መእተዊ
ናህሪ ዋጋታት የጨንቐካዶ ኣሎ፧ ንመነባብሮ ዜድልየካ ንምምላእ ነዊሕ ሰዓታት ትሰርሕዶ ኣለኻ፧ ንቤተ ሰብካ ዚኸውን ግዜ ትስእንዶ ኣለኻ፧ እዚ ጸገማት እዚ የጋጥመካ እንተ ኣልዩ፡ እዛ ሕታም ንቕሑ! እዚኣ ኽትሕግዘካ ትኽእል እያ። እዚ ኣብዛ ሕታም ዘሎ ዓንቀጻት፡ ንህይወትካ ንምምሕያሽን ንጭንቀትካ ንምንካይን ዚሕግዝ ግብራዊ ሓሳባት ሒዙ ኣሎ። ኣብታ ናይ መወዳእታ ዓንቀጽ ከኣ፡ ብዛዕባ ዝሓሸ መጻኢ ዚገልጽ ናይ ሓቂ ተስፋ ተገሊጹ ኣሎ፣ እዚ ተስፋ እዚ ድማ ሕጂ እውን ኬጸናንዓካ ይኽእል እዩ።