ምዕራፍ 29
29 ምስ ኣንጻር ጾታ ንኽቋጸር ኣኺለ ድየ፧
ኣብ ብዙሓት ሃገራት ምስ ኣንጻር ጾታ ምቍጻር (ብእንግሊዝኛ ደይቲን) ክበሃል ከሎ ስምዒትካ ዘረስርስ መዘናግዒ: ባህ ዘብል መሕለፍ ግዜ ገይርካ ኢዩ ዝርአ። ስለዚ ኸኣ ብዙሕ መልክዕ ኢዩ ዘለዎ። ንገሊኦም ወግዓዊ ዝዀነ መግለጺ ፍቕሪ ማለት ዕንባባ ምሃብ: ሓቢርካ ጥዑም ድራር ምብላዕ: ከምኡውን ምስዕዓም ዘጠቓለለ ኢዩ። ንኻልኦት ከኣ ምስ ዝፈትዋ (እትፈትዎ) ኣንጻር ጾታ ሓቢርካ ግዜ ምሕላፍ ጥራይ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። አረ ገለ ወድን ጓልንሲ ብዘይምቍራጽ ተቛጺሮም ዝራኸቡ ክነሶም ‘ዕርክነት ጥራይ’ ኢዩ ዘሎና ዝብሉ እውን ኣለዉ። እንተዀነ ግን: ምስ ኣንጻር ጾታ ምቍጻር: ሓቢርካ ምዛር: ወይ ምብጽጻሕ ኢልካ ጸውዓዮ ብዘየገድስ ሓደ መልእኽቲ ኢዩ ዘመሓላልፍ:- ዝቈጻጸረካ ዘይብልካ ወድን ጓልን ብሓባር ነዊሕ ግዜ ምሕላፍ ኢዩ።
ኣብቲ መጽሓፍ ቅዱስ እተጻሕፈሉ እዋን ከምዚ ዝኣመሰለ ልምዲ ኣይነበረን። ብምስትውዓል: ብጥንቃቐ: ከምኡውን ንቡር ብዝዀነ መገዲ እንተድኣ ተገይሩ ግን ክልተ ኣንጻር ጾታ ንሓድሕዶም ኣጸቢቖም ንኽፋለጡ ሓጋዚ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ዘሐጕስ እውን ክኸውን ይኽእል ኢዩ። እዚ ግን ንስኻ እውን ምስ ኣንጻር ጾታ ምቍጻር ክትጅምር ኣሎካ ማለትዶ ኢዩ፧
ምስ ኣንጻር ጾታ ንኽትቋጸር ዝግበረልካ ጸቕጢ
ምስ ኣንጻር ጾታ ንኽትቋጸር ጸቕጢ ይግበረልካ ይኸውን ኢዩ። ዝበዝሑ መሳቱኻ ምስ ኣንጻር ጾታ ይቋጸሩ ይዀኑ: ንስኻ ድማ ጕራቜን ወይ እተፈለኻ ኴንካ ክትርአ ኣይትደልን ትኸውን። እቶም ኣዚኻ እተኽብሮም ፈተውትኻን ኣዝማድካን እውን ከይተረፈ ጸቕጢ ኽገብሩልካ ይኽእሉ ኢዮም። ሜሪ ኣን እተባህለት ጓል 15 ዓመት መንእሰይ ሓደ ወዲ ተራኺቦም ከዕልሉ ምስ ሓተታ ኣሞኣ ኸምዚ ኢላ መኸረታ:- “ነቲ ወዲ ክትምርዓውዮ ዲኺ ኣይትምርዓውዮን ዘገድስ ኣይኰነን። ምስ ኣንጻር ጾታ ምቍጻር ባህርያዊ ዝዀነ ክፍሊ ናይቲ እትገብርዮ ዕቤት ኢዩ። . . . ደሓር ድማ ነወዳት ኵሉ ግዜ ትነጽግዮም እንተድኣ ዄንኪ ብእኡ ኣቢልኪ ተረሲዕኪ ኽትተርፊ ኢኺ: ዝሓተኪ እውን ኣይክህሉን ኢዩ።” ሜሪ ኣን ከምዚ ብምባል ትዝክር:- “እቲ ኣሞይ ዝበለትኒ ኣጸቢቑ ተሰምዓኒ። ንገዛእ ርእሰይ ካብቲ ክትሕጐሰሉ እትኽእል ዝነበረት ኣጋጣሚታት ድየ ዝጠልያ ዘለኹ፧ እቲ ወዲ ማኪናን ብዙሕ ገንዘብን ኣለዎ፣ ጽቡቕ ግዜ ከም እነሕልፍ ድማ ይርድኣኒ ኢዩ። እሞ ኽቘጽሮዶ ወይስ ክኣብዮ፧”
