ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • yp ገጽ 127-132
  • 16 ከምዚ ገይረ ኽሓዝን ይግብኣኒ ድዩ፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • 16 ከምዚ ገይረ ኽሓዝን ይግብኣኒ ድዩ፧
  • መንእሰያት ዝሓትዎ ሕቶታትን ተግባራዊ መልስታቱን
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ዘይምቕባል
  • “ከመይ ገይራ ንዓይ ከምኡ ትገብረኒ፧”
  • “እንተ . . .”
  • “ነዕሩኽተይ እንታይ ኢለ ኢየ ኽነግሮም፧”
  • ነቲ ዘሎካ ጓሂ ምግጣሙ
  • ስምዒትካ ንኻልኦት ምክፋል
  • ከም ስድራ​ቤት መጠን ሓቢርካ ምቅላስ
  • ዘጸናንዕ ተስፋ
  • ሓዘነይ ክኢለ ክነብር ዝኽእል ብኸመይ ኢየ፧
    እተፍቅሮ ሰብ ምስ ዝመውት
  • ከምኡ ክስምዓካስ ባህርያዊ ድዩ፧
    እተፍቅሮ ሰብ ምስ ዝመውት
  • ካልኦት ብኸመይ ክሕግዙ ይኽእሉ፧
    እተፍቅሮ ሰብ ምስ ዝመውት
  • እንታይ ክትጽበ ትኽእል፧
    ንቕሑ!—2018
ዝያዳ ርአ
መንእሰያት ዝሓትዎ ሕቶታትን ተግባራዊ መልስታቱን
yp ገጽ 127-132

ምዕራፍ 16

16 ከምዚ ገይረ ኽሓዝን ይግብኣኒ ድዩ፧

ሚሸል ብዛዕባ እታ ኣቦኡ ዝሞተላ መዓልቲ “ሰንቢደ ኢየ ነይረ። . . . ንገዛእ ርእሰይ ድማ ‘እዚ ሓቂ ክኸውን ኣይክእልን ኢዩ’ እብል ነበርኩ” ብምባል ይዝክር።

እተፍቅሮ ሰብ ምናልባት ወላዲኻ: ሓውኻ: ሓፍትኻ: ወይ ዓርክኻ ሞይቱካ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ሓዘን ጥራይ ዘይኰነስ ሕርቃን: ምድንጋር: ከምኡውን ፍርሂ ይስመዓካ ኢዩ። ዝገበርካ እንተ ገበርካ ንብዓት ምዕጋት ይኣብየካ። ወይ ነቲ ዝስመዓካ ስቓይ ኣብ ውሽጥኻ ዓቢጥካ ትሕዞ።

እነፍቅሮ ሰብ ክመውት ከሎ ስምዒትና ክትንከፍ ባህርያዊ ኢዩ። የሱስ ክርስቶስ እውን ከይተረፈ ሞት ናይቲ ዝፈትዎ ዝነበረ ዓርኩ ምስ ሰምዐ ‘ነቢዑን ኣሕነቕኒቑን’ ኢዩ። (ዮሃንስ 11:⁠33-36፣ ምስ 2 ሳሙኤል 13:⁠28-39 ኣረኣእዮ።) ካልኦት እውን ከም ናትካ ከም ዝስምዖም ምግንዛብ ነቲ ዘጋጠመካ ሓዘን ብዓወት ንኽትዋጽኣሉ ክሕግዝ ይኽእል ኢዩ።

ዘይምቕባል

ኣብ መጀመርታ ትድንዝዝ ኢኻ። ምናልባት እቲ ዅነታት ሕማቕ ሕልሚ ጥራይ ክዀነልካ: ሓደ ሰብ መጺኡ ከበራብረካ እሞ ዅሉ ነገር ከም ናይ ቀደሙ ክዀነልካ ትምነ ትኸውን። ንኣብነት: ኣደ ሲንዲ ብካንሰር ኢያ ሞይታ። ሲንዲ ከምዚ ኢላ ትገልጽ:- “ነቲ ሞይታ ዝብል ሓሳብ ፈጺመ ኣይተቐበልክዎን። ብህይወታ ኸላ ዘመያይጣ ዝነበርኩ ነገር የጋጥም እሞ ‘ከይደ ንማማ ክነግራ ኢየ’ እብል ነበርኩ።”

