ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • g24 ቍ. 1 ገጽ 4-6
  • ኣኽብሮት ንሰብ ኣበይ ጠፊኡ፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ኣኽብሮት ንሰብ ኣበይ ጠፊኡ፧
  • ንቕሑ!—2024
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ኣኽብሮት ንሰብ፡ ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧
  • ክትገብሮ እትኽእል
  • ንሕና እንገብሮ ዘለና
  • ንሰብ ኣኽብሩ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2025
  • ኣኽብሮት ኣበይ ጠፊኡ፧
    ንቕሑ!—2024
  • ተጻዋርነት—መጽሓፍ ቅዱስ ብኸመይ ኪሕግዝ ይኽእል፧
    ተወሳኺ ርእሰ ነገራት
  • ንስልጣን ከነኽብር ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧
    ኣብ ፍቕሪ ኣምላኽ ብኸመይ ትጸንዕ፧
ዝያዳ ርአ
ንቕሑ!—2024
g24 ቍ. 1 ገጽ 4-6
ኣብ ቤት ምግቢ ዚምገብ ዘሎ ሰብኣይ ንሓደ ይቕረታ ኺሓትት ዚፍትን ዘሎ ኣሳሳዪ የቈናጽቦ። ምስኡ ኣብ መኣዲ ዘለዉ ሰባት ዝሓፈሩ ይመስሉ።

ኣኽብሮት ንሰብ ኣበይ ጠፊኡ፧

ኣኽብሮት ንሰብ፡ ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

ኣኽብሮት ንሰብ ምስ ዚህሉ፡ ውጥረት ኣይሰፍንን፡ ሕማቕ ኵነታት እውን ኣይጋደድን።

  • ሓደ ምስላ መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ልኡም ምላሽ፡ ነድሪ የህድእ፣ ተሪር ቃል ግና፡ ቍጥዓ የለዓዕል” ይብል። (ምሳሌ 15:1) ብቓል ይኹን ብተግባር ዘይምክብባር፡ ኣብ ሓዊ እዩ ነዳዲ ዚውስኽ። መብዛሕትኡ ግዜ ድማ፡ ሕማቕ ሳዕቤን ኣለዎ።

  • የሱስ፡ “ኣፍሲ ኻብ ምልኣት ልቢ እዩ ዚዛረብ” ኢሉ ኣሎ። (ማቴዎስ 12:34) ናይ ብድዐ ዘረባ እንተ ተዛሪብና፡ ኣብ ውሽጥና ጸገም ከም ዘሎና እዩ ዚሕብር። እዚ ነገር እዚ፡ ካብ ናትና እተፈልየ ዓሌት፡ ብሄር፡ ዜግነት፡ ወይ ማሕበራዊ ድሕረ ባይታ ብዛዕባ ዘለዎም ሰባት ብሓቂ ኸመይ ከም ዚስምዓና ዚገልጽ ኪኸውን ይኽእል እዩ።

    ኣብ 28 ሃገራት፡ ካብ 32,000 ኣብ ዚዛይዱ ሰባት ኣብ እተገብረ መጽናዕቲ፡ ካባታቶም 65 ሚእታዊት ዚኣኽሉ ሰባት፡ ሎሚ ጕድለት ትሕትናን ዘይምክብባርን ኣብ ዝኸፍአ ደረጃ በጺሑ ኸም ዘሎ ገሊጾም።

ክትገብሮ እትኽእል

ኣብ ቤት ትምህርቲ ዀነ ኣብ ስራሕ፡ ንዅሎም ሰባት፡ ዋላ እውን ነቶም ከም ናትካ ኣረኣእያ ዘይብሎም ሰባት ኣኽብሮም። ነቲ ኽትሰማምዓሉ እትኽእል ነገራት ኣለሊ። እዚ ድማ ከይትነቅፍ ወይ ከይትፈርድ ኪሕግዘካ እዩ።

“ከይፍረደኩም፡ ደጊም ኣይትፍረዱ።”—ማቴዎስ 7:1።

ንሰባት ከምቲ ኺገብሩልካ እትደልዮ ግበረሎም። ንሰባት ብሓልዮትን ብፍትሕን እንተ ሒዝካዮም፡ መብዛሕትኡ ግዜ ንሳቶም እውን ከምኡ ኺገብሩልካ እዮም።

