ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • g18 ቍ. 1 ገጽ 8-9
  • ፍቕሪ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ፍቕሪ
  • ንቕሑ!—2018
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ብ“ፍጽምቲ ማእሰር ሓድነት” ሓደ ዝዀኑ
  • “ብፍቕሪ ተመላለሱ”
    ንየሆዋ ቕረቦ
  • ፍቕሪ—ኣገዳሲት ባህርይ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2017
  • ከቶ ዘይተቋርጽ ፍቕሪ ኣማዕብል
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2009
  • ብፍቕሪ ተሃነጽ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2001
ዝያዳ ርአ
ንቕሑ!—2018
g18 ቍ. 1 ገጽ 8-9
ሕጉሳት ሰብ ሓዳር

መገዲ ሓጐስ

ፍቕሪ

ደቂ ሰብ ፍቕሪ ኺረኽቡ ሃረር ይብሉ እዮም። ብዘይ ፍቕሪ ኺዕምብብ ዚኽእል ሓዳር፡ ስድራ ቤት፡ ወይ ዕርክነት የልቦን። ስለዚ፡ ፍቕሪ ንኣእምሮኣዊ ጥዕናናን ንሓጐስናን ኣገዳሲት እያ። “ፍቕሪ” ግና እንታይ እያ፧

ኣብዚ ፍቕሪ ኽንብል ከለና፡ ነታ ኣብ መንጎ ኣንጻር ጾታ ዘላ ፍቕሪ ማለትና ኣይኰነን። ልክዕ እዩ፡ ኣብ መንጎ ኣንጻር ጾታ ዘላ ፍቕሪ ኣገዳሲት ምዃና ኣይከሓድን እዩ። እንተዀነ ግና፡ ንኻልኦት ካብ ልቢ ኽንሓልየሎም፡ ዋላ እውን ካብ ገዛእ ርእስና ኸነቐድሞም እትድርኽ ብልጽቲ ዓይነት ፍቕሪ ኣላ። እዛ ፍቕሪ እዚኣ ብመሰረታዊ ስርዓታት ኣምላኽ እትምራሕ እኳ እንተ ዀነት፡ ናይ ምፍታው ስምዒት እውን ተጠቓልል እያ።

ብዛዕባ ፍቕሪ እተዋህበ ሓደ ጽቡቕ መግለጺ ኸምዚ ይብል፦ “ፍቕሪ ዓቃልን ለዋህን እያ። ፍቕሪ ኣይትቐንእን፡ ኣይትጀሃርን፡ ኣይትንፋሕን፡ ስዲ ኣይኰነትን፡ ጥቕሚ ርእሳ ኣይትደልን፡ ኣይትቝጣዕን፡ ኣይትቕየምን እያ። ብሓቂ ትሕጐስ እምበር፡ ብዓመጻ ኣይትሕጐስን እያ። ኵሉ ኽኢላ ትነብር፡ . . . ኵሉ ተስፋ ትገብር፡ ኵሉ ትጻወር። ፍቕሪ ኸቶ ኣይተቋርጽን እያ።”—1 ቈረንቶስ 13:4-8።

ከምዚኣ ዝበለት ፍቕሪ “ኸቶ ኣይተቋርጽን እያ” ኺብሃል ከሎ፡ ወትሩ ኽትህሉ እያ ማለት እዩ። ምስ ግዜ እናዓበየት ክትከይድ ትኽእል እያ። ዓቃልን ለዋህን ይቕረ በሃሊትን ስለ ዝዀነት ድማ፡ “ፍጽምቲ ማእሰር ሓድነት እያ።” (ቈሎሴ 3:14) ስለዚ፡ ሰባት ዘይፍጹማት እኳ እንተ ዀኑ፡ ኣብዛ ፍቕሪ እዚኣ ዚምስረት ርክብ፡ ጽኑዕን ሓጐስ ዝዓሰሎን እዩ ዚኸውን። ንመውስቦ እስከ ከም ኣብነት ጌርና ንውሰድ።

ብ“ፍጽምቲ ማእሰር ሓድነት” ሓደ ዝዀኑ

የሱስ ክርስቶስ ንመውስቦ ዚኸውን ኣገዳሲ ስርዓታት ምሂሩ እዩ። ንኣብነት፡ “‘ሰብኣይ ኣቦኡን ኣዲኡን ይሓድግ፡ ምስ ሰበይቱ ኸኣ ይጠብቕ፡ ክልቲኦም ድማ ሓደ ስጋ ይዀኑ።’ . . . እምበኣር፡ ነቲ ኣምላኽ ዝጸመዶስ፡ ዋላ ሓደ ሰብ ኣይፍለዮ” ኢሉ እዩ። (ማቴዎስ 19:5, 6) ኣብዚ እንተ ወሓደ፡ ክልተ ኣገዳሲ መሰረታዊ ስርዓታት ኣሎ።

