ምዕራፍ 22
22 እንታይ ዓይነት ሞያ ኢየ ክመርጽ ዘሎኒ፧
‘ኣብዚ ተሪፉኒ ዘሎ ዕድመ እንታይ ኢየ ኽገብር ዝኽእል፧’ ውዒሉ ሓዲሩ ምስ እዚ በዳሂ ሕቶ እዚ ክትጋጠም ኢኻ። ከም ሕክምና: ንግዲ: ስነ-ጥበብ: ምምህርና: ኮምፒዩተር ሳይንስ: ምህንድስና: ካልእ ሞያታት ዝኣመሰለ እተፈላለየ ንምውሳኑ ዘጸግም ዓይነት ምርጫታት ኢዩ ዘጋጥመካ። ከምቲ “ኣነ ዓወት ኢለ ዝቘጽሮ . . . ነቲ ብንእሽተኻ ዝነበረካ ምቾት ዓቂብካ ምኻድ ኢዩ” ዝበለ መንእሰይ ይስመዓካ ይኸውን። ወይ ከምቲ ኻልኦት ዝብህግዎ ኣብ ህይወት ብዙሕ ገንዘብ ከተኻዕብት ትምነ ትኸውን።
ዕዉት ናብራ ክበሃል ከሎ ግን ካብ ስጋዊ ሃብቲ ንላዕሊ ዘጠቓልል ድዩ፧ ዝዀነ ይኹን ዓለማዊ ሞያ ናይ ሓቂ ዕግበት ከምጽኣልካ ዝኽእል ድዩ፧
‘ቅንጣብ ፍረ እውን የብሉን’
ባህ ዘብል: ዓቢ: ተወዳዳሪ ዘይብሉ ስራሕ! እዚ ዝበዝሕ ግዜ ኣብ ፊልምታት: ቲቪ: ከምኡውን መጻሕፍቲ ብዛዕባ ዓለማዊ ስራሕ ዝወሃብ መግለጺ ኢዩ። እንተዀነ ግን: ነቲ ጽቡቕ ስራሕ ዝበሃል ንምርካብ ዝበዝሕ ግዜ እቶም ሰራሕተኛታት ኣብ ንሓድሕዶም ህልኽ ዝመልኦ ቃልሲ ከካይዱ ኣለዎም። ዶ/ር ዶግላስ ላብየር ብዙሓት “ቅልጡፍ ምዕባለ ዝረኽቡሉ ብዘመናዊ መሳርሒታት ዝካየድ ሞያ ዘለዎም [መንእሰያት] ዘይዕጉባት: ዝርበሹ: ዝጭነቑ ምዃኖም: ናይ ባዶነትን ፍርህን ጥርጠራን ስምዒት ከም ዘለዎም: ከምኡውን ካልእ ብዙሕ እተፈላለየ መጠን ዘለዎ ኣካላዊ ሕማም ከም ዝስምዖም ምግላጾም” ጠቒሱ ኣሎ።
ነዊሕ ግዜ ይገብር ንጉስ ሰሎሞን ብዓለማዊ ስራሕ ጥራይ ምዕዋት ከንቱ ምዃኑ ገሊጹ ኣሎ። ሰሎሞን እዚ ዘይበሃል ሃብትን ጥበብን ስለ ዝነበሮ ታእላው ዘይብሉ ስራሕ ክዓምም ክኢሉ ኢዩ። (መክብብ 2:4-10 ኣንብብ።) እንተዀነ ግን ሰሎሞን ከምዚ ኢሉ ደምደመ:- “ሽዑ ነቲ ኣእዳወይ ዝገበራኦ ዅሉ ዕዮን ነቲ እናዐየኹ ዝጸዐርኩሉ ጻዕርን ተመልከትክዎ: እንሆ ኸኣ: እዚ ዅሉ ኸንቱነትን [“ቅንጣብ እውን ትኹን ፍረ ከም ዘይብሉ ተገንዘብኩ:” ቱደይስ ኢንግሊሽ ቨርሽን (እንግሊዝኛ)] ደድሕሪ ንፋስ ምጕያይን እዩ: ኣብ ትሕቲ ጸሓይሲ ረብሓ የልቦን።”—መክብብ 2:11
