ዛንታ 99
ኣብ ላዕለዋይ ደርቢ ዝነበረት ክፍሊ
ሕጂ ድሕሪ ክልተ መዓልቲ: ሓሙስ ለይቲ ኢዩ ዘሎ። የሱስን እቶም 12 ሃዋርያቱን በዓል ፋስጋ ንኸብዕሉ ኣብ ሓደ ኣብ ላዕለዋይ ደርቢ ዝርከብ ገፊሕ ክፍሊ ኣትዮም ኣለዉ። እቲ ኽወጽእ እትርእዮ ዘለኻ ሰብኣይ ይሁዳ ኣስቆሮታዊ ኢዩ። እቶም ካህናት ንየሱስ ከመይ ገይሮም ክሕዝዎ ከም ዝኽእሉ ንኽነግሮም ኢዩ ዝኸይድ ዘሎ።
እታ ቕድሚኣ ዝነበረት መዓልቲ ይሁዳ ናብኦም ከይዱ ‘ንየሱስ ክትሕዝዎ እንተ ሓጊዘኩም እንታይ ክትህቡኒ ኢኹም፧’ ብምባል ሓተቶም። ንሳቶም ከኣ ‘ሰላሳ ቅርሺ’ በልዎ። ስለዚ ሕጂ ይሁዳ ናብ የሱስ ምእንቲ ኽመርሖም ምስ እዞም ሰባት እዚኣቶም ክራኸብ ኢዩ ዝኸይድ ዘሎ። እዝስ ኣዝዩ ኽፉእ ነገርዶ ኣይኰነን፧
በዓል ፋስጋ ኣብዒሎም ወድኡ። ድሕርዚ ግን የሱስ ሓደ ፍልይ ዝበለ ድራር ጀመረ። ንሃዋርያቱ ኸኣ እንጌራ ቘሪሱ ሃቦም ከምዚ ኸኣ በሎም:-‘ብልዑ: እዚ ምእንታኹም እተዋህበ ስጋይ ኢዩ።’ ድሕሪኡ ብጽዋእ ገይሩ ወይኒ ሃቦም ከምዚ እውን በሎም:-‘ስተዩ እዚ ምእንታኹም ዝፈስስ ደመይ ኢዩ።’ መጽሓፍ ቅዱስ ነዚ ‘ድራር ጐይታ’ ኢሉ ይጽውዖ።
እስራኤላውያን እቲ ኣብ ግብጺ መልኣኽ የሆዋ ንቤቶም ሰጊሩ ብምኻድ ኣብ ቤት ግብጻውያን ግን በዅራት ዝቐተለሉ ንምዝካር ‘በዓል ፋስጋ’ የብዕሉ ነበሩ። ሕጂ ግን የሱስ ሰዓብቱ ንሱ ምእንትኦም ከመይ ገይሩ ህይወቱ ከም ዝሃበ ክዝክሩ ኢዩ ዝደሊ። በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ ኢዩ ነዚ ፍልይ ዝበለ ድራር ነፍሲ ወከፍ ዓመት ከብዕልዎ ዝነገሮም።
ድራር ጐይታ ድሕሪ ምብልዖም የሱስ ንሃዋርያቱ ብእምነት ተባዓትን ብርቱዓትን ክዀኑ ነገሮም። ኣብ መወዳእትኡ ንኣምላኽ መዝሙር ዘመሩ ካብኡ ኸኣ ወጺኦም ከዱ። ኣዝዩ መስዩ ኢዩ ዘሎ: ምናልባት ፍርቂ ለይቲ ሓሊፉ ኢዩ ዝኸውን። ኣበይ ከም ዝኸዱ እስከ ንርአ።