ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • my ዛንታ 61
  • ዳዊት ንጉስ ኰነ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ዳዊት ንጉስ ኰነ
  • መጽሓፈይ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ዛንታታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ዳዊትን ሳኦልን
    ካብ መጽሓፍ ቅዱስ እትምሃሮ ትምህርቲ
  • ዳዊት ክሃድም እተገደደሉ ምኽንያት
    መጽሓፈይ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ዛንታታት
  • 1 ሳሙኤል—ትሕዝቶ
    መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
  • “ምግባር ፍቓድካ ምሀረኒ”
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2012
ዝያዳ ርአ
መጽሓፈይ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ዛንታታት
my ዛንታ 61

ዛንታ 61

ዳዊት ንጉስ ኰነ

ሳኦል እንደገና ንዳዊት ክሕዞ ፈተነ። ካብቶም ዝበለጹ ወተ​ሃደራቱ 3,000 ዝዀኑ ወሲዱ: ንዳዊት ክደሊ ከደ። ዳዊት እዚ ምስ ፈለጠ: በታ ለይቲ እቲኣ ሳኦ​ልን ሰቡን ኣበይ ከም ዝሰፈሩ ዝር​እዩ ሰለይቲ ሰደደ። ድሕርዚ ዳዊት ንኽልተ ካብ ሰቡ ከምዚ ኢሉ ይሓቶም:⁠- ‘ናብ ሳኦል ናብቲ ሰፈር ምሳይ መን ይኸይድ፧’

ኣቢሳይ ከኣ ‘ኣነ ምሳኻ እኸይድ’ በሎ። ኣቢሳይ: ወዲ ጽሩያ ሓፍቲ ዳዊት ኢዩ። ሳኦልን እቶም ሰቡን ደቂሶም ከለዉ: ዳዊትን ኣቢሳይን ሰላሕ ኢሎም ኣብቲ ሰፈር ኣተዉ። እቲ ኣብ ጥቓ ሳኦል ዝነ​በረ ናይ ሳኦል ኲናትን መስተዪ ማዩን ኣልዒሎም ከዱ። ኵሎም ዓሚቝ ድቃስ ደቂሶም ስለ ዝነበሩ: ሓደ እኳ ዝረኣዮም ወይ ዝሰምዖም ኣይነበረን።

ሕጂ ንዳዊትን ንኣቢሳይን ርኣዮም። ብድሓን ወጺኦም ኣብ ልዕሊ ጎቦ ኢዮም ዘለዉ። ዳዊት ከኣ ነቲ ሓለቓ ሰራዊት ናይ እስራኤል ከምዚ ኢሉ ጸውዖ:⁠- ‘ኣብኔር ስለምንታይ ደኣ ንጐይታኻ ንጉስ ዘይሓሎኻዮ፧ እቲ ኲናቱን ናይ ማይ መስተይኡን ኣበይ ኣሎ፧ እስከ ርኣዮ!’

ሳኦል ተበራበረ። ናይ ዳዊት ድምጺ ኣለለዮ እሞ: ‘ዳዊት: እዚ ድምጽኻ ድዩ፧’ ኢሉ ሓተተ። ንሳኦልን ኣብኔርን ኣብ ታሕቲ ትርእዮምዶ ኣሎኻ፧

ዳዊት ከኣ ‘እወ ጐይታይ ንጉስ’ ኢሉ ንሳኦል መለሰሉ። ዳዊት ከኣ ‘ስለምንታይ ኢኻ ተሳጕጐኒ ዘለኻ፧ እንታይ ክፉእ ገይረ ኢየ፧ ዎ ንጉስ ኲናትካ ኣብዚ ኣሎ። ካብቶም ሰብካ ሓደ ይምጻእ እሞ ይውሰዶ’ በሎ።

ሳኦል ከኣ ‘ኣነ በዲለ ኢየ። ተጸሊለ ኢየ’ ኢሉ ተኣመነ። ሽዑ ዳዊት መገዱ ኸደ: ሳኦል ከኣ ናብ ቤቱ ተመልሰ። ዳዊት ግን ብልቡ ‘ሓንቲ መዓልቲ ሳኦል ክቐትለኒ ኢዩ። ናብ ምድሪ ፍልስጥኤማውያን ክሃድም ኣለኒ’ በለ። ከምኡ ኸኣ ገበረ። ዳዊት ንፍልስጥኤማውያን ኣዐሽዩ ኣብ ወገኖም ከም ዝዀነ ከእምኖም ከኣለ።

ድሕሪ ገለ ግዜ እቶም ፍልስጥኤማውያን ኣንጻር እስራኤል ክዋግኡ ከዱ። ኣብቲ ውግእ ሳኦልን ዮናታንን ተቐትሉ። እዚ ኸኣ ንዳዊት ኣዝዩ ኣሕዘኖ: እሞ ነቲ ‘ዮናታን ሓወይ ብዙሕ እፈትወካ ነይረ ኢየ እሞ: ብኣኻ እጭነቕ ኣሎኹ!’ ኢሉ ዝቘዘሞ ጸሓፎ።

ብድሕርዚ ዳዊት ናብ እስራኤል ከተማ ኬብሮን ተመልሰ። ኣብ መንጎ እቶም ንኢሽ⁠-​ቦሸት ወዲ ሳኦል ንጉስ ክኸውን ዝመረጹን ኣብ መንጎ እቶም ዳዊት ንጉስ ክኸውን ዝመረጹን ውግእ ኰነ። ኣብ መወዳእትኡ ግን ናይ ዳዊት ሰባት ተዓወቱ። ዳዊት ንጉስ ክኸውን ከሎ ወዲ 30 ዓመት ነበረ። ንሸውዓተ ዓመትን መንፈቕን ኣብ ኬብሮን ነገሰ። ገለ ካብቶም ኣብኡ ንዳዊት እተወልዱሉ ደቂ ኣምኖን: ኣቤሴሎም: ከምኡውን ኣዶንያ ኢዮም።

እቲ ዳዊትን ሰቡን ነታ የሩሳሌም እትብሃል ጽብቕቲ ከተማ ዝሕዝሉ ግዜ ኣኸለ። ዮኣብ እቲ ካልኣይ ወዲ ጽሩያ ሓፍቱ ንዳዊት: ኣብቲ ውግእ መራሒ ነበረ። ስለዚ ዳዊት ንዮኣብ ሓለቓ ሰራዊት ብምግባር ክብ ኣበሎ። ካብኡ ዳዊት ኣብ ከተማ የሩሳሌም ክገዝእ ጀመረ።

1 ሳሙኤል 26:⁠1⁠-​25፣ 27:⁠1⁠-​7፣ 31:⁠1⁠-​6፣ 2 ሳሙኤል 1:⁠26፣ 3:⁠1⁠-​21፣ 5:⁠1⁠-​10፣ 1 ዜና መዋእል 11:⁠1⁠-​9

ሕቶታት መጽናዕቲ

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