ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • g21 ቍ. 3 ገጽ 14-15
  • መልሱ ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • መልሱ ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧
  • ንቕሑ!—2021
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ህይወትካ ትርጉም ይህልዋ
  • ንመዓልታዊ ህይወትካ ዚኸውን ዜተኣማመን መምርሒ ትረክብ
  • ንሕቶታትካ መልሲ ትረክብ
  • ብዛዕባ መጻኢ ተስፋ ይህልወካ
  • ኣምላኽ ኣሎ ድዩ፧ ብዛዕባ እዚ ምፍላጥካ ዚጸልወካ ብኸመይ እዩ፧
    ንቕሑ!—2015
  • ብዛዕባ ኣምላኽ እቲ ሓቂ እንታይ እዩ፧
    መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ እንታይ እዩ ዚምህር፧
  • መጽሓፍ ቅዱስ ተስፋ ይህብ
    ንዘለኣለም ብህይወት ንበር!—ኣሳታፊ ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ
  • መጽሓፍ ቅዱስ ተስፋ ይህብ
    ንዘለኣለም ብህይወት ንበር!—መእተዊ ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ
ዝያዳ ርአ
ንቕሑ!—2021
g21 ቍ. 3 ገጽ 14-15
መሓዙት ኣብ ኦም ንዘለዋ ኣዕዋፍ የድንቑ።

መልሱ ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

ህልውና ፈጣሪ ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧ እዚ መርትዖታት፡ ኵሉ ዚኽእል ኣምላኽ ከም ዘሎ እንተ ኣእሚኑካ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ብድራኸኡ ኸም እተጻሕፈ ዚሕብር መርትዖ ኽትምርምር ትደሊ ትኸውን። ነቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዚብሎ እንተ ኣሚንካዮ ኸኣ፡ እዚ ዚስዕብ ጥቕምታት ክትረክብ ትኽእል ኢኻ።

ህይወትካ ትርጉም ይህልዋ

መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ይብል፦ “[ኣምላኽ] ካብ ሰማይ ዝናምን ወቕቲ ፍርያትን እናሃበኩምን ብምግቢ እናኣጽገበኩምን ልብኹም ብሓጐስ እናመልአን ጽቡቕ ብምግባር፡ ርእሱ ብዘይ ምስክር ኣይሓደገን።”—ግብሪ ሃዋርያት 14:17።

እዚ እንታይ ማለት እዩ፧ ኵሉ እቲ ኻብ ተፈጥሮኣዊ ዓለም እትረኽቦ ነገራት፡ ካብ ፈጣሪ እተዋህበ ውህበት እዩ። እቲ ወሃቢ ኽሳዕ ክንደይ ከም ዚሓልየልካ ምስ ፈለጥካ፡ ነቲ ውህበታት ብዝያዳ ኸተማስወሉ ኢኻ።

ንመዓልታዊ ህይወትካ ዚኸውን ዜተኣማመን መምርሒ ትረክብ

መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ይብል፦ “ጽድቅን ፍትሕን ቅንዕናን፡ አረ መገዲ ዅሉ ሰናይ ዘበለ ኽትርዳእ ኢኻ።”—ምሳሌ 2:9።

እዚ እንታይ ማለት እዩ፧ ኣምላኽ ፈጣሪኻ ስለ ዝዀነ፡ ሓጐስ ንምርካብ እንታይ ክትገብር ከም ዘሎካ ይፈልጥ እዩ። ንመጽሓፍ ቅዱስ ብምምርማር፡ ሕጂ ኺጠቕመካ ዚኽእል ትምህርትታት ክትረክብ ትኽእል ኢኻ።

ንሕቶታትካ መልሲ ትረክብ

መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ይብል፦ “ፍልጠት ኣምላኽ . . . ክትረክብ ኢኻ።”—ምሳሌ 2:5።

እዚ እንታይ ማለት እዩ፧ ፈጣሪ ኸም ዘሎ ምፍላጥ፡ ንኸምዚ ዚስዕብ ዝኣመሰለ መሰረታዊ ሕቶታት መልሲ ኽትረክብ የኽእለካ፦ ዕላማ ህይወት እንታይ እዩ፧ መከራ በዚሑ ዘሎ ስለምንታይ እዩ፧ ምስ ሞትና እንታይ ኢና እንኸውን፧ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዜዕግብ መልሲ ኽትረክብ ትኽእል ኢኻ።