ንገሊኦም መንእሰያት እቲ ጸቕጢ ካብ ገዛእ ርእሶም ማለት ካብቲ ንኽፍተዉን ንኽፍቀሩን ዘለዎም ድሌት ኢዩ ዝመጾም። ኣን እተባህለት ጓል 18 ዓመት “ዘፍቅረንን ዘማስወንን ሰብ ደለኹ” ምስ በለት ቀጺላ “ምስ ወለደይ ብዙሕ ርክብ ስለ ዘይነበረኒ: ዝርድኣንን ናይ ልበይ ከፍስሰሉ ዝኽእልን ሰብ ምእንቲ ኽረክብ ናብ ዓርከይ ተጸጋዕኩ” በለት።
ይኹን እምበር: ኰተቴታት ጸቕጢ ስለ እተገብረሎም ጥራይ ምስ ኣንጻር ጾታ ክቋጸሩ የብሎምን! ቀዳማይ ነገር ምስ ኣንጻር ጾታ ምቍጻር ክፍሊ ናይቲ ናይ ሓዳር ብጻይ ንምድላይ እትገብሮ መስርሕ ብምዃኑ ኣቕሊልካ ክርአ ዘለዎ ነገር ኣይኰነን። ናይ ምንታይ መርዓ፧ እቶም ምስ ኣንጻር ጾታ ተቛጺሮም ዘዕልሉ መንእሰያት ኣብ ኣእምሮኦም መርዓ ዝብል ሓሳብ ከም ዘይብሎም ርዱእ ኢዩ። እንተዀነ ግን: ወድን ጓልን ተፋሊጦም ንኽምርዓዉ እንተ ዘይኰይኑ ብሓባር ነዊሕ ግዜ ዘሕልፍሉ ካልእ እንታይ ምኽንያት ክህሉ ይኽእል፧ ናይ ሓዳር ሸቶ ዘይብልካ ምስ ኣንጻር ጾታ ምቍጻር ውዒሉ ሓዲሩ ጓሂ ዘምጽእ እንተ ዘይኰይኑ ካልእ ፋይዳ የብሉን። ስለምንታይ፧
ኣሉታዊ ጐኒ
ቀዳማይ ነገር መንእሰያት ኣብቲ መጽሓፍ ቅዱስ ‘ብጽሕና’ ኢሉ ዝጽውዖ ተነቃፊ ዕድመ ኢዮም ዝርከቡ። (1 ቈረንቶስ 7:36) ኣብዚ ዕድመ እዚ ሓያል ድፍኢት ጾታዊ ባህጊ ክስመዓካ ይኽእል ኢዩ። እዚ ድማ ጌጋ ኣይኰነን፣ ክፍሊ ጕብዝናን ጕርዝውናን ኢዩ።
ኣብቲ ኰተቴታት ምስ ኣንጻር ጾታ ዝገብርዎ ምቍጻር ግን ከቢድ ሓደጋ ኣሎ:- ኰተቴታት ነዚ ጾታዊ ስምዒት እዚ ከመይ ገይሮም ክገትእዎ ከም ዝኽእሉ ዋላ ሓንቲ ተመክሮ የብሎምን። ሕጊ ኣምላኽ ብዛዕባ ጾታዊ ርክብ እንታይ ከም ዝብል ክትፈልጥ ከምኡውን ድንግል ኴንካ ኽትርከብ ብሓቂ ትደሊ ትኸውን። (ምዕራፍ 23 ርአ።) ይኹን እምበር: ከምዚ ዝኣመሰለ ድሌት እናሃለወካ እውን ከይተረፈ ሓደ ዘይተርፍ ስነ-ህይወታዊ መስርሕ ኣሎ። እዚ ድማ ምስ ኣንጻር ጾታ ብዙሕ ግዜ ምስ እተሕልፍ ድለዮ ኣይትድለዮ ብዘየገድስ እቲ ዘሎካ ጾታዊ ስምዒት ዝያዳ እናበርትዐ ኢዩ ዝኸይድ። (ገጽ 232-3 ርአ።) ኵላትና ኸምዚ ኴንና ኢና ተፈጢርና! ዓቢኻ ስምዒትካ ኣጸቢቕካ ምቍጽጻር ክሳዕ እትጅምር: ምስ ኣንጻር ጾታ ምቍጻር ንኽትቈጻጸሮ ክኸብደካ ይኽእል ኢዩ። እቲ ዘሕዝን ግን ዝበዝሑ መንእሰያት ነዚ ሓቂ እዚ ሽግር ምስ ኣጋጠሞም ጥራይ ኢዮም ዝማሃርዎ።
