ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • g18 ቍ. 2 ገጽ 15
  • 12 ሸቶታት

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • 12 ሸቶታት
  • ንቕሑ!—2018
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • እዚ እንታይ ማለት እዩ፧
  • ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧
  • ክትገብሮ እትኽእል ነገራት
  • መንፈሳዊ ሸቶታት ብምውጻእ ንፈጣሪኻ ኣኽብሮ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2004
  • መንፈሳዊ ሸቶታትካ ኽትበጽሓሉ እትኽእል መገድታት
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2006
  • ኣቱም መንእሰያት፡ ንህይወትኩም ኣብ ምንታይ መዓላ ኢኹም ከተውዕልዋ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2010
  • መንእሰያት— መንፈሳዊ ሸቶታትኩም እንታይ ኢዩ፧
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1997
ዝያዳ ርአ
ንቕሑ!—2018
g18 ቍ. 2 ገጽ 15
ሓደ መንእሰይ ንድፊ የዳሉ

ሸቶታት ከም ንድፊ እዩ፣ እንተ ጽዒርካ፡ ሸቶኻ ኽትወቅዕ ኢኻ

ንመንእሰያት

12 ሸቶታት

እዚ እንታይ ማለት እዩ፧

ሸቶ ኺብሃል ከሎ፡ ትምኒት ማለት ጥራይ ኣይኰነን። ናይ ሓቂ ሸቶታት ንምግባር፡ መደብ ምውጻእ፡ ተዓጻጻፊ ምዃን፡ መዓንጣኻ ሸጥ ኣቢልካ ድማ ምዕያይ ይሓትት እዩ።

ናይ ሓጺር ግዜ ሸቶታት (መዓልትታት ወይ ሰሙናት ዚወስድ)፡ ናይ ማእከላይ ግዜ ሸቶታት (ኣዋርሕ ዚወስድ)፡ ከምኡ ድማ ናይ ነዊሕ ግዜ ሸቶታት (ዓመት ወይ ካብኡ ንላዕሊ ዚወስድ) ከተውጽእ ትኽእል ኢኻ። ናይ ነዊሕ ግዜ ሸቶታትካ ንምውቃዕ፡ ነቲ ሸቶታት እቲ ንምብጻሕ ዜድሊ ዝነኣሰ ሸቶታት ከተውጽእ ትኽእል ኢኻ።

ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

ሸቶታትካ ምስ እትወቅዕ፡ ርእሰ ምትእምማንካ ኺውስኽ፡ ዕርክነትካ ኺድልድል፡ ሓጐስካ ድማ ኪዓዝዝ እዩ።

ርእሰ ምትእምማን፦ ንኣሽቱ ሸቶታት ኣውጺእካ ምስ እትወቕዖ፡ ዓበይቲ ሸቶታት ንምውጻእ ዘሎካ ርእሰ ምትእምማን ይውስኽ እዩ። ከም ጸቕጢ መዛኑ ዝኣመሰለ መዓልቲ መዓልቲ ንዜጋጥመካ ጸገማት ክትሰግሮ ኸም እትኽእል እውን ብዝያዳ ኽትተኣማመን ኢኻ።

ዕርክነት፦ ንህይወቶም ብሸቶታት ምስ ዚመርሑ ሰባት፡ ማለት እንታይ ኪገብሩ ኸም ዚደልዩ ምስ ዚፈልጡን ንዕኡ ንምዕያይ ፍቓደኛታት ምስ ዝዀኑን ሰባት ኢና ኽንከውን እንደሊ። ብዘይካዚ፡ ሓደ ኻብቲ ዕርክነት ንምድልዳል ዜኽእል ብሉጽ መገድታት፡ ሓባራዊ ሸቶ ምስ ዘለዎ ሰብ ብሓባር ምዕያይ እዩ።

ሓጐስ፦ ሸቶታት ኣውጺእካ ምስ እትወቕዖ፡ ዕግበት ይስምዓካ።

“ሸቶታት ምግባር እፈቱ እየ። ንኣእምሮይ ትሑዝ ይገብሮ፡ ክበጽሖ ዘሎኒ ነገር እውን ይህልወኒ እዩ። ሓደ ሸቶ ምስ ወቓዕካ፡ ናብ ድሕሪት ምልስ ኢልካ፡ ‘ተዓዊተ! ዝሓሰብክዎ ፈጺመ’ ኽትብል ከለኻ ጽቡቕ እዩ ዚስምዓካ።”—ክሪስቶፈር።

ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ፦ “ኩነታት ንፋስን ደመናን ዚጽበ ሰብ፥ ኣብቲ ዚግብኦ እዋናት ኣይዘርእ ኣይዓጽድ።”—መክብብ 11:4፡ ትርጉም 1990።

ክትገብሮ እትኽእል ነገራት

ሸቶታት ንምውጻእን ሸቶታትካ ንምውቃዕን ነዚ ዚስዕብ ስጕምትታት ውሰድ።

ኣለሊ። ዝርዝር ሸቶታትካ ጽሓፍ እሞ፡ ድሕሪኡ ነየናይ ቀዳማይ፡ ነየናይ ካልኣይ፡ ነየናይ ሳልሳይ ክትወቕዖ ኸም እትደሊ ስርዓዮ።

ወጥን። ንዅሉ ሸቶታትካ፡ ከምዚ ዚስዕብ ግበር፦

  • ኪብጽሓሉ ዘለዎ እዋን መድብ።

  • እቲ ዜድሊ ስጕምትታት ወጥን።

  • ኬጋጥም ዚኽእል ዕንቅፋታት ሓሲብካ፡ ብኸመይ ከም እትሰግሮ ወስን።

ተግብር። ንምጅማሩ፡ ኵሉ ነገር ክሳዕ ዚተዓራረ ኣይትጸበ። ‘ናብ ሸቶይ ንምብጻሕ ክገብሮ ዝኽእል ቀዳማይ ነገር እንታይ እዩ፧’ ኢልካ ገዛእ ርእስኻ ሕተት። ድሕሪኡ፡ ግበሮ። ኣብ ኵሉ እቲ እትወስዶ ስጕምቲ፡ ነቲ ምዕባለኻ ተኸታተሎ።

ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ፦ “ውጥናት ትጉህ ብርግጽ ናብ ኣሳልጦ ይመርሕ።”—ምሳሌ 21:5።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