ምዕራፍ 21
21 ስራሕ ክረክብ (ከምኡውን ክዕቅቦ) ዝኽእል ብኸመይ ኢየ፧
ኣብታ ሲንየር ስኮላስቲክ እትበሃል ናይ እንግሊዝኛ መጽሔት ዝወጸ መጽናዕቲ ንገለ ኣብ ናይ መወዳእታ ዓመት ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ዝርከቡ ኣመሪካውያን ተማሃሮ ኣብ ህይወቶም “ዝለዓለ ኣገዳስነት ኣለዎ” ዝብልዎ ሸቶታት እንታይ ምዃኑ ሓተተ። ሰማንያን ኣርባዕተን ሚእታዊት “ቀዋሚ ስራሕ ምርካብ” ኢሎም መለሱ።
ንኣብነት: ብሕታውን ናይ ስድራቤትን ወጻኢታት ኣብ ምሽፋን ኣበርክቶ ንምግባር ካብ ናይ ትምህርቲ ሰዓታት ወጻኢ ክትሰርሕ ትደሊ ትኸውን። ወይ ድማ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልጋሊ ዄንካ ርእስኻ ምእንቲ ኽትክእል ናይ ክፍለ-ግዜ ስራሕ ክትረክብ ሃለው ትብል ትህሉ። (ምዕራፍ 22 ርአ።) እቲ ዀይኑ እቲ ግን: ኣብ መላእ ዓለም ዝቕባበ ገንዘብ ስለ ዘሎ: ሞያ ዘይብሎም ሰራሕተኛታት ድማ ብዙሕ ስለ ዘይድለዩ መንእሰይ እንተድኣ ዄንካ ስራሕ ንምርካብ ከቢድ ኢዩ። ስለዚ እምበኣር: ብቐሊሉ ስራሕ ክትረክብ እትኽእል ብኸመይ ኢኻ፧
ቤት ትምህርቲ—ልምዲ ስራሕ እተጥርየሉ ቦታ ኢዩ
ኣብ ቤት ጽሕፈት ሰራሕተኛታት ናይ ነዊሕ ዓመታት ልምዲ ስራሕ ዘለዎ ክሊቭላንድ ጆነስ እዚ ዝስዕብ ምኽሪ ይህብ:- “ኣብ ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ብዝግባእ ተማሃር። ብግቡእ ኸተንብብን ክትጽሕፍን ክትዛረብን ምምሃር ኣድላዪ ምዃኑ ምግናን ዘድልዮ ነገር ኣይኰነን። ምስቶም ኣብ ናይ ስራሕ ዓለም ዘለዉ ሰባት ክትሰማማዕ ምእንቲ ኽትክእል ጽቡቕ ልምዲ ተማሃር።”
ሓደ መራሕ ኣውቶቡስ: እታ ኣውቶቡስ እትብገሰሉን እትበጽሓሉን መደባት ከንብብ ክኽእል ኣለዎ። ሰራሕተኛታት ፋብሪካ: ሓደ ስራሕ ከም እተወድአ ዝሕብር ወረቐት ብኸመይ ክመልእዎ ከም ዘለዎም ክፈልጡ የድሊ። ሸቃጣይ ሕሳብ ብግቡእ ክፈልጥ ኣለዎ። ዳርጋ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓይነት ስራሕ ምስ ሰብ ምርድዳእ ኣድላዪ ኢዩ። እዚ ድማ ኣብ ቤት ትምህርቲ ኸሎኻ ኸተጥርዮ እትኽእል ክእለት ኢዩ።
ዘይምሕላል ዓስቢ ኣለዎ
