ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • sp ገጽ 28-29
  • ዜደንቕ መጻኢ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ዜደንቕ መጻኢ
  • መናፍስቲ ምዉታት ኪረድኡኻ ወይ ኪጐድኡኻ ይኽእሉዶ፧ ንምዃኑ ኣለዉዶ፧
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ምዉታት ኪትንስኡ እዮም
  • ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2004
  • ንርእሲ እቲ ተመን ምጭፍላቕ
    ራእይ እቲ ዓቢ ፍጻሜኡ ቀሪቡ!
  • የሱስ ኣብ ልዕሊ ኣጋንንቲ ዘለዎ ስልጣን
    ካብቲ ዓብዪ መምህር ተምሃር
  • ኣብ መንጎ መለኮታዊ ትምህርትን ትምህርቲ ኣጋንንትን ዘሎ ውግእ
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1994
ዝያዳ ርአ
መናፍስቲ ምዉታት ኪረድኡኻ ወይ ኪጐድኡኻ ይኽእሉዶ፧ ንምዃኑ ኣለዉዶ፧
sