ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • g25 ቍ. 1 ገጽ 6-9
  • ገንዘብካ ኣካውን

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ገንዘብካ ኣካውን
  • ንቕሑ!—2025
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧
  • ክትገብሮ እትኽእል
  • ቈጢብካ ምንባር
    ተወሳኺ ርእሰ ነገራት
  • 2 | መነባብሮኻ ሓሉ
    ንቕሑ!—2022
  • ንገንዘበይ ብኸመይ ከካውኖ እኽእል፧
    መንእሰያት ዚሓትዎ ሕቶታትን ተግባራዊ መልስታቱን፡ 2ይ ጥራዝ
  • ወጻኢታተይ ክቈጻጸር ዝኽእል ብኸመይ እየ፧
    መንእሰያት ዚሓትትዎ
ዝያዳ ርአ
ንቕሑ!—2025
g25 ቍ. 1 ገጽ 6-9
ስእልታት፦ 1. ወለዲ ኾፍ ኢሎም ብዛዕባ ገንዘብ ኪመያየጡ ኸለዉ፡ ጓሎም ኣብቲ ኣብ ጥቓኦም ዘሎ ኽሽነ ኣላ። 2. ኣብ ልዕሊ ፋክቱርን ቅብሊትን እተነብረት ካልኩሌተር ዘለዋ ሞባይል።

ንናህሪ ዋጋታት ብኸመይ ንጾሮ፧

ገንዘብካ ኣካውን

ናህሪ ዋጋታት ንዅላትና ጸገማት ይፈጥረልና እዩ። ኰይኑ ግና፡ ዋላ ሓንቲ ኽትገብር ከም ዘይትኽእል ኰይኑ ኣይሰማዕካ። ንዅነታትካ ንምምሕያሽ ክትገብሮ እትኽእል ነገራት ኪህሉ ይኽእል እዩ።

ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

ገንዘብካ ኸተካውን እንተ ዘይፈቲንካ፡ ወጻኢታትካ ኻብ ቍጽጽር ወጻኢ ኪኸውን እሞ ንጭንቀትካን ንሻቕሎትካን ኬጋድዶ ይኽእል እዩ። ዋላ እውን ሒደት ገንዘብ እንተ ኣሎካ፡ ንገንዘብካ ንምክዋን ክትወስዶ እትኽእል ስጕምትታት ኣሎ።

ክትገብሮ እትኽእል

ከም ቤትካ ንበር። ከምኡ እንተ ጌርካ፡ ንወጻኢታትካ ብዝያዳ ኽትቈጻጸሮ፡ ንዘይተጸበኻዮ ወጻኢታት ድማ ድሉው ኴንካ ኽትጸንሕ ኢኻ።

ከም ቤትካ ንምንባር ባጀት ኣዳሉ፣ ማለት ኣታዊኻን ወጻኢኻን እትቈጻጸረሉ ውጥን ግበር። ባጀት ከተዳሉ ኸለኻ፡ ብሓቂ ዜድልየካ ነገራት እንታይ ምዃኑ ተጠንቂቕካ ወስን። ድሕሪኡ፡ ካብቲ ዝወጠንካዮ ንላዕሊ ወጻኢታት ከይትገብር ጽዓር። ኣታዊኻ ወይ ዋጋታት ኺቀያየር ከሎ እውን ምትዕርራይ ግበር። ምርዑው እንተ ዄንካ፡ ኣብ ኵሉ ውሳነታትካ ንመጻምድትኻ ኣሳትፋ።

ነዚ ፈትኖ፦ ብልቓሕ ኣብ ክንዲ እትዕድግ፡ እንተ ኽኢልካ ብጥረ ገንዘብ ዓድግ። ገሊኦም ሰባት ነዚ ሜላ እዚ ስለ እተጠቕሙ፡ ባጀቶም ብዝያዳ ኼካውኑን ኣብ ዕዳ ኻብ ምእታው ገዛእ ርእሶም ኪሕልዉን ክኢሎም እዮም። ብተወሳኺ፡ ካብ ባንክ ንዚልኣኸልካ መግለጺ ሕሳብ ጽቡቕ ጌርካ ርኣዮ። ከም ሓቂ ኽንደይ ገንዘብ ከም ዘሎካ ምፍላጥካ፡ ውጥረት ኪንክየልካ ይኽእል እዩ።

ከም ቤትካ ምንባር ከቢድ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ብግቡእ እተሓስበሉ ባጀት ግና ብዙሕ ኪሕግዘካ ይኽእል እዩ። እምብዛ ኸይትጭነቕ እውን ኪሕግዘካ ይኽእል እዩ።

