ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • g 4/15 ገጽ 3-5
  • ንደቅኻ ምግሳጽ ይተርፍ ድዩ ዘሎ፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ንደቅኻ ምግሳጽ ይተርፍ ድዩ ዘሎ፧
  • ንቕሑ!—2015
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ስልጣን ወለዲ ይዳኸም ኣሎ
  • ዚለዋወጥ ኣረኣእያታት
  • ኣቱም ወለዲ: ንደቅኹም ብፍቕሪ ኣሰልጥንዎም
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2007
  • ውጽኢታዊ ተግሳጽ
    ንቕሑ!—2015
  • እተቐድም ዓለም፡ ሓለይቲ ውሉዳት ምዕባይ
    ንቕሑ!—2013
  • ኣቱም ወለዲ፡ ንደቅኹም፡ ንየሆዋ ኼፍቅርዎ ሓግዝዎም
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2022
ዝያዳ ርአ
ንቕሑ!—2015
g 4/15 ገጽ 3-5
1. ሓደ ወዲ ኣርባዕተ ዓመት ቈልዓ፡ መጻወቲ ሒዙ፣ 2. ሓንቲ ጓል ሓሙሽተ ዓመት ቈልዓ፡ ኢዳ ኣጣሚራ፣ 3. ሓደ ወዲ 12 ዓመት ቈልዓ፡ ሽምጡ ገቲሩ

ገበር

ንደቅኻ ምግሳጽ ይተርፍ ድዩ ዘሎ፧

ኣብዚ ቐረባ ዓሰርተታት ዓመታት፡ ኣብ ምዕራባውያን ሃገራት ዘሎ ናብራ ስድራ ቤት ብሃንደበት ተቐዪሩ እዩ። ቀደም፡ ወለዲ ንደቆም ዚእዝዙሉ፡ ውሉዳት ከኣ ንትእዛዝ ወለዶም ዚስዕቡሉ እዋን ነይሩ እዩ። ሕጂ ግና፡ ኣብ ገሊአን ስድራ ቤታት፡ ውሉዳት ኣዘዝቲ፡ ወለዲ ኸኣ ተኣዘዝቲ ይዀኑ ኣለዉ። ነዚ ዚስዕብ ኣብ ህሉው ኵነታት እተመስረተ ኣብነታት እስከ ንርአ።

  • ሓደ ወዲ ኣርባዕተ ዓመት ቈልዓ ምስ ኣዲኡ ኣብ ዕዳጋ ኸለዉ፡ ሓንቲ መጻወቲት ብምልዓል፡ ንኣዲኡ ኽትዕድገሉ ሓተታ። ኣዲኡ ግና ስለምንታይ ነታ መጻወቲት ከም ዘይትዕድገሉ ኸተረድኦ ፈተነት። “ዚኣኽለካ መጻወቲ ኣሎካ እንዶ፧” ድማ በለቶ። ከምኡ ኽትብሎ ኸም ዘይነበራ ግና ብዙሕ ከይጸንሐት ተገንዘበት። ከመይሲ፡ እቲ ቘልዓ፡ “ዋላ ነዚኣ እውን እደልያ እየ!” ኢሉ ምኒን ኪብል ጀመረ። ኣዲኡ ኸኣ፡ ከምቲ ብዙሕ ሳዕ ዚገብሮ ምእንቲ ኸይቍጣዕ ስለ ዝፈርሀት፡ ነታ መጻወቲት ዓደገትሉ።

  • ሓንቲ ጓል ሓሙሽተ ዓመት ቈልዓ፡ ኣቦኣ ምስ ካልእ ዓብዪ ሰብ እናተዛረበ ኸሎ ኣብ መንጎ ዀለፈቶ። “ሰልችዩኒ ኣሎ፣ ገዛ ክኸይድ እየ ዝደሊ” በለቶ። ኣቦኣ ንዘረባኡ ኣብ መንጎ ደው ብምባል፡ ናብ ጓሉ ድንን ኢሉ ብልስሉስ ቃና፡ “ሒደት ደቓይቕ ጥራይ ተዓገስኒ መዓረይ፡ ሕራይዶ፧” በላ።

