ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • my ዛንታ 80
  • ህዝቢ ኣምላኽ ካብ ባቢሎን ወጹ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ህዝቢ ኣምላኽ ካብ ባቢሎን ወጹ
  • መጽሓፈይ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ዛንታታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ቂሮስ እቲ ዓብዪ
    ንቕሑ!—2013
  • ኣብ ሓገዝ ኣምላኽ ምውካል
    መጽሓፈይ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ዛንታታት
  • ኣብ መንደቕ እተጻሕፈት ጽሕፈት
    ካብ መጽሓፍ ቅዱስ እትምሃሮ ትምህርቲ
  • ነቶም ናይ ሓቂ ልኡኻት ምልላዮም
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1997
መጽሓፈይ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ዛንታታት
my ዛንታ 80

ዛንታ 80

ህዝቢ ኣምላኽ ካብ ባቢሎን ወጹ

ባቢሎን ብሜዶንን ፋርስን ካብ እትትሓዝ ዳርጋ ክልተ ዓመት ሓለፈ። እዚ ዝፍጸም ዘሎ እሞ ርኣዮ! እወ: እስራኤላውያን ካብ ባቢሎን ይወጹ ኣለዉ። ብኸመይ ናጻ ወጺኦም፧ መን ናጻ ገዲፍዎም፧

ቂሮስ ንጉስ ፋርስ ኢዩ። ቂሮስ ቅድሚ ምውላዱ የሆዋ ብነቢይኡ ኢሳይያስ ኣቢሉ ብዛዕብኡ ‘እቲ ኣነ ዝደልዮ ኽትገብር ኢኻ። ነታ ኸተማ ንኽትሕዛ እቲ ደገ ክፉት ክግደፍ ኢዩ’ ብምባል ጸሓፈ። ቂሮስ ከኣ ባቢሎን ንምሓዝ መሪሕነት ወሰደ። እቶም ሜዶናውያንን ፋርሳውያንን ብለይቲ በቲ ብኽፉቱ እተገድፈ ደገ ኣቢሎም ናብታ ከተማ ኣተዉ።

እቲ ነብዪ የሆዋ ዝዀነ ኢሳይያስ ግን: ቂሮስ የሩሳሌምን ቤት መቕደሳን ክህነጻ ኢሉ ከም ዝእዝዝ እውን ተዛሪቡ ነበረ። ቂሮስ ነዚ ትእዛዝ እዚ ኣመሓላሊፉዶ፧ እወ: ኣመሓላሊፉ ኢዩ። ቂሮስ ንእስራኤላውያን ‘ናብ የሩሳሌም ኪዱ: ቤት መቕደስ የሆዋ ኣምላኽኩም ከኣ ስርሑ’ በሎም። ኣብዚ ስእሊ ኸኣ እስራኤላውያን ከምኡ ንኽገብሩ ክኸዱ ኢዮም ዝርኣዩ ዘለዉ።

እንተዀነ ግን: ናብ የሩሳሌም ንምምላስ እቲ ነዊሕ ጕዕዞ ክጓዓዙ ዝኽእሉ ዝነበሩ ኵሎም እስራኤላውያን ኣይኰኑን። ዳርጋ 800 ኪሎ ሜተር ኣቢሉ ዝኸውን ኣዝዩ ነዊሕ ጕዕዞ ኢዩ: ብዙሓት ከኣ ክንድዚ ርሕቀት ክኸዱ ዘይክእሉ ኣረጋውያን ወይ ሕሙማት ኢዮም ነይሮም። ገሊኦም ሰባት ዘይከድሉ ካልእ ምኽንያት እውን ነይርዎም ኢዩ። ቂሮስ ግን ነቶም ዘይከዱ ሰባት ከምዚ በሎም:⁠- ‘ነቶም ንየሩሳሌምን ንቤት መቕደሳን ክሃንጹ ዝኸዱ ዘለዉ ብሩርን ወርቅን ካልእ ህያባትን ሃብዎም።’

ነዞም ናብ የሩሳሌም ዝኸዱ ዘለዉ እስራኤላውያን ብዙሕ ህያባት ተዋህቦም። ቂሮስ እውን እቲ ነቡካድነጻር ንየሩሳሌም ከጥፍኣ ኸሎ ካብ ቤት መቕደስ የሆዋ ዝወሰዶ ኣቕሑ ወርቅን ብሩርን ሃቦም። እቶም ህዝቢ ምስኦም ተማሊኦሞ ዝኸዱ ብዙሕ ነገራት ነበሮም።

ዳርጋ ኣርባዕተ ወርሒ ምስ ተጓዕዙ እቶም እስራኤላውያን ኣብቲ ልክዕ ግዜኡ ናብ የሩሳሌም ተመልሱ። እታ ኸተማ ካብ እትዓኑ ልክዕ 70 ዓመታት ኰይኑ ነበረ: እታ ሃገር ከኣ ፈጺማ ሰብ ዘይብላ ጥራያ ዀይና ነበረት። እስራኤላውያን ናብ ሃገሮም እኳ እንተ ተመልሱ: ቀጺልና ከም እንርእዮ ገለ ገለ ሽግራት ከጋጥሞም ኢዩ።

ኢሳይያስ 44:⁠28፣ 45:⁠1⁠-​4፣ እዝራ 1:⁠1⁠-​11

ሕቶታት መጽናዕቲ

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