ዛንታ 84
ሓደ መልኣኽ ንማርያም ይበጽሓ
እዛ ጽብቕቲ ሰበይቲ ማርያም ትብሃል። ኣብ ከተማ ናዝሬት እትቕመጥ እስራኤላዊት ኢያ። ኣምላኽ ኣዝያ ሰናይ ዝዀነት ሰበይቲ ምዃና ይፈልጥ ኢዩ። በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ ኢዩ ንመልኣኹ ገብርኤል ክዛረባ ዝለኣኾ። ገብርኤል ንማርያም እንታይ ክነግራ ከም ዝመጸ ትፈልጥዶ፧ እስከ ንርኣዮ።
ገብርኤል ከኣ ‘ኣቲ ምልእቲ ጸጋ: የሆዋ ምሳኺ ኢዩ’ ብምባል ሰላምታ ኣቕረበላ። ማርያም ነዚ ሰብ እዚ ርእያቶ ኣይትፈልጥን ኢያ። እንታይ ማለቱ ከም ዝዀነ ስለ ዘይፈለጠት ከኣ ተሻቐለት። ብኡንብኡ ግን ገብርኤል ኣህድኣ።
‘ማርያም ኣይትፍርሒ። የሆዋ ምሳኺ ኢዩ። በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ ሓደ ዘገርም ነገር ክገብረልኪ ኢዩ። ወዲ ኽትወልዲ። ስሙ ኸኣ የሱስ ክትሰምይዮ ኢኺ’ በላ።
ቀጺሉ ገብርኤል ‘እቲ ቘልዓ ዓቢ ክኸውን ወዲ ልዑል ኣምላኽ እውን ክብሃል ኢዩ። የሆዋ ከም ዳዊት ንጉስ ክገብሮ ኢዩ። የሱስ ግን ንዘለኣለም ንጉስ ክኸውን መንግስቱ ኸኣ መወዳእታ ኣይክህልዋን ኢዩ!’ ብምባል ገለጸላ።
ማርያም ከኣ ‘እዚ ዅሉ ከመይ ኢሉ ይኸውን፧ ኣይተመርዓኹን። ምስ ሰብኣይ እውን ኣይነበርኩን ስለዚ ከመይ ኢለ ደኣ ክወልድ እኽእል፧’ ኢላ ሓተተት።
ገብርኤል ከኣ ‘ሓይሊ ኣምላኽ ኣብ ልዕሌኺ ከጽልል ኢዩ። ስለዚ እቲ ህጻን ወዲ ኣምላኽ ክብሃል ኢዩ’ ኢሉ መለሰላ። ብድሕርዚ ኸኣ ‘ሰባት ኤልሳቤጥ ዘመድኪ ኣዝያ ስለ ዝኣረገት ኣይትወልድን ኢያ ይብልዋ። ኣብዚ ቐረባ ግዜ ግን ወዲ ኽትወልድ ኢያ። ስለዚ ንኣምላኽ ዘይከኣሎ የለን’ ብምባል ንማርያም ነገራ።
ብኡንብኡ ኸኣ ማርያም ‘ኣነ ባርያ የሆዋ ኢየ! ከምቲ ዘረባኻ ይኹነለይ’ በለት። ብድሕርዚ እቲ መልኣኽ ከደ።
ማርያም ተቓላጢፋ ንኤልሳቤጥ ክትበጽሓ ከደት። ኤልሳቤጥ ድምጺ ማርያም ምስ ሰምዐት: እቲ ኣብ ውሽጢ ኤልሳቤጥ ዝነበረ ህጻን ብሓጐስ ተሰራሰረ። ኤልሳቤጥ ብመንፈስ ኣምላኽ መልአት: ንማርያም ከኣ ‘ንስኺ ካብ ኵለን ኣንስቲ እተባረኽኪ ኢኺ’ በለታ። ማርያም ንሰለስተ ወርሒ ምስ ኤልሳቤጥ ወርሐት: ብድሕርዚ ናብ ዓዳ ናብ ናዝሬት ተመልሰት።
ማርያም ንሓደ ዮሴፍ እተባህለ ሰብኣይ ክትምርዖ ተሓጽያ ኢያ ነይራ። ብድሕርዚ ግን ዮሴፍ ማርያም ከም ዝጠነሰት ምስ ፈለጠ: ክገድፋ ደለየ። ብድሕርዚ መልኣኽ የሆዋ ‘ማርያም ሰበይትኻ ክትከውን ምውሳዳ ኣይትፍራሕ። እቲ ዝጠነሰቶ ብኣምላኽ ኢዩ’ በሎ። በዚ ድማ ማርያምን ዮሴፍን ተመርዓዉ: የሱስ ክውለድ ከኣ ተጸበዩ።