ሓደ መንእሰይ ከምዚ በለ:- “ምቍጻር ክንጅምር ከሎና . . . ኣእዳውና ኣይንተሓሓዝን ወይ እውን ኣይንሰዓዓምን ኢና ነይርና። ምስኣ ግዜ ምሕላፍን ምዕላልን ጥራይ ኢዩ ደስ ዝብለኒ ነይሩ።” ቀጺሉ ድማ “ንሳ ግን ኣዝያ ፈቃር ኢያ ነይራ: ስለዚ ኸኣ ናባይ ጽግዕ ኢላ ኾፍ ትብል ነበረት። ድሕሪ ገለ ግዜ ኸኣ ኢድ ንኢድ ክንተሓሓዝን ክንሰዓዓምን ጀመርና። እዚ ድማ ዝገደደ ጾታዊ ባህጊ ፈጠረለይ። ምስኣ ኮፍ ኢለ ከዕልል ጥራይ ዘይኰነስ ክሓቝፋ: ክሕዛ: ከምኡውን ክስዕማ ክደሊ ጀመርኩ። በዚ እውን ኣይዓገብኩን! ብስምዒት ዓበድኩ። ሓድሓደ ግዜ ሕሱርን ውርደተኛን ኰይኑ ይስምዓኒ ነበረ።”
ስለዚ እምበኣር ምስ ኣንጻር ጾታ ምቍጻር ዘይግቡእ ጾታዊ ርክብ ብምፍጻም እንተ ኣቋረጸ ዘገርም ኣይኰነን። ኣብ መንጎ ብኣማእታት ዝቝጸሩ ኰተቴታት እተገብረ መጽናዕቲ ከም ዝሕብሮ ካብተን ኣዋልድ 87 ሚእታዊት ካብቶም ኣወዳት ድማ 95 ሚእታዊት ኣብቲ ምስ ኣንጻር ጾታ ዝግበር ምቍጻር “ጾታዊ ርክብ ብመጠኑ ኣድላዪ ኢዩ ወይ ድማ ኣዝዩ ኣድላዪ ኢዩ” ኢሎም ኢዮም ዝኣምኑ። እንተዀነ ግን 65 ሚእታዊት ካብተን ኣዋልድ 43 ሚእታዊት ካብቶም ኣወዳት ኣብቲ ምስ ኣንጻር ጾታ ዝገብርዎ ምቍጻር ሓድሓደ ግዜ ከይሓሰብዎ እውን ጾታዊ ርክብ ከም ዝፍጽሙ ኢዩ ተገሊጹ!
ጓል 20 ዓመት ሎሬታ ከምዚ ኢላ ትዝክር:- “ብተደጋጋሚ ክንራኸብ ምስ ጀመርና ዝያዳ ተቐራረብና። ነዊሕ ከይጸናሕና ክንሰዓዓምን ጾታዊ ኽፍሊ ኣካላትና ኽንተናኸፍን ጀመርና። ዝረሳሕኩ ዀይኑ ስለ እተሰማዓኒ ኣዝየ ተጨነቕኩ። ሓድሓደ ግዜ እቲ ዓርከይ ‘ካብኡ ሓሊፍና’ . . . ክንከይድ ይደሊ። ተደናጊረ ሓዲግመዲግ ተረፍኩ። ይኹን እምበር ‘ካብኡ ኽፍለ ድማ ኣይደለኹን።’ ኣይነበር ኢየ ነይረ!”
ሓቂ ኢዩ ዅሎም ኣወዳትን ኣዋልድን ኣብ መወዳእታኡ ጾታዊ ርክብ ይፍጽሙ ኢዮም ማለት ኣይኰነን፣ ገሊኣቶም ነቲ ናይ ፍቕሪ መግለጺታቶም ብኣጋኡ የቋርጽዎ ኢዮም። እንተዀነ ግን: ሓደ ሰብ ብፍትወት ረሲኑ ኸብቅዕ ነቲ ስምዒቱ ግቡእ ዝዀነ መውጽኢ ምስ ዝስእነሉኸ እንታይ ኢዩ ዘጋጥም፧ ተስፋ ምቝራጽ ከም ዝህሉ ፍሉጥ ኢዩ። እቲ ተስፋ ምቝራጽ እቲ ድማ ኣብ ጾታዊ ስምዒት ጥራይ ተሓጺሩ ዝተርፍ ኣይኰነን።
ኣብ ስምዒት ዘሕድሮ ጕድኣት
ንሓደ መንእሰይ ዘጋጠሞ ወጥሪ ርአ:- ‘ኣብ መጀመርታ ንካቲ ብዙሕ ኢየ ዝፈትዋ ነይረ። ቅኑዕ ኢላ ዘይትኣምነሉ ነገራት ክትገብር ከም ዝደፋፋእኩዋ እእመን ኢየ። ሕጂ ግን ኣብኣ ዝነበረኒ ተገዳስነት ስለ ዘጥፋእኩ ሕማቕ ኢዩ ዝስምዓኒ። ስምዒታ ኸይጐዳእኩ ኸመይ ኢለ ኢየ ኽገድፋ ዝኽእል፧’ እዝስ ኣየ ኸመይ ዝበለ ወጣሪ ዅነታት ኰን ኢዩ! ካቲ ነይርኪ እንተ ትዀኒኸ ኸመይ ምተሰማዓኪ፧