ስራሕ ሃብትን ተፈላጥነትን ከም እትረክብ ዝገብር እኳ እንተዀነ: ነቲ ዘሎካ ‘መንፈሳዊ ድሌት’ ግን ከዕግቦ ኣይክእልን ኢዩ። (ማቴዎስ 5:3 NW) ስለዚ ኸኣ እቶም ናብራኦም ስጋዊ ነገራት ኣብ ምዕማም ጥራይ ከም ዘተኵር ዝገብርዎ ሰባት ዕግበት ኣይረኽቡን ኢዮም።
ዕግበት ዘለዎ ሞያ
ንጉስ ሰሎሞን ከምዚ ኢሉ ይመክር:- “መፈጸምታ ዅሉ እቲ ነገር ንስማዕ: እዚ ናይ ሰብ ኵለንትና እዩ እሞ: ንኣምላኽ ፍርሃዮ: ንትእዛዛቱውን ሐልዎ።” (መክብብ 12:13) ኣብዚ እዋን እዚ እቲ ቐንዲ ሓላፍነት ናይ ክርስትያናት: መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ምስባኽ ኢዩ። (ማቴዎስ 24:14) ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ንዘለዎም ግዴታ ኣርዚኖም ዝርእይዎ መንእሰያት ብእተኻእሎም መጠን—ብተፈጥሮኦም ናይ ምስባኽ ዝንባለ ዘይብሎም እውን ከይተረፈ—ኣብዚ ዕዮ እዚ ምሉእ ግደ ክህልዎም ኢዮም ዝጽዕሩ። (ምስ 2 ቈረንቶስ 5:14 ኣረኣእዮ።) ብኣሽሓት ዝቝጸሩ መንእሰያት: ናይ ምሉእ ግዜ ዓለማዊ ስራሕ ኣብ ክንዲ ዝሕዙ ናይ ምሉእ ግዜ ወንጌላውያን ክዀኑ መሪጾም ኢዮም። ካልኦት ድማ ኣብ ወጻኢ ሃገራት ሚስዮናውያን ወይ ኣብ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ናይ ማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ ኰይኖም የገልግሉ ኣለዉ።
ሓንቲ ፓይነር ንምዃን ነቲ ከም ጸሓፊት ኰይና ትሰርሓሉ ዝነበረት ጽቡቕ ስራሕ ዝገደፈት ኤሚል እትበሃል መንእሰይ “ኣብዚ ስራሕ እዚ [ናይ ፓይነር ኣገልግሎት] ናይ ሓቂ ፍቕሪ ኢየ ኣሕዲረ” ትብል። እወ: ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት እቲ ኣሎ ዝበሃል ኣዝዩ ዘዕግብን ባህ ዘብልን ሞያ ኢዩ! ሓደ ሰብ “መዓይይቲ ኣምላኽ” ካብ ምዃን ሓሊፉ: እንታይ ካልእ ዓቢ መሰል ኢዩ እሞ ክህልዎ ዝኽእል፧—1 ቈረንቶስ 3:9
ዩኒቨርሲቲ ኣቲኻ ምምሃር ረብሓ ኣለዎዶ ኢዩ፧
