ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • g19 ቍ. 2 ገጽ 10-11
  • ብኸመይ ሓላፍነት ዚስምዖ ኸም ዚኸውን

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ብኸመይ ሓላፍነት ዚስምዖ ኸም ዚኸውን
  • ንቕሑ!—2019
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ሓላፍነት ዚስምዖ ምዃን እንታይ የጠቓልል፧
  • ሓላፍነት ዚስምዖ ምዃን ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧
  • ብኸመይ ሓላፍነት ትምህር፧
  • ኣገዳስነት ስራሕ ገዛ
    ንቕሑ!—2017
  • 8 ኣብነት
    ንቕሑ!—2018
  • መጽሓፍ ቅዱስ ንውሉዳትካ ኣብ ምስልጣን ኪሕግዘካ ይኽእልዶ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2004
  • ደቅኻ ንፍሽለት ምእንቲ ኺዋጽኡሉ፡ ብኸመይ ትሕግዞም፧
    ንስድራ ቤት
ዝያዳ ርአ
ንቕሑ!—2019
g19 ቍ. 2 ገጽ 10-11
ኣቦ ንወዱ፡ ንተኽሊ ብኸመይ ማይ ከም ዜስቲ የርእዮ

ትምህርቲ 4

ብኸመይ ሓላፍነት ዚስምዖ ኸም ዚኸውን

ሓላፍነት ዚስምዖ ምዃን እንታይ የጠቓልል፧

ሓላፍነት ዚስምዖም ሰባት ቁም ነገረኛታትን እሙናትን እዮም። እተዋህቦም ዕዮ ብግዜኡ ይውድኡ እዮም።

ቈልዑ ዓቕሞም ድሩት ክነሱ፡ ሓላፍነት ዚስምዖም ንምዃን ግና ኪምሃሩ ይኽእሉ እዮም። ፓረንቲንግ ዊዝኣውት ቦርደርስ ዘርእስታ መጽሓፍ ከም እትገልጾ፡ ቈልዓ ዓመትን ሰለስተ ወርሕን ምስ ገበረ፡ ወለዱ ዚብልዎ ኺገብር ይጅምር፣ ዓመትን ሽዱሽተ ወርሕን ምስ ገበረ ኸኣ ወለዱ ዚገብርዎ ዘበለ ኺገብር ይደሊ። እታ መጽሓፍ ኣስዕብ ኣቢላ ኸምዚ ትብል፦ “ኣብ ሓያሎ ባህልታት ወለዲ ነቲ ደቆም ንምሕጋዝ ዘለዎም ክእለት፡ ምናዳ ኻብ ደቂ ሓሙሽተ ኽሳዕ ደቂ ሸውዓተ ኣብ ዚዀኑሉ እዋን ይስሕልዎም እዮም፣ ኣብዚ ዕድመ እዚ ዚርከቡ ቘልዑ ድማ ኣብ ብዙሕ ዕዮታት ገዛ ብብቕዓት ይሕግዙ እዮም።”

ሓላፍነት ዚስምዖ ምዃን ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

ኣብ ገሊኡ ቦታታት፡ ብዙሓት መንእሰያት ካብ ቤቶም ወጺኦም ብርእሶም ኪነብሩ ይፍትኑ እሞ ኸይሰለጦም ምስ ተረፈ ናብ ኣዲኦምን ኣቦኦምን ይምለሱ ኣለዉ። ኣብ ገሊኡ መዳያት፡ እቶም መንእሰያት ብኸመይ ገንዘብ ከም ዜካውኑ፡ ቤት ከም ዜመሓድሩ፡ ወይ መዓልታዊ ሓላፍነታቶም ከም ዚፍጽሙ ስለ ዘይተማህሩ እዩ ኸምኡ ዚኸውን።

