ምዕራፍ 38
38 እንታይ መጻኢ ተስፋ ኢዩ ዘሎኒ፧
“ኣብ ሓንቲ ኑክሌራዊ ስግኣት ዝመልኣ ዓለም ስለ ዘሎና ብዛዕባ መጻኢ እሻቐል ኢየ።” እዚ ሓደ ጀርመናዊ መንእሰይ ኣብ ቅድሚ ዝለዓሉ ፖለቲካውያን ሰበ-ስልጣን ሃገሩ ቀሪቡ ኣብ ዘስምዖ መደረ ዝበሎ ኢዩ።
እቲ ዓለም ብኑክሌራዊ ኣጽዋር ክትጠፍእ ኢያ ዝብል ሓሳብ ነቲ ብዛዕባ መጻኢ ዘሎካ ኣረኣእያ ክትንክፎ ይኽእል ኢዩ። ሓደ መንእሰይ “ዓለም ሓንቲ መዓልቲ ክትጠፍእ ኢያ” ይብል እሞ ቐጺሉ ኸኣ “ጽቡቕ ነጥቢ ከምጽእ ኢለ እንታይ ፋሕተርተር ኣባሃለኒ፧” በለ። እወ: ኣብ ቈልዑ እተገብረ መጽናዕቲ ከም ዝሕብሮ እቶም ንኣሽቱ ኣወዳት ካብ ኵሉ ንላዕሊ ዘፍርሆም ኑክሌራዊ ውግእ ምዃኑ ኢዮም ገሊጾም። ኣዋልድ ድማ ብመጀመርታ ደረጃ “ሞት ወለደን:” ብኻልኣይ ደረጃ ኸኣ ኑክሌራዊ ውግእ ምዃኑ ኢየን ገሊጸን።
እንተዀነ ግን: ንመጻኢ ጽልሙት ከም ዝኸውን ዝገብሮ ኑክሌራዊ ውግእ ኣንጸላልዩ ምህላዉ ጥራይ ኣይኰነን። “ብዝሒ ህዝቢ: ምውዳእ ሃብቲ ምድሪ: ኣከባብያዊ ብከላ” ከምኡውን ካልእ ኣንጸላልዩ ዘሎ ዕንወት ነቲ ቢ. ኤፍ. ስኪነር እተባህለ ፍሉጥ ተመራማሪ ስነ-ኣእምሮ “ዓሌት ወድሰብ ኣብ ዘስግእ ኵነታት ኢዩ ዘሎ” ኢሉ ከም ዝድምድም ገይርዎ ኢዩ። ጸኒሑ “ትስፉው ኣረኣእያ የብለይን። ንግድላትና ብርግጽ ኣይክንፈትሖን ኢና” በለ።
እቶም እተማህሩ ሰባት እውን ከይተረፈ ብዛዕባ መጻኢ ምሕሳብ ዘፍርሆም ካብ ኰነ ብዙሓት መንእሰያት “ጽባሕ ክንመውት ኢና እሞ: ንብላዕን ንስተን” ዝብል ዓይነት ኣረኣእያ እንተ ኣንጸባረቑ ዘገርም ኣይኰነን። (1 ቈረንቶስ 15:32) መጻኢኻ ኣብ ኢድ ፖለቲካውያንን ሊቃውንትን እንተድኣ ዀይኑ ብሓቂ ተስፋ የብሉን። ከመይሲ ኤርምያስ 10:23 “መገዲ ሰብ ካብ ርእሱ ኸም ዘይኰነ: እቲ ዚመላለስውን ስጓሜኡ ኬቕንዕ ዓቕሚ ኸም ዜብሉ: እፈልጥ አሎኹ” ኢሉ ኣሎ።
ሰብ ንገዛእ ርእሱ ናይ ምግዛእ ክእለት ስለ ዘይብሉ ጥራይ ኣይኰነን። ነቲ “ካብ ርእሱ ኸም ዘይኰነ” ዝብል ኣገላልጻ ኣስተብህለሉ: ነቲ ናይ ምድሪ መጻኢ ክውስን መሰል የብሉን። ስለዚ ኸኣ ዅሉ ጻዕሩ ከንቱ ኢዩ ዝኸውን። በዚ ድማ ኢዩ ኤርምያስ “ጐይታየ: ቅጽዓኒ: ግናኸ ብልክዕ ደኣ” ብምባሉ ኣምላኽ ኢዱ ንኸእቱ ዝጸለየ። (ኤርምያስ 10:24) እዚ ድማ መጻኢና ዝውስኖ ፈጣሪና ኢዩ ማለት ኢዩ። እንተዀነ ግን እዚ መጻኢ እዚ ከመይ ኢዩ ክኸውን፧
ኣምላኽ ንምድሪ ዘለዎ ዕላማን መጻኢኻን
