ዛንታ 72
ኣምላኽ ንንጉስ ህዝቅያስ ይሕግዞ
እዚ ሰብኣይ ናብ የሆዋ ዝጽሊ ዘሎ ስለምንታይ ምዃኑ ትፈልጥዶ፧ ነዚ ደብዳበታት እዚ ኣብ ቅድሚ መሰውኢ የሆዋ ዝገበሮ ስለምንታይ ኢዩ፧ እቲ ሰብኣይ ህዝቅያስ ኢዩ። ንጉስ ናይተን ብወገን ደቡብ ዝነበራ ክልተ ነገዳት እስራኤል ኢዩ። ኣብ ብዙሕ ሽግር ኢዩ ወዲቑ ዘሎ። ስለምንታይ፧
ምኽንያቱ ሰራዊት ኣሶር ድሮ ነተን ብሰሜን ዝነበራ 10 ነገድ ኣጥፊኦምወን ኢዮም። የሆዋ እዚ ክኸውን ዘፍቀደሉ ምኽንያት ከኣ እቶም ህዝቢ ኣዝዮም እኩያት ብምንባሮም ኢዩ። ሕጂ ኸኣ ናይ ኣሶር ሰራዊት ኣንጻር ናይቶም ክልተ ነገድ መንግስቲ ንምውጋእ ኢዮም መጺኦም።
ንጉስ ኣሶር ናብ ንጉስ ህዝቅያስ ደብዳበታት ለኣኸ። ነዚ ደብዳበታት እዚ ኢዩ ህዝቅያስ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ገይርዎ ዘሎ። እቲ ደብዳበታት ንየሆዋ ዘላግጽን ንህዝቅያስ ከኣ ኢዱ ክህብ ዝነግርን ኢዩ ነይሩ። በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ ኢዩ ህዝቅያስ ‘ዎ የሆዋ ካብ ንጉስ ኣሶር ኣድሕነና። ሽዑ ኵለን መንግስታት ኣምላኽ ንስኻ ጥራይ ምዃንካ ክፈልጣ ኢየን’ ኢሉ ዝጸለየ። የሆዋ ንህዝቅያስ ይሰምዖዶ ይኸውን፧
ህዝቅያስ ቅኑዕ ንጉስ ኢዩ። ከምቶም ኣብታ ናይ 10 ነገድ መንግስቲ ዝነበሩ እኩያት ነገስታት እስራኤል: ወይ ከኣ ከምቲ እኩይ ዝነበረ ኣቡኡ ኣሃዝ ኣይኰነን። ህዝቅያስ ንዅሉ ሕግታት የሆዋ ንኽእዘዞ ጥንቁቕ ኢዩ ነይሩ። ስለዚ ህዝቅያስ ጸልዩ ድሕሪ ምውድኡ: ነብዪ ኢሳይያስ ካብ የሆዋ ከምዚ ዝብል መልእኽቲ ሰደደሉ:- ‘ንጉስ ኣሶር ኣብ የሩሳሌም ኣይኣቱን ኢዩ። ካብ ሰራዊቱ እውን ኣብ ጥቕኣ ዝበጽሕ የለን። ኣብታ ኸተማ ሓንቲ ፍላጻ እውን ትኹን ኣይክውርውሩን ኢዮም።’
ኣብዚ ገጽ ዘሎ ስእሊ እሞ ርኣዮ። እዞም ኵሎም ምዉታት ወተሃደራት መን ምዃኖም ትፈልጥዶ፧ ኣሶራውያን ኢዮም። የሆዋ መልኣኹ ልኣኸ: እቲ መልኣኽ ከኣ ኣብ ሓንቲ ለይቲ 185,000 ኣሶራውያን ወተሃደራት ቀተለ። ንጉስ ኣሶር ድማ ተስፋ ቘሪጹ ናብ ዓዱ ተመልሰ።
እታ መንግስቲ ናይተን ክልተ ነገድ ደሓነት: እቶም ህዝቢ ኸኣ ንቑሩብ ግዜ ሰላም ረኸቡ። ህዝቅያስ ድሕሪ ሙማቱ ግን ወዱ ምናሴ ነገሰ። ምናሴ ድሕሪኡ ኸኣ ወዱ ኣሞን: ክልቲኦም እኩያት ነገስታት ኢዮም ነይሮም። ስለዚ እታ ሃገር እንደገና ብገበንን ዓመጽን መልአት። ንጉስ ኣሞን ብኣገልገልቱ ምስ ተቐትለ: ወዱ ዮስያስ ኣብ መንግስቲ ናይተን ክልተ ነገድ ነገሰ።