  • ሓደ ጄምስ ዝስሙ ወዲ 12 ዓመት ቈልዓ፡ ከም ኣመሉ “ንመምህርካ ጨዲርካላ” ተባሂሉ ጥርዓን ቀረበሉ። ኣቦ ጄምስ ብወዱ ዘይኰነስ፡ በታ መምህር ኣዝዩ ሓረቐ። ንጄምስ ወዱ ድማ፡ “እንታይ እያ ንዓኻ ጥራይ ክንድዚ እተሸግረካ። ጽናሕ ጥራይ፡ ንሓለፍቲ እቲ ቤት ትምህርቲ እንተ ዘይከሲሰያ ኣነ ኣይኰንኩን” በሎ።

እዚ ኣብ ላዕሊ እተጠቕሰ ኣብነታት፡ ብሓቂ እተፈጸመ ኣይኰነን፣ ኰይኑ ግና፡ ካብቲ ብሓቂ ዜጋጥም ዘሎ ኣዝዩ ዝረሓቐ እውን ኣይኰነን። እቲ ኣብነታት፡ ኣብ ስድራ ቤታት ብዛዕባ ዜጋጥም ዘሎ ናይ ሓቂ ጸገማት ዚገልጽ እዩ፣ ከመይሲ፡ ወለዲ ነቲ ስነ ስርዓት ዚጐድሎ ጠባይ ደቆም ሸለል ይብልዎ፡ ደቆም ዝበልዎም ዘበለ ይገብሩ፡ ከምኡ እውን ንደቆም ካብቲ ብሰንኪ ሕማቕ ጠባዮም ዜጋጥሞም ሳዕቤናት ኪከላኸሉሎም ይጽዕሩ እዮም። ዘ ናርሲሲዝም ኢፒደሚክ ዘርእስታ መጽሓፍ፡ “ወለዲ፡ ስልጣኖም ንደቆም ኬረክብዎም ከለዉ ምርኣይ እናተለምደ ይኸይድ ኣሎ። ቅድሚ ሒደት ዓመታት፡ ቈልዑ፡ ኣብ ቤት ዚእዝዝ መን ምዃኑ፡ ማለት ንሳቶም ዘይምዃኖም ይፈልጡ ነይሮም እዮም” በለት።

ሓቂ እዩ፡ ብዙሓት ወለዲ ንደቆም ግቡእ ስርዓታት ኪምህርዎም ይጽዕሩ እዮም፣ ነዚ ኸኣ፡ ጽቡቕ ኣብነት ብምዃን ጥራይ ዘይኰነስ፡ ኣድላዪ ኣብ ዝዀነሉ እዋን ጽኑዕን ፍቕራውን መአረምታ ብምሃብ እውን እዮም ዚገብርዎ። ይኹን እምበር፡ ከምቲ እታ ኣቐዲማ እተጠቕሰት መጽሓፍ ዝገለጸቶ፡ ከምኡ ዚገብሩ ወለዲ፡ ኣንጻር እቲ ብዙሓት ሰባት ከም ቅቡል ገይሮም ዚርእይዎ ነገራት እዮም ዚገብሩ።

ይኹን እምበር፡ ከመይ ኢልና ኢና ኣብዚ በጺሕና፧ ንደቅኻ ምግሳጽ ይተርፍ ድዩ ዘሎ፧

ስልጣን ወለዲ ይዳኸም ኣሎ

ገሊኦም ሰባት፡ ስልጣን ወለዲ ኻብ 1960ታት ጀሚሩ ኺዳኸም ከም ዝጀመረ ይገልጹ፣ ኣብቲ እዋን እቲ፡ ክኢላታት ዚብሃሉ ሰባት ንወለዲ፡ ምስ ደቆም ኣብ ዘለዎም ርክብ ብዝያዳ ልምሉማት ኪዀኑ የተባብዕዎም ነበሩ። እቶም ክኢላታት ንወለዲ፡ ‘ንደቅኹም ኣዕሩኽ ደኣ እምበር፡ ብዓል ስልጣን ክትኰኑሎም የብልኩምን፣’ ‘ካብ ተግሳጽ ምሃብ፡ ምንኣድ ይበልጽ፣’ ‘ኣብ ክንዲ ነቲ ሕማቕ ክትእርምዎ እትጽዕሩ፡ ደቅኹም ጽቡቕ ብምግባሮም እትንእዱሉ ኣጋጣሚታት ጥራይ ድለዩ’ ይብልዎም ነበሩ። እቶም ክኢላታት፡ ብዛዕባ ናእዳን መአረምታን ሚዛናዊ ኣረኣእያ ኸም ዚሰፍን ኣብ ክንዲ ዚገብሩ፡ ንቘልዑ ምግሳጽ፡ ነቲ ተነቃፊ ዝዀነ ስምዒቶም ኪጐድኦን ጸኒሖም ንወለዶም ከም ዚጸልእዎም ኪገብሮምን ከም ዚኽእል ኪገልጹ ጀመሩ።

