ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • my ዛንታ 72
  • ኣምላኽ ንንጉስ ህዝቅያስ ይሕግዞ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ኣምላኽ ንንጉስ ህዝቅያስ ይሕግዞ
  • መጽሓፈይ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ዛንታታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ናይ ምምራጽ ናጽነት ብምሃብ ኣኽበረና
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2010
  • ኣርኣያ​—ህዝቅያስ
    መንእሰያት ዚሓትዎ ሕቶታትን ተግባራዊ መልስታቱን፡ 2ይ ጥራዝ
  • ሸውዓተ ጓሶትን ሸሞንተ መሳፍንትን—ሎሚ ብኸመይ ይጠቕሙና፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2013
  • ‘ኣብ የሆዋ ጠበቐ’
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2012
ዝያዳ ርአ
መጽሓፈይ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ዛንታታት
my ዛንታ 72

ዛንታ 72

ኣምላኽ ንንጉስ ህዝቅያስ ይሕግዞ

እዚ ሰብኣይ ናብ የሆዋ ዝጽሊ ዘሎ ስለምንታይ ምዃኑ ትፈልጥዶ፧ ነዚ ደብዳበታት እዚ ኣብ ቅድሚ መሰውኢ የሆዋ ዝገበሮ ስለምንታይ ኢዩ፧ እቲ ሰብኣይ ህዝቅያስ ኢዩ። ንጉስ ናይተን ብወገን ደቡብ ዝነበራ ክልተ ነገዳት እስራኤል ኢዩ። ኣብ ብዙሕ ሽግር ኢዩ ወዲቑ ዘሎ። ስለምንታይ፧

ምኽንያቱ ሰራዊት ኣሶር ድሮ ነተን ብሰሜን ዝነበራ 10 ነገድ ኣጥፊኦምወን ኢዮም። የሆዋ እዚ ክኸውን ዘፍቀደሉ ምኽንያት ከኣ እቶም ህዝቢ ኣዝዮም እኩያት ብምንባሮም ኢዩ። ሕጂ ኸኣ ናይ ኣሶር ሰራዊት ኣንጻር ናይቶም ክልተ ነገድ መንግስቲ ንምውጋእ ኢዮም መጺኦም።

ንጉስ ኣሶር ናብ ንጉስ ህዝቅያስ ደብዳበታት ለኣኸ። ነዚ ደብዳበታት እዚ ኢዩ ህዝቅያስ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ገይርዎ ዘሎ። እቲ ደብዳበታት ንየሆዋ ዘላግጽን ንህዝቅያስ ከኣ ኢዱ ክህብ ዝነግርን ኢዩ ነይሩ። በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ ኢዩ ህዝቅያስ ‘ዎ የሆዋ ካብ ንጉስ ኣሶር ኣድሕነና። ሽዑ ኵለን መንግስታት ኣምላኽ ንስኻ ጥራይ ምዃንካ ክፈልጣ ኢየን’ ኢሉ ዝጸለየ። የሆዋ ንህዝቅያስ ይሰምዖዶ ይኸውን፧

ህዝቅያስ ቅኑዕ ንጉስ ኢዩ። ከምቶም ኣብታ ናይ 10 ነገድ መንግስቲ ዝነበሩ እኩያት ነገስታት እስራኤል: ወይ ከኣ ከምቲ እኩይ ዝነበረ ኣቡኡ ኣሃዝ ኣይኰነን። ህዝቅያስ ንዅሉ ሕግታት የሆዋ ንኽእዘዞ ጥንቁቕ ኢዩ ነይሩ። ስለዚ ህዝቅያስ ጸልዩ ድሕሪ ምውድኡ: ነብዪ ኢሳይያስ ካብ የሆዋ ከምዚ ዝብል መልእኽቲ ሰደደሉ:⁠- ‘ንጉስ ኣሶር ኣብ የሩሳሌም ኣይኣቱን ኢዩ። ካብ ሰራዊቱ እውን ኣብ ጥቕኣ ዝበጽሕ የለን። ኣብታ ኸተማ ሓንቲ ፍላጻ እውን ትኹን ኣይክውርውሩን ኢዮም።’

ኣብዚ ገጽ ዘሎ ስእሊ እሞ ርኣዮ። እዞም ኵሎም ምዉታት ወተሃደራት መን ምዃኖም ትፈልጥዶ፧ ኣሶራውያን ኢዮም። የሆዋ መልኣኹ ልኣኸ: እቲ መልኣኽ ከኣ ኣብ ሓንቲ ለይቲ 185,000 ኣሶራውያን ወተሃደራት ቀተለ። ንጉስ ኣሶር ድማ ተስፋ ቘሪጹ ናብ ዓዱ ተመልሰ።

እታ መንግስቲ ናይተን ክልተ ነገድ ደሓነት: እቶም ህዝቢ ኸኣ ንቑ​ሩብ ግዜ ሰላም ረኸቡ። ህዝቅያስ ድሕሪ ሙማቱ ግን ወዱ ምናሴ ነገሰ። ምናሴ ድሕሪኡ ኸኣ ወዱ ኣሞን: ክልቲኦም እኩያት ነገስታት ኢዮም ነይሮም። ስለዚ እታ ሃገር እንደገና ብገበንን ዓመጽን መልአት። ንጉስ ኣሞን ብኣገልገልቱ ምስ ተቐትለ: ወዱ ዮስያስ ኣብ መንግስቲ ናይተን ክልተ ነገድ ነገሰ።

2 ነገስት 18:⁠1⁠-​36፣ 19:⁠1⁠-​37፣ 21:⁠1⁠-​25

ሕቶታት መጽናዕቲ

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