ብዛዕባ መጻኢ ተስፋ ይህልወካ

መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ይብል፦ “‘ኣነ ዝሓስበልኩም ዘለኹ ሓሳብሲ ኣጸቢቐ እፈልጦ እየ’ ይብል የሆዋ፡ ‘ብሩህ መጻእን ተስፋን ክህበኩም፡ ሓሳብ ሰላም እምበር፡ ናይ መዓት ኣይኰነን።’”—ኤርምያስ 29:11።

መጽሓፍ ቅዱስ፡ ሓቂ ምዃኑ ርግጸኛታት ክንከውን እንኽእል ብኸመይ ኢና፧ ዘርእስታ ቪድዮን ደራሲ መጽሓፍ ቅዱስ መን እዩ፧ ዘርእስታ ቪድዮን ኣብ jw.org ርአ። ኣብቲ ድለ ዚብል፡ “መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ” ወይ “ደራሲ መጽሓፍ ቅዱስ” ኢልካ ብምጽሓፍ፡ ነዚ ቪድዮታት እዚ ኽትረኽቦ ትኽእል ኢኻ።

እዚ እንታይ ማለት እዩ፧ ኣምላኽ ኣብ መጻኢ ንእከይን ንመከራን ንሞትን ከም ዜወግዶ ኣተስፍዩና ኣሎ። ነቲ ኣምላኽ ዘተስፈዎ ተስፋታት እንተ ኣሚንካሉ፡ እቲ ብዛዕባ መጻኢ ዘሎካ ተስፋ ንመዓልታዊ ጸገማትካ ብትብዓት ክትሰግሮ የኽእለካ እዩ።

ገሊኦም ብፈጣሪ ስለ ዝኣመኑ፡ ብኸመይ ተጠቒሞም፧

ሲንዲ።

“ኣምላኽ ኣብ ብዙሕ መዳያት ህይወት ብኸመይ ከም ዚሕግዘና ምስ ረኣኹ፡ ወትሩ እየ ዝድነቕ። ንኣብነት፡ ኣብ ህይወትና ብኸመይ ቀዳምነታት ከም እንሰርዕ፡ ንጸገማት ብኸመይ ከም እንፈትሕ፡ ከምኡ ድማ ብኸመይ ፈተውቱ ኸም እንኸውን ክንፈልጥ ይሕግዘና እዩ።”—ሲንዲ፡ ሕ.መ.ኣ.።

ኤሊስ።

“ኣብ ፈጣሪ ዘሎኒ እምነት ንህይወተይ እተዕግብን መሳጢትን ይገብራ እዩ። ብዛዕባኡን ብዛዕባ ፍጥረቱን ብዛዕባ ቓሉን ገና ዘይንፈልጦ መወዳእታ ዘይብሉ ውቁብ ነገራት ስለ ዘሎ፡ እዚ ንኣእምሮይ የነቓቕሖ እዩ።”—ኤሊስ፡ ፈረንሳ።

ፒተር።

“እቲ ፈጣሪና ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚምህረና ምትግባረይ፡ ብዝያዳ ሕጉስ ሰብ ከም ዝኸውን ገይሩኒ እዩ። ነቐፌታ ኸየብዝሕ፡ ብዝያዳ ኸተኵር፡ ብዝያዳ ዕጉብ ክኸውን ሓጊዙኒ እዩ። ዝሓሽኩ ኣቦ ክኸውን እውን ሓጊዙኒ እዩ።”—ፒተር፡ ነዘርላንድስ።

ሊዝ።

“ቀደም ህይወተይ ምብላዕን ምድቃስን ናብ ስራሕ ብኣጋኡ ንምብጻሕ ሃታሃታ ምባልን ጥራይ እዩ ነይሩ። ነዛ ኣለኹ ንምባል ጥራይ እየ ዝነበር ነይረ! ሕጂ ግና ህይወት ከስተማቕራን ከኽብራን ዘሎኒ ኣዝያ እተደንቕ ውህበት ምዃና ተረዲኡኒ እዩ።”—ሊዝ፡ ኤስቶንያ።

ኣድሪየን።

“ጭኑቕ ሰብ እየ። እከይን ዘይፍትሓውነትን መከራን ከም ዜብቅዕ ምፍላጠይ ግና፡ ክጻወር ሓጊዙኒ እዩ።”—ኣድሪየን፡ ፈረንሳ።

መጽሓፍ ቅዱስ ንኣገዳሲ ሕቶታት ህይወት ብኸመይ ከም ዚምልስ ርአ። መጽሓፍ ቅዱስ ከተጽንዕ ዘሎካ ስለምንታይ ኢኻ፧—ምሉእ ንውሓት ዘርእስታ ቪድዮ ርአ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