ምዕራፍ 17
17 ትምህርቲ ኽገድፎዶ፧
ጃክ ኣብ ሓደ ቤት ትምህርቲ ንልዕሊ 25 ዓመታት ህላወ ተማሃሮ ዝቈጻጸር ኰይኑ ኣገልገለ። ስለዚ ኸኣ ሓደ ኵሉ ግዜ ዘብኵር ተማሃራይ ጃክ ዘይፈልጦ ምኽንያት መብኰሪ ክረክብ ኣዝዩ ኢዩ ዘጸግሞ። ጃክ “እቶም ተማሃሮ ዘየቕርቡለይ ምኽንያት የለን” ምስ በለ ቀጺሉ ከምዚ ይብል:- “ገሊኦም ‘ቍሩብ ተጸሊኡኒ ነይሩ’ . . . ‘ኣብ ኣላስካ ዘሎ ኣባሓጎይ ሞይቱ’ ይብሉ።” ልዕሊ ዅሉ ንጃክ እተስሕቖ ዓይነት ምኽንያት ግን እንታይ ኢያ ነይራ፧ እቲ ሰለስተ ተማሃሮ ምኽንያት መብኰሪኦም ክነግርዎ ኸለዉ “ጽዑቕ ግመ ስለ ዝነበረ ቤት ትምህርትና ኣበይ ከም ዘሎ ጠፊኡና” ዝበልዎ ኢያ።
እዚ ዘሕፍር ዕባራ ምኽንያታት እዚ: መንእሰያት ኣብ ትምህርቲ ዘለዎም ጽልኢ ዘርኢ ኢዩ። እዚ ድማ ካብ ሸለል ምባል (“ደሓን ኢዩ”) ክሳብ ክቱር ጽልኢ (“ብዛዕባ ትምህርቲ ኣይተልዕሉለይ! ኣይፈትዎን ኢየ”) ዝበጽሕ ኢዩ። ንኣብነት: ጌሪ ትምህርቲ ኽኸይድ ክብገስ ከሎ ጥራይ ስኽሕክሕ ኢዩ ዝብሎ። “ናብቲ ቤት ትምህርቲ ምስ ቀረብኩ ረሃጽ ብረሃጽ እኸውን: እፈርህ ድማ . . . ሽዑ ንገዛ ካብ ምምላስ ሓሊፈ ካልእ ዋላ ሓንቲ ኽገብር ኣይክእልን ኢየ” ይብል። ብዙሓት ካልኦት መንእሰያት እውን ብተመሳሳሊ ቤት ትምህርቲ ኽበሃል ከሎ መጠኑ ዝሓለፈ ፍርሂ ኢዩ ዝስምዖም። ነዚ ኸኣ ሓካይም ናይ ቤት ትምህርቲ ሕዱር ጽልኢ ኢሎም ይጽውዕዎ። እዚ ዝበዝሕ ግዜ በቲ ኣብ ቤት ትምህርቲ ዝፍጸም ዓመጽ: ካብ መዛኑ ዝወርድ ማህሰይቲ: ከምኡውን በቲ ጽቡቕ ነጥቢ ንኽረኽቡ ዝግበረሎም ጸቕጢ ዝለዓዓል ኢዩ። ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ መንእሰያት (ብድፍኢት ወለዶም) ቤት ትምህርቲ ይኸዱ ይዀኑ: እንተዀነ ግን ቀጻሊ ዝዀነ ስቓይን ኣካላዊ ጭንቀትን ኢዩ ዘለዎም።
ስለዚ እምበኣር ብዙሓት መንእሰያት ቤት ትምህርቲ ምኻድ እንተ ኣበዩ ዘገርም ኣይኰነን! ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ጥራይ ዳርጋ ክልተ ሚልዮንን ፈረቓን ዝዀኑ ተማሃሮ ቀዳማይን ካልኣይን ደረጃ ቤት ትምህርቲ ኣብ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ የብኵሩ! ኣብ ዘ ኒው ዮርክ ታይምስ (እንግሊዝኛ) ዝወጸ ዓንቀጽ ድማ ኣብ ኒው ዮርክ ሲቲ ኣብ ዘለዋ ካልኣይ ደረጃ ኣብያተ-ትምህርቲ ብዙሓት (ዳርጋ ሓደ ሲሶ ዝዀኑ) “ናይ ምብኳር ልምዲ” ስለ ዘለዎም “ክትምህሮም ኣብ ዘይትኽእለሉ ኵነታት ከም እተበጽሐ” ትገልጽ።
