ዛንታ 113
ጳውሎስ ኣብ ሮሜ
እቲ ጳውሎስ ተኣሲርሉ ዘሎ መቝሕን እቲ ዝሕልዎ ዘሎ ሮማዊ ወተሃደርን እሞ ርኣዮም። ጳውሎስ ኣብ ሮሜ እሱር ኢዩ ዀይኑ ዘሎ። እቲ ሮማዊ ቄሳር ኣብ ልዕሊኡ ውሳነ ክሳዕ ዝህብ ኢዩ ኸኣ ዝጽበ ዘሎ። እሱር ከሎ: ሰባት ክበጽሕዎ ይፍቀደሉ ነበረ።
ጳውሎስ ሮሜ ምስ በጽሐ ድሕሪ ሰለስተ መዓልትታት ንገለ ካብ መራሕቲ ኣይሁድ ናብኡ ክመጹ ለኣኸሎም። በዚ ምኽንያት ከኣ ኣብ ሮሜ ዝነበሩ ብዙሓት ኣይሁድ ናብኡ መጹ። ጳውሎስ ከኣ ብዛዕባ የሱስን ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽን ሰበኸሎም። ገሊኦም ኣመኑ እሞ ክርስትያናት ኰኑ: ካልኦት ግን ኣይኣመኑን።
ጳውሎስ ነቶም ንዕኡ እናተቓያየሩ ዝሕልዉዎ ዝነበሩ ወተሃደራት እውን ሰበኸሎም። ኣብተን ኣብዚ እሱር ኰይኑ ዝጸንሓለን ክልተ ዓመታት: ጳውሎስ ንኽረኽቦ ዝኸኣለ ኵሉ ሰብ ይሰብኽ ነበረ። በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ ስድራ ቤት ቄሳር እውን ከይተረፉ ብዛዕባ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ሰምዑ: ገለ ካብኣቶም ከኣ ክርስትያናት ኰኑ።
እንተዀነ ግን: እዚ ኣብቲ ጣውላ ዀይኑ ዝጽሕፍ ዘሎ ጋሻ መን ኢዩ፧ ክትግምትዶ ትኽእል፧ ብርግጽ: ጢሞቴዎስ ኢዩ። ጢሞቴዎስ እውን ብዛዕባ እታ መንግስቲ ብምስባኹ ተኣሲሩ ነይሩ ኢዩ: እንተዀነ ግን እንደገና ናጻ ዀነ። ኣብዚ ኸኣ ንጳውሎስ ንኽሕግዝ ኢዩ መጺኡ ዘሎ። ጢሞቴዎስ እንታይ ይጽሕፍ ከም ዘሎስ ትፈልጥዶ፧ እስከ ንርአ።
ኣብ ዛንታ ቝጽሪ 110 ዝረኣናየን ከተማታት ፊልጵን ኤፌሶንን ትዝክረንዶ፧ ጳውሎስ ኣብዘን ከተማታት እዚኣተን ክርስትያን ጉባኤታት ኣብ ምቛም ሓጊዙ ኢዩ። ሕጂ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኸሎ: ጳውሎስ ነዞም ክርስትያናት እዚኣቶም ደብዳበ ጸሓፈሎም። እዘን ደብዳበታት እዚኣተን ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ኣለዋ: መልእኽቲ ናብ ሰብ ኤፌሶን ከምኡውን መልእኽቲ ናብ ሰብ ፊልጲ ተባሂለን ከኣ ይጽውዓ። ጳውሎስ ነቶም ኣብ ፊልጲ ዝነበሩ ክርስትያን ብጾቶም እንታይ ኢሉ ኽጽሕፍ ከም ዘለዎ ኢዩ ንጢሞቴዎስ ዝነግሮ ዘሎ።
ሰብ ፊልጲ ንጳውሎስ ሕያውነት ኣርእዮሞ ኢዮም። ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኸሎ ህያብ ልኢኾምሉ ስለ ዝነበሩ: ጳውሎስ ብዛዕብኡ የመስግኖም ኣሎ። እቲ ህያብ ሒዙ ዝመጸ ሰብኣይ ኤጳፍሮዲጦስ ኢዩ። እንተዀነ ግን: ኤጳፍሮዲጦስ ኣብ ሞት ክሳዕ ዝበጽሕ ኣዝዩ ሓሚሙ ነበረ። ሕጂ እንደገና ጥዕዩ ናብ ዓዱ ኽምለስ ተቐሪቡ ኢዩ ዘሎ። ናብ ፊልጲ ኽምለስ ከሎ ነዛ ናይ ጳውሎስን ጢሞቴዎስን ደብዳበ ክማልኣ ኢዩ።