ነዊሕ ከይጸንሐ፡ እቶም ክኢላታት፡ ርእሰ ምትእምማን ብዛዕባ ዘለዎ ጥቕሚ እውን ኬውዓውዑ ጀመሩ። ምስጢር ጽቡቕ ኣተዓባብያ ውሉዳት ብሃንደበት እተፈልጠ እዩ ዚመስል ነይሩ፣ እቲ ምስጢር ግና፡ “ደቅኻ ብዛዕባ ገዛእ ርእሶም ጽቡቕ ከም ዚስምዖም ግበር” ካብ ዚብል ሓሳብ ዚሓልፍ ኣይነበረን። ሓቂ እዩ፡ ደቅኻ ርእሰ ምትእምማን ከም ዚህልዎም ጌርካ ምዕባይ ኣገዳሲ እዩ። ይኹን እምበር፡ እዚ ምስ ርእሰ ምትእምማን ዚተሓሓዝ ኣተሓሳስባ፡ ሚዛኑ እናሰሓተ ኸደ። ከመይሲ፡ እቶም ክኢላታት ንወለዲ፡ ‘ከም “ኣይፋል” ወይ ከኣ “ሕማቕ” ዚብሉ ኣሉታዊ ቓላት ኣይትጠቐሙ’ ኺብልዎም ጀመሩ። ኣብ ክንዳኡስ፡ ‘ንደቅኹም ፍሉያት ምዃኖምን ዝደለይዎ ኪዀኑ ኸም ዚኽእሉን ወትሩ ንገርዎም’ ተባህሉ። በዚ ኸምዚ፡ ንፉዕ ካብ ምዃን ንላዕሊ፡ ንፉዕ ከም ዝዀንካ ዀይኑ ኺስምዓካ ብዝያዳ ኣገዳሲ ዀነ።

ወለዲ ንሓደ ኣብ ዝፋን ኮፍ ዝበለ ወዶም፡ ኣመና ኺንእድዎ ኸለዉ

እቲ ምስ ርእሰ ምትእምማን ዚተሓሓዝ ኣተሓሳስባ፡ ንቘልዑ ርእሶም ሰማይ ከም ዚሰቕልዋ ኻብ ምግባር ሓሊፉ ብዙሕ ፋይዳ የብሉን

ከምቲ ገሊኦም ሰባት ዝገለጽዎ፡ ኣብ መወዳእታኡ፡ እቲ ምስ ርእሰ ምትእምማን ዚተሓሓዝ ኣተሓሳስባ፡ ንቘልዑ ርእሶም ሰማይ ከም ዚሰቕልዋ፡ እዛ ዓለም ድማ ንዓታቶም ናይ ምግልጋል ግዴታ ኸም ዘለዋ ገይሮም ከም ዚኣምኑ ኻብ ምግባር ሓሊፉ ብዙሕ ፋይዳ ኣይነበሮን። ብዘይካዚ፡ ከምቲ እታ ጀነሬሽን ሚ ዘርእስታ መጽሓፍ ዝሓበረቶ፡ እቲ ኣተሓሳስባ ንመንእሰያት፡ “ነቲ ዘይተርፍ ነቐፌታን ነቲ ሓድሓደ ሳዕ ኣብ ናይ ሓቂ ህይወት ዜጋጥም ፍሽለትን ብግቡእ ኣየዳለዎምን።” ኣብታ መጽሓፍ እተጠቕሰ ሓደ ኣቦ ኸምዚ በለ፦ “ኣብ ናይ ስራሕ ዓለም ዘለዉ ሰባት፡ ብዛዕባ ገዛእ ርእስኻ ጽቡቕ ከም ዚስምዓካ ኺገብሩ ኣይጽዕሩን እዮም። . . . ኣብቲ እትሰርሓሉ ቤት ጽሕፈት፡ ሕማቕ ጸብጻብ እንተ ኣቕሪብካ፡ ሓላፊኻ፡ ‘ነዚ ዝመረጽካዮ ሕብሪ ወረቐት ፈትየዮ ኣለኹ!’ ኣይብለካን እዩ። ንደቅኻ ጽቡቕ ከም ዚስምዖም እናገበርካ ጥራይ ምዕባይ፡ ኣመና ኺጐድኦም ይኽእል እዩ።”