ሰብ ምስ ተፈጥረ ነዊሕ ከይጸንሐ ኣምላኽ ነቶም ናይ መጀመርታ ሰብኣይን ሰበይትን ከምዚ በሎም:- “ፍረዩን ተባዝሑን ንምድሪ ኸኣ ምልእዋን ምለኽዋን: ንዓሳ ባሕርን ነዕዋፍ ሰማይን ኣብ ምድሪ ለመም ንዚብል ዅሉ እንስሳን ከኣ ግዝኡ።” (ዘፍጥረት 1:28) ስለዚ ድማ ሰብ ኣብ ገነታዊት ምድሪ ናይ ምንባር ተስፋ ኢዩ ነይርዎ።
እቶም ናይ መጀመርታ ሰብኣይን ሰበይትን ግን ካብ ግዝኣት ኣምላኽ ዓለዉ። ከምቲ ሰሎሞን ጸኒሑ ዝበሎ “ኣምላኽ ንሰብ ቅኑዕ ገይሩ ኸም ዝፈጠሮ . . . ንሳቶም ግና ብዙሕ ብልሓት ደለዩ።” (መክብብ 7:29) ብልሓት ሰብ ድማ ነዚ ሕጂ ዘሎ ወለዶ መከራን ሕማቕ መጻእን ዝገድፍ ዕንወት ምዃኑ ተረጋጊጹ ኢዩ።
እዚ ግን ኣምላኽ ንምድሪ እተበከለትን ህይወት ኣልቦን ክትከውን ጠንጢንዋ ኢዩ ማለት ድዩ፧ ፈጺሙ ከምኡ ማለት ኣይኰነን! “ንምድሪ ዝደኰናን ዝገበራን ዘጽንዓን: ማሕደር ሰብ ክትከውን ዝደኰና እምበር: ጥራያ ኽትከውን ዘይፈጠራ” ንሱ ኢዩ። ስለዚ እቲ ንምድሪ ዘለዎ ዕላማ ከም ዝፍጸም ርግጽ ኢዩ!—ኢሳይያስ 45:18፣ 55:10, 11
መዓስን ብኸመይን ኢዩ ግን ዝገብሮ፧ ሉቃስ ምዕራፍ 21 ባዕልኻ ኣንብባ። የሱስ ብዛዕባ እቲ ሕጂ ንደቅሰብ ዘጋጥሞም ዘሎ ዅሉ ሽግራት ኣቐዲሙ ተነብዩ ነይሩ ኢዩ:- ኣህጉራዊ ውግኣት: ምንቅጥቃጥ ምድሪ: ሕማም: ሕጽረት መግቢ: ምስፍሕፋሕ ዓመጻ። እዚ ፍጻመታት እዚ እንታይ ኢዩ ዘመልክት፧ የሱስ ከምዚ ብምባል ገሊጹ ኣሎ:- “እዚ ምዃን ምስ ጀመረ: ምድሓንኩም ቀሪቡ እዩ እሞ: ቅንዕ በሉ ርእስኹምውን ኣልዕሉ። . . . እዚ ዀይኑ ኽትርእዩ ኸሎኹም: መንግስቲ ኣምላኽ ምቕራባ ፍለጡ።”—ሉቃስ 21:10, 11, 28, 31
እታ መንግስቲ ኣብ መጻኢኻ እታ ቐንዲ መፍትሕ ኢያ። ብሓጺሩ ንምግላጽ ኣምላኽ ንምድሪ ንምግዛእ ዝጥቀመላ ምምሕዳር ኢያ። እዛ መንግስቲ እዚኣ ነቲ ስልጣን ካብ ደቅሰብ ብምውሳድ ንምድሪ ኽትቈጻጸራ ኢያ። (ዳንኤል 2:44) እቶም ‘መጥፋእቲ ምድሪ’ ብኣምላኽ ክጠፍኡ ኢዮም: በዚ ኸኣ ንሰባትን ንምድርን ካብቲ ሕማቕ ኣተሓሕዛ ከናግፎም ኢዩ።—ራእይ 11:18፣ መክብብ 1:4
ምድሪ ኣብ ትሕቲ ምምሕዳር መንግስቲ ኣምላኽ ቀስ ብቐስ ገነት ክትከውን ኢያ። (ሉቃስ 23:43) ፍጹም ዝዀነ ኣከባብያዊ ሚዛን ክህሉ ኢዩ። ከመይሲ ኣብ መንጎ ሰብን እንስሳን እውን ከይተረፈ ሰላም ክህሉ ኢዩ። (ኢሳይያስ 11:6-9) ውግእን ኣጽዋር ውግእን ክጠፍእ ኢዩ። (መዝሙር 46:8, 9) ዓመጽ: ጥሜት: ሕጽረት ኣባይቲ: ሕማም: አረ ሞት እውን ከይተረፈ ክጠፍእ ኢዩ። ተቐማጦ ምድሪ ‘ብብዝሒ ሰላም ደስ ክብሎም ኢዩ።’—መዝሙር 37:10, 11፣ 72:16፣ ኢሳይያስ 65:21, 22፣ ራእይ 21:3, 4