ከምዚ ዝኣመሰለ ጓሂ ልቢ ኣብ ኰተቴታት ልሙድ ኢዩ። መንእሰያት ወድን ጓልን ኢድ ንኢድ ተተሓሒዞም ክኸዱ ኽትርኢ ኸሎኻ ዝስሕብ መሲሉ ከም ዝርአ ሓቂ ኢዩ። እንተዀነ ግን: እዞም ሰባት እዚኣቶም ይትረፍዶ ኽምርዓዉስ ክሳዕ ዝመጽእ ዘሎ ዓመት ብሓባር ንኽጸንሑ ዘለዎም ኣጋጣሚ ኽሳዕ ክንደይ ኢዩ፧ ኣዝዩ ጸቢብ ኢዩ። ስለዚ እምበኣር: ኣብ መንጎ ኰተቴታት ዝርአ ፍቕሪ ዅሉ ግዜ ሕማቕ ርክብ ዝፈጥር: ሳሕቲ ኣብ መርዓ ዝበጽሕ: ዝበዝሕ ግዜ ድማ ብጓሂ ልቢ ኢዩ ዝውዳእ።
ደሓር ድማ ኣብ ዕድመ ኰተቴ ከሎኻ ባህርያትካ ገና ተለዋዋጢ ኢዩ። እንታይነትካ ንምፍላጥ: እትፈትዎ ነገራት ንምርኣይ: ኣብ ህይወትካ እንታይ ክትገብር ከም እትደሊ ንምውሳን ፋሕተርተር እትብለሉ እዋን ኢዩ። ሎሚ ባህ ዝበለትካ ጓል (ዝበለኪ ወዲ) ጽባሕ ንግሆ ግን ኣዝያ እተሰልኪ ትኸውን (ኣዝዩ ዘሰልኪ ይኸውን)። ነቲ ናይ ፍቕሪ ስምዒታት ክዓቢ ምስ እተፍቅደሉ ድማ ኣብ መወዳእታ ከም እትጕዳእ ፍሉጥ ኢዩ። ስለዚ ኸኣ መንእሰያት ዝፍጽምዎ ርእሰ-ቕትለት ንምምርማር እተገብረ መብዛሕትኡ መጽናዕቲ ከም ዝሕብሮ: ገለ ነቲ ስጕምቲ እቲ ከም ዝወስዱ ዝገብሮም ምኽንያታት “ምስ ጓል ኣንስተይቲ ዓርኮም ምብኣስ” ወይ “ዘጕሂ ፍቕሪ” ምዃኑ ዘገርም ኣይኰነን።
ኣኺለ ድየ፧
ኣምላኽ ንመንእሰያት “ኣታ ወዲ [ኣቲ ጓል]: ብንእስነትካ ባህ ይበልካ: በዘን መዓልትታት ንእስነትካ ልብኻ የሐጕስካ: ብመገዲ ልብኻን ብምጥማት ኣዒንትኻን ተመላለስ” በሎም። መንእሰያት ‘ብመገዲ ልቦም ዝመላለሱ’ ኢዮም ዝመስሉ። ዝበዝሕ ግዜ ግን እቲ ባህ ዘብል ዝመስል ‘መገዲ’ ጓህን ሕሰምን ዘምጽእ ኢዩ። ስለዚ ኸኣ ኢዩ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብታ ቐጺላ ዘላ ቝጽሪ “ንእስነትን ብጽሕነትን ከንቱነት እዩ እሞ: ስለዚ ጓሂ ኻብ ልብኻ: ሕሰም ካብ ስጋኻ ኣርሕቕ” ብምባል ዝምሕጸን። (መክብብ 11:9, 10) ‘ጓሂ’ ምስ ጭንቀት እተተሓሓዘ ኣዝዩ ብርቱዕ ስምዒት ኢዩ። “ሕሰም” ተባሂሉ ዘሎ ኸኣ ብሕታዊ ዕንወት ዘመልክት ኢዩ። ክልቲኡ ንህይወትካ ኣዝዩ ሓደገኛ ኢዩ።
እዚ ግን ምስ ኣንጻር ጾታ ምቍጻር ምንጪ ጓህን ሕሰምን ኢዩ ማለት ድዩ፧ ግድን ከምኡ ኢዩ ማለት ኣይኰነን። ይኹን እምበር: ብግጉይ ዕላማ (‘ጽቡቕ ግዜ ንምሕላፍ ኢልካ’) ወይ ቅድሚ ምእኻልካ (ምእኻልኪ) እንተድኣ ተገይሩ ምንጪ ጓህን ሕሰምን ክኸውን ይኽእል ኢዩ! ስለዚ እምበኣር ናይ ገዛእ ርእስኻ ዅነታት ንምምርማር እዚ ስዒቡ ዘሎ ሕቶታት ክሕግዝ ይኽእል ኢዩ።