ቤተሰብ መዋቲ ነቲ ሞይቱ ዝብል ሓሳብ ኣይቅበልዎን ኢዮም። አረ ነቲ ዝሞተ ሰብ ሃንደበት ኣብ መገዲ: ምናልባት እውን ኣብ ዝሓለፈት ኣውቶቡስ ወይ ባቡር ገለርያ ዝረኣይዎ ይመስሎም። ንዕኡ ዝመስል ሰብ እንተ​ድኣ ርእዮም ሞይቱ እተባህለ ጌጋ ክኸውን ከም ዝኽእል ይሓስቡ። ኣምላኽ ንሰባት ክነብሩ ድኣ እምበር ክሞቱ ከም ዘይፈጠሮም ኣይትረስዑ። (ዘፍጥረት 1:⁠28፣ 2:⁠9) ስለዚ ሞት እነፍቅሮ ሰብ ምቕባሉ እንተ ጸገመና ባህርያዊ ኢዩ።

“ከመይ ገይራ ንዓይ ከምኡ ትገብረኒ፧”

ሓድሓደ ግዜ በቲ ዝሞተ ሰብ ብመጠኑ እንተ ሓረቕካ እውን ኣይትገረም። ሲንዲ ከምዚ ኢላ ትዝክር:- “ማማ ምስ ሞተት ሓድሓደ ግዜ ‘ከም እትሞቲ ኣይነገርክናን። ስቕ ኢልኪ ኢኺ ኼድኪ’ ኢለ ዝሓስበሉ እዋናት ነይሩ ኢዩ። እተደርበኹ ዀይኑ ይስምዓኒ ነበረ።”

ሞት ሓውኻ ወይ ሓብትኻ እውን ከምኡ ዝኣመሰለ ስምዒታት ክፈጥረልካ ይኽእል ኢዩ። ካረን “ምስቲ ዝሞተ ሰብ ክትሓርቕ ዕሽነት ኢዩ” ምስ በለት ቀጺላ ከምዚ ትብል:- “ሓብተይ ምስ ሞተት ግና ክጻወሮ ኣይከኣልኩን። ‘ከመይ ገይራ ንበይነይ ገዲፋትኒ ትመውት፧ ከመይ ገይራ ንዓይ ከምኡ ትገብረኒ፧’ ዝብል ሓሳብ ኣብ ኣእምሮይ ይመላለስ ነበረ።” ገሊኦም ነቲ ዘውረዶ ስቓይ ብምሕሳብ በቲ ዝሞተ ሓዎም ወይ ሓብቶም ይሓርቁ። ገሊኦም እቲ ዝሓመመ ሓዎም (ሓብቶም) ቅድሚ ምማቱ ብዙሕ ግዜን ኣቓልቦን ይወሃቦ ስለ ዝነበረ ዕሽሽ እተባህሉ ኰይኑ ይስምዖም ወይ እውን ይቕየሙ። ብጓሂ እተዋሕጡ ወለዲ ካልእ ውላዶም እውን ምእንቲ ከይመውት ብሃንደበት ካብ መጠን ንላዕሊ ክቈጻጸርዎ ምስ ዝፍትኑ ነቲ ዝሞተ ሰብ ከም ዝጸልኦ ክገብርዎ ይኽእሉ ኢዮም።

“እንተ . . .”

ናይ ገበን ስምዒት እውን ልሙድ ዝዀነ ግብረ⁠-​መልሲ ኢዩ። ኣብ ኣእምሮ እተፈላለየ ሕቶታትን ምጥርጣራትን ይመጽእ። ‘ካልእ ክንገብሮ እንኽእል ነገር ነይሩዶ ይኸውን፧ ናብ ካልእ ሓኪም ምውሳድ ዝሓሸዶ ነይሩ ይኸውን፧’ ኣብ ርእሲ እዚ: እንተ ዝብል ሓሳብ እውን ኣሎ። ‘እንተ ዘይንብኣስ ነይርና ከመይ ጽቡቕ ነይሩ።’ ‘ዝያዳ ሓላዪ እንተ ዝኸውን ነይረ።’ ‘ናብቲ ፋርማሲ ከይደ እንተ ዝኸውን ነይረ።’

ሚሸል ከምዚ ይብል:- “ኣብቲ ምስ ኣቦይ ዝነበረኒ ርክብ ዝያዳ ዕጉስን ዝርዳእን ነይረ እንተ ዝኸውን መን ምሃበ። ወይ ገዛ ክኣቱ ኸሎ ፍዅስ ምእንቲ ኽብሎ ኣብ ገዛ ጸኒሐ ገለ ነገራት እንተ ዝቐራርበሉ ከመይ ጽቡቕ ነይሩ።” ኤሊሳ ድማ ከምዚ ትብል:- “ማማ ሓሚማ ብሃንደበት ምስ ሞተት ኣብ ንሓድሕድና ብዙሕ መዓልቦ ዘይረኸበ ስምዒታት ነበረና። ሕጂ ናይ ገበን ስምዒት ኣሎኒ። ብዛዕባ እቲ ክብላ ዝነበረኒ ነገራት: ክብላ ዘይነበረኒ ነገራት: ኵሉ ዝገበርክዎ ጌጋ እሓስብ።”

በቲ ዘጋጠመ ኵነታት ንገዛእ ርእስኻ ትወቅስ እውን ትኸውን። ሲንዲ ከምዚ ብምባል ትዝክር:- “ነቲ ምስ ማማ እንቋየቖ ዝነበርና ኵሉ ብምዝካር ብዙሕ አጨንቓ ከም ዝነበርኩ ስለ ዝርድኣኒ ናይ ገበን ስምዒት እስምዓኒ። ኵሉ እቲ ዘጨንቓ ዝነበርኩ ኢዩ የሕሚምዋ ዝብል ስምዒት ኣሕደርኩ።”

“ነዕሩኽተይ እንታይ ኢለ ኢየ ኽነግሮም፧”

ሓንቲ መበለት ብዛዕባ ወዳ ከምዚ በለት:- “ጆኒ ኣቦኡ ከም ዝሞቶ ንኻልኦት መማህርቱ ክነግሮም ኣይደልን ኢዩ። የሕፍሮ: ብምሕፋሩ ኸኣ የሕርቖ።”

ሞትን ኣብቲ ስድራ​ቤት ዝፍጠር ሓዘንን እትበሃል መጽሓፍ (እንግሊዝኛ) ከምዚ ኢላ ትገልጽ:- “‘ነዕሩኽተይ እንታይ ኢለ ኢየ ኽነግሮም፧’ ዝብል ሕቶ ንብዙሓት ውሉዳት [ብህይወት ዘለዉ ኣሕዋት ይኹኑ ኣሓት] ዘገድሶም ቀንዲ ሕቶ ኢዩ። ዝበዝሕ ግዜ እንታይ ዓይነት ኵነታት የሕልፉ ከም ዘለዉ ኣዕሩኽቶም ዝርድእሎም ኰይኑ ኣይስምዖምን ኢዩ። ሞት ናይቲ ዘፍቅርዎ ሰብ ክሳዕ ክንደይ ከም ዝተንከፎም ክነግርዎም ምስ ዝፍትኑ ጠሚቶምዎም ጥራይ ስቕ ይብሉ ወይ ይስሕቕዎም ይዀኑ። . . . ስለዚ ኸኣ እቲ ዝሓዘነ ውላድ እተደርበየ: እተጠልየ: ሓድሓደ ግዜ ድማ ስግንጢር ዝዀነ ዀይኑ ይስምዖ።”

እንተ​ዀነ ግን: ሓድሓደ ግዜ ካልኦት ነቲ ዝሓዘነ ዓርኮም እንታይ ከም ዝብልዎ ስለ ዝጠፍኦም ስቕ ዝብሉ ምዃኖም ተገንዘብ። ወይ ከኣ ንሳቶም እውን ዘፍቅርዎ ሰብ ክመውት ከም ዝኽእል የዘኻኽሮም ይኸውን። ብዛዕባኡ ክሓስቡ ስለ ዘይደልዩ ድማ ካባኻ ይርሕቑ ይዀኑ።

ነቲ ዘሎካ ጓሂ ምግጣሙ

ምሕዛን ባህርያዊ ምዃኑ ምፍላጥ ንኽትዋጽኣሉ ኣብ እትገብሮ ቃልሲ ዓቢ ሓገዝ ኢዩ። ነቲ ኽውንነት ምቕባል ክትኣቢ ግን ነቲ ዝሓደረካ ጓሂ ዘናውሕ ጥራይ ኢዩ። ሓድሓደ ግዜ ስድራ​ቤታት ኣብ ግዜ መግቢ ንቦታ እቲ ዝሞተ ጥርሓ ይገድፍዋ: እዚ ኸኣ ነቲ ክውንነት ኣብ ክንዲ ምቕባል እቲ ዝሞተ ከም ዝምለስ ገይርካ ምሕሳብ ኢዩ። ሓንቲ ስድራ​ቤት ግን ካብዚ እተፈልየ ነገራት ኢያ ገይራ። እታ ኣደ ከምዚ ትብል:- “ኣብቲ እንምገበሉ ጣውላ ከምቲ ናይ ቅድም ኮፍ ኣበሃህላና ገይርና ፈጺምና ኮፍ ኢልና ኣይንፈልጥን ኢና። በዓል ቤተይ ኣብ ናይ ዴቪድ ቦታ ቀይሩ: እዚ ኸኣ ነቲ ሃጓፍ ንምምላእ ሓጊዙና ኢዩ።”

ዋላ እኳ ቅድሚ እቲ ዘጋጠመ ሞት ክትብሎ ወይ ክትገብሮ ዝነበረካ ከምኡውን ክትብሎ ወይ ክትገብሮ ዘይነበረካ ነገራት እንተሎ: ዝበዝሕ ግዜ ግን እቲ እተፍቅሮ ሰብ ዝሞተ ብእኡ ምኽንያት ከም ዘይኰነ ምግንዛብ ክሕግዝ ይኽእል ኢዩ። ኣብ ርእሲ እዚ ኸኣ “ኵላትና ብብዙሕ ነገር ንስሕት ኢና።”​—⁠ያእቆብ 3:2

ስምዒትካ ንኻልኦት ምክፋል

ዶ/ር አርል ግሮልማን ከምዚ ዝብል ሓሳብ ሃበ:- “ነቲ ንሓድሕዱ ዝጋጮ ስምዒታትካ ምግንዛብ ጥራይ ኣኻሊ ኣይኰነን፣ ብግልጺ ክትጋጠሞ ኣሎካ። . . . ስምዒትካ ንኻልኦት ከተካፍል ኣለካ።” ርእስኻ እተግልለሉ ግዜ ኣይኰነን።​—⁠ምሳሌ 18:⁠1

ዶ/ር ግሮልማን ሓዘንካ ዘይምቕባል “ነቲ ናይ ስቓይን ሓዘንን መስርሕ ካብ ምንዋሕ ሓሊፉ ዘምጽኦ ለውጢ የብሉን” ይብል። ወሲኹ ድማ ከምዚ ብምባል ሓሳብ ይህብ:- “ጽን ኢሉ ዝሰምዓካ: ኵሉ ስምዒታትካ ባህርያዊ ግብረ⁠-​መልሲ ናይቲ መሪር ሓዘንካ ምዃኑ ዝርድኦ ዓርኪ ድለ።” ወላዲ: ሓው: ሓብቲ: ብጻይ: ወይ እውን ናይ ጉባኤ ሽማግለ ዝበዝሕ ግዜ ናይ ሓቂ ፈተውቲ ምዃኖም ከርእዩ ይኽእሉ ኢዮም።

ብኽያት እንተ​ድኣ መጺኡካኸ እንታይ ኢኻ ክትገብር፧ ዶ/ር ግሮልማን ወሲኹ ከምዚ ይብል:- “ንገሊኦም ምብካይ ካብቲ ዘለዎም ስምዒታዊ ወጥሪ ዘዕርፎም ዝበለጸ መድሃኒት ኢዩ: እዚ ድማ ንደቂ ተባዕትዮ: ደቂ ኣንስትዮ: ከምኡውን ንቘልዑ ተግባራዊ ኢዩ። ምብካይ እህህታኻ እተቃልለሉ ካብ ስቓይካ እትገላገለሉ ባህርያዊ መገዲ ኢዩ።”

ከም ስድራ​ቤት መጠን ሓቢርካ ምቅላስ

እተፍቅሮ ሰብ ክመውት ከሎ ወለድኻ እውን ብዙሕ ሓገዝ ክገብሩልካ ይኽእሉ ኢዮም: ንስኻ እውን ንዕኦም ክትሕግዞም ትኽእል ኢኻ። ንኣብነት: ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ዘለዋ ጄንን ሳራን ዝስመን ክልተ ኣሓት ዳራል እተባህለ ወዲ 23 ዓመት ሓወን ሞተን። ነቲ ዝነበረን ጓሂ ብኸመይ ተዋጽኣሉ፧ ጄን ከምዚ ትብል:- “ኣርባዕቴና ስለ ዝተረፍና ኣነ ካብ ባባ ከይተፈለኹ ኣብ ኵሉ ስርሑ እሕግዞ: ሳራ ድማ ካብ ማማ ከይተፈልየት ኣብ ኵሉ ነገራት ትሕግዛ። በዚ ኸምዚ በይንና ኣይተረፍናን።” ጄን ቀጺላ ከምዚ ትብል:- “ባባ ክበኪ ፈጺመ ርእየዮ ኣይፈልጥን ኢየ። ሓውና ምስ ሞተ ግን ንገለ ግዝያት በኽዩ ኢዩ። ብሓደ ወገን ክርአ ኸሎ ምብካዩ ጽቡቕ ኢዩ ነይሩ: ተመሊሰ ክዝክሮ ከለኹ ድማ ሽዑ ከጸናንዖ ብምኽኣለይ ሕጂ ጽቡቕ ኢዩ ዝስምዓኒ።”

