ዛንታ 76
የሩሳሌም ተደምሰሰት
ነቡካድነጻር ነቶም ምሁራት ዘበሉ እስራኤላውያን ንባቢሎን ካብ ዝወስዶም ልዕሊ 10 ዓመት ሓለፈ። እዚ ሕጂ ዝፍጸም ዘሎ እሞ ተዓዘቦ! የሩሳሌም ትነድድ ኢያ ዘላ። እቶም ዘይተቐትሉ እስራኤላውያን ከኣ ተኣሲሮም ናብ ባቢሎን ይውሰዱ ኣለዉ።
እቶም ህዝቢ ነቲ እኩይ ኣካይድኦም እንተ ዘይለዊጦም ከምዚ ክረኽቦም ምዃኑ ነብያት የሆዋ ኣጠንቂቖምዎም ከም ዝነበሩ ዘክር። እቶም እስራኤላውያን ግን ነቶም ነብያት ኣይሰምዕዎምን። ኣብ ክንዲ ንየሆዋ ነቶም ሓሰውቲ ኣማልኽቲ ምምላኽ ኢዮም ቀጺሎም። ስለዚ እቶም ህዝቢ ክቕጽዑ ዝግብኦም ኢዮም ነይሮም። እዚ ኽንፈልጦ እንኽእል እቲ ናይ ኣምላኽ ነብዪ ዝነበረ ህዝቅኤል: እስራኤላውያን ዝገብርዎ ዝነበሩ እኩይ ነገራት ስለ ዝነግረና ኢዩ።
ህዝቅኤል መን ምዃኑ ትፈልጥዶ፧ ሓደ ካብቶም የሩሳሌም ቅድሚ ምጥፍኣ 10 ዓመት ኣቐዲሙ ንጉስ ነቡካድነጻር ናብ ባቢሎን ዝወሰዶም መንእሰያት ኢዩ። ዳንኤልን እቶም ሰለስተ ኣዕሩኽቱ ሲድራቅን ሚሳቅን ዓብድ-ኔጎን እውን ምስኡ ብሓንሳብ ኢዮም ናብ ባቢሎን እተወስዱ።
ህዝቅኤል ኣብ ባቢሎን ከሎ: የሆዋ ነቲ ኣብ ቤት መቕደስ የሩሳሌም ዝፍጸም ዘሎ እከይ ኣርኣዮ። የሆዋ ከምኡ ዝገበረ ተኣምራት ተጠቒሙ ኢዩ። ህዝቅኤል ገና ኣብ ባቢሎን ኢዩ ዘሎ: የሆዋ ግን ኵሉ እቲ ኣብቲ ቤት መቕደስ ዝኸውን ዘሎ ኣርኣዮ። እቲ ህዝቅኤል ዝረኣዮ ኸኣ ዘሰንብድ ኢዩ!
የሆዋ ንህዝቅኤል ‘እቶም ህዝቢ ኣብዚ ቤት መቕደስ ዝገብርዎ ዘለዉ ጽያፍ ርኣዮ። እቲ ኣትማንን ካልእ ለመምታን ተሳኢልዎ ዘሎ መንደቕ ርኣዮ። እስራኤላውያን ከምልኽዎ ኸለዉ ኸኣ ርኣዮ!’ በሎ። ህዝቅኤል ነዚ ነገራት እዚ ረኣዮ: ነቲ ዝግበር ዘሎ ኸኣ ጸሓፎ።
‘እቶም ዓበይቲ እስራኤል ብምስጢር ዝገብርዎ ዘለዉስ ትርእዮዶ ኣሎኻ፧’ ብምባል የሆዋ ንህዝቅኤል ሓተቶ። እወ: ነዚ እውን ርእይዎ ኢዩ። ኣብኡ 70 ሰብኡት ኣለዉ ኵሎም ከኣ ንናይ ሓሶት ኣማልኽቲ የምልኹ ኣለዉ። ‘የሆዋ ኣይርእየናን ኢዩ። ነዛ ሃገር ገዲፍዋ ኢዩ’ ይብሉ ኣለዉ።
ድሕርዚ የሆዋ ንህዝቅኤል ነተን ኣብቲ ብወገን ሰሜን ኣብ ዘሎ ኣፍ ደገ ቤት መቕደስ ዘለዋ ኣንስቲ ኣርኣዮ። ኣብኡ ተቐሚጠን ነቲ ናይ ሓሶት ኣምላኽ ተሙዝ ኢየን ዘምልኻ ዘለዋ። እቶም ኣብ ኣፍ ደገ ቤት መቕደስ የሆዋ ዘለዉ ሰባት እውን ርኣዮም! ገለ 25 ዝዀኑ ኣለዉ። ህዝቅኤል ከኣ ረኣዮም። ንጸሓይ እናኣምለኹ ኸኣ ናብ ምብራቕ ገጾም ይሰግዱ ኣለዉ!