ጆነስ “ትምህርቲ ወዲእካ ስራሕ ትደሊ እንተድኣ ኣሊኻ ፈጺምካ ተስፋ ኣይትቝረጽ” ይብል። ቀጺሉ ኸኣ “ኽልተ ሰለስተ ቃለ-መጠይቓት ጥራይ ገይርካ ኢድካ ኣጣሚርካ ኣብ ገዛኻ ኮፍ ኣይትበል። ከምዚ ትገብር እንተድኣ ዄንካ ስራሕ ፈጺምካ ኣይትረክብን ኢኻ።” ሳል እተባህለ መንእሰይ ስራሕ ቅድሚ ምርካቡ ሸውዓተ ኣዋርሕ ኮለል በለ። ንሱ “ንገዛእ ርእሰይ ‘ስርሐይ: ስራሕ ምድላይ ኢዩ’ እብላ ነበርኩ” ይብል እሞ ቐጺሉ ኸኣ ከምዚ በለ:- “ንሸውዓተ ኣዋርሕ ዝኣክል ስራሕ ንምድላይ ኣብ መዓልቲ ሸሞንተ ሰዓት አሕልፍ ነበርኩ። ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ኣንጊሀ ስራሕ ምድላይ እጅምር: ክሳዕ ሰዓት ኣርባዕተ ድሕሪ ቐትሪ ድማ ‘እሰርሕ።’ ኣእጋረይ ብዙሕ ግዜ ኢየ ዝቝንዞ ነይረ። ንጽባሒቱ ድማ ስራሕ ምድላይ ንኽጅምር ‘ንገዛእ ርእሰይ ቅርብቲ ኽገብራ’ ነበረኒ።”
ሳል ንኸይሕለል ዝሓገዞ እንታይ ኢዩ ነይሩ፧ ኸምዚ ኢሉ ይምልስ:- “ኣብ ቤት ጽሕፈት ናይቶም ስራሕ ዝቘጽሩ ኽኣቱ ኸለኹ ዅሉ ግዜ ነታ ‘ተጋደሉ’ እትብል የሱስ ዝበላ ቓል ኢየ ዝዝክር። ሓደ መዓልቲ ስራሕ ከም ዝጅምር: እዚ ዅሉ ሕማቕ ዅነታት ከም ዝሓልፍ ምሕሳብ እቕጽል።”—ሉቃስ 13:24
ስራሕ ኣበይ ከም እትረክብ
ኣብ ገጠር ትነብር እንተድኣ ዄንካ ኣብቲ ኸባቢ ኣብ ዘሎ ናይ ሕርሻን ፍረታትን ቦታ ወይ ኣብ ገደናታት ስራሕ ምድላይ ክትጅምር ትኽእል ኢኻ። ኣብ ከተማ ትነብር እንተድኣ ዄንካ ድማ ኣብቲ ኣብ ጋዜጣታት ዝወጽእ ‘ምልክታ ንደለይቲ ስራሕ’ ዝብል ዓምድታት ርአ። እዚ ዓምድታት እዚ እቶም ኣስራሕቲ እንታይ ዓይነት ረቛሒታት ከም ዝጠልቡ ንኽትፈልጥ ክሕግዘካ ኢዩ: ነቲ ቦታ ስለምንታይ ከም እትበቕዖ ድማ ነቲ ኣስራሒ ክትገልጸሉ ኽትክእል ኢኻ። ካልእ መገዲ ኸኣ ንወለድኻ: ንመምሃራንካ: ስራሕ ንዘማጽኣ ትካላት: ንኣካየድቲ ስራሕ: ነዕሩኽትኻ: ከምኡውን ንጐረባብትኻ ስራሕ ትደሊ ከም ዘሎኻ ምንጋር ኢዩ።
ስራሕካ ምዕቃብ
ቝጠባዊ ጸቕጥታት: ስራሕ ኣልቦነት ክፈጥር ከሎ ካብቶም መጀመርታ ካብ ስራሕ ዝባረሩ መንእሰያት ምዃኖም ዘሕዝን ኢዩ። እዚ ግን ግድን ንዓኻውን ከጋጥመካ ኢዩ ማለት ኣይኰነን። ሚስተር ጆነስ “ካብ ስራሕ ዘይባረሩ ሰባት እቶም ክሰርሑ ፍቓደኛታት ዝዀኑ ከምኡውን ኣስራሒኦም ዝበሎም ኵሉ ኽገብሩ ቕሩባት ዝዀኑ ኢዮም” ይብል።