“ከምቲ ሰባት ኪገብሩልኩም እትደልይዎ እውን፡ ንስኻትኩም ከምኡ ግበሩሎም።”—ሉቃስ 6:31።

ይቕረ በሃሊ ኹን። ሰባት ብኽፍኣት ሓሊኖም ከም ዘይተላዕሉ ጌርካ ሕሰብ፣ እዚ ድማ ንጐዳኢ ቓላቶም ወይ ተግባራቶም ዕሽሽ ክትብል ኪሕግዘካ እዩ።

“ልቦና ንሰብ፡ ብርግጽ ንቝጥዓ ደንጓዪ ይገብሮ፣ በደል ዕሽሽ ምባል ድማ የጸብቐሉ።”—ምሳሌ 19:11።

ኣብ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ቀቅድሚ ኣኼባ ጉባኤ። ካብ እተፈላለየ ዕድመን ድሕረ ባይታን ዝመጹ ሰባት ብውዕዉዕ መንፈስ ሰላም ይብሃሃሉን የዕልሉን።
ኣብ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ቀቅድሚ ኣኼባ ጉባኤ። ካብ እተፈላለየ ዕድመን ድሕረ ባይታን ዝመጹ ሰባት ብውዕዉዕ መንፈስ ሰላም ይብሃሃሉን የዕልሉን።

ንሕና እንገብሮ ዘለና

ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ኣብቲ እንነብረሉን እንሰርሓሉን ማሕበረ ሰብ ምክብባር ከም ዚሰፍን ንገብር ኣለና።

ንዅሉ ሰብ ብናጻ መጽሓፍ ቅዱስ ንምህር ኣለና። እምነትና ወይ ኣረኣእያና ብግዲ ኪቕበሉና ጸቕጢ ኣይንገብርን ኢና። ኣብ ክንዳኡስ፡ መልእኽትና “ብልእመትን ብብዙሕ ኣኽብሮትን” ብምክፋል፡ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘሎ ምኽሪ ኽንትግብር ንጽዕር ኢና።—1 ጴጥሮስ 3:15፣ 2 ጢሞቴዎስ 2:24።

ኣብ መንጎና ፍልልይ የልቦን። መጽሓፍ ቅዱስ ኪምሃር ዚደሊ ዘበለ ሰብ ናብ ኣኼባታትና ሓንጐፋይ ኢልና ንቕበል ኢና። ንሓድሕድና ኽንከኣኣል ንጽዕር ኢና፣ ነቲ “ንዅሉ ዓይነት ሰብ ኣኽብሩ” ዚብል ምኽሪ እውን ክንትግብሮ ንጽዕር ኢና።—1 ጴጥሮስ 2:17።

ነቲ ንእንነብረሉ ዓዲ ዜመሓድር መንግስቲ ስልጣኑ ነኽብረሉ ኢና። (ሮሜ 13:1) ሕጊ ነኽብር፡ ግብሪ እውን ንኸፍል ኢና። ካብ ፖለቲካዊ ጕዳያት ገለልተኛታት እኳ እንተ ዀንና፡ ነቲ ኻልኦት ሰባት ኣብ ፖለቲካዊ ጕዳያት ናይ ርእሶም ውሳነታት ንምግባር ዘለዎም መሰል ግና ንሕልወሎም ኢና።

ስእልታት፦ ኣብታ “ፍቕሪ ኣብ ልዕሊ ጽልኢ ኽትዕወት ትኽእል ድያ፧” ዘርእስታ ቪድዮ ዚርከብ ትርኢታት፦ 1. ሓደ ዓረብ። 2. ሓደ ኣይሁዳዊ።

ተወሳኺ ሓበሬታ ርኸብ

ንሰባት እናጸላእካዮም፡ ከተኽብሮም ኣይትኽእልን ኢኻ። ካብ ተጻባእቲ ህዝብታት ዝዀኑ ኽልተ ሰባት፡ ከመይ ገይሮም ንሓድሕዶም ከም እተኻባበሩ ርአ። ኣብ jw.org፡ ፍቕሪ ኣብ ልዕሊ ጽልኢ ኽትዕወት ትኽእል ድያ፧ ዘርእስታ ቪድዮ ድለ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