“ክልቲኦም ድማ ሓደ ስጋ ይዀኑ።” መውስቦ ኣብ መንጎ ደቂ ሰብ ዘሎ ኻብ ኵሉ ዝበለጸ ናይ ቀረባ ርክብ እዩ። ፍቕሪ ድማ ከይጣለሙ፡—ማለት፡ እቲ ሰብኣይ ወይ እታ ሰበይቲ ምስ ካልእ ሰብ “ሓደ ስጋ” ኸይኰኑ፡—ዕቝባ ትዀኖም። (1 ቈረንቶስ 6:16፣ እብራውያን 13:4) ጥልመት ነቲ ኣብ መንጎኦም ዝነበረ ምትእምማን ስለ ዜጥፍኦ፡ ሓዳር የፍርስ እዩ። ውሉዳት እንተ ኣልዮምዎም ከኣ፡ እቶም ውሉዳት ብስምዒታዊ መዳይ ኪጕድኡ ይኽእሉ እዮም፣ ምናልባት ድማ ዜፍቅሮም ከም ዘይብሎም ኰይኑ ኺስምዖም ይኽእል እዩ፣ ካብኡ ሓሊፎም እውን ሽቝሩራት ወይ መማረርቲ ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም።

“ኣምላኽ ዝጸመዶ።” መውስቦ ቕዱስ እዩ። ነዚ ሓቂ እዚ ዜኽብሩ ሰብ ሓዳር፡ መውስቦኦም ኬደልድሉ ይጽዕሩ እዮም። ጸገማት ኬጋጥሞም ከሎ፡ ኪፋትሑ ኣይሓስቡን እዮም። ፍቕሮም ጽንዕትን ተጻዋሪትን እያ። ከምዚኣ ዓይነት ፍቕሪ፡ “ኵሉ ኽኢላ ትነብር” እያ፣ ማለት ኣብ መንጎ ሓዳር ስኒትን ሰላምን ምእንቲ ኺሰፍን፡ ጸገማት ክንሰግር ትሕግዘና እያ።

ኣብ መንጎ ወለዲ ጥቕሚ ርእሳ እትስውእ ፍቕሪ እንተ ኣልያ፡ ውሉዳት ብዙሕ ይጥቀሙ እዮም። ጀሲካ ዝስማ መንእሰይ፡ “ኣቦይን ኣደይን ብሓቂ ይፋቐሩን ይከባበሩን እዮም። ኣደይ ንኣቦይ፡ ምናዳ ኣብ ቅድሚ ደቃ፡ ከተኽብሮ ኽርእያ ኸለኹ፡ ከምኣ ክኸውን ድሌት የሕድረለይ እዩ” ትብል።

ፍቕሪ ቐንዲ ባህርይ ኣምላኽ እያ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ኣምላኽ ፍቕሪ እዩ” ይብል። (1 ዮሃንስ 4:8) የሆዋ፡ “ሕጉስ ኣምላኽ” ዚብሃል ምዃኑ እምበኣር ዜገርም ኣይኰነን። (1 ጢሞቴዎስ 1:11) ንሕና እውን ንፈጣሪና ብባህርያቱ፡ ምናዳ ድማ ብፍቕሩ፡ ክንመስሎ እንተ ጽዒርና፡ ሕጉሳት ንኸውን ኢና። ኤፌሶን 5:1, 2፡ “ከም ፍቑራት ውሉዳት፡ ንኣምላኽ ምሰልዎ፣ . . . ብፍቕሪ ተመላለሱ” ትብል።

ቀንዲ ነጥብታት

‘ፍቕሪ ዓቃልን ለዋህን እያ። ኵሉ ኽኢላ ትነብር፡ ኵሉ ተስፋ ትገብር፡ ኵሉ ትጻወር። ፍቕሪ ኸቶ ኣይተቋርጽን እያ።’—1 ቈረንቶስ 13:4-8።

ፍቕሪ በዚ ዚስዕብ ምኽንያታት፡ ሓጐስ ተምጽእ፦

  • ንኻልኦት ካብ ልቢ ኽንሓልየሎም ትሕግዘና

  • ምስ ግዜ እናዓበየት ትኸይድ

  • ንዕርክነትን ንመውስቦን ብርታዐን ተጻዋርነትን ትህብ

  • ንውሉዳት ኪዕምብቡን ከይሽቝረሩን ትሕግዞም

  • ንፈጣሪና ኽንመስሎ ተኽእለና

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