ምስ ኣንጻር ጾታ ዝገብሮ ምቍጻር ንስምዒታዊ ምዕባለይ ዝሕግዝ ድዩ ወይስ ዝጐድእ፧ ምስ ኣንጻር ጾታ ምቍጻር ምስ ሓደ ሰብ ጥራይ ተሓጺርካ ከም እትተርፍ ክገብረካ ይኽእል ኢዩ። ሕብረትካ ምስ ካልኦት እውን እንተ ኣስፋሕካዮዶ ኣይምሓሸካን፧ (ምስ 2 ቈረንቶስ 6:12, 13 ኣረኣእዮ።) ሓንቲ ሱሳን እተባህለት መንእሰይ ከምዚ በለት:- “ምስተን ኣብ ጉባኤ ዘለዋ ዓበይቲ ኣንስቲ ጥብቂ ርክብ ምግባር ተማሂረ። ንሳተን ብጾት የድልየን ኢዩ: ኣነ ድማ ካብቲ ዝገብራለይ ጽቡቕ ጽልዋ ክጥቀም እኽእል ኢየ። ስለዚ ድማ ቡን ክሰቲ ናብአን እኸይድ። ብሓባር ኴንና እናዕለልና ንስሕቕ። ምስአን ናይ ሓቅን ነባርን ዕርክነት ክምስርት ክኢለ ኢየ።”
ብዙሓት ዓይነት ኣዕሩኽ ማለት ዓበይትን መንእሰያትን: ንጽልን ምርዑዋትን: ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ብምጥራይ: ዋላ ምስ ኣንጻር ጾታ እውን ከይተረፈ ብዘይ ገለ ጸቕጥን ሽግርን ምቕራብ ክትለምድ ትኽእል ኢኻ። ኣብ ርእሲ እዚ: ምስ ሰብ ሓዳር ብምቕራብ ብዛዕባ መርዓ ርትዓዊ ኣረኣእያ ንኽህልወካ ክሕግዝ ይኽእል ኢዩ። ኣብ ዝመጽእ ግዜ ድማ ናይ መርዓ ብጻይ ዝዀነካ ብዝግባእ ክትመርጽ የኽእለካ: ኣብ ሓዳር ናይ ገዛእ ርእስኻ ተራ ንኽትፍጽም ድማ ዝያዳ እተዳለኻ ትኸውን። (ምሳሌ 31:10) ስለዚ ኸኣ ሓንቲ ገይል እትበሃል መንእሰይ ከምዚ ኢላ ትድምድም:- “ተመርዕየ ሓዳር ንኽገብር ገና እኽልቲ ኣይኰንኩን። ገና ንገዛእ ርእሰይ እፈልጣ ኢየ ዘለኹ: ክበጽሖ ዘሎኒ ብዙሕ መንፈሳዊ ሸቶታት ድማ ኣሎ። ስለዚ ኸኣ ምስ ዝዀነ ይኹን ኣንጻር ጾታ ኣጸቢቐ ክቀራረብ ኣይደልን ኢየ።”
ስምዒተይ ይኹን ስምዒት ካልኦት ክጐድእ እደልዶ ኢየ፧ ናይ ምምርዓው ሸቶ ኸይተገብረ ፍቕራዊ ምቅርራብ ምጅማር ስምዒትካን ስምዒት እቲ ኻልእ ሰብን ክጕዳእ ይኽእል ኢዩ። ምስ ኣንጻር ጾታ ምቕራብ ምእንቲ ኽትለምድ ኢልካ (ኽትለምዲ ኢልኪ) ንዘይትምርዓዋ (ዘይትምርዓውዮ) ኣንጻር ጾታ ብዙሕ ፍቕራዊ ኣቓልቦ ምግባር ግቡእ ድዩ፧—ማቴዎስ 7:12 ርአ።
ወለደይከ እንታይ ይብሉ ይዀኑ፧ ወለዲ ዝበዝሕ ግዜ ንመንእሰያት ዘይረኣዮም ሓደጋ የስተውዕልሉ ኢዮም። ቀዳማይ ነገር ሓደ እዋን መንእሰያት ነይሮም ኢዮም። ወድን ጓልን ብሓባር ብዙሕ ግዜ ከሕልፉ ምስ ዝጅምሩ እንታይ ዓይነት ግድል ክለዓል ከም ዝኽእል ይፈልጡ ኢዮም! ስለዚ ምስ ኣንጻር ጾታ ምቍጻርካ ወለድኻ ምስ ዘይድግፍዎ ኣንጻሮም ኣይትዕሎ። (ኤፌሶን 6:1-3) ክሳዕ እትበስል ክትጸንሕ ጽቡቕ ምዃኑ ስለ ዝርድኦም ጥራይ ኢዩ።
ነቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ስነ-ምግባር ዝገልጾ ስርዓት ክትግብሮ እኽእል ድየ፧ ሓደ ‘ኣዝዩ በጽሒ ዝዀነ’ ሰብ ነቲ ጾታዊ ስምዒታቱ ብዝግባእ ክቈጻጸሮ ዝኽእል እኳ እንተዀነ ሽዑ እውን ቀሊል ኣይኰነን። ኣብዚ ዕድመ እዚ: ምስ ኣንጻር ጾታ ቐሪብካ ድንግል ኴንካ ንምቕጻል ብሓቂ ድሉው ዲኻ፧
እቲ ዘገርም ብዙሓት መንእሰያት ነዚ ሕቶታት እዚ ንገዛእ ርእሶም ምስ ሓተትዋ ሜሪ ኣን (ኣቐዲምና ጠቒስናያ ዝነበርና) ኣብ ዝበለቶ መደምደምታ ኢዮም በጺሖም። ከምዚ በለት:- “ምስ ኣንጻር ጾታ ምቍጻር ዝመጸ ብናይ ካልኦት ኣረኣእያ ንኸይጽሎ ወሲነ። ዓብየ ንኽምርዖ ድልውቲ ኽሳዕ ዝኸውን: እሞ ኸኣ ከምቲ ኣነ ዝደልዮ ዓይነት ባህርይ ዘለዎ ሰብኣይ ክሳዕ ዝረክብ ምስ ኣንጻር ጾታ ኣይክቋጸርን ኢየ።”
ስለዚ ኸኣ ሜሪ ኣን: መንእሰያት ምስ ኣንጻር ጾታ ምቍጻር ቅድሚ ምጅማሮም ንገዛእ ርእሶም ክሓትዋ ዘለዎም ኣገዳሲ ሕቶ ኢያ ጠቒሳ ዘላ።
ንመመያየጢ ዝኸውን ሕቶታት ምዕራፍ 29
◻ ምስ ኣንጻር ጾታ ምቍጻር እንታይ ዓይነት ትርጕም ኢኻ እትህቦ፧
◻ ገለ መንእሰያት ምስ ኣንጻር ጾታ ንኽቋጸሩ ጸቕጢ ዘለዎም ኰይኑ ዝስምዖም ስለምንታይ ኢዮም፧
◻ ሓደ ኣብ ግዜ ‘ብጽሕና’ ዘሎ መንእሰይ ምስ ኣንጻር ጾታ ኽቋጸር ጥበባዊ ዘይኰነ ስለምንታይ ኢዩ፧
◻ ምስ ኣንጻር ጾታ ኣብ ምቍጻር ሓደ መንእሰይ ‘ሕሰም’ ከልግስ ዝኽእል ብኸመይ ኢዩ፧
◻ ወድን ጓልን ‘ተራ ዕርክነት’ ብምምስራቶም ክመጽእ ዝኽእል ገለ ግድላት እንታይ ኢዩ፧
◻ ምስ ኣንጻር ጾታ ንምቍጻር ኣኺልካ ዲኻ ኣይኣኸልካን ብኸመይ ክትፈልጥ ትኽእል፧
[Blurb on page 231]
“ነዊሕ ከይጸናሕና ክንሰዓዓምን ጾታዊ ኽፍሊ ኣካላትና ኽንተናኸፍን ጀመርና። ዝረሳሕኩ ዀይኑ ስለ እተሰመዓኒ ኣዝየ ተጨነቕኩ። ሓድሓደ ግዜ እቲ ዓርከይ ‘ካብኡ ሓሊፍና’ . . . ክንከይድ ይደሊ”
[Blurb on page 234]
‘ንካቲ ስምዒታ ኸይጐዳእኩ ኸመይ ኢለ ኢየ ኽገድፋ ዝኽእል፧’
[Box/Picture on page 232, 233]
ወድን ጓልን ‘ተራ ኣዕሩኽ ጥራይ’ ክዀኑ ይኽእሉዶ ኢዮም፧
እቲ ተራ ዕርክነት ተባሂሉ ዝፍለጥ ዓይነት ርክብ (ጾታዊ ስምዒት ዘይብሉ ኣብ መንጎ ወዲ ተባዕታይን ጓል ኣንስተይትን ዝህሉ ዕርክነት) ኣብ መንጎ መንእሰያት ኣዝዩ እተለምደ ኢዩ። ሓደ ግሪጎሪ እተባህለ ወዲ 17 ዓመት “ኣዋልድ ዝበዝሕ ግዜ ደንገጽትን ስምዒት ካልኦት ዝርድኣን ስለ ዝዀና ምስአን ምዕላል ይቐለኒ” በለ። ካልኦት መንእሰያት ድማ ከምዚ ዝኣመሰለ ዕርክነት ምግባር ምሉእ ዝዀነ ባህርይ ንኸማዕብሉ ከም ዝሕግዞም ይዛረቡ።
