ዛንታ 16
ይስሃቅ ንፍዕቲ ሰበይቲ ይረክብ
እዛ ኣብዚ ስእሊ ዘላ ሰበይቲ መን ምዃና ትፈልጥዶ፧ ስማ ርብቃ ይብሃል። ክትረኽቦ እትቐርቦ ዘላ ሰብኣይ ከኣ ይስሃቅ ኢዩ። በዓልቲ ቤቱ ክትከውን ኢያ። እዚ ብኸመይ ኢዩ ኰይኑ፧
ኣብርሃም ንወዱ ይስሃቅ ንፍዕቲ ሰበይቲ ክረኽበሉ ደለየ። ወዱ ይስሃቅ ካብተን ኣብ ከነኣን ዘለዋ ኣንስቲ ክምርዖ ኣይደለዮን: ምኽንያቱ እቶም ህዝቢ እቲኣቶም ናይ ሓሶት ኣማልኽቲ ኢዮም ዘምልኹ ነይሮም። ስለዚ ኣብርሃም ነቲ ግዙኡ ጸዊዑ ከምዚ በሎ:- ‘ናብ ካራን ናብ ኣዝማደይ ኬድካ ንወደይ ይስሃቅ ሰበይቲ ኣምጽኣሉ።’
ብኡንብኡ ናይ ኣብርሃም ግዙእ ዓሰርተ ኣግማል ሒዙ ነቲ ነዊሕ ጕዕዞ ጀመሮ። ኣብ ጥቓ እቶም ኣዝማድ ኣብርሃም ዘለዉዎ ዓዲ ምስ በጽሐ ኸኣ ኣብ ጥቓ ሓደ ዒላ ደው በለ። ኣብ ኣጋ ምሸት: ኣዋልድ እታ ከተማ ካብቲ ዔላ ማይ ክወርዳ ዝመጻሉ ግዜ ኢዩ ነይሩ። ስለዚ ኣገልጋሊ ኣብርሃም ናብ የሆዋ ከምዚ ብምባል ጸለየ:- ‘እታ ንዓይን ነግማለይን ማይ እተስቲ ጓል: ንሳ እታ ሰበይቲ ይስሃቅ ክትከውን ዝመረጽካያ ትኹን።’
ከይደንጐየት ርብቃ ማይ ክትቀድሕ መጸት። እቲ ኣገልጋሊ ዝስተ ማይ ምስ ሓተታ ሃበቶ። ድሕርዚ ኸኣ ቀዲሓ ንዅለን እተን ጸሚአን ዝነበራ ኣግማል ኣስተየተን። እዚ ከቢድ ስራሕ ኢዩ ነይሩ ምኽንያቱ ኣግማል ብዙሕ ማይ ኢየን ዝሰትያ።
ርብቃ እዚ ምግባር ምስ ወድአት: ግዙእ ኣብርሃም ስም ኣቡኣ ሓተታ። ኣብ ገዝኦም ክሓድር ዝኽእል እንተድኣ ኰይኑውን ሓተታ። ‘ኣቦይ ቤቱኤል ኢዩ: ንመሕደሪ ኸኣ ስፍራ ኣሎ’ በለቶ። ግዙእ ኣብርሃም ቤቱኤል ወዲ ናሆር ሓው ኣብርሃም ምዃኑ ይፈልጥ ነበረ። ስለዚ ሰገደ: ናብ ኣዝማድ ኣብርሃም ስለ ዝመርሖ ኸኣ ንየሆዋ ኣመስገኖ።
በታ ለይቲ እቲኣ ኣገልጋሊ ኣብርሃም ንቤቱኤል ኣቦ ርብቃን ንሓዋ ላባንን መምጽኢኡ ነገሮም። ክልቲኦም ከኣ ርብቃ ምስኡ ከይዳ ንይስሃቅ ክትምርዓዎ ከም እትኽእል ተሰማምዑ። ርብቃ ምስ ተሓተትከ እንታይ በለት፧ ‘ሕራይ’ በለት: ክትከይድ ድማ ደለየት። ስለዚ ኣብታ ቐጺላ ዘላ መዓልቲ ኣብ ኣግማል ተወጢሖም ነቲ ነዊሕ ጕዕዞ ናይ ከነኣን ጀመርዎ።
ቦታኦም ክበጽሑ ከለዉ ኣጋ ምሸት ኢዩ ነይሩ። ርብቃ ሓደ ሰብኣይ ኣብቲ ጐልጐል እናተዛወረ ኣማዕድያ ትርኢ። ይስሃቅ ኢዩ ነይሩ። ይስሃቅ ንርብቃ ምስ ረኣያ ተሓጐሰ። ኣዲኡ ሳራ ካብ እትመውት ሰለስተ ዓመት ጥራይ ኢያ ገይራ: ገና ሓዚኑ ኸኣ ኢዩ ነይሩ። ሕጂ ግን ይስሃቅ ንርብቃ ኣዝዩ ስለ ዝፈተዋ እንደገና ተሓጐሰ።