ዚለዋወጥ ኣረኣእያታት

ኣብዚ ዝሓለፈ ዓሰርተታት ዓመታት፡ ንኣተዓባብያ ውሉዳት ዚምልከት ጕዳይ፡ ኣረኣእያ ደቂ ሰብ በብእዋኑ ዚለዋወጥ ምዃኑ ኣርእዩ እዩ። ሮናልድ ሞሪሽ ዝስሙ መምህር፡ “ተግሳጽ በብእዋኑ እዩ ዚቀያየር ዘሎ። እዚ ኸኣ፡ ነቲ ኣብ ማሕበረ ሰብና ዘሎ ለውጢ ዜርኢ እዩ” በለ።a ከምቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዚገልጾ፡ ወለዲ ብቐሊሉ ‘ብዅሉ ንፋስ ትምህርቲ ኸም ብማዕበል ኪድፍኡን ንየው ነጀው ኪኽብከቡን’ ይኽእሉ እዮም።—ኤፌሶን 4:14።

ብንጹር እምበኣር፡ እዚ ሕጂ ኣስፋሕፊሑ ዘሎ ንደቅኻ ብግቡእ ናይ ዘይምግሳጽ ኣተሓሳስባ፡ ኣሉታዊ ጽልዋ ኣሕዲሩ እዩ። ንስልጣን ወለዲ ኣዳኺምዎ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ውሉዳት ጽቡቕ ምርጫ ንኺገብሩን ኣብ ህይወቶም ናይ ሓቂ ርእሰ ምትእምማን ንኼጥርዩን ዚሕግዞም ስልጠና ኸም ዘይረኽቡ እውን ገይሩ እዩ።

እሞኸ ኻብዚ ዚሓይሽ መገዲ ይህሉዶ ይኸውን፧

a ሰያፍ ዝገበርናዮ ንሕና ኢና፣ ሰክረትስ ኦቭ ዲስፕሊን፦ 12 ኪስ ፎር ረይዚንግ ሪስፖንሲብል ችልድረን ካብ ዘርእስታ መጽሓፍ እተወስደ።

ጌጋ ትምህርቲ ዲኻ እትምህሮም ዘለኻ፧

ንገዛእ ርእስኻ ኣብዚ ዚስዕብ ኵነታት እሞ ኣእትዋ።

  • ንወድኽን ንጓልክን ኵሉ ሳዕ ድሕሪ ትምህርትን ኣብ ቀዳመ ሰናብትን፡ ናብ ስፖርታውን ሙዚቃውን ንጥፈታት ክትወስድዮምን ክትመልስዮምን ጸሓይ በሪቓ ትዓርብ። ብዛዕባ እዚ ኽትሓስቢ ኸለኺ፡ ‘ሓይለይ እዩ ዚጽንቀቕ። ግናኸ ደቀይ፡ ህይወተይ ምዃኖምን ዝዀነ ይኹን ነገር ከም ዝገብረሎምን ይፈልጡ እዮም። ንፍዕቲ ኣደ ኸምኡ ደይኰነትን ክትገብር ዘለዋ፧’ ትብሊ።

    ነዚ ዚስዕብ ሕሰብሉ፦ ደቅኺ ኣብ እተፈላለየ ንጥፈታት ምእንቲ ኺካፈሉ ኢልኪ ገዛእ ርእስኺ ብድኻም ትውድኢ እንተ ዄንኪ፡ ንደቅኺ ብሓቂ እንታይ ኢኺ እትምህርዮም፧ ደቅኺ ድሕሪ ግዜ፡ ዓበይቲ ሰባት፡ ብፍላይ ከኣ ወለዲ፡ ንዓታቶም ኬገልግልዎም ከም እተፈጥሩ ገይሮም ኪሓስቡ ይኽእሉ እዮም።