ስለዚ፡ ውሉዳት ዓብዮም ሓላፍነታት ምእንቲ ኺስከሙ፡ ካብ ሕጂ እንተ ኣሰልጠንካዮም ይሓይሽ። ሃው ቱ ረይዝ ኣን ኣዳልት ዘርእስታ መጽሓፍ፡ “ደቂ ዓሰርተው ሸሞንተ ኽሳዕ ዚዀኑ ጽግዕተኛ ጌርካ ኽትሕዞም፡ ድሕሪኡ ናብ ናይ ሓቂ ዓለም ክትጕሕፎም ኣይትደልን ኢኻ” ትብል።

ብኸመይ ሓላፍነት ትምህር፧

ዕዮ ገዛ ሃቦም።

ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ፦ “ኣብ ኵሉ ዓይነት ከቢድ ዕዮ ጥቕሚ ኣሎ።”—ምሳሌ 14:23።

ቈልዑ ምስ ወለዶም ኰይኖም ኪዓይዩ ይደልዩ እዮም። ስለዚ፡ ኣብ ቤት ዕዮታት ብምሃብ፡ ነዚ ተፈጥሮኣዊ ዝንባለኦም ክትጥቀመሉ ትኽእል ኢኻ።

ገሊኦም ወለዲ ኸምኡ ኺገብሩ ኣይደልዩን እዮም። ትምህርቲ ዝኣተዉ ደቆም መዓልቲ መዓልቲ ናይ ትምህርቶም ብዙሕ ዕዮ ቤት ስለ ዘለዎም፡ ከይነኽብደሎም ኢሎም ይሓስቡ እዮም።

ይኹን እምበር፡ ኣብ ቤት ዚውሃብ ዕዮ ንቘልዑ ዕዮ ተቐቢልካ ምዝዛሙ ስለ ዚምህሮም፡ ኣብ ቤቶም ዚዓይዩ ቘልዑ ኣብ ትምህርቶም ዕዉታት ንምዃን ዝያዳ ኣጋጣሚ ኣለዎም። ፓረንቲንግ ዊዝኣውት ቦርደርስ ዘርእስታ መጽሓፍ ከምዚ ትብል፦ “ደቅና ብንእስነቶም ተሳትፎ ኺገብሩ ዘለዎም ህንጥዮት ዕሽሽ እንተ ኢልናዮ፡ ኣበርክቶ ምግባር ኣገዳሲ ኣይኰነን ዚብል ሓሳብ እዮም ዜሕድሩ። . . . ካልእ ሰብ ኪገብረሎም እውን ኪጽበዩ ይጅምሩ።”

እዚ ሓሳብ እዚ ኸም ዚሕብሮ፡ ኣብ ገዛ ምዕያይ ንቘልዑ ኣህለኽቲ ዘይኰነስ ኣበርከትቲ፡ ወሰድቲ ዘይኰነስ ወሃብቲ ይገብሮም እዩ። ቘልዑ ኣብ ቤት ዚዓይዩ እንተ ዀይኖም፡ ኣብ ስድራ ቤቶም ኣኽቢርካ ዚርአ ቦታ ኸም ዘለዎም ይግንዘቡ እዮም፣ ነቲ ዕዮ እውን ሓላፍነት ይስምዖም እዩ።

ውሉዳትካ ንጌጋታቶም ሓላፍነት ኪወስዱ ሓግዞም።

ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ፦ “ኣብ መጻኢኻ ጥበበኛ ምእንቲ ኽትከውንሲ፡ ምኽሪ ስማዕ፡ ተግሳጽ እውን ተቐበል።”—ምሳሌ 19:20።

ውሉድካ ኺጋገ ኸሎ፡—ንኣብነት፡ ንብረት ካልእ ሰብ እንተ ኣባላሽዩ፡— ኣይትሸፍነሉ። ቈልዑ ንዚመጾም ሳዕቤናት ኪቕበሉ ይኽእሉ እዮም፣ ኣብዚ መዳይ እዚ፡ ይቕረታ ኺሓትት፡ ምናልባት እውን ኪኽሕስ የድልዮ ይኸውን።