ዝበዝሑ ፓይነራት ናይ ክፍለ-ግዜ ስራሕ ብምስራሕ ኢዮም ርእሶም ዝኽእሉ። እንተዀነ ግን: ዳሕራይ ጸኒሕካ ስድራቤት ክትምስርት ምስ እትደልኸ፧ ሓደ ሰብ ግዜ ንእስነቱ ኣብ ኣገልግሎት ኣምላኽ ምሕላፉ ፈጺሙ ከም ዘይጠዓሰሉ እተረጋገጸ ኢዩ! ገና ግን ሓደ መንእሰይ ቅድም ናይ ዩኒቨርሲቲ ዲግሪ ሒዙ ድሕሪኡ ኣገልግሎቱ እንተ ገበረ ዝሓሸዶ ኸይኰነ፧
መጽሓፍ ቅዱስ: ሓደ ክርስትያን መንእሰይ ክንደይ ዓመታት ክማሃር ከም ዘለዎ ከም ዘይውስን ሓቂ ኢዩ። ትምህርቲ እውን ኣይኵንንን ኢዩ። እቲ ‘ዓቢ መምህርና’ የሆዋ: ህዝቡ ጽቡቕ ገይሮም ከንብቡን ብግቡእ ሓሳቦም ክገልጹን ክኽእሉ ኢዩ ዘተባብዖም። (ኢሳይያስ 30:20 NW ፣ መዝሙር 1:2፣ እብራውያን 5:12) ኣብ ርእሲ እዚ: ትምህርቲ ብዛዕባ ሰባትን እንነብረላ ዘሎና ዓለምን ዝሰፍሐ ምርዳእ ንኽህልወና ክሕግዝ ይኽእል ኢዩ።
እንተዀነ ግን: ናይ ዩኒቨርሲቲ ዲግሪ ንምርካብ ኢልካ ብዙሕ ግዜን ገንዘብን ምውጻእሲ ኵሉ ግዜ ረብሓ ዘለዎ ድዩ፧a ዩኒቨርሲቲ ዝወድኡ ሰባት ካብ ናይቶም ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ዝወድኡ ዝበዝሕ ደሞዝ ዝረኽቡ: ስራሕ ንምርካብ ድማ ብዙሕ ዘይጭነቑ ምዃኖም ዝገልጽ ኣሃዝ እኳ እንተሎ: እታ ፕላኒን ዩር ኮለጅ ኢዱኬሽን ዘርእስታ መጽሓፍ (እንግሊዝኛ) ግን እዚ ኣሃዝ እዚ ገምጋም ጥራይ ምዃኑ ኢያ እትሕብር። ብዙሕ ደሞዝ ዝኽፈሉ ናይ ዩኒቨርሲቲ ምሩቓት ኣዝዮም ውሑዳት ኢዮም፣ ካልኦት ግን ኣዝዩ ትሑት ደሞዝ ኢዮም ዝቕበሉ። ኣብ ርእሲ እዚ: እቶም ልዑል ደሞዝ ዝቕበሉ ናይ ዩኒቨርሲቲ ምሩቓት “ፍሉይ ክእለት: ድራኸ: ጽቡቕ ናይ ስራሕ ኣጋጣሚ: . . . ፍሉይ ተውህቦ” ዝኣመሰለ ረቛሒታት ስለ ዘለዎም ድኣምበር በቲ ደረጃ ትምህርቶም ጥራይ ዝረኸብዎ ከይከውን ይኽእል ኢዩ።
ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ክፍሊ ዕዮ “[ናይ ዩኒቨርሲቲ] ዲግሪ ስራሕ ንምርካብ ውሕስነት ኣይከውንን ኢዩ” በለ። ቀጺሉ ኸኣ ከምዚ ይብል:- “ቝጽሪ ናይቶም ኣብ ናይ ሞያ: ቴክኒክ: ከምኡውን ምምሕዳራዊ ስራሕ እተዋፈሩ [ምሩቓት ዩኒቨርሲቲ] . . . ጐዲሉ ኢዩ: ከመይሲ እዚ ኣብ ላዕሊ እተጠቕሰ ዓይነት ስራሕ ንዅሎም እቶም በብግዜኡ ዝምረቑ ዘለዉ ንኽሕዝ ቀልጢፉ ዕቤት ዘርኢ ዓይነት