ካልኦት መንእሰያት ግን ሕልፍ ዝበለ ስጕምትታት ኢዮም ዝወስዱ። ሓደ ዋልተር እተባህለ መንእሰይ “ከም ቤት ትምህርቲ ገይሩ ዘሰልኪ: ቍጽጽር ዘብዝሕ ነገር የለን” ይብል። ስለዚ ኸኣ ካብ ላዕለዋይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ (ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ) ኣቋረጸ። ኣንቶንያ እተባህለት መንእሰይ እውን ከምኡ ገበረት። ነቲ ናይ ትምህርቲ ዕዮታታ ሰሪሓ ምውዳእ ይኸብዳ ነበረ። “ዘንብቦ ዘለኹ ክርዳኣኒ እንተድኣ ዘይክኢሉ ከመይ ኢለ ክሰርሖ እኽእል፧” ብምባል ትሓትት። ቀጺላ ኸኣ “ኣብኡ ኮፍ ኢለ እውዕል እሞ መመሊሰ እድንቍር: ስለዚ ገዲፈዮ” በለት።
ኣብ መላእ ዓለም ዘለዋ ኣብያተ-ትምህርቲ ኸቢድ ጸገማት የጥቅዐን ከም ዘሎ ዘይከሓድ ሓቂ ኢዩ። እዚ ግን ኣብ ትምህርቲ ዝነበረካ ተገዳስነት ፈጺምካ ብምጥፋእ ከም እተቋርጽ ክገብረካዶ ኣለዎ ኢዩ፧ ትምህርቲ ምቍራጽ ዳሕራይ ኣብ ህይወትካ እንታይ ጽልዋ ኢዩ ክህልዎ ዝኽእል፧ ትምህርቲ ክሳዕ እትውድእ ክትማሃር ምኽንያት ኣሎካዶ ኢዩ፧
ትምህርቲ ዘለዎ ዋጋ
ሚካኤል ናይ ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ዲፕሎማ ንምውሳድ እንደገና ትምህርቲ ጀመረ። ምኽንያት ተሓቲቱ ክምልስ ከሎ “ትምህርቲ ከም ዘድልየኒ ተገንዚበ” በለ። ግን “ትምህርቲ” ክበሃል ከሎ እንታይ ኢዩ፧ እተፈላለየ ነጥብታት ናይ ምዝካር ክእለት ማለት ድዩ፧ እዚ ልክዕ ከምቲ ሕጡባት ጥራይ ተዀሚሩ ገዛ ክሰርሕ ዘይክእል እዚ እውን ትምህርቲ ክበሃል ኣይከኣልን ኢዩ።
ትምህርቲ ምስ ዓበኻ ዕዉት ናብራ ንምሕላፍ ዘዳልወካ ክኸውን ኣለዎ። ን18 ዓመታት ናይ ቤት ትምህርቲ ሓላፊ ዲስፕሊን ኰይኑ ዘገልገለ ኣለን ኣውስቲን ብዛዕባ እቲ “ብኸመይ ክትሓስብ ከም ዘሎካ: ግድላት ክትፈትሕ: ቅቡልን ዘይቅብሉን እንታይ ምዃኑ ክትፈሊ: ኣነጺርካ ንኽትሓስብ መሰረታዊ ኽእለት ዝህብ: ጭብጥታት ዝበሃል እንታይ ማለት ምዃኑ ንኽትፈልጥ: ኣብ መንጎ ክፍልታትን ምሉእን ዘሎ ዝምድና ክትፈልጥ ዝሕግዝ ዓይነት ትምህርቲ” ምስ ተዛረበ ቀጺሉ “ከምዚ ገይርካ ከተመዛዝንን ክትመምን ምኽኣል: ብኸመይ ከም እትፈልጥ ምምሃር” ምዃኑ ገለጸ።