ኣረኣእያኻ ዅነታት ኣተሓሳስባኻ ዝገልጽ ኢዩ። እዚ ድማ ብዛዕባ ስራሕካን ብዛዕባ እቶም ኣስራሕትኻን መሳርሕትኻን ከመይ ከም ዝስመዓካ ዝሕብር ኢዩ። ኣረኣእያኻ ኣብ ጽፈት ናይቲ እትገብሮ ዕዮ ክንጸባረቕ ኢዩ። ኣስራሒኻ ድማ ብመሰረት እቲ እትዓሞ ዕማም ጥራይ ዘይኰነስ ብመሰረት እቲ ኣረኣእያኻ እውን ኢዩ ዝግምግመካ።
ጆነስ ከምዚ ብምባል ይቕጽል:- “ኣስራሒኻ መምርሒታት ትስዕብ ምዃንካን ዘይምዃንካን ጥራይ ዘይኰነስ ዝቈጻጸረካ ሰብ ከየድለየካ ካብቲ ዝድለ ንላዕሊ ክትገብር ከም እትኽእል ክርኢ ኢዩ ዝደሊ። ከመይሲ ኣብዚ ስራሕ ንምርካብ ከቢድ ኰይንሉ ዘሎ እዋን እቶም ኣብ ስርሖም ዝቕጽሉ ሰባት ግድን እቶም ኣብኡ ነዊሕ እዋን ዝገብሩ ጥራይ ዘይኰነስ እቶም ኣፍረይቲ ኢዮም።”
ሳል ነዚ ልክዕ ዀይኑ ኢዩ ረኺብዎ። ከምዚ በለ:- “ንኣስራሕየይ ኵሉ ግዜ ከሐጕሶ ኢየ ዝጽዕር። መምርሒ ንምስዓብን ንሓለፍተይ ንምኽባርን: ኣድላዪ ክኸውን ከሎ ኸኣ መደባተይ ንምትዕርራይ ፍቓደኛ ኢየ።” እዚ ድማ “ነቶም ብስጋ ጐይተትኩም ዝዀኑ: ብገጽርኤ ንሰብ ባህ ከም እተብሉ ጌርኩም ዘይኰነስ: ብግሩህ ልቢ ንእግዚኣብሄር እናፈራህኩም ተአዘዝዎም” ንዝብል ምሕጽንታ መጽሓፍ ቅዱስ ዘዘኻኽረና ኢዩ።—ቈሎሴ 3:22
ንፍርሂ ምስናፉ
ሓድሽ ሰራሕተኛ እንተድኣ ዄንካ: ኣብተን ናይ መጀመርታ ውሑዳት መዓልትታት ፍርሂ ክስመዓካ ልሙድ ኢዩ። ከምዚ ኢልካ እውን ትግረም ትኸውን:- ‘ይፈትዉኒዶ ይዀኑ፧ ነቲ ስራሕ እኽእሎዶ እኸውን፧ ስርሐይ ክፈትውዎዶ ኢዮም፧ መስሓቕ ሰብ ጥራይ ከይከውን።’ ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ዅነታት ኢኻ ኽትጥንቀቕ ዘሎካ: እንተ ዘይኰይኑ ፍርሂ ነቲ ኣወንታዊ ኣረኣእያኻ ክዕብልሎ ኽጅምር ኢዩ።
ዅነታት ናይቲ እትሰርሓሉ ትካል ብምፍላጥ: ቀልጢፍካ ምትዕርራይ ንምግባርን ጭንቀትካ ንምህዳእን ክሕግዘካ ይኽእል ኢዩ። ተዓዘብ: ጽን ኢልካ ስማዕ: ኣንብብ። ኣብቲ ግቡእ ግዜ ንሓላፊኻ ብዛዕባ ስራሕኻን እትዓሞ ዘሎኻ ዕማምን ምኽንያታዊ ሕቶታት ሕተቶ። ከምዚ ምግባርካ ምስ ዓያሱ ኣየቝጽረካን ኢዩ። ንገዛእ ርእስኻ ‘ስርሐይ ምስቲ ዘለኽዎ ኽፍሊ ስራሕ: ምስቲ ሓፈሻዊ ዕላማ ናይቲ ትካል ብኸመይ ኢዩ ዝሰማማዕ፧’ ኢልካ ሕተታ። እቲ እትህቦ መልሲ ጽቡቕ ልምድን ዕግበት ስራሕን ክፈጥረልካ ይኽእል ኢዩ።
