ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • my ዛንታ 84
  • ሓደ መልኣኽ ንማርያም ይበጽሓ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ሓደ መልኣኽ ንማርያም ይበጽሓ
  • መጽሓፈይ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ዛንታታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ገብርኤል ንማርያም በጽሓ
    ካብ መጽሓፍ ቅዱስ እትምሃሮ ትምህርቲ
  • “እነኹ ባርያ የሆዋ”
    ኣስኣሰር እምነቶም ስዓብ
  • ከይተወልደ ከሎ ክብሪ እተዋህቦ
    ኣብ ምድሪ ይነብሩ ካብ ዝነበሩ እቲ ዝዓበየ ሰብኣይ
  • የሱስ ገና ኸይተወልደ ኽብሪ ተዋህቦ
    የሱስ—መገድን ሓቅን ህይወትን
ዝያዳ ርአ
መጽሓፈይ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ዛንታታት
my ዛንታ 84

ዛንታ 84

ሓደ መልኣኽ ንማርያም ይበጽሓ

እዛ ጽብቕቲ ሰበይቲ ማርያም ትብሃል። ኣብ ከተማ ናዝሬት እትቕመጥ እስራኤላዊት ኢያ። ኣምላኽ ኣዝያ ሰናይ ዝዀነት ሰበይቲ ምዃና ይፈልጥ ኢዩ። በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ ኢዩ ንመልኣኹ ገብርኤል ክዛረባ ዝለኣኾ። ገብርኤል ንማርያም እንታይ ክነግራ ከም ዝመጸ ትፈልጥዶ፧ እስከ ንርኣዮ።

ገብርኤል ከኣ ‘ኣቲ ምልእቲ ጸጋ: የሆዋ ምሳኺ ኢዩ’ ብምባል ሰላምታ ኣቕረበላ። ማርያም ነዚ ሰብ እዚ ርእያቶ ኣይትፈልጥን ኢያ። እንታይ ማለቱ ከም ዝዀነ ስለ ዘይፈለጠት ከኣ ተሻቐለት። ብኡንብኡ ግን ገብርኤል ኣህድኣ።

‘ማርያም ኣይትፍርሒ። የሆዋ ምሳኺ ኢዩ። በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ ሓደ ዘገርም ነገር ክገብረልኪ ኢዩ። ወዲ ኽትወልዲ። ስሙ ኸኣ የሱስ ክትሰምይዮ ኢኺ’ በላ።

ቀጺሉ ገብርኤል ‘እቲ ቘልዓ ዓቢ ክኸውን ወዲ ልዑል ኣምላኽ እውን ክብሃል ኢዩ። የሆዋ ከም ዳዊት ንጉስ ክገብሮ ኢዩ። የሱስ ግን ንዘለኣለም ንጉስ ክኸውን መንግስቱ ኸኣ መወዳእታ ኣይክህልዋን ኢዩ!’ ብምባል ገለጸላ።

ማርያም ከኣ ‘እዚ ዅሉ ከመይ ኢሉ ይኸውን፧ ኣይተመርዓኹን። ምስ ሰብኣይ እውን ኣይነበርኩን ስለዚ ከመይ ኢለ ደኣ ክወልድ እኽእል፧’ ኢላ ሓተተት።

ገብርኤል ከኣ ‘ሓይሊ ኣምላኽ ኣብ ልዕሌኺ ከጽልል ኢዩ። ስለዚ እቲ ህጻን ወዲ ኣምላኽ ክብሃል ኢዩ’ ኢሉ መለሰላ። ብድሕርዚ ኸኣ ‘ሰባት ኤልሳቤጥ ዘመድኪ ኣዝያ ስለ ዝኣረገት ኣይትወልድን ኢያ ይብልዋ። ኣብዚ ቐረባ ግዜ ግን ወዲ ኽትወልድ ኢያ። ስለዚ ንኣምላኽ ዘይከኣሎ የለን’ ብምባል ንማርያም ነገራ።

ብኡንብኡ ኸኣ ማርያም ‘ኣነ ባርያ የሆዋ ኢየ! ከምቲ ዘረባኻ ይኹነለይ’ በለት። ብድሕርዚ እቲ መልኣኽ ከደ።

ማርያም ተቓላጢፋ ንኤልሳቤጥ ክትበጽሓ ከደት። ኤልሳቤጥ ድምጺ ማርያም ምስ ሰምዐት: እቲ ኣብ ውሽጢ ኤልሳቤጥ ዝነበረ ህጻን ብሓጐስ ተሰራሰረ። ኤልሳቤጥ ብመንፈስ ኣምላኽ መልአት: ንማርያም ከኣ ‘ንስኺ ካብ ኵለን ኣንስቲ እተባረኽኪ ኢኺ’ በለታ። ማርያም ንሰለስተ ወርሒ ምስ ኤልሳቤጥ ወርሐት: ብድሕርዚ ናብ ዓዳ ናብ ናዝሬት ተመልሰት።

ማርያም ንሓደ ዮሴፍ እተባህለ ሰብኣይ ክትምርዖ ተሓጽያ ኢያ ነይራ። ብድሕርዚ ግን ዮሴፍ ማርያም ከም ዝጠነሰት ምስ ፈለጠ: ክገድፋ ደለየ። ብድሕርዚ መልኣኽ የሆዋ ‘ማርያም ሰበይትኻ ክትከውን ምውሳዳ ኣይትፍራሕ። እቲ ዝጠነሰቶ ብኣምላኽ ኢዩ’ በሎ። በዚ ድማ ማርያምን ዮሴፍን ተመርዓዉ: የሱስ ክውለድ ከኣ ተጸበዩ።

ሉቃስ 1:⁠26⁠-​56፣ ማቴዎስ 1:⁠18⁠-​25

ሕቶታት መጽናዕቲ

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