ቤት ትምህርቲኸ ምስ እዚ ዝሰማማዕ ብኸመይ ኢዩ፧ ዘመናት ኣቐዲሙ ንጉስ ሰሎሞን “ነቶም ገርህታትሲ ጥበብ: ንመንእሰይ ድማ ፍልጠትን ጥንቃቐን [“ናይ ምሕሳብ ክእለትን:” NW ] ንምሃብ” ምስላታት ጽሒፉ ኢዩ። (ምሳሌ 1:1-4) ተመክሮ ዘይምህላው ምስ መንእሰያት ዝኸይድ ነገር ኢዩ። ትምህርቲ ግን ናይ ምሕሳብ ክእለት ንኸተጥርን ክትኵስኵስን ክሕግዘካ ይኽእል ኢዩ። እዚ ገለ ጭብጥታት ምዝካር ጥራይ ዘይኰነስ: ነቲ ጭብጥታት ናይ ምምርማር: ካብኡ ድማ ኣድማዒ ሓሳብ ናይ ምውጻእ ክእለት ንምጥራይ ኢዩ። ዋላ እኳ ብዙሓት ነቲ ናይ ገለ ኣብያተ-ትምህርቲ ኣገባብ ኣመሃህራ እንተ ነቐፍዎ: ትምህርቲ ኣእምሮኻ ንኽትጥቀመሉ ዝድርኽ ኢዩ። ሓቂ ኢዩ: ገለ ናይ ጂኦሜትሪ ግድላት ምፍታሕ ወይ ዝርዝር ታሪኻዊ ዕለታት ምዝካር ሕጂ ዝጠቕመካ ኰይኑ ኣይስምዓካን ይኸውን። እንተዀነ ግን: ባርባራ ማየር ኣብታ ዘ ሃይ ስኩል ሳርቫይቫል ጋይድ እትብል ናይ እንግሊዝኛ መጽሓፋ ከምዚ በለት:- “ነፍሲ ወከፍ ተማሃራይ ንዅሉ እቲ መምሃራን ኣብ ፈተና ከቕርብዎ ዝደልዩ ጭብጥታትን ነጥብታትን ይዝክሮ ኢዩ ማለት ኣይኰነን: እቲ ብኸመይ ከም እተጽንዕን ብኸመይ ከም እትውጥንን ዝኣመሰለ ክእለታት ግን ፈጺሙ ኣይርሳዕን ኢዩ።”
ብዛዕባ እቲ ትምህርቲ ዘለዎ ነባሪ ጥቕሚ ዘጽንዑ ሰለስተ ናይ ዩኒቨርሲቲ ፕሮፌሰራት እውን ብተመሳሳሊ ኣብ ከምዚ ዝስዕብ ዝብል መደምደምታ በጺሖም ኢዮም:- “እቶም ዝሓሸ ትምህርቲ ዝረኸቡ ሰባት ኣብ መጻሕፍቲ ጥራይ ዝተርፍ ፍልጠት ዘይኰነስ ምስዛ ዘመናዊት ዓለም ዝኸይድ ፍልጠት ኣለዎም: ዝያዳ ፍልጠትን ሓበሬታን ንምርካብ ድማ ዝንባለ ኣለዎም። . . . እዚ ፍልልያት እዚ ኸኣ ዋላ ኣብ ግዜ እርጋንን ትምህርቲ ምስ ወዳእካ ድሕሪ ብዙሕ ዓመታትን እውን ከይተረፈ ይርአ ኢዩ።”—ዘ ኢንዱሪን ኢፌክትስ ኦቭ ኢዱኬሽን (እንግሊዝኛ)
ልዕሊ ዅሉ ግን ትምህርቲ ነቲ ኽርስትያናዊ ሓላፍነትካ ንምፍጻም ዘዕጥቐካ ኢዩ። ናይ መጽናዕቲ ልምዲ እንተድኣ ኣጥሪኻ: ናይ ምንባብ ክእለት እውን እንተድኣ ሃልዩካ ብዘይ ገለ ጸገም ቃል ኣምላኽ ከተጽንዕ ክትክእል ኢኻ። (መዝሙር 1:2) ኣብ ቤት ትምህርቲ ሓሳብካ ምግላጽ ስለ እትማሃር ንኻልኦት ብቐሊሉ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ ኽትምህሮም ክትክእል ኢኻ። ብተመሳሳሊ ብዛዕባ ታሪኽ: ስነ-ፍልጠት: ጂኦግራፊ: ከምኡውን ቍጽሪ ምፍላጥ እውን ጠቓሚ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ንእተፈላለየ መበቈልን ድሌትን እምነትን ዘለዎም ሰባት ንኸተዘንትወሎም ክትክእል ኢኻ።