‘ቅድም ተቐሚጥካ ጸብጽብ።’—ሉቃስ 14:28።


መነባብሮኻ ውሑስ ንምግባር ጽዓር። ስራሕካ ምእንቲ ኸይትስእን እንታይ ክትገብር ትኽእል፧ ሒደት ነጥብታት ንምጥቃስ፦ ሰዓት ኣኽብር። ንስራሕካ ኣወንታዊ ኣረኣእያ ይሃሉኻ። ብተበግሶኻ ንኻልኦት ሓግዝ። ብትግሃት ዕየ። ንሰብ ኣኽብር። ስርዓት ሓሉ። ክእለትካ ንምምሕያሽ እውን ጽዓር።


ገንዘብ ኣይተባኽን። ‘ገንዘብ አባኽን ወይ እዘሩ ድየ፧’ ኢልካ ገዛእ ርእስኻ ሕተት። ንኣብነት፡ ብዙሓት ሰባት ነቲ ብኽንደይ ጻዕሪ ዝረኸብዎ ገንዘብ፡ ኣብ ሓሽሽ፡ ጠላዕ፡ ሽጋራ፡ ወይ መስተ የባኽንዎ እዮም። እዚ ልማዳት እዚ ኸኣ ጥዕናኦምን ስራሖምን ኬስእኖም ይኽእል እዩ።

“ጥበብ ዚረክብ . . . ሰብ ሕጉስ እዩ፣ ንዓኣ ምጥራይሲ ብሩር ካብ ምጥራይ . . . ይበልጽ።”—ምሳሌ 3:13, 14።


ንህጹጽ ኵነታት ዚኸውን ገንዘብ ኣቐምጥ። እንተ ኽኢልካ፡ ንዘይተጸበኻዮ ወጻኢታት ወይ ንህጹጽ ኵነታት ዚኸውን እተወሰነ ገንዘብ ኣቐምጥ። ከምኡ እንተ ጌርካ፡ ንዓኻ ወይ ንኣባል ስድራ ቤትካ ሃንደበታዊ ሕማም ኬጋጥም ከሎ፡ ስራሕካ ኽትስእን ከለኻ፡ ወይ ካልእ ዘይተጸበኻዮ ነገር ኬጓንፈካ ኸሎ፡ እምብዛ ኣይክትጭነቕን ኢኻ።

“ንዅሎም ግዜን ኣጋጣምን የጓንፎም።”—መክብብ 9:11።

ገንዘብ ንምቝጣብ ዚሕግዝ ምኽሪ

ሰልዲ ዝመልአ ብልቃጥ።

ኣብ ገዛኻ ምግቢ ኣዳሉ።

ኣዘውቲርካ ኣብ ደገ ምብላዕ ወይ ወግሐ ጸብሐ ኻብ ዕዳጋ ምግብን መስተን ምዕዳግ ኪኸብረካ ይኽእል እዩ። ኣብ ገዛኻ ምግቢ ምድላው ግዜን ጻዕርን ዚሓትት ምዃኑ ዚከሓድ ኣይኰነን፣ ብዙሕ ክትቍጥብ ግና ትኽእል ኢኻ። እቲ ምግቢ እውን ጽሬቱ ዝሓለወ ኪዀነልካ እዩ።

ኣበይን እንታይን ከም እትዕድግ ሕሰብ።

  • ዝርዝር እቲ ዜድልየካ ኣስቤዛ ጽሓፍ፣ ካብኡ ወጻኢ እውን ኣይትዓድግ። ዊን ዝበለካ ነገር ኣይትዓድግ።

  • ባጀትካ ዚፈቕደልካ እንተ ዀይኑ፡ ገሊኡ ነገራት ምእንቲ ኺሓስረልካ ብጃምላ ዓድግ። ኰይኑ ግና፡ ብቐሊሉ ዚበላሾ ነገራት ምእንቲ ኸይባኽነካ፡ ብኸመይ ከም እትኽዝኖ ሕሰበሉ።

  • ኣብ ጽሬቱ ብዙሕ ለውጢ ዘይብሉ እንተ ዀይኑ፡ ካብቲ ዝሓሰረ ድኳናት ዓድግ።

  • ዝሓሰረ ዋጋታት ንምርካብ፡ ዘይሓሰብካዮ ነገራት ንዘይምዕዳግ፡ ወጻኢታትካ እውን ብዝያዳ ንምቍጽጻር፡ ብኦንላይን ዓድግ። እሞኸ ኣብቲ እትነብረሉ ዓዲ ብኦንላይን ክትዕድግ ትኽእል እንተ ዄንካ፡ ነዚ ኽትፍትኖዶ ትኽእል፧