ምስ መሳርሕትኻ ተሰማማዕ
ዅሉ ዓይነት ስራሕ ምስ ሰባት ከም እትራኸብ ዝገብረካ ኢዩ። ስለዚ ምስ ካልኦት ሰባት ብኸመይ ጽቡቕ ርክብ ከም እትገብር ምፍላጥ ስራሕካ ንኽትዕቅብ ዝሕግዘካ ኣዝዩ ኣድላዪ ነገር ኢዩ። “ዚከአል እንተ ዀይኑስ: ብኣኻትኩም ዝመጸ: ምስ ኵሉ ሰብ ብሰላም ንበሩ።” (ሮሜ 12:18) ከምዚ ምግባር ኣብ ስራሕኻ ዘየድሊ ምስሕሓብ ወይ ብርቱዕ ምቅሕሓር ንኸይፍጠር ክሕግዘካ ይኽእል ኢዩ።
ሓድሓደ ግዜ መሳርሕትኻ ካብ ናትካ ኣዝዩ እተፈልየ ኣተዓባብያን ባህርን ክህልዎም ይኽእል ኢዩ። እንተዀነ ግን: ሓደ ሰብ እተፈልየ ስለ ዝዀነ ጥራይ ዝተሓተ ኢዩ ኢልካ ኣይትሕሰብ። እተፈልየ ክኸውን ንዘለዎ መሰል ኣኽብረሉ። ኣኽብሮት ዝጐደሎ ኣተሓሕዛ ክግበረሉ ዝደሊ ሰብ የለን፣ ክብሩ እንተዘይተሓልዩሉ ዋጋ ዘይብሉ ዀይኑ ከም ዝስምዖ ዝገብር ኢዩ። ነፍሲ ወከፍ ሰብ ዝድለን ዝፍቶን ክኸውን ኢዩ ዝደሊ። ንመሳርሕትኻን ኣስራሒኻን ኣኽብሮት ብምርኣይ ካብኦም ኣኽብሮት ክትረክብ ትኽእል ኢኻ።
ሕሜት ኣወግድ
ሳል “ሕሜት ሕማቕ ኣመል ኢዩ” ይብል እሞ ቀጺሉ ኸኣ “ከመይሲ ብዛዕባ ኣስራሒኻ ወይ ካልኦት ሰባት ሕማቕ ጦብላሕታ ከም እተሕድር ዝገብር ኢዩ” ይብል። ትሕምሕም ብዛዕባ ሓደ ነገር ሓበሬታ እትረኽበሉ ጽቡቕ ምንጪ ኣይኰነን: ሕማቕ ፍረ ከም እትዓጽድ ክገብረካ ይኽእል ኢዩ። እቲ ብትሕምሕም ዝዝርጋሕ ወረ ዝበዝሕ ግዜ ንስም ካልኦትን ንስምካን ዘበላሹ እተጋነነ ሓሳባት ዝሓዘ ኢዩ። ስለዚ እምበኣር: ንኽትሓሚ ዘሎካ ድፍኢት ኣጥፍኣዮ።
መጕረምረሚ ሰብ ዝፈትዎ ከም ዘይብሉ ድማ ኣይትረስዕ። ኣብ ስራሕኻ ዘሸግረካ ነገር ምስ ዝህሉ: ብትሕምሕም ኣይትዘርግሓዮ። ንሓላፊኻ ኸይድካ ተዛረቦ። እንተዀነ ግን: ተቘጢዕካ ናብ ቤት ጽሕፈቱ ብምኻድ ዳሕራይ ዘጣዕሰካ ቓላት ኣይትዛረብ። ብሕታዊ መጥቃዕቲ ካብ ምግባር እውን ተሓሎ። ጭብጥታት ኣቕርብ። ነቲ ግድል ኣብ ምንጻር ብእተኻእለካ መጠን ግልጽን ቅኑዕን ኩን። ምናልባት ‘ክትሕግዘኒ ደልየ ኣለኹ’ ወይ ‘ተጋግየ ክኸውን እኽእል ኢየ ግን . . . ተሰሚዑኒ ኣሎ’ ብዝብል ኣዘራርባ ክትጅምር ትኽእል ኢኻ።