ስራሕ ኣይኰነን። ከም ውጽኢት ናይዚ ድማ: ካብቶም ካብ 1970 ክሳዕ 1984 ኣብ ዘሎ ዓመታት ስራሕ ዝጀመሩ [ናይ ዩኒቨርሲቲ] ምሩቓት: ብሓርፋፍ ግምት ክርአ ኸሎ ካብ 5 ምሩቓት እቲ 1 ኣብቲ ዝበዝሕ ግዜ ዲግሪ ክህልወካ ዘይሓትት ዓይነት ስራሕ ኢዩ ዝሰርሕ። እዚ ብዝሒ ምሩቓት እዚ ድማ ክሳብ መፋርቕ 1990ታት እውን ክቕጽል ኢዩ።”
ክሕሰበሉ ዘለዎ ኻልእ ረቛሒታት
ናይ ዩኒቨርሲቲ ዲግሪ ነቲ ስራሕ ክትረክብ ዘሎካ ኣጋጣሚ ከስፍሖ ወይ እውን ከየስፍሖ ይኽእል ኢዩ። እንተዀነ ግን: “እቲ [“ተሪፉ ዘሎ:” NW ] ዘመን ሓጺር” ምዃኑ ዘይከሓድ ሓቂ ኢዩ! (1 ቈረንቶስ 7:29) ንዅሉ እቲ ከምጽኦ ዝኽእል ረብሓታት ኣብ ግምት ብምእታው: ኣርባዕተ ወይ ካብኡ ዝበዝሕ ዓመታት ኣብ ዩኒቨርሲቲ ምሕላፍ ነቲ ተሪፉ ዘሎ ግዜ ብጥበብ ምጥቃም ኢዩ ክበሃል ይከኣልዶ፧—ኤፌሶን 5:16
ናይ ዩኒቨርሲቲ ትምህርቲ ናብ መንፈሳዊ ሸቶታት ከም እተተኵር ዝገብር ድዩ ወይስ ካብኡ ከም እትርሕቕ ዝገብር ኢዩ፧ ብዙሕ ደሞዝ ምርካብ ሓደ ክርስትያን ቀዳምነት ክህቦ ዘለዎ ጕዳይ ከም ዘይኰነ ኣይትረስዕ። (1 ጢሞቴዎስ 6:7, 8) እቶም ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዩኒቨርሲታት ኣመሓደርቲ ግን ነዞም ሎሚ ዘለዉ ተማሃሮ ‘ብዛዕባ ዓይነት ስራሕ እምብዛ ዝግደሱ: ብስጋዊ ነገራት ዕዉታት ንኽዀኑ ዝያዳ ዝጭነቑ: ብዛዕባ ገዛእ ርእሶም ኣመና ዝሓስቡ’ ኢሎም ኢዮም ዝገልጽዎም። ገለ ጕጅለ ተማሃሮ ኸምዚ በሉ:- “ባጤራ። ዅላትና ብዛዕባ ባጤራ ጥራይ ኢና እንዛረብ።” ኣብ ሓደ ብርቱዕ ውድድር ዝመልኦን ስሱዕ ፍቕረ-ንዋይ ዘለዎን ሃዋሁ ኣቲኻ ብኸመይ ኢኻ ኽትጽሎ እትኽእል፧
ሕጂ ዘሎ ዩኒቨርሲታት ከምቲ ኣብ 1960ታት ዝነበረ ናዕቢ ዝመልኦ ኣይኰነን። እንተዀነ ግን: እቲ ኣብ ዩኒቨርሲታት ዝነበረ ዕግርግር ምትራፉ: እቲ ናይ ዩኒቨርሲቲ ሃዋሁ ጥዑይ ኢዩ ማለት ኣይኰነን። ሓደ ብዛዕባ ናብራ ዩኒቨርሲቲ እተገብረ መጽናዕቲ ከምዚ ኢሉ ይድምድም:- “ተማሃሮ ብብሕታውን ማሕበራውን ነገራት ዝመጸ ገና ዶብ ኣልቦ ናጽነት ኢዩ ዘለዎም።” ሓሽሽን ኣልኮልን ናጻ ኢዩ: ብዕልግና ድማ ሳሕቲ ዝርአ ዘይኰነስ ንቡር ኢዩ ዀይኑ ዘሎ። እቲ ኣብ ሃገርካ ዘሎ ዩኒቨርሲታት ከምዚ ዝኣመሰለ ሃዋሁው እንተድኣ ኣለዎ ዀይኑ: ኣብኡ ምንባር ነቲ ብስነ-ምግባር ንጹህ ንምዃን እትገብሮ ጻዕሪ ዘጐናድቦ ድዩ፧—1 ቈረንቶስ 6:18