መንእሰያት ኣወዳት “ነተን ናእሽቱ ኣንስቲ ኸም ንኣሓት” ገይሮም “ብዅሉ ንጽህና ” ክቐርብወን ከም ዘለዎም መጽሓፍ ቅዱስ ነጊርዎም ኣሎ። (1 ጢሞቴዎስ 5:2) ነዚ ስርዓት እዚ ኣብ ግብሪ ብምውዓል ምስ ኣንጻር ጾታ ንጹህን ጥዑይን ምሕዝነት ክህልወካ ይከኣል ኢዩ። ንኣብነት: ሃዋርያ ጳውሎስ ምስ ብዙሓት ደቂ ኣንስትዮ ጽቡቕ ምሕዝነት ዝነበሮ ንጽል ሰብኣይ ኢዩ ነይሩ። (ሮሜ 16:1, 3, 6, 12 ርአ።) ብዛዕባ ኽልተ ኣሓት ክጽሕፍ ከሎ “ምሳይ ብወንጌል ዝጸዐራ እየን” ኢሉ ኣሎ። (ፊልጲ 4:3) የሱስ ክርስቶስ እውን ምስ ደቂ ኣንስትዮ ሚዛኑ ዝሓለወን ጥዑይን ርክብ ነይርዎ ኢዩ። ማርታን ማርያምን ብዙሕ ግዜ ኣብ ገዝአን ይቕበልኦን የዕልልኦን ነይረን ኢየን።—ሉቃስ 10:38, 39፣ ዮሃንስ 11:5
እንተዀነ ግን: እዚ ጾታዊ ስምዒት ዘይብሉ ዕርክነት ተባሂሉ ዘሎ ርክብ እተሓብአ ፍቕሪ ወይ ከኣ ቃል ከይኣተኻ ናይ ኣንጻር ጾታ ኣቓልቦ እትረኽበሉ ምሕዝነት ኢዩ። ስምዒታት ብቐሊሉ ኽልወጥ ስለ ዝኽእል ድማ ጥንቃቐ የድልዮ ኢዩ። ዶ/ር ማርዮን ሂልያርድ ከምዚ ኢሉ የጠንቅቕ:- “ኣብ ሰዓት 10 ማይልስ ጥራይ ዝጓዓዝ ዝነበረ ዕርክነት ብዘይገለ ምልክት ኣብ ሰዓት ሚእቲ ማይልስ ናብ ዝጐዓዝ ዕዉር ስምዒት ክቕየር ይኽእል ኢዩ። ”
ወዲ ዓሰርተ ሽዱሽተ ዓመት ማይክ ምስ ሓንቲ ጓል 14 ዓመት ምስ “ተዓራረኸ ” ሓቅነት ናይዚ ተማህረ። ከምዚ በለ:- “ወድን ጓልን ንሓድሕዶም ብዙሕ እናተረኣኣዩ ኣዕሩኽ ጥራይ ኰይኖም ክቕጽሉ ከም ዘይክእሉ ቀልጢፉ ተረድኣኒ። ርክብና እናዓበየ ኸደ። ኣብ ንሓድሕድና ፍሉይ ስምዒት ከነሕድር ጀመርና: ክሳዕ ሕጂ እውን ኣሎና። ” ክልቲኦም ንኽምርዓዉ ገና እኹላት ስለ ዘይነበሩ ግና እቲ ስምዒታት ኣብ ተስፋ ምቝራጽ ኣውደቖም።
ብዙሕ ምቅርራብ ዝገደደ ሳዕቤን እውን ክህልዎ ይኽእል ኢዩ። ሓደ መንእሰይ ንሓንቲ ሽግራ ዘካፈለቶ ጓል ኣንስተይቲ ከጸናንዓ ፈተነ። ነዊሕ ከይጸንሑ ክደራረዙ ጀመሩ። ደሓርከ፧ ሕማቕ ሕልናን እተጐድአ ስምዒትን ኣሕደረሎም። ካልኦት ድማ ጾታዊ ርክብ ፈጺሞም ኢዮም። ሳይኮሎጂ ቱደይ ዝገበሮ መጽናዕቲ እዚ ዝስዕብ ይሕብር:- “ዳርጋ ፍርቂ ናይቶም መልሲ ዝሃቡ (49 ሚእታዊት) እቲ ዝነበሮም ዕርክነት ጸኒሑ ጾታዊ ርክብ ናብ ምፍጻም በጺሑ ኢዩ። ” አረ “ዳርጋ ሓደ ርብዒ (31 ሚእታዊት) ዝዀኑስ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጾታዊ ርክብ ከም ዝፈጸሙ ኢዮም ተዛሪቦም። ”