ቈልዑ ብጌጋታቶምን ብውድቀታቶምን ሓላፍነት ዚስከሙ እንተ ዀይኖም፡ ከምዚ ዚስዕብ ብምግባር ትምህርቲ ይዀኖም እዩ፦

  • ብቕንዕና ጌጋታቶም ኪእመኑ

  • ጌጋታቶም ንኻልኦት ከይልጥፉ

  • መመኽነይታ ኸየቕርቡ

  • ኣድላዪ ኪኸውን ከሎ፡ ይቕረታ ኺሓትቱ

ኣቦ ንወዱ፡ ንተኽሊ ብኸመይ ማይ ከም ዜስቲ የርእዮ

ሕጂ ኣሰልጥን

ሓላፍነት ዚስምዖም ንምዃን ዝሰልጠኑ ቘልዑ፡ ምስ ዓበዩ ህይወቶም ጽቡቕ ገይሮም ኬመሓድሩ ይኽእሉ እዮም

ብኣብነት ምሃር

  • ትጉህን እርኑብን ሰዓተይ ዝሕሉን ድየ፧

  • ደቀይ ኣብ ገዛ ኽሰርሕ ከለኹ ይርእዩኒ ድዮም፧

  • ጌጋታተይ እእመን፡ ኣድላዪ ኪኸውን ከሎ እውን ይቕረታ እሓትት ድየ፧

ንሕና ዝገበርናዮ . . .

“ምግቢ ኽሰርሕ ከለኹ፡ ደቀይ ካብ ቍልዕነቶም ኣትሒዞም ይሕግዙኒ ነይሮም እዮም። ክዳውንቲ ኽዓጽፍ ከለኹ፡ ንሳቶም እውን ይዓጽፉ ነይሮም እዮም። ከጸራሪ ኸለኹ፡ የጸራርዩ ነይሮም እዮም። ስራሕ ይፈትዉ ነይሮም እዮም። ኣነ ዝሰርሖ እናሰርሑ ምሳይ ግዜ ምሕላፍ የሐጕሶም ነይሩ እዩ። በዚ ኸምዚ እዮም ሓላፍነት ዚስምዖም ምዃን ተማሂሮም።”—ሎራ።

“ሓደ ግዜ፡ ወድና ስነ ስርዓት ስለ ዝጐደሎ፡ ናብ ፈታዊትና ደዊሉ ይቕረታ ኸም ዚሓትታ ገይረዮ እየ። ንብዙሕ ዓመታት፡ ብቕንዕና ተላዒሉ ኽነሱ፡ ዚጐድእ ቃላት ብምዝራቡ ብተደጋጋሚ ይቕረታ ሓቲቱ እዩ፣ ሕጂ ግና ኪጋገ ኸሎ ይቕረታ ምሕታት ኣይከብዶን እዩ።”—ዴብራ።

ጥቕሚ ሳዕቤናት

መምህር ጀሲካ ሌሂ ኣብ መጽሔት ኣትላንቲክ፡ “ቈልዑ ጌጋታት ይገብሩ እዮም፣ ጌጋታት ኪገብሩ ኸለዉ ድማ፡ ካብ ሳዕቤናት ዚርከብ ትምህርታዊ ጥቕሚ፡ ህያብ ምዃኑ ወለዲ ኺርስዑ የብሎምን” ትብል። ኣስዕብ ኣቢላ ድማ ከምዚ ትብል፦ “ዓመት ንዓመት፡ እቶም ‘ብሉጻት’ ተምሃሮይ፡—እቶም ኣብ ህይወቶም ሕጉሳትን ዕውታትን ዝዀኑ ማለተይ እየ፡—ኪጋገዩ እተፈቕደሎምን ብስሕተቶም ተሓተትቲ ዝዀኑን ጌጋታት እናገበሩ ኽነሶም ብሉጻት ሰባት ኪዀኑ ብድሆ ዝቐረበሎምን እዮም።”

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