ካልእ ክሕሰበሉ ዘለዎ ጕዳይ ድማ እቲ “ነቲ ቐንዲ ሃይማኖታዊ መትከልካ ክትሕሉ ዘሎካ ድሌት” ዘዳኽም ጽልዋ ኽገብረልካ ዝኽእል ብግቡእ እተዳለወ ዝለዓለ ትምህርቲ ኢዩ። (ዘ ሴክረድ ኢን ኤ ሴኲላር ኤጅ) እቲ ዝለዓለ ነጥቢ ንምርካብ ዘሎ ጸቕጢ ንገለ ክርስትያናት ንመንፈሳዊ ንጥፈታቶም ዕሽሽ ከም ዝብሉ ገይርዎም ኢዩ: በዚ ድማ ናብቲ ዩኒቨርሲታት ዘጕልሕኦ ዓለማዊ ኣተሓሳስባ እተቓልዑ ኰይኖም ኢዮም። ገሊኣቶም ድማ ናይ እምነት መርከቦም ተሰቢራቶም ኢያ።—ቈሎሴ 2:8
ኣብ ክንዲ ናይ ዩኒቨርሲቲ ትምህርቲ ዘሎ ኣማራጺታት
ነዚ ሓቅታት እዚ ብምርኣይ: ብዙሓት ክርስትያን መንእሰያት ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኣትዮም ንኸይማሃሩ ወሲኖም ኢዮም። እቲ ኣብ ጉባኤታት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝወሃብ ልምምድ—ብፍላይ ሰሙናዊ ቲኦክራሲያዊ ኣገልግሎት ቤት ትምህርቲ—ስራሕ ንምርካብ ንብዙሓት ሓጊዝዎም ኢዩ። ዋላ እኳ ናይ ዩኒቨርሲቲ ዲግሪ እንተ ዘይብሎም: ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ መንእሰያት ርግእ ዝበሉ: ሓሳባቶም ኣብ ምግላጽ ክኢላታት: ሓላፍነቶም ኣብ ምፍጻም ድማ ብቑዓት ኰይኖም ኢዮም። ኣብ ርእሲ እዚ: ገሊኣቶም ገና ኣብ ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ኸለዉ ናይ ጽሕፈት ማኪና: ኮምፒዩተር ፕሮግራሚን: ጽገና: ናይ መካኒክ ስራሕን ካልእ ከምኡ ዝኣመሰለ ሞያታትን ክማሃሩ ክኢሎም ኢዮም። ከምዚ ዝኣመሰለ ሞያ ናይ ክፍለ-ግዜ ስራሕ ንኽትረክብ ይሕግዝ ኢዩ: ብዙሕ ጠለብ ዘለዎ ድማ ኢዩ። ብዙሓት መንእሰያት ‘በእዳዎም’ ምስራሕ ኣትሒቶም ብምርኣይ ዝጸልእዎ እኳ እንተዀነ: መጽሓፍ ቅዱስ ግን ‘ንጻዕሪ’ ኣኽቢሩ ኢዩ ዝርእዮ። (ኤፌሶን 4:28፣ ምስ ምሳሌ 22:29 ኣረኣእዮ።) የሱስ ክርስቶስ እውን ከይተረፈ ጽቡቕ ገይሩ ሞያ ስለ እተማህረ “እቲ ጸራቢ” ተባሂሉ ተጸዊዑ ኣሎ!—ማርቆስ 6:3