ንመብጽዓታት ኣምላኽ ‘ምምርማሩ’
ኣብ ገነታዊት ምድሪ ንዘለኣለም ናይ ምንባር ተስፋ ክህልወካ ይኽእል ኢዩ! እዚ ሓሳብ እዚ ባህ ዘብል እኳ እንተዀነ: ምናልባት ነቲ ዅሎም ቅኑዓት ሰባት ንሰማይ ኢዮም ዝኸዱ ዝብል ሓሳብ ንምግዳፍ ይኸብደካ ወይ እውን ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ጥርጣረ ክህልወካ ይኽእል ኢዩ። ገለ ናይ የሆዋ መሰኻኽር መንእሰያት እውን ከይተረፈ ሓድሓደ ግዜ በዚ መዳይ እዚ እምነቶም ትነቓነቕ ኢያ። ንኣብነት ሚሸል ናይ የሆዋ መሰኻኽር ወለዲ ኢዮም የዕብዮምዋ። መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ ኢዩ ኢላ ንኽትኣምን ንዓኣ ኣዝዩ ቐሊል ኢዩ ነይሩ። ሓደ መዓልቲ ግን መጽሓፍ ቅዱስ ስለምንታይ ከም እትኣምኖ ክትፈልጥ ኣይከኣለትን። “ኣቦይን ኣደይን ስለ ዝኣመንዎ ኢየ ዝኣምኖ ነይረ” በለት።
መጽሓፍ ቅዱስ “ብዘይ እምነት ግና ንኣምላኽ ኬስምርዎ ኣይከአልን እዩ” ይብል። (እብራውያን 11:6) እንተዀነ ግን: ኣቦኻን ኣዴኻን ስለ ዝኣመኑ ንስኻውን ትኣምን ኢኻ ማለት ኣይኰነን። መጻኢኻ ድልዱል ክኸውን እንተድኣ ዀይኑ ድልዱል መርትዖ ዘለዋ እምነት—“ነቲ ተስፋ ዚግበሮ ነገር ርግጽ ምግባር”—ክትህልወካ ይግባእ። (እብራውያን 11:1) ከምቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዝብሎ “ንዅሉ ተዓዘብዎ” ወይ ዘ ሊቪን ባይብል መጽሓፍ ቅዱስ (እንግሊዝኛ) ኣብርሂዎ ከም ዘሎ “ሓቂ ምዃኑ ንምርግጋጽ ንዝበሃል ኵሉ መርምርዎ” ኢዩ ዝብል።—1 ተሰሎንቄ 5:21
መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ ምዃኑ ባዕልኻ ኣረጋግጽ
መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ “መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶ” ድዩ ኣይኰነን መጀመርታ ከተረጋግጽ ኣሎካ። (2 ጢሞቴዎስ 3:16) ነዚ ብኸመይ ኢኻ ኽትገብሮ እትኽእል፧ ብዘይ ገለ ጕድለት “ካብ መጀመርታ ነቲ መወዳእታ” ‘ክነግር’ ዝኽእል ኣምላኽ ጥራይ ኢዩ። (ኢሳይያስ 43:9፣ 46:10) ብተደጋጋሚ ኸኣ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ገሊጽዎ ኣሎ። ነቲ ኣብ ሉቃስ 19:41-44 ከምኡውን 21:20, 21 ዘሎ ብዛዕባ ጥፍኣት የሩሳሌም ዝገልጽ ትንቢታት ኣንብቦ። ወይ ነቲ ኣብ ኢሳይያስ 44:27, 28 ከምኡውን 45:1-4 ዘሎ ብዛዕባ ጥፍኣት ባቢሎን ዝገልጽ ትንቢት ኣንብቦ። መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እዚ ፍጻመታት እዚ ክሳዕ ክንደይ ብልክዕ ከም እተነበየ ዓለማዊ ታሪኽ ኣረጋጊጹ ኢዩ! ሓንቲ ጃኒን እተባህለት ጓል 14 ዓመት “ንገለ ካብቲ ትንቢታት ምስ መርመርክዎ: እዚ ዅሉ ከመይ ኢሉ ብትንቢት ክጸሓፍ ከም ዝኸኣለ ተገሪመ ኢየ” በለት።
እቲ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ታሪኻዊ ልክዕነት: ሓቅነት: ቅንዕና: ከምኡውን ንሓድሕዱ ዘይጋጮ ምዃኑ እውን ንኽንኣምኖ ተወሳኺ መርትዖ ኢዩ ዝዀነና።a እቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ዘለዎም ኣረዳድኣ ሓቂ ምዃኑ ግን ብኸመይ ኢኻ ክትፈልጥ እትኽእል፧ እቶም ኣብ ቤርያ ዝነበሩ ሰባት ነቲ ጳውሎስ ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝገልጸሎም ዝነበረ ነገራት ስቕ ኢሎም ኣይተቐበልዎን። ኣብ ክንድኡስ ‘እዚ ነገርዚ እስኪ ኸምኡ እንተ ዀይኑ ኢሎም ኣብ ጸጽባሕ ነቲ ጽሑፋት መርመርዎ።’—ግብሪ ሃዋርያት 17:11
ንስኻ እውን ብዛዕባ ትምህርትታት መጽሓፍ ቅዱስ ዓሚቝ መጽናዕቲ ኽትገብር ንምሕጸነካ። መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ እንታይ እዩ ዚምህር፧ ዘርእስታ መጽሓፍ (ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመት) ነዚ ትምህርትታት እዚ ንጹር ብዝዀነ መገዲ ኣቕሪባቶ ኣላ። ወለድኻ ናይ የሆዋ መሰኻኽር እንተድኣ ዀይኖም ንዘሎካ ዝዀነ ይኹን ሕቶ ንምምላስ ከም ዝሕግዙኻ ኣየጠራጥርን ኢዩ። ሓንቲ ጃኔል እትበሃል መንእሰይ ሰበይቲ “በዚ መዳይ እዚ ዝዀነ ይኹን ሽግር እንተድኣ ኣሎካ ምስ ወለድኻ ብግልጺ ተዘራረብ” ብምባል ሓሳብ ትህብ እሞ ቀጺላ “ንኽትኣምኖ ዝኸብደካ ነገራት ምስ ዘጋጥመካ ሕቶ ሕተት” ትብል። (ምሳሌ 15:22) ጸኒሕካ የሆዋ ንመሰኻኽሩ ምርዳእ ናይቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘሎ ድንቂ ሓቂ ከም ዝሃቦም ክትግንዘብ ኢኻ!