ሰዓትካ ምኽባር ኣገዳሲ ኢዩ
ሰባት ካብ ስራሕ ከም ዝወጹ ዝገብሮም ክልተ ዓበይቲ ምኽንያታት ስራሕ ደንጒኻ ምእታውን ምብኳርን ኢዩ። ኣብ ሓንቲ ዓባይ ናይ ኢንዱስትሪ ኸተማ ዳይረክተር ስራሕን ስልጠናን ኰይኑ ዝሰርሕ ሰብ ብዛዕባ መንእሰያት ሰራሕተኛታት ከምዚ ይብል:- “ንግሆ ምትንሳእን መምርሒታት ምቕባልን ክማሃሩ የድልዮም። ነዚ ነገራት እዚ ክማሃሩ እንተድኣ ዘይክኢሎም: ነቲ ዘሎ ስራሕ ኣልቦነቶም ከም ዝቕጽል ጥራይ ኢዮም ዝገብርዎ።”
ሳል ሰዓት ምኽባር ኣገዳሲ ምዃኑ ብዙሕ ሽግር ምስ ኣሕለፈ ኢዩ ተማሂርዎ። “ብሰንኪ ምድንጓይ ጥራይ ካብቲ ረኺበዮ ዝነበርኩ ናይ መጀመርታ ስርሐይ ድሕሪ ሰለስተ ኣዋርሕ ተባሪረ” ምስ በለ እናጐሃየ “እዚ ድማ ኻልእ ስራሕ ንኽረክብ ዝነበረኒ ዕድል ዝያዳ ኣጽበቦ” በለ።
ሓቀኛ ምዃን ዘለዎ ዋጋ
እቲ ስራሕ ዝቘጽር ጆነስ “ሓቀኛ ምዃን ንሓደ ሰብ ካብ ስራሕ ንኸይስጐጕ ዝሕግዞ ኢዩ” ይብል። ሓቀኛ ምዃን ንብረት ዘይምስራቕ ጥራይ ዘይኰነስ: ኣብ መንጎ ስራሕ ነዊሕ ዕረፍቲ ብምውሳድ ግዜ ዘይምስራቕ እውን ዘጠቓልል ኢዩ። ሓቀኛ ሰራሕተኛ ኣኽቢርካ ዝርአን ዝእመነን ኢዩ። ንኣብነት: ክዳውንቲ ኣብ ዝሽየጦ ድኳን ዝሰርሕ ሓደ መንእሰይ ናይ የሆዋ ምስክር ሓቀኛ ብምዃን ዝመጸ ጽቡቕ ስም ነበሮ።
ንሱ ኸምዚ ብምባል ይዝክር:- “ሓደ መዓልቲ እቲ ኣካያዲ ስራሕ ኣብ መኽዘን ኣብ ማእከል ገለ ኽዳውንቲ እተሓብአ ኣቕሓ ረኸበ። ሓደ ካብቶም ሰራሕተኛታት ካብቲ መኽዘን ዝሰረቖ ኢዩ ነይሩ። ኣብቲ እንፍደሰሉ ሰዓት ናብቲ ኣብ ላዕለዋይ ደርቢ ዝነበረ ቤት ጽሕፈት ናይቲ ኣካያዲ ስራሕ እንተ ኸድኩ ዅሎም እቶም ሰራሕተኛታት ኣብኡ ምስ ጸንሑኒ ደንጸወኒ። ዅሎም እቶም ሰራሕተኛታት ንኽጕርጐሩ ኣብኡ ጸንሑኒ። ካብ ምጕርጓር ናጻ እተባሃለ ሰራሕተኛ ኣነ ጥራይ ኢየ ነይረ።”
ብዙሓት ክርስትያን መንእሰያት ከምዚ ዝኣመሰለ ተመሳሳሊ ተመክሮ ኣጋጢምዎም ኢዩ: ተደለይቲ ሰራሕተኛታት ድማ ኰይኖም ኢዮም። ስለዚ እምበኣር ስራሕ ኣብ ምድላይ ኣይትተሓለል። ጽናዕ። ተስፋ ኣይትቝረጽ። ነቲ ሃንቀው እትብሎ ዝነበርካ ስራሕ ምስ ረኸብካዮ ድማ ንኽትዕቅቦ ጸዓር!