ሓቂ ኢዩ: ኣብ ገለ ሃገራት ምሩቓት ዩኒቨርሲቲ ብዙሓት ብምዃኖም ተራ ስራሕ ንምርካብ እውን ከይተረፈ ገለ ዓይነት ስልጠና ከይወሰድካ ዘይርከብ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። እንተዀነ ግን: ዝበዝሕ ግዜ ከም ኢድካ እተጽርየሉ መደባት: ናይ ሞያ ወይ ቴክኒክ ኣብያተ-ትምህርቲ: ከምኡውን ስራሕ ክትረኽበሉ እትኽእል ብዙሕ ግዜን ገንዘብን ዘይወስድ ሓጺር ናይ ዩኒቨርሲቲ ትምህርትታት እውን ኣሎ። ደሓር ድማ ናይ ስራሕ ስታቲስቲክስ ኣብ ግምት ዘየእትዎ ሓደ ረቛሒ ከም ዘሎ እውን ኣይትረስዕ። እዚ ድማ ኣምላኽ ነቶም ንመንፈሳዊ ነገራት ዘቐድሙ ሰባት ንኸዳልዎሎም ዝኣተዎ መብጽዓ ኢዩ።—ማቴዎስ 6:33
ስራሕ ናይ ምርካብ ኣጋጣምን ስርዓተ-ትምህርትን ካብ ቦታ ናብ ቦታ ይፈላለ ኢዩ። መንእሰያት እተፈላለየ ክእለትን ዝንባለን ኢዩ ዘለዎም። ንክርስትያናዊ ኣገልግሎት ከም ስራሕካ ገይርካ ምሓዝ ጠቓሚ ምዃኑ ሓሳብ እኳ እንተ ተዋህበ ገና ግን ብሕታዊ ምርጫ ናይቲ ሰብ ኢዩ ዝውስኖ። ክሳዕ ክንደይ እንተ ተማሃርካ ክትጥቀም ከም እትኽእል ንምፍላጥ ንስኻን ወለድኻን ኴንኩም ነዚ ዅሉ ረቛሒታት ተጠንቂቕኩም ክትሓስብሉ ኣለኩም። ከምዚ ዝኣመሰለ ውሳነታት ኣብ ምግባር ‘ነፍሲ ወከፍ ሰብ ጸጾሩ ኽጸውር ኢዩ።’—ገላትያ 6:5
ንኣብነት: ወለድኻ ዩኒቨርሲቲ ክትኣቱ ኣሎካ ኢሎም ዝደፋፍኡኻ እንተድኣ ዀይኖም ኣብ ትሕቲ ቝጽጽሮም ክሳዕ ዘሎኻ ዝበሉኻ ክትእዘዝ እንተ ዘይኰይኑ ካልእ ኣማራጺ የብልካን።b (ኤፌሶን 6:1-3) ምናልባት በቲ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ዘሎ ሽግራት ንኸይትፍንጠር እናተማሃርካ ኣብ ገዛኻ ምሕዳር ክትቅጽል ትኽእል ኢኻ። እትማሃሮ ዓይነት ትምህርቲ ተጠንቂቕካ ምረጽ። ንኣብነት: ኣብ ክንዲ ዓለማዊ ፍልስፍና ስራሕ ክትረኽበሉ እትኽእል ሞያ ክትማሃር ትኽእል ኢኻ። ምስ መን ከም እትቐርብ እውን ተጠንቀቕ። (1 ቈረንቶስ 15:33) ኣብ ኣኼባታትን ግራት ኣገልግሎትን ብዘይምቍራጽ ብምክፋል ከምኡውን ብሕታዊ መጽናዕቲ ብምግባር ብመንፈስ ድልዱል ኴንካ ቐጽል። ገለ ዩኒቨርሲቲ ንኽኣትዉ እተገደዱ መንእሰያት: ፓይነራት ክዀኑ ዘኽእሎም ዓይነት ትምህርቲ ብምምራጽ ፓይነራት ክዀኑ ኽኢሎም ኢዮም።
