ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • g21 ቍ. 1 ገጽ 4-5
  • ንሓጐስ ስድራ ቤት ኣበርክቶ ዚገብር ጥበብ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ንሓጐስ ስድራ ቤት ኣበርክቶ ዚገብር ጥበብ
  • ንቕሑ!—2021
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ኣቱም ሰብኡት፡ ንኣንስትኹም ኣፍቅርወን
  • ኣትን ኣንስቲ፡ ንሰብኡትክን ኣኽብራኦም
  • ንመጻምድትኻ እሙን ኩን
  • ኣቱም ወለዲ፡ ንደቅኹም ኣሰልጥንዎም
  • ኣቱም ውሉዳት፡ ንወለድኹም ተኣዘዝዎም
  • ስድራ ቤትካ ሕጕስቲ ኽትከውን ትኽእል እያ
    መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይምህረና፧
  • ንናብራ ስድራ ቤትካ ዜሐጕስ ክትገብሮ እትኽእል ብኸመይ ኢኻ፧
    መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ እንታይ እዩ ዚምህር፧
  • ንናብራ ስድራቤት ዕዉት ምግባር
    ኣብ ገነት ኣብ ምድሪ ንዘለኣለም ምንባር ትኽእል ኢኻ
  • ንኣምላኽ ባህ ዘብል ናብራ ስድራቤት
    ኣምላኽ ካባና ዝደልዮ ብቕዓት እንታይ ኢዩ፧
ዝያዳ ርአ
ንቕሑ!—2021
g21 ቍ. 1 ገጽ 4-5
ሕጉሳት ኣባላት ሓንቲ ስድራ ቤት ኣብ ዕዳጋ።

ንሓጐስ ስድራ ቤት ኣበርክቶ ዚገብር ጥበብ

መውስቦን ውሉዳት ምውላድን ብሉጽ ውህበት ፈጣሪና እዩ። ኣምላኽ ዜሐጕስ ናብራ ስድራ ቤት ኪህልወና ይደሊ እዩ። ስለዚ፡ ብሓደ ጥንታዊ ቕዱስ መጽሓፍ ኣቢሉ ናብራ ስድራ ቤትና ዝሓሸን ዜሐጕስን ምእንቲ ኪኸውን ዚሕግዘና መምርሒ ሂብና እዩ። ኣብዚ መዳይ ዚጠቕመና ጥበባዊ ምኽሪ እስከ ንርአ።

ኣቱም ሰብኡት፡ ንኣንስትኹም ኣፍቅርወን

“ሰብኡት እውን ከምኡ፡ ንኣንስቶም ከም ሰብነቶም ገይሮም ኬፍቅርወን ይግብኦም እዩ። እቲ ንሰበይቱ ዜፍቅር፡ ንርእሱ የፍቅር፣ ከመይሲ፡ ሰብ ንሰብነቱ ይምግቦን ይሕብሕቦን እምበር፡ ዚጸልኦስ ሓደ እኳ የልቦን።”—ኤፌሶን 5:28, 29።

ሰብኣይ፡ ርእሲ ስድራ ቤት እዩ። (ኤፌሶን 5:23) ንፉዕ ሰብኣይ፡ ጨቋኒ ወይ ተሪር ኣይኰነን። ኣብ ክንዳኡስ፡ ንሰበይቱ የኽብራን ብስጋውን ብስምዒታውን መዳይ ይከናኸናን እዩ። እቲ ንሱ ዚደልዮ ጥራይ ኪገብር ስለ ዘይደሊ፡ ወትሩ ኼሐጕሳ ይጽዕር እዩ። (ፊልጲ 2:4) ሓሳባቱ ብግልጺ ይነግራን ክትዛረብ ከላ ጽን ኢሉ ይሰምዓን እዩ። ብዘይካዚ፡ ‘ኣይንድረላን፡’ ኣካላዊ ዀነ ስምዒታዊ ጕድኣት ኣየውርደላን እዩ።—ቈሎሴ 3:19።

ኣትን ኣንስቲ፡ ንሰብኡትክን ኣኽብራኦም

“ሰበይቲ እውን ንሰብኣያ ብዙሕ ተኽብሮ።”—ኤፌሶን 5:33።

ሰበይቲ ንሰብኣያ ምስ እተኽብሮን ንውሳነታቱ ምስ እትድግፍን፡ ኣብ ስድራ ቤታ ሰላም ተስፍን እያ። እንተ ተጋግዩ ኣይተነኣእሶን እያ፣ የግዳስ፡ ብህድኣትን ብኣኽብሮትን እያ እትሕዞ። (1 ጴጥሮስ 3:4) ብዛዕባ ሓደ ጸገም ክትነግሮ ምስ እትደሊ ድማ፡ ምሹእ ግዜ መሪጻ ብኣኽብሮት ትዛረቦ እያ።—መክብብ 3:7።