ንመመያየጢ ዝኸውን ሕቶታት ምዕራፍ 21
◻ እቲ ኣብ ቤት ትምህርቲ እትገብሮ ጻዕሪ: ነቲ ስራሕ ንኽትረክብ ዘሎካ ኣጋጣሚ ኽትንክፎ ዝኽእል ብኸመይ ኢዩ፧
◻ ስራሕ ክትደሊ ኸሎኻ ዘይምሕላል ኣገዳሲ ዝኸውን ስለምንታይ ኢዩ፧
◻ ገለ ካብቲ ስራሕ ክትደልየሉ እትኽእል ቦታታትን ከተማኽሮም እትኽእል ሰባትን ኣየኖት ኢዮም፧
◻ ገለ ካብቲ ንስራሕ ቃለ-መጠይቕ ክትገብር ኸሎኻ ክሕግዘካ ዝኽእል ነገራት እንታይ ኢዩ፧
◻ ካብ ስራሕ ንኸይትስጐጕ ክትገብሮ እትኽእል ነገራት እንታይ ኢዩ፧
[Blurb on page 166]
“ብግቡእ ኸተንብብን ክትጽሕፍን ክትዛረብን ምምሃር ኣድላዪ ምዃኑ ምግናን ዘድልዮ ነገር ኣይኰነን”
[Blurb on page 170]
“ንገዛእ ርእሰይ ‘ስርሐይ: ስራሕ ምድላይ ኢዩ’ እብላ ነበርኩ”
[Box/Picture on page 168, 169]
ናይ ስራሕ ቃለ-መጠይቕ ምግባር
ሓደ ክሊቭላድ ጆነስ እተባህለ ስራሕ ንምርካብ ምኽሪ ዝህብ “ኣብቲ ሰብ እተሕድሮ ናይ መጀመርታ ጦብላሕታ ነባሪ ጦብላሕታ ምዃኑ ኣይትረስዕ” ይብል። ቃለ-መጠይቕ ንምግባር ክትከይድ ከሎኻ ጂንስ ስረን ሲኒከር ጫማን ክትገብር ከም ዘይብልካ መጠንቀቕታ ብምሃብ ጽፉፍን እርኑብን ምዃን ኣድላዪ ምዃኑ የጕልሕ። መብዛሕትኡ ግዜ ኣስራሕቲ: ኣከዳድና ናይ ሓደ ሰብ ኣሰራርሕኡ ከም ዝሕብር ገይሮም ኢዮም ዝወስድዎ።
ናይ ቤት ጽሕፈት ስራሕ ንምድላይ ከተመልክት ከሎኻ ምስኡ ዝሰማማዕ ክዳውንቲ ተኸደን። ናይ ፋብሪካ ስራሕ ንምድላይ ከተመልክት ከሎኻ ድማ ጽሩይን ብግቡእ እተስታረረን ክዳውንቲ: ከምኡውን ጽሩይ ኣስካርባ ውደ። ጓል ኣንስተይቲ እንተድኣ ዄንኪ ድማ ሕንኪ ዘለዎ ክዳን ተኸደኒ: እትጥቀምሉ ዅሕለ-ምሕሊ ድማ መጠኑ ዝሓለወ ይኹን። ንናይ ቤት ጽሕፈት ስራሕ እንተድኣ ዀይኑ ድማ ግቡእ ትርኢት ምእንቲ ኽህልወኪ ስቶኪንን ምስኡ ዝኸይድ ሳእንን ውደዪ።
