ንናህሪ ዋጋታት ብኸመይ ንጾሮ፧
ገንዘብካ ኣካውን
ናህሪ ዋጋታት ንዅላትና ጸገማት ይፈጥረልና እዩ። ኰይኑ ግና፡ ዋላ ሓንቲ ኽትገብር ከም ዘይትኽእል ኰይኑ ኣይሰማዕካ። ንዅነታትካ ንምምሕያሽ ክትገብሮ እትኽእል ነገራት ኪህሉ ይኽእል እዩ።
ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧
ገንዘብካ ኸተካውን እንተ ዘይፈቲንካ፡ ወጻኢታትካ ኻብ ቍጽጽር ወጻኢ ኪኸውን እሞ ንጭንቀትካን ንሻቕሎትካን ኬጋድዶ ይኽእል እዩ። ዋላ እውን ሒደት ገንዘብ እንተ ኣሎካ፡ ንገንዘብካ ንምክዋን ክትወስዶ እትኽእል ስጕምትታት ኣሎ።
ክትገብሮ እትኽእል
ከም ቤትካ ንበር። ከምኡ እንተ ጌርካ፡ ንወጻኢታትካ ብዝያዳ ኽትቈጻጸሮ፡ ንዘይተጸበኻዮ ወጻኢታት ድማ ድሉው ኴንካ ኽትጸንሕ ኢኻ።
ከም ቤትካ ንምንባር ባጀት ኣዳሉ፣ ማለት ኣታዊኻን ወጻኢኻን እትቈጻጸረሉ ውጥን ግበር። ባጀት ከተዳሉ ኸለኻ፡ ብሓቂ ዜድልየካ ነገራት እንታይ ምዃኑ ተጠንቂቕካ ወስን። ድሕሪኡ፡ ካብቲ ዝወጠንካዮ ንላዕሊ ወጻኢታት ከይትገብር ጽዓር። ኣታዊኻ ወይ ዋጋታት ኺቀያየር ከሎ እውን ምትዕርራይ ግበር። ምርዑው እንተ ዄንካ፡ ኣብ ኵሉ ውሳነታትካ ንመጻምድትኻ ኣሳትፋ።
ነዚ ፈትኖ፦ ብልቓሕ ኣብ ክንዲ እትዕድግ፡ እንተ ኽኢልካ ብጥረ ገንዘብ ዓድግ። ገሊኦም ሰባት ነዚ ሜላ እዚ ስለ እተጠቕሙ፡ ባጀቶም ብዝያዳ ኼካውኑን ኣብ ዕዳ ኻብ ምእታው ገዛእ ርእሶም ኪሕልዉን ክኢሎም እዮም። ብተወሳኺ፡ ካብ ባንክ ንዚልኣኸልካ መግለጺ ሕሳብ ጽቡቕ ጌርካ ርኣዮ። ከም ሓቂ ኽንደይ ገንዘብ ከም ዘሎካ ምፍላጥካ፡ ውጥረት ኪንክየልካ ይኽእል እዩ።
ከም ቤትካ ምንባር ከቢድ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ብግቡእ እተሓስበሉ ባጀት ግና ብዙሕ ኪሕግዘካ ይኽእል እዩ። እምብዛ ኸይትጭነቕ እውን ኪሕግዘካ ይኽእል እዩ።
መነባብሮኻ ውሑስ ንምግባር ጽዓር። ስራሕካ ምእንቲ ኸይትስእን እንታይ ክትገብር ትኽእል፧ ሒደት ነጥብታት ንምጥቃስ፦ ሰዓት ኣኽብር። ንስራሕካ ኣወንታዊ ኣረኣእያ ይሃሉኻ። ብተበግሶኻ ንኻልኦት ሓግዝ። ብትግሃት ዕየ። ንሰብ ኣኽብር። ስርዓት ሓሉ። ክእለትካ ንምምሕያሽ እውን ጽዓር።
ገንዘብ ኣይተባኽን። ‘ገንዘብ አባኽን ወይ እዘሩ ድየ፧’ ኢልካ ገዛእ ርእስኻ ሕተት። ንኣብነት፡ ብዙሓት ሰባት ነቲ ብኽንደይ ጻዕሪ ዝረኸብዎ ገንዘብ፡ ኣብ ሓሽሽ፡ ጠላዕ፡ ሽጋራ፡ ወይ መስተ የባኽንዎ እዮም። እዚ ልማዳት እዚ ኸኣ ጥዕናኦምን ስራሖምን ኬስእኖም ይኽእል እዩ።
ንህጹጽ ኵነታት ዚኸውን ገንዘብ ኣቐምጥ። እንተ ኽኢልካ፡ ንዘይተጸበኻዮ ወጻኢታት ወይ ንህጹጽ ኵነታት ዚኸውን እተወሰነ ገንዘብ ኣቐምጥ። ከምኡ እንተ ጌርካ፡ ንዓኻ ወይ ንኣባል ስድራ ቤትካ ሃንደበታዊ ሕማም ኬጋጥም ከሎ፡ ስራሕካ ኽትስእን ከለኻ፡ ወይ ካልእ ዘይተጸበኻዮ ነገር ኬጓንፈካ ኸሎ፡ እምብዛ ኣይክትጭነቕን ኢኻ።