‘ኣነ ግን ብዓርከይ ፈጺመ ኣይማረኽን ኢየ: ምስኣ [ወይ ምስኡ ] ድማ ፍቕራዊ ምትእስሳር ፈጺሙ የብለይን። ’ ምናልባት እዚ ሓቂ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ኣብ መጻኢኸ ስምዒትካ(ኪ) ከመይ ኢዩ ዝኸውን፧ ደሓር ድማ “ብልቡ ዚእመን ዓሻ እዩ።” (ምሳሌ 28:26) ልብና ሕሱም: መስድዒ: ነቲ ናይ ሓቂ ድራኼና ከም ዘይንርድኦ ኽገብረና ይኽእል ኢዩ። ደሓር ድማ ዓርክኻ(ኺ) ከመይ ከም ዝስምዓ(ዖ)ኸ ብሓቂ ትፈልጥዶ ኢኻ(ኺ)፧
ኣብታ ዘ ፍሬንድሽፕ ፋክተር ዘርእስታ መጽሓፉ (እንግሊዝኛ) ኣለን ሎይ ማግኒስ “ኣብ ገዛእ ርእስኻ ኣጸቢቕካ ኣይትመርኰስ” ኢሉ ይመክር። እቲ ርክብኩም ካልኦት ኣብ ዘለውዎ ንምግባሩ ኣቐዲምኩም ስጕምትታት ውሰዱ። ዘይግቡእ መግለጺ ፍቕሪ ወይ ስምዒታዊ ፍቕሪ ከለዓዕል ኣብ ዝኽእል ኵነታት በይንኹም ኣይትዅኑ። ሽግር ከጋጥም ከሎ ንሓደ (ንሓንቲ) ኣንጻር ጾታ መንእሰይ ዘይኰነስ ንወለድኹም ወይ ዓበይቲ ሰባት ኣማኽሩ።
እንተዀነ ግን: ዘድሊ ጥንቃቐ ተገይሩ ክነሱ ሓዴኹም ብፍቕሪ ምስ ዝተሓዝከ፧ “ሓቂ ተዛረቡ:” ብዛዕባ እቲ ዅነታት ዘለኩም ሓሳብ ድማ ኣፍልጡ። (ኤፌሶን 4:25) እቲ ነገር በዚ ኽዕረ እንተድኣ ዘይክኢሉ ድማ ምርሕሓቕ ዝሓሸ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። “ኣስተውዓሊ ሰብሲ እከይ ይርኢ እሞ ይሕባእ።” (ምሳሌ 22:3) ወይ ድማ እታ ዘ ፍሬንድሽፕ ፋክተር እትበሃል መጽሓፍ ከም ዝገለጸቶ “ኣድላዪ እንተድኣ ዀይኑ ተፈላለዩ። ሓድሓደ ግዜ: ክሳዕ ክንደይ ጻዕሪ ንግበር ብዘየገድስ ምስ ኣንጻር ጾታ ዝግበር ዕርክነት ካብ ቍጽጽርና ወጻኢ ይኸውን እሞ ናበይ ገጹ ከም ዘምርሕ ይርድኣና ኢዩ። ” ስለዚ እምበኣር: ኣብዚ ደረጃ እዚ ኸይበጽሐ “ምህዳም ” የድሊ።
[Picture on page 227]
መንእሰያት ምስ ኣንጻር ጾታ ኽቋጸሩ ወይ በብጽምዲ ክዀኑ ጸቕጢ ኣለዎም
[Picture on page 228]
ምስ ኣንጻር ጾታ ምቍጻር ንመንእሰያት ዝበዝሕ ግዜ ዘየድሊ መግለጺ ፍቕሪ ንኽገብሩ ዝደፋፍኦም ኢዩ
[Picture on page 229]
ዋላ ሓንቲ ጸቕጢ ኸይተገብረካ ምስ ኣንጻር ጾታ ባህ ኢሉካ ግዜ ከተሕልፍ ይከኣል ኢዩ
[Picture on page 230]
ጾታዊ ስምዒት ዘይብሉ ዝበሃል ርክባት ዝበዝሕ ግዜ ብጓሂ ልቢ ኢዩ ዝውዳእ