  • ዋጋታት ኣብ ዚንክየሉ እዋን ዓድግ፡ ወይ እንተ ተኻኢሉ ብኩፖን ዓድግ። ዋጋታት ኣወዳድር፣ እንተላይ ንኤለክትሪክ፡ ንማይ፡ ወይ ከምኡ ንዝኣመሰለ ኻልእ ነገራት እትገብሮ ወጻኢታት ኣወዳድር።

ንዘሎካ ኣቕሓ ብሓድሽ ቅድሚ ምትካእካ ሕሰብ።

ተሌፎናትን ካልእ ፍርያትን ዜፍርዩ ትካላት፡ መኽሰባቶም ኬኻዕብቱ ኢሎም ሓድሽ ፍርያት የውጽኡ እዮም። ስለዚ፡ ሓንሳእ ደው ኢልካ ነዚ ሕቶታት እዚ ሕተት፦ ‘ነዚ ዘሎኒ ኣቕሓ ብሓድሽ ምትካኡስ ብሓቅዶ ይጠቕመኒ እዩ፧ ሕጂ ድየ ኽትክኦ ዘሎኒ፧ ክትክኦ እንተ ኣድልዩኸ፡ ብሓቅዶ በቲ ኣብ ቀረባ ግዜ ዝወጸ ፍርያት እየ ኽትክኦ ዘሎኒ፧’

መሳርሒታትካ ጸግን፡ ዘገልገለ ናውቲ እውን ተጠቐም።

መሳርሒታትካ ዕምሩ ምእንቲ ኺነውሕ ተኸናኸኖ፣ ምስ ተሰብረ እውን ዜዋጽኣካ እንተ ዀይኑ ጸግኖ። ብዘይካዚ፡ ዘገልገለ ናውቲ ኽትዕድግ ትኽእል ኢኻ።

ንምግቢ ዚዀነካ ነገራት ባዕልኻ ኣብቍል።

ንምግቢ ዚዀነካ ነገራት ከተብቍለሉ እትኽእል ቦታ ኽትረክብዶ ትኽእል፧ ከምኡ እንተ ጌርካ፡ ወጻኢታትካ ኣብ ርእሲ ምንካይካ፡ ክትሸጦ ወይ ንኻልኦት ክትህቦ እትኽእል ነገር ኪህልወካ እዩ።

“ውጥናት ትጉህ ብርግጽ ናብ ኣሳልጦ ይመርሕ።”—ምሳሌ 21:5።

ክረዲት ካርድ።

“መዓልታዊ ዕዳጋ ኸመይ ከም ዘሎ፡ ክረዲት ካርድና እውን ኣብ ምንታይ ኵነታት ከም ዘሎ ንከታተል ኢና።”—ማይልስ፡ ዓዲ እንግሊዝ።

ወረቐትን ብርዕን መፋትሕ ማኪናን።

“ኣስቤዛ ቕድሚ ምዕዳግና፡ ኵሉ ሳዕ ዝርዝር እቲ ዜድልየና ኣስቤዛ ነዳሉ ኢና።”—ጀረሚ፡ ሕ.መ.ኣ.።

ዕለታዊ መዝገብን ካልኩሌተርን።

“ንህሉው ቍጠባዊ ዅነታት ኣብ ግምት ብምእታው፡ ኣብ ባጀትና በብእዋኑ ምትዕርራይ ንገብር ኢና፣ ንዘይተጸበናዮ ወጻኢታት ዚኸውን ገንዘብ እውን ነቐምጥ ኢና።”—ያዔል፡ እስራኤል።

ኪያቨን ካቻቪተን።

“ሓድሽ ኣብ ክንዲ እንዕድግ፡ ንእተሰብረ ነገራት ብኸመይ ከም እነዐርዮ፡ ንደቅና ምሂርናዮም ኢና። ማኪናን ናይ ገዛ መሳርሒታትን ብኸመይ ከም እነዐሪ ምሂርናዮም ኢና። ኣነን ሰበይተይን፡ ሓድሽ ሞደል ዘይምዕዳግ ኢና እንመርጽ።”—ጀፍሪ፡ ሕ.መ.ኣ.።

“ኣሕምልቲ ብምትካልን ደርሁ ብምፍራይን፡ ወጻኢታተይ ነክየ እየ። ገሊኡ ኻብቲ ኣሕምልቲ ኸኣ ንኻልኦት ክህብ ክኢለ እየ።”—ሆኖ፡ ምያንማር።

ሓደ ሰብኣይ ካብ ስፍራ ኣታኽልቲ በብዓይነቱ ኣሕምልቲ ይኣሪ።
    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