    ዝሓሸ ኣማራጺ፦ ንደቅኺ፡ ንዓኺ እውን ዜድልየኪ ነገራት ከም ዘሎ ኣረድእዮም። ከምኡ እንተ ጌርኪ፡ ንኻልኦት፡ እንተላይ ንዓኺ ኺሓልዩልኪ ኸም ዘለዎም ኪምሃሩ እዮም።

  • ተሪር ዝጠባዩን ነቓፍን ኣቦ ስለ ዘዕበየካ፡ ምስ ደቅኻ ኣብ ዘሎካ ርክብ ብኣንጻሩ ኽትገብር ወሲንካ። ኣብ ዝረኸብካዮ ኣጋጣሚ ድማ፡ ዋላ እውን ዜንእድ ነገር እንተ ዘይገበሩ፡ ነቶም ክልተ ደቅኻ ትንእዶም። ‘ብዛዕባ ገዛእ ርእሶም ጽቡቕ ኪስምዖም ኣገዳሲ እዩ። ፍሉያት ከም ዝዀኑ እንተ ተሰሚዕዎም፡ ርእሰ ምትእምማን ስለ ዜጥርዩ፡ ኣብ ህይወት ዕዉታት ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም’ ኢልካ ድማ ትሓስብ።

    ነዚ ዚስዕብ ሕሰበሉ፦ ንደቅኻ ጽቡቕ ምእንቲ ኺስምዖም ኢልካ ጥራይ ትንእዶም እንተ ዄንካ፡ ብሓቂ እንታይ ኢኻ እትምህሮም፧ ካብ ግቡእ ንላዕሊ ኣብ ርእሰ ምትእምማን ደቅኻ ተተኵር እንተ ዄንካ፡ ሕጂ ዀነ ኣብ መጻኢ ብኸመይ እዩ ኺጐድኦም ዚኽእል፧

    ዝሓሸ ኣማራጺ፦ ሚዛናዊ ኹን። ካብ መጠን ንላዕሊ ኣይትንቀፎም፣ ክትንእዶም እንተ ዄንካ እውን፡ ኣብቲ ብሓቂ ዝገበርዎ ጻዕሪ ተመርኲስካ ንኣዶም።

  • ሽዱሽተን ሓሙሽተን ዝዕድሚአን ክልተ ደቂ ኣለዋኺ። እታ ዓባይ ቀልጢፋ እያ እትቝጣዕ። ትማሊ እኳ ብሓርቖት ነታ ንእሽቶ ሓብታ ኣብ ኢዳ ወቒዓታ እያ። ነቲ ዅነታት ብዛዕባ ዝሓዝክሉ መገዲ ምስ ሓሰብኪ፡ ከምዚ ኽትብሊ ትጅምሪ፦ ‘ኣብ ክንዲ ዝቐጽዓ፡ ከረድኣ እየ ፈቲነ። ምኽንያቱ፡ እቲ ዝገበረቶ ነገር ሕማቕ ምዃኑ እንተ ነጊረያ፡ ስምዒታ ኺጕዳእ ይኽእል እዩ።’

    ነዚ ዚስዕብ ሕሰብሉ፦ ንሓንቲ ጓል ሽዱሽተ ዓመት ቈልዓ ኸተረድኣ ጥራይ ምፍታን ኣኻሊ ድዩ፧ ንሓውካ ወይ ንሓፍትኻ ምህራም “ሕማቕ” ምዃኑ ምዝራብ ክሳዕ ክንድቲ ጐዳኢ ድዩ፧

    ዝሓሸ ኣማራጺ፦ ደቅኺ ሕማቕ ጠባይ ኬርእያ ኸለዋ፡ ብግቡእ ቅጽዕየን። ተግሳጽ ብፍቕራዊ መገዲ እንተ ተዋሂቡ፡ ንደቅኺ ጠባየን ምእንቲ ኼመሓይሻ ኺሕግዘን ይኽእል እዩ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