የሆዋ ኸኣ ‘እዞም ሰባት እዚኣቶም ኣየኽብሩንን ኢዮም። እከይ ምግባሮም ጥራይ ዘይኰነስ ኣብ ቤት መቕደሰይ መጺኦም ከኣ ይገበርዎ ኣለዉ’ በለ! ስለዚ የሆዋ ‘ነድረይ ክርእይዎ። ክጠፍኡ ከለዉ ኸኣ ኣይክርሕርሓሎምን ኢየ’ ኢሉ መሓለ።
የሆዋ ንህዝቅኤል እዚ ምስ ኣርኣዮ ድሕሪ ሰለስተ ዓመት እስራኤላውያን ኣንጻር ንጉስ ነቡካድነጻር ዓለዉ። ንሱ ኸኣ ተዋግኦም። ድሕሪ ሓደ ዓመትን ፈረቓን ከኣ ባቢሎናውያን ብመናድቕ የሩሳሌም ኣትዮም ነታ ኸተማ ፈጺሞም ኣንደድዋ። ዝበዝሑ ካብቶም ሰባት ተቐትሉ: እቶም ዝተረፉ ኸኣ ናብ ባቢሎን ተማሪኾም ከዱ።
የሆዋ እዚ ኸቢድ ጥፍኣት እዚ ኣብ እስራኤላውያን ክበጽሕ ዘፍቀደስ ስለምንታይ ኢዩ፧ እወ: ንየሆዋ ስለ ዘይሰምዑን ንሕግታቱ ኸኣ ስለ ዘይተኣዘዙን ኢዩ። እዚ ኸኣ እቲ ኣምላኽ ዝደልዮ ክንገብር ንዓና ክሳዕ ክንደይ ኣገዳሲ ምዃኑ ኢዩ ዘርኢ።
መጀመርታ ሒደት ሰባት ኣብ ምድሪ እስራኤል ክዀኑ ተፈቒድሎም ነይሩ። ንጉስ ነቡካድነጻር ከኣ ገዳልያ ዝበሃል ኣይሁዳዊ ኣብ ልዕሊ እዞም ሰባት እዚኣቶም ሸሞ። ደሓር ግን ገሊኦም እስራኤላውያን ንገዳልያ ቐተልዎ። ብድሕርዚ እቶም ህዝቢ በቲ እተፈጸመ ሕማቕ ነገር ባቢሎናውያን መጺኦም ንዅሎም ከየጥፍእዎም ፈርሑ። ስለዚ ንኤርምያስ ምስኦም ክኸይድ ኣገዲዶም ናብ ግብጺ ሃደሙ።
በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ ምድሪ እስራኤል ሰብ ዘይነብረላ ኰይና ተረፈት። ን70 ዓመታት እታ ምድሪ ዋላ ሓደ ኣይተቐመጣን። ፈጺማ ባዲማ ኢያ። የሆዋ ግን ንህዝቡ ድሕሪ 70 ዓመታት ናብታ ምድሪ ክመልሶም ከም ዝዀነ ተመባጺዑሎም ነበረ። ክሳዕ ዝምለሱ: ንህዝቢ ኣምላኽ ኣብቲ እተወስድዎ ምድሪ ባቢሎን እንታይ ኣጋጠሞም፧ እስከ ንርአ።