየ፡ ንላዕሊ ዜመልክት መሐበሪ
    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