ሓደ ፕሬንቲስ እተባህለ መንእሰይ “ሓድሓደ ግዜ በቲ ናይ ዓለም ኵነታት ኣዝየ ኢየ ዝጭነቕ። ከም ራእይ 21:4 ዝኣመሰለ ጥቕስታት እርኢ እሞ ተስፋ ድማ እገብር” በለ። እወ: ኣብ ተስፋታት ኣምላኽ ድልዱል እምነት ምስ ዝህልወካ ነቲ ብዛዕባ መጻኢ ዘሎካ ኣረኣእያ ከም ዝትንክፎ ርግጽ ኢዩ። ንመጻኢ ብፍርሂ ዘይኰነስ ተሓጒስካ ክትጽበዮ ኢኻ። እዚ ሕጂ ዘሎ ህይወትካ ከንቱ ፋሕተርተር ዘይኰነስ ‘ነቲ ናይ ሓቂ ህይወት ምእንቲ ኽትረክብ ነቲ ዝመጽእ ዘሎ ግዜ ጽቡቕ መሰረት ንርእስኻ ንኽትእክብ’ ክሕግዘካ ኢዩ።—1 ጢሞቴዎስ 6:19
እንተዀነ ግን ነዚ “ናይ ሓቂ ህይወት” እዚ ንምርካብ ንትምህርትታት መጽሓፍ ቅዱስ ኣጽኒዕካ ካብ ምእማን ንላዕሊ ዘድሊ ነገራት ኣሎዶ ኢዩ፧
[Footnote]
a ብዛዕባ ሓቅነት መጽሓፍ ቅዱስ ዝያዳ ሓበሬታ ንምርካብ ኣብታ ሪዝኒን ፍሮም ዘ ስክሪፕቸርስ ዘርእስታ (ብማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ መጽሓፍ ቅዱስን ትራክትን ትካል ኒው ዮርክ እተሓትመት) ናይ እንግሊዝኛ መጽሓፍ ኣብ ገጽ 58-68 ርአ።
ንመመያየጢ ዝኸውን ሕቶታት ምዕራፍ 38
◻ ብዙሓት መንእሰያት ብዛዕባ መጻኢኦም እንታይ ስግኣት ኢዩ ዘለዎም፧
◻ እቲ ኣምላኽ ንምድሪ ዝነበሮ ናይ መጀመርታ ዕላማ እንታይ ኢዩ፧ ዕላማ ኣምላኽ ከም ዘይተቐየረ እምንቶ ከነሕድር እንኽእል ስለምንታይ ኢና፧
◻ እቲ ኣምላኽ ንምድሪ ዘለዎ ዕላማ ኣብ ምፍጻም እታ መንግስቲ እንታይ ተራ ክህልዋ ኢዩ፧
◻ ንሓቅነት ትምህርትታት መጽሓፍ ቅዱስ ክትምርምሮ ኣድላዪ ዝኸውን ስለምንታይ ኢዩ: ከመይ ኢልካኸ ከምዚ ኽትገብር ትኽእል፧
◻ መጽሓፍ ቅዱስ መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶ ምዃኑ ብኸመይ ባዕልኻ ኸተረጋግጽ ትኽእል፧
[Blurb on page 306]
“ትስፉው ኣረኣእያ የብለይን። ንግድላትና ብርግጽ ኣይክንፈትሖን ኢና።”—ቢ. ኤፍ. ስኪነር ተመራማሪ ስነ-ኣእምሮ
[Picture on page 307]
እቲ ንምድሪ ዝፈጠረ ሰባት ንፕላኔትና ከዕንውዋ ስቕ ኢሉ ኣይርእን ኢዩ
[Picture on page 309]
መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ ምዃኑ ባዕልኻ ኣረጋጊጽካዶ ኢኻ፧