ዘጸናንዕ ተስፋ

ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ዘሎ ዴቪድ እተባህለ መንእሰይ ጃነት እተባህለት ጓል 13 ዓመት ሓፍቱ ብሕማም ሆድኪን ሞተቶ። ከምዚ ድማ ይብል:- “ሓደ ካብቲ ዝሓገዘኒ ዝዓበየ ነገር ኣብቲ ናይ ቀብሪ ዝርርብ እተጠቕሰት ጥቕሲ ኢያ። ከምዚ ድማ ትብል:- ‘ኣምላኽ በቲ ኻብ ምዉታት ዘተንስኦ እሞ ብእኡ ንዅሉ እምነት [“ውሕስነት:” NW  ] እናሃበ ዝመደቦ ሰብኣይ ንዓለም ብጽድቂ ዝፈርደላ መዓልቲ ወሲኑ ኣሎ።’ እቲ ተዛራባይ ነታ ትንሳኤ ከም ዘሎ እተረጋግጽ ‘ውሕስነት’ እትብል ቃል ኣጕልሓ። እዚ ኸኣ ድሕሪ እቲ ስነ⁠-​ስርዓት ቀብሪ ዓቢ ምንጪ ብርታዐ ኰነኒ።”​—⁠ግብሪ ሃዋርያት 17:31፣ ከምኡውን ማርቆስ 5:​35-42፣ 12:​26, 27፣ ዮሃንስ 5:​28, 29፣ 1 ቈረንቶስ 15:​3-8 ርአ።

እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘሎ ተስፋ ትንሳኤ ንጓሂ ምሉእ ብምሉእ ኣየወግዶን ኢዩ። ነቲ ዝሞተ እተፍቅሮ ሰብ እውን ፈጺምካ ኣይትርስዖን ኢኻ። እንተ​ዀነ ግን: ብዙሓት ሰባት በቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘሎ ተስፋ ክጸናንዑ ስለ ዝኸኣሉ ካብቲ ዝነበሮም ብርቱዕ ጓሂ ቀስ ብቐስ ክናገፉ ክኢሎም ኢዮም።

ንመመያየጢ ዝኸውን ሕቶታት ምዕራፍ 16

◻ ሓደ እተፍቅሮ ሰብ ምስ ዝሞተካ ምጕሃይ ባህርያዊ ኢዩዶ ምበልካ፧

◻ ሓደ ዘፍቅሮ ሰብ ዝሞቶ ከመይ ዝበለ ስምዒታት ኢዩ ከጋጥሞ ዝኽእል: ስለምንታይከ፧

◻ ሓደ ብሞት ዘፍቅሮ ሰብ ዝሓዘነ መንእሰይ ነቲ ስምዒታቱ ንኽዋጽኣሉ ክሕግዞ ዝኽእል ገለ መገድታት እንታይ ኢዩ፧

◻ ንሓደ ዘፍቅሮ ሰብ ዝሞቶ ዓርክኻ ብኸመይ ኢኻ ከተጸናንዖ እትኽእል፧

[Blurb on page 128]

“ነቲ ሞይታ ዝብል ሓሳብ ፈጺመ ኣይተቐበልክዎን። . . . ‘ከይደ ንማማ ክነግራ ኢየ’ እብል ነበርኩ”

[Blurb on page 131]

“ማማ ምስ ሞተት . . . ‘ከም እትሞቲ ኣይነገርክናን። ስቕ ኢልኪ ኢኺ ኼድኪ’ ዝብለሉ እዋናት ነይሩ ኢዩ። እተደርበኹ ዀይኑ ይስምዓኒ ነበረ”

[Picture on page 129]

“ንዓይ ከምዚ ኣየጋጥመንን ኢዩ!”

[Picture on page 130]

እነፍቅሮ ሰብ ምስ ዝሞተና ሓገዝ ናይ ሓደ ደንጋጺ ሰብ የድልየና ኢዩ

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