ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • g21 ቍ. 3 ገጽ 8-9
  • ስነ ፍልጠተኛታት ኪነግሩና ዘይክእሉ ነገራት

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ስነ ፍልጠተኛታት ኪነግሩና ዘይክእሉ ነገራት
  • ንቕሑ!—2021
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ሓደ ኽኢላ ስነ ድቂ ብዛዕባ እምነቱ ዝገለጾ
    ንቕሑ!—2016
  • ስነ ፍልጠት ንህይወትካ ብኸመይ ይጸልዎ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2015
  • ፈጣሪ ንህይወትካ ትርጕም ዘለዎ ክገብሮ ይኽእል ኢዩ
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1999
  • ህይወት ብኸመይ ጀሚራ፧
    ንዘለኣለም ብህይወት ንበር!—ኣሳታፊ ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ
ዝያዳ ርአ
ንቕሑ!—2021
g21 ቍ. 3 ገጽ 8-9
ሓደ መምህር ስነ ፍልጠት ምስ ተምሃሮኡ ይመያየጥ።

ስነ ፍልጠተኛታት ኪነግሩና ዘይክእሉ ነገራት

ስነ ፍልጠተኛታት ዳርጋ ንዅሉ መዳይ እቲ ፍሉጥ ዩኒቨርስ መጽናዕቲ ዝገበሩሉ እዮም ዚመስሉ። እንተዀነ ግና፡ ኪምልስዎ ዘይክእሉ ሓያሎ ኣገዳሲ ሕቶታት ኣሎ።

ዩኒቨርስን ህይወትን ብኸመይ ከም ዝጀመረ ብስነ ፍልጠት ይፍለጥ ድዩ፧ መልሲ እዛ ሕቶ፡ ብቐሊሉ ‘ኣይፍለጥን እዩ’ ዚብል እዩ። ስነ ቆዝሞስ ተባሂሉ ዚፍለጥ ዓውዲ ስነ ፍልጠት፡ ብዛዕባ መበቈል ህይወት ከም ዚገልጽ ዚኣምኑ ኣለዉ። ብህልውና ኣምላኽ ዚጠራጠር ኣብ ኮለጅ ዳርትማውዝ ፕሮፌሰር ስነ ኰዀብ ኰይኑ ዚዓዪ ማርሰሎ ግሌዚር፡ “መበቈል ዩኒቨርስ እንታይ ምዃኑ ፈጺምና ኣይገለጽናን” ኢሉ ተኣሚኑ ኣሎ።

ብተመሳሳሊ ድማ፡ ኣብ መጽሔት ሳይንስ ኒውስ ዝወጸት ዓንቀጽ ብዛዕባ መበቈል ህይወት ከምዚ ትብል፦ “ህይወት ኣብ ምድሪ ብሓቂ ኸመይ ኢሉ ኸም ዝጀመረ ምፍላጥ ዘይከኣል ኪኸውን ይኽእል እዩ። ጥንቲ ኣብ ምድሪ እንታይ ከም ዝዀነ ዚሕብር ስነ መሬታዊ ኣሰር፡ ቀደም ጠፊኡ እዩ።” እዚ ቓላት እዚ፡ ስነ ፍልጠት ነታ፡ ‘ዩኒቨርስን ህይወትን ብኸመይ ጀሚሩ፧’ እትብል ሕቶ ኸም ዘይመለሳ ይሕብር።

ይኹን እምበር፡ ‘ኣብ ምድሪ ዘሎ ህይወት እተነድፈ እንተ ዀይኑ፡ መን እዩ ነዳፊኡ፧’ ኢልካ ትሓስብ ትኸውን። ምናልባት እውን ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት ሓቲትካ ትኸውን፦ ‘ጥበበኛን ፈቃርን ፈጣሪ እንተሎ፡ ስለምንታይ ደኣ እዩ ሰብኣውያን ፍጡራቱ ኺሳቐዩ ዚፈቅድ፧ ስለምንታይ እዩ ኣመና ብዙሕ ንሓድሕዱ ዚጋጮ ኣምልኾ ኺህሉ ዚፈቅድ፧ ስለምንታይከ እዩ ኣምለኽቱ ኣመና ብዙሕ ክፉእ ተግባራት ኪገብሩ ዚፈቅድ፧’

ነዚ ሕቶታት ዚኸውን መልሲ ኣብ ስነ ፍልጠት ኣይንረክብን ኢና። እዚ ግና፡ ዜዕግብ መልሲ ኽትረክብ ኣይትኽእልን ኢኻ ማለት ኣይኰነን። ከም ሓቂ እኳ ደኣስ፡ ብዙሓት ሰባት ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዜዕግብ መልሲ ረኺቦም እዮም።

ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ መጽናዕቲ ዝገበሩ ገሊኦም ስነ ፍልጠተኛታት ስለምንታይ ብፈጣሪ ኸም ዚኣምኑ ኽትፈልጥ እንተ ደሊኻ፡ ኣብ jw.org ርአ። ርእይቶታት ብዛዕባ መበቈል ህይወት ዚብል ተኸታታሊ ቪድዮታት ድለ።

ስነ ፍልጠትን መጽሓፍ ቅዱስን ኣእሚንዎም

ጊዮርጊ ኮይዳን፡ ከሚከኛ

“ኣብ ስራሐይ ብዙሕ ግዜ ሞለክዩላት ‘እገጣጥም’ እየ። እዚ ልክዕ ከም ጸወታ ቸዝ እዩ፣ ነቲ እትወስዶ ስጕምትታት ኣቐዲምካ ኽትሓስበሉ ኣሎካ። ሓደ ስጕምቲ እንተ ረሲዕካ፡ እቲ ሞለክዩል ኪፈርስ ይኽእል እዩ። ስራሐይ እተሓላለኸ እኳ እንተ ዀነ፡ ምስቲ ህያዋን ዋህዮታት እተሓላለኸ ከሚካዊ ሞለክዩላት ንምፍራይ ኣብ ውሽጦም ዚገብርዎ ኣሽሓት ከሚካዊ ምብልላዕ ኪነጻጸር ከሎ ግና ቀሊል እዩ። እዚ ድማ ሓደ ዓብዪ ከሚከኛ፡ ማለት ፈጣሪ ኸም ዘሎ ኽኣምን ኣኽኢሉኒ።

“መጽሓፍ ቅዱስ ከጽንዕ ምስ ጀመርኩ፡ ተራ መጽሓፍ ዘይምዃኑ ኸስተውዕል ክኢለ። መጽሓፍ ቅዱስ ኣስታት 2,000 ዓመት ይገብር እዩ ተዛዚሙ፣ ምኽሩ ግና ሕጂ እውን ጠቓሚ ኸም ዝዀነ እዩ ዚስምዓኒ። ኣብ መንጎ ስድራ ቤትን ኣብ ስራሕን ኣብ መንጎ ጐረባብትን ብዛዕባ ዚልዓል ባእሲ ዚብሎ ነገር ብሓቂ ይዓዪ እዩ። ስለዚ፡ ከምዚ ዝበለ እሙን ምኽሪ ኺህብ ዚኽእል፡ ብሉጽ ምስትውዓል ዘለዎ ጥራይ ከም ዝዀነ እየ ደምዲመ።”

የን-ደ ሹ፡ ስነ ድቀኛ

“ድቂ እናማዕበለ ምስ ከደ፡ ኵሉ ዋህዮታት ንሓድሕዱ እናተሓባበረ ንገሊኡ ዋህዮታት ናብ መትንታትን ጭዋዳታትን ኣዕጽምትን ደምን ካልእ ኣካሊታትን ኪቕይሮ፡ ኣብ መወዳእታኡ ድማ ውልቀ ሰብ ኬቕውም ኣለዎ። ኰይኑ ግና፡ ነቲ ንምዕባለ ድቂ ዚቈጻጸር ኣሰራርሓ ገና ኣይተረዳእናዮን። ብናተይ ኣረኣእያ፡ ህይወት ካብ ኣስተውዓሊ ነዳፊ ዝመጸ ኪኸውን ኣለዎ።

“እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ መዝሙር 139:15, 16 ተገሊጹ ዘሎ ድቂ ኣብ ማሕጸን ኣደ ዚዓብየሉ ኣገባብ፡ ምስቲ ስነ ፍልጠተኛታት ኣብ ቀረባ ዓመታት ዝረኸብዎ ነገር ዚመሳሰል ኰይኑ እዩ ዚርኣየኒ። እሞ ደኣ እቲ ጸሓፊ ኻብ ፈጣሪ እንተ ዘይግለጸሉ ነይሩ፡ ኣዝዩ ነዊሕ እዋን ኣቐዲሙ ኸመይ ገይሩ ነዚ ልክዕ መግለጺ ኺምዝግብ ይኽእል፧”

ሮሲዮ ፒካዶ ሀረሮ፦ መምህር ከሚስትሪ እምነታ ትገልጽ ዘርእስታ ቪድዮ ርአ። ኣርእስቲ እታ ቪድዮ ኣብ jw.org ድለ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