ትምህርትን ስራሕን
ትምህርቲ ኣብቲ ኣብ መጻኢ እትረኽቦ ስራሕ እውን ዓቢ ጽልዋ ኣለዎ። ብኸመይ፧
ንጉስ ሰሎሞን ብዛዕባ ብልሓተኛ ሰራሕተኛ ከምዚ በለ:- “ንሱ ኣብ ቅድሚ ነገስታት እዩ ዚቐውም: ኣብ ቅድሚ ታሕቶት ሰባት ኣይቀውምን።” (ምሳሌ 22:29) እዚ ሎሚ እውን ሓቂ ኢዩ። እቲ ኣብ ክፍሊ ዕዮ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዝሰርሕ ኤርነሰት ግሪን “ሞያ እንተ ዘይብልካ ኣብ ህይወት ብዙሕ ነገራት ንድሕሪት ገዲፉካ ክኸይድ ይኽእል ኢዩ” በለ።
ስለዚ እምበኣር እቶም ትምህርቲ ዘቋረጹ ስራሕ ንኽረኽቡ ዘለዎም ዕድል ጸቢብ ኢዩ። ዋልተር (ኣቐዲሙ እተጠቕሰ መንእሰይ) ሽግር ምስ ኣጋጠሞ ብዛዕባ እዚ ተማሂሩ ኢዩ። “ስራሕ ክኣቱ ኣብ ብዙሕ ቦታታት ኣመልኪተ እንተዀነ ግን ዲፕሎማ ስለ ዘይብለይ ክሰልጠኒ ኣይከኣለን” ምስ በለ ቀጺሉ “ሓድሓደ ግዜ ገለ ሰባት ክርድኦ ዘይክእል ቃላት ይዛረቡ እሞ ዓሻ ዀይኑ ይስምዓኒ” ብምባል ተኣመነ።
ኣብቶም ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ዘቋረጹ ካብ 16 ክሳዕ 24 ዝዕድሜኦም መንእሰያት ስራሕ ኣልቦነት “ዳርጋ ክልተ ዕጽፊ ናይቶም ትምህርቲ ዝወድኡ መዛንኦም ክኸውን ከሎ ካብቲ ሓፈሻዊ መጠን ስራሕ ኣልቦነት ድማ ሰለስተ ዕጽፊ ኢዩ።” (ዘ ኒው ዮርክ ታይምስ) ብተወሳኺውን ኤፍ. ፊሊፕ ራይስ እተባህለ ደራሲ ኣብታ ዘ ኣዶለሰንት ዘርእስታ ናይ እንግሊዝኛ መጽሓፉ “እቶም ትምህርቲ ዘቋርጹ ኣብ መጻኢ ንዝህልዎም ኣጋጣሚታት ኢዮም ባዕሎም ዝዓጽዉ” ይብል። ትምህርቲ ዘቋረጸ ሰብ ዝቐለለ ነገራት ንምስራሕ ዘድሊ መሰረታዊ ክእለት እውን የብሉን።
ፖል ኮፐርማን ኣብታ ዘ ሊተረሲ ሃክስ ዘርእስታ ናይ እንግሊዝኛ መጽሓፉ ከምዚ ብምባል ይጽሕፍ:- “ኣብዚ ቐረባ እዋን እተገብረ መጽናዕቲ: ከሻኒ ንምዃን ሻብዓይ ክፍሊ: መካኒክ ንምዃን ሻምናይ ክፍሊ: ሓላፊ መኽዘን ኴንካ ንምስራሕ ድማ ታሽዓይ ወይ ዓስራይ ክፍሊ ምብጻሕ ከም ዘድሊ ይሕብር።” ቀጺሉ እውን ከምዚ ይብል:- “ከም መምህር: ኣላይ ሕሙማት: ሓላፊ ሕሳብ: ወይ መሃንድስ ኴንካ ንምስራሕ ካብ ምንባብ ንላዕሊ ከም ዝሓተካ ምድምዳም ርትዓዊ ዀይኑ ኢዩ ዝስምዓኒ።”
ስለዚ እምበኣር እቶም ከም ምንባብ ዝኣመሰለ መሰረታዊ ክእለት ከጥርዩ ዝማሃሩ መንእሰያት ስራሕ ንኽረኽቡ ዝሰፍሐ ኣጋጣሚ ኢዩ ዘለዎም። እንተዀነ ግን: ካልእ ነባሪ ጥቕሚ ናይ ትምህርቲ እንታይ ኢዩ፧