ንቓለ-መጠይቕ ክትከይድ ከሎኻ ዅሉ ግዜ በይንኻ ክትከይድ ከም ዘሎካ ጆነስ የጠንቅቕ። ኣዴኻ ወይ ኣዕሩኽካ ምስ እትማላእ እቲ ኣስራሒ ገና ዘይብሱል ምዃንካ ኢዩ ዝግምግም።
‘እቲ ኣስራሒ ናይ ስራሕ ተመክሮ እንተ ሓቲቱንኸ እንታይ ኢለ ኢየ ኽምልስ፧’ ኢልካ ትሓስብ ትኸውን። ኣይትፍራህ። ዝበዝሕ ግዜ ኣስራሕቲ ብምግናን ንዝቐርበሎም ሓሳባት የስተብህልሉ ኢዮም። ስለዚ ሓቂ ተዛረብ።
ሕጂ ንመጀመርታ ግዜኻ “ተቖጺርካ” እትሰርሓሉ ስራሕ ተናዲ ድኣ ሃሉ እምበር ዘይስተብሃልካሉ ናይ ስራሕ ተመክሮ ግን ክህልወካ ይኽእል ኢዩ። ናይ ክረምቲ ስራሕ ሰሪሕካዶ ትፈልጥ፧ ወይ ቈልዑ ኣሊኺዶ ትፈልጢ፧ ኣብ ገዛ ዅሉ ግዜ እትዓዮ ነገር ኣሎዶ፧ ኣብቲ እትኸዶ ናይ ኣምልኾ ቦታ ክትገብሮ እተዋህበካ ገለ ሓላፍነታት ኣሎካዶ ኢዩ፧ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ወጺእካ ብምዝራብ ዝመጸ ገለ ስልጠና ወሲድካዶ ኢኻ፧ እዚ ነገራት እዚ: ሓላፍነት ክትስከም ከም እትኽእል ንምርግጋጽ ቃለ-መጠይቕ ክትገብር ከሎኻ ክትጠቕሶ ወይ ኣብቲ እተቕርቦ ወረቐት ክትዝርዝሮ ትኽእል ኢኻ።
ካልእ ኣስራሕቲ ክርእይዎ ዝደልዩ ቀንዲ ኣገዳሲ ነገር ድማ ብዛዕባ እታ ትካልን ዝቐርበልካ ዘሎ ስራሕን ክሳዕ ክንደይ ከም እትግደስ ኢዩ። ነቲ ስራሕ ክትገብሮ ከም እትደልን ከም እትኽእልን ከተርእዮም ክትክእል ኣሎካ። “ብኸመይ ኢዩ ኽጠቕመኒ” ዝብል ኣረኣእያ እንተድኣ ኣልዩካ እቲ ቓለ-መጠይቕ ዝገብረልካ ዘሎ ሰብ ኣይብቑዕን ኢሉ ክሓስብ ይኽእል ኢዩ።
ስለዚ እምበኣር ናይ ምሉእ ግዜ ወይ ናይ ክፍለ-ግዜ ስራሕ ንምርካብ ኣብ እትገብሮ ምድላይ ክትዕወት ትኽእል ኢኻ። እቲ እትረኽቦ ስራሕ ንኻልኦት ንምሕጋዝ ከም መሳርሒ ኽትጥቀመሉ ኸሎኻ ድማ ገዛእ ርእስኻ ጥራይ ዘይኰነስ ንኻልኦት እውን ክትጠቕሞም ኢኻ።
[Box on page 171]
ናይ ስራሕ ቃለ-መጠይቕ ኣብ እትገብረሉ ግዜ ክትዝክሮ ዘሎካ ነገራት