ንመጻምድትኻ እሙን ኩን

“ሰብኣይ . . . ምስ ሰበይቱ ኸኣ ይጠብቕ፡ ሓደ ስጋ ድማ ይዀኑ።”—ዘፍጥረት 2:24።

ሰብኣይን ሰበይትን ምስ ተመርዓዉ ስድራ ቤት ይምስርቱ እዮም። ስለዚ፡ ሰብ ሓዳር ኢሂን ምሂን ብምብህሃልን ብምልውዋህን ሓዳሮም ንምድልዳል ኪጽዕሩ ኣለዎም። ንሓድሕዶም እሙናት ኪዀኑ ኣለዎም፣ ፡ ካብ ሓዳሮም ወጻኢ ኸኣ ጾታዊ ርክብ ኪፍጽሙ የብሎምን። ከመይሲ፡ ጥልመት ከቢድ ስምዒታዊ ስቓይ የስዕብ እዩ። ብዘይካዚ፡ ንሓድሕዶም ከም ዘይተኣማመኑ ይገብር፡ ነቲ ሓዳር ድማ ኪብትኖ ይኽእል እዩ።—እብራውያን 13:4።

ኣቱም ወለዲ፡ ንደቅኹም ኣሰልጥንዎም

“ንቘልዓ በታ ኪኸደላ ዚግብኦ መገዲ ኣሰልጥኖ፣ ምስ ኣረገ እኳ ኻብኣ ኣይኬልግስን እዩ።”—ምሳሌ 22:6።

ኣምላኽ ንወለዲ ንደቆም ኬሰልጥኑ ሓላፍነት ሂብዎም እዩ። ስለዚ፡ ወለዲ ንደቆም ስነ ስርዓት ኪምህርዎምን ጽቡቕ ኣብነት ኪዀንዎምን ኣለዎም። (ዘዳግም 6:6, 7) ሓደ ቈልዓ፡ ስነ ስርዓት እንተ ጐዲልዎ፡ ጥበበኛ ወላዲ ቐልጢፉ ኣይቍጣዕን እዩ። ኣብ ክንዳኡስ፡ “ንምስማዕ ቅልጡፍ፡ ንምዝራብ ደንጓዪ፡ ንቝጥዓ ደንጓዪ” እዩ። (ያእቆብ 1:19) እቲ ወላዲ፡ ውሉዱ ኪቕጻዕ ኣለዎ ኢሉ እንተ ሓሲቡ፡ ነዚ ብቝጥዓ ዘይኰነስ ብፍቕሪ ኺገብሮ ኣለዎ።

ኣቱም ውሉዳት፡ ንወለድኹም ተኣዘዝዎም

‘ኣቱም ውሉዳት፡ ንወለድኹም ተኣዘዝዎም፣ “ኣቦኻን ኣዴኻን ኣኽብር።”’—ኤፌሶን 6:1, 2።

ውሉዳት ንወለዶም ኪእዘዝዎምን ብዙሕ ኬኽብርዎምን ኣለዎም። ውሉዳት ንወለዶም ምስ ዚእዘዙ፡ እታ ስድራ ቤት ሓጐስን ሰላምን ስኒትን ዝመልኣ ትኸውን። ውሉዳት ምስ ዓበዩ ንወለዶም ብምክንኻን ከም ዜኽብርዎም የርእዩ እዮም፣ እዚ ድማ ንቤት ወለዶም ምጽጋን ወይ ገንዘባዊ ሓገዝ ምግባር የጠቓልል።—1 ጢሞቴዎስ 5:3, 4።

ንፉዕ ሰብኣይ ኰይነ

“ብሰንኪ ድሕረ ባይታ ስድራ ቤተይ ኣዝየ ተሪር ነበርኩ። ጸኒሐ ግና፡ ከም ርእሲ ስድራ ቤት መጠን ንሰበይተይ ኪሰምዓ ኸም ዘሎንን ጥቕሚ ርእሰይ ጥራይ ዝደሊ ወይ ዓብላሊ ኪኸውን ከም ዘይብለይን ተምሃርኩ። ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ክልቴና ሓደ ስጋ ስለ ዝዀንና፡ ከም ገዛእ ሰብነተይ ኪሕዛ ኣሎኒ። ሳላ እዚ ጥበባዊ መምርሒ፡ ንፉዕ ሰብኣይ ኰይነ፡ ሕጉስ ናብራ ስድራ ቤት ከኣ እመርሕ ኣለኹ።”—ራውል።

ራውልን ሰበይቱን።

ተወሳኺ ሓበሬታ ርኸብ፦

ናብራ ስድራ ቤትካ ኸተመሓይሽ ዚሕግዘካ ተወሳኺ ግብራዊ ምኽሪ እንተ ደሊኻ፡ ናብ jw.org እቶ እሞ ኣብ ትሕቲ ትምህርትታት መጽሓፍ ቅዱስ > ሓዳርን ስድራ ቤትን ርአ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