ዝሓሽካ ትኸውን
እዚ ነባሪ ጥቕሚ እዚ ድልዱልን ድኹምን ጐድንታትካ ምፍላጥ ኢዩ። ኣብዚ ቐረባ ግዜ ምስ ኮምፕዩተር እተተሓሓዘ ስራሕ ዝረኸበ ሚሸል እተባህለ ሰብ ከምዚ ይብል:- “ጸቕጢ እናሃለወ ብኸመይ ክሰርሕ ከም ዝኽእል: ብኸመይ ከም ዝፍተን: ከምኡውን ብኸመይ ሓሳበይ ከም ዝገልጽ ኣብ ቤት ትምህርቲ ኢየ ተማሂረ።”
ካልእ መንእሰይ ድማ ‘ትምህርቲ ንዘጋጥም ፍሽለት ብኸመይ ክርእዮ ከም ዘሎኒ ምሂሩኒ’ ትብል። እዛ ሰብ እዚኣ ገለ ዕንቅፋት ከጋጥማ ኸሎ ናታ ጕድለት ዘይኰነስ ብሰንኪ ኻልኦት ምዃኑ ገይራ ትርእዮ ነበረት። ካልኦት ድማ ካብቲ ኣብ ቤት ትምህርቲ ዘሎ ስነ-ስርዓት ክማሃሩ ክኢሎም ኢዮም። ብዙሓት እዚ ንኣእምሮ መንእሰያት ዝደቍስ ከም ዝዀነ ገይሮም ኢዮም ዝዛረቡሉ። ሰሎሞን ግን ንመንእሰያት ‘ጥበብን ተግሳጽን ክፈልጡ’ ኣተባቢዕዎም ኣሎ። (ምሳሌ 1:2) እተን ስነ-ስርዓት ዘለወን ኣብያተ-ትምህርቲ ስነ-ስርዓት ዘለዎም ግን ከኣ ክበላሓት ዝኽእል ኣእምሮ ዝሓዙ መንእሰያት ከፍርያ ክኢለን ኢየን።
ስለዚ እምበኣር: ካብቲ ኣብ ትምህርቲ እተሕልፎ ዓመታት ምሉእ ብምሉእ ክትጥቀም ምኽንያታዊ ኢዩ። ብኸመይ ኢኻ ከምዚ ኽትገብር እትኽእል፧ እስከ በቲ ናይ ቤት ትምህርቲ ዕዮታትካ ንጀምር።
ንመመያየጢ ዝኸውን ሕቶታት ምዕራፍ 17
◻ ብዙሓት መንእሰያት ብዛዕባ ትምህርቲ ኣሉታዊ ኣረኣእያ ዘለዎም ስለምንታይ ኢዩ፧ ንስኻኸ ከመይ ይስምዓካ፧
◻ ትምህርቲ ንሓደ ሰብ ናይ ምሕሳብ ክእለት ከማዕብል ዝሕግዞ ብኸመይ ኢዩ፧
◻ ትምህርቲ ምቍራጽ ነቲ ኣብ መጻኢ ስራሕ ንኽትረክብ ዘሎካ ኣጋጣሚ ዝትንክፎ ብኸመይ ኢዩ: ስለምንታይከ፧
◻ ብምምሃርካ እንታይ ካልእ ብሕታዊ ረብሓታት ኢኻ እትረክብ፧
[Blurb on page 135]
“ኣብኡ ኮፍ ኢለ እውዕል እሞ መመሊሰ እድንቍር: ስለዚ ገዲፈዮ”
[Blurb on page 138]
“ኣብዚ ቐረባ እዋን እተገብረ መጽናዕቲ: ከሻኒ ንምዃን ሻብዓይ ክፍሊ: መካኒክ ንምዃን ሻምናይ ክፍሊ: ሓላፊ መኽዘን ኴንካ ንምስራሕ ድማ ታሽዓይ ወይ ዓስራይ ክፍሊ ምብጻሕ ከም ዘድሊ ይሕብር”
[Picture on page 136]
እቲ ኣብ ቤት ትምህርቲ እትማሃሮ ስርዓት ንሓዋሩ ክጠቕመካ ይኽእል ኢዩ
[Picture on page 137]
ነቲ ኣብ ቤት ትምህርቲ ዝወሃብ መሰረታዊ ክእለታት ክመልክዎ ዘይከኣሉ መንእሰያት ስራሕ ንኽረኽቡ ዘለዎም ዕድል ጸቢብ ኢዩ