ብሱል: ረዚን ኩን። ንኣስራሒኻ ግቡእ ኣኽብሮት ብእተሓወሶ መገዲ ሰላም በሎ። “ኣቶ” ድኣምበር “ነብሲ” ወይ “ብጻይ” ኢልካ ኣይትጸውዓዮ።
ኣብቲ ወንበር ተመዓራሪኻ ኮፍ በል: ኣብ ምድሪ ኣደልዲልካ ርገጽ፣ ንቑሕ ኩን። ኣቐዲምካ ምድላው ህዱእ: ርጉእ: ዘይርበሽ ንኽትከውን ክሕግዘካ ኢዩ።
ንዝቐርበልካ ሕቶ ቅድሚ ምምላስካ ሕሰብ። ትሑት: ርጡብ: ሓቀኛ: ከምኡውን ግልጺ ኹን። ምሉእ ሓበሬታ ሃብ። ኣይትጀሃር።
ዝሰራሕካሉ ጊዜያት መምስ ዕለቱ: ደሞዝካ: ዝሰራሕካዮ ዓይነት ስራሕ: ስለምንታይ ከም ዝገደፍካዮ ዝሓዘ ዝርዝር ወረቐት ይሃልኻ።
ዝረኸብካዮ ልምድን ናይ ስራሕ ተመክሮን ኣብቲ ክትኣትዎ እተመልክቶ ዘሎኻ ስራሕ ብኸመይ ክጠቕመካ ከም ዝኽእል ንምርኣይ ቅሩብ ኩን።
ንመወከሲ ክዀኖ: ኣስማት (ከምኡውን ምሉእ ኣድራሻ) ናይ ሰለስተ እትሰርሓሎም ዝነበርካ ንዓኻን ንስራሕካን ዝፈልጡ ሰባት ሃቦ።
ብርእሰ-ተኣማንነት ተዛረብ: ውዕዉዕ ስምዒት ይሃሉኻ። ኣምሰሉ ግን ኣይትኹን። ንቡር ትግርኛ ተጠቐም: ኣነጺርካ ተዛረብ። ዘረባ ኣይተብዝሕ።
ጽን ኢልካ ስማዕ፣ ትሑት ከምኡውን ሜላ እተዘውትር ኩን። ልዕሊ ዅሉ ድማ ምስቲ ኣስራሒኻ ክኸውን ዘለዎ ዝዀነ ይኹን ክትዕ ኣይትፍጠር።
እቲ ኣስራሒ ነቲ ስራሕ ብኸመይ ከም እትበቅዕ ጥራይ ስለ ዘገድሶ: ብሕታዊ: ናይ ገዛ: ወይ ናይ ገንዘብ ጸገማት ኣይትጥቀስ።
ነቲ ስራሕ ክትረኽቦ ዘይትኽእል ኰይኑ ምስ ዝስመዓካ: ንድሕር ሕጂ ካልእ ናይ ስራሕ ኣጋጣሚታት ክርከብ ከሎ ንኽትበቅዕ እንታይ ከም ዘድልየካ ነቲ ኣስራሒ ምኽሪ ሕተቶ።
ቃለ-መጠይቕ ምስ ገበርካ ብኡንብኡ ነቲ ኣስራሒ ሓጺር ናይ ምስጋና ደብዳበ ልኣኸሉ።a
[Footnote]
a ምንጪ:- ብናይ ኒው ዮርክ ቤት ጽሕፈት ዕዮ እትሕተም ሃው ቱ “ሴል ዩርሰልፍ” ቱ ኣን ኢምፕሎየር (እንግሊዝኛ) ዘርእስታ ብሮሹር
[Picture on page 167]
እቲ ኣብ ቤት ትምህርቲ እትቐስሞ ትምህርቲ ሓደ መዓልቲ ንስራሕካ ዝጠቅም ኰይኑ ትረኽቦ ትኸውን