ጳውሎስ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኸሎ ኸኣ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስና ዝርከብ ክልተ ተወሳኺ ደብዳበታት ጸሓፈ። እታ ሓንቲ ነቶም ኣብ ቈሎሴ ዝነበሩ ክርስትያናት ኢያ። እንታይ ተባሂላ ከም እትጽዋዕ ትፈልጣዶ፧ መልእኽቲ ናብ ሰብ ቈሎሴ። እታ ኻልአይቲ ኸኣ ናብ ሓደ ኣብ ቈሎሴ ዝነብር ዝነበረ ፊልሞን እተባህለ ናይ ቀረባ ዓርኩ ኢያ ነይራ። እታ ደብዳበ ብዛዕባ ኦኔሲሞስ እቲ ኣገልጋሊ ፊልሞን ዝነበረ ኢያ።
ኦኔሲሞስ ካብ ፊልሞን ሃዲሙ ናብ ሮሜ መጸ። ብገለ መገዲ ኣብኡ ጳውሎስ ተኣሲሩ ኸም ዘሎ ስለ ዝፈለጠ ክበጽሖ ከደ እሞ: ጳውሎስ ከኣ ሰበኸሉ። ድሕሪ ሓጺር ግዜ ኸኣ ኦኔሲሞስ ክርስትያን ኰነ። ኦኔሲሞስ ብምህዳሙ ተጣዕሰ። ስለዚ ኣብታ ንፊልሞን ዝሰደዳ ደብዳበ ጳውሎስ እንታይ ኢሉ ኸም ዝጸሓፈ ትፈልጥዶ፧
ፊልሞን ንኦኔሲሞስ ይቕረ ክብለሉ ጳውሎስ ሓተቶ። ጳውሎስ ክጽሕፍ ከሎ ከምዚ በለ:- ‘ናባኻ እሰዶ ኣለኹ። ሕጂ ግን ግዙእካ ጥራይ ኣይኰነን። ሕያዋይ ክርስትያን ሓው እውን ኢዩ ዀይኑ።’ ኦኔሲሞስ ናብ ቈሎሴ ኽምለስ ከሎ ነዘን ክልተ ደብዳበታት: ሓንቲ ናብ ሰብ ቈሎሴ ሓንቲ ድማ ናብ ፊልሞን ሒዙ ኸደ። ፊልሞን እቲ ግዙኡ ክርስትያን ከም ዝዀነ ምስ ሰምዐ ክሳዕ ክንደይ ከም እተሓጐሰ ኽንግምቶ ንኽእል ኢና።
ጳውሎስ ንሰብ ፊልጲ ከምኡውን ንፊልሞን ክጽሕፈሎም ከሎ: ብስራት ነይርዎ ኢዩ። ጳውሎስ ንሰብ ፊልጲ ‘ጢሞቴዎስ እሰደልኩም ኣለኹ። ኣነ እውን ድሕሪ ቝሩብ ግዜ ክመጸኩም ኢየ’ በሎም። ንፊልሞን ከኣ ‘ዝኣትወሉ ስፍራ ሓዘለይ’ በሎ።
ጳውሎስ ናጻ ምስ ተሰደ ነቶም ኣብ ብዙሕ ቦታታት ዝነበሩ ክርስትያናት ኣሕዋቱን ኣሓቱን በጽሖም። ጸኒሑ ግን ጳውሎስ እንደገና ኣብ ሮሜ ተኣስረ። ኣብዚ ግዜ እዚ ግን ክቕተል ምዃኑ ፈለጠ። ስለዚ ንጢሞቴዎስ ጸሓፈሉ እሞ ቐልጢፉ ክመጽእ ነገሮ። ጳውሎስ ‘ንኣምላኽ እሙን ኰይነ ኢየ: ኣምላኽ ከኣ ዓስቢ ክህበኒ ኢዩ’ ብምባል ጸሓፈ። ጳውሎስ ምስ ተቐትለ ድሕሪ ሒደት ዓመታት የሩሳሌም እንደገና ተደምሰሰት: እዚ ኸኣ ብሮማውያን ተፈጸመ።
ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ግን ካብዚ ንላዕሊ ትሕዝቶ ኣሎ። የሆዋ ኣምላኽ እቲ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ናይ መወዳእታ መጻሕፍትን ራእይን ሃዋርያ ዮሃንስ ከም ዝጽሕፎ ገበረ። እዚ መጽሓፍ እዚ ብዛዕባ መጻኢ ኢዩ ዝዛረብ። ሕጂ ኣብ መጻኢ እንታይ ይጽበየና ኸም ዘሎ እስከ ንማሃር።