እንታይ ዓይነት ሞያ ክትሕዝ ከም ዘሎካ ተጠንቂቕካን ብጸሎትን ምረጽ: ከመይሲ እዚ ብሕታዊ ሓጐስ የምጽኣልካ ኢዩ ጥራይ ዘይኰነስ ‘ኣብ ሰማይ መዝገብ ክትገብር’ እውን ዝሕግዘካ ኢዩ።—ማቴዎስ 6:20
[እግረ-ጽሑፋት]
a ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ: ዩኒቨርሲቲ ኣቲኻ ንኽትማሃር ብገምጋም ኣብ ዓመት ልዕሊ 10,000 ዶላር ኣመሪካ ዝሓትት ኢዩ! ዝበዝሕ ግዜ እቶም ተማሃሮ ዕድኦም ንኽኸፍሉ ዓመታት ኢዩ ዝወስደሎም።
b ወለድኻ ምእንቲ ክሕጐሱ ግድን ናይ ኣርባዕተ ዓመት ናይ ዩኒቨርሲቲ ትምህርቲ ክትከታተል ኣሎካ ማለት ኣይኰነን። ንኣብነት: ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ምስ ናይ ዲግሪ ትምህርቲ ዝመሳሰል ምስክር ወረቐት ምሓዝ ኣብ ብዙሕ ናይ ሞያን ወሃብቲ ኣገልግሎትን ትካላት ተቐባልነት ኣለዎ: ነዚ ድማ ኣብ ውሽጢ ኽልተ ዓመት ጥራይ ክትረኽቦ ትኽእል ኢኻ።
ንመመያየጢ ዝኸውን ሕቶታት ምዕራፍ 22
◻ ዓለማዊ ሞያ ዝበዝሕ ግዜ ብሕታዊ ሓጐስ ከም እትረክብ ዘይገብር ስለምንታይ ኢዩ፧
◻ ኵሎም ንኣምላኽ ዝፈርሁ መንእሰያት ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ከም ሞያኦም ገይሮም ንኽሕዝዎ ክሓስብሉ ዘለዎም ስለምንታይ ኢዮም፧
◻ ዝለዓለ ትምህርቲ ምክትታል የምጽኦ ኢዩ ዝበሃል ረብሓታት እንታይ ኢዩ: እዚኸ ዅሉ ግዜ ሓቂ ድዩ፧
◻ ናይ ዩኒቨርሲቲ ትምህርቲ እንታይ ሓደጋታት ኢዩ ክህልዎ ዝኽእል፧
◻ ሓደ መንእሰይ ኣብ ክንዲ ናይ ዩኒቨርሲቲ ትምህርቲ እንታይ ኣማራጺታት ኢዩ ክሓስበሉ ዝኽእል፧
[ኣብ ገጽ 175 ዘሎ ፍረ ሓሳብ]
ስራሕ ሃብትን ተፈላጥነትን ከም እትረክብ ዝገብር እኳ እንተዀነ: ነቲ ዘሎካ ‘መንፈሳዊ ድሌት’ ግን ከዕግቦ ኣይክእልን ኢዩ
[ኣብ ገጽ 177 ዘሎ ፍረ ሓሳብ]
“[ናይ ዩኒቨርሲቲ] ዲግሪ ስራሕ ንምርካብ ውሕስነት ኣይከውንን ኢዩ”