ንሓዘንተኛታት ዚኸውን ሓገዝ
ኣብዛ ሕታም እዚኣ፦ ንሓዘንተኛታት ዚኸውን ሓገዝ
ምረት ሓዘን
ሓዘን እንታይ ስምዒታት ይፈጥር፧ ሓዘንተኛታት መጸናንዒ ዜድልዮም ስለምንታይ እዩ፧
እንታይ ክትጽበ ትኽእል፧
እዛ ዓንቀጽ እዚኣ ብዛዕባ ሓዘን ዘሎ ግጉይ ኣረኣእያን ኣብ ግዜ ሓዘን ኪስምዓካ ዚኽእል ልሙድ ስምዒታትን ትምርምር። ሓዘንተኛ እንተ ዄንካ፡ በበይኑ ዓይነት ስምዒታት ኪስምዓካ ንቡር እዩ።
ንሓዘን ምኽኣሉ—ሕጂ እንታይ ክትገብር ትኽእል፧
ንሓዘን ንምኽኣሉ እንታይ ግብራዊ ስጕምትታት ክትወስድ ትኽእል፧ እዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ኣብቲ ግዜ ዘይሓልፎ ጥበብ እተመርኰሰ ንገሊኦም ሰባት ዝሓገዞም ዝርዝር ሓሳባት ሒዛ ኣላ።
ንሓዘንተኛታት ዚኸውን ብሉጽ ሓገዝ
ነቲ ብዙሓት ሰባት ምድረ ሰማይ ምስ ጸልመቶም መጸናንዒ ዝረኸቡሉ ምንጪ መርምሮ፣ ንዓኻ ብኸመይ ከም ዚሕግዘካ ድማ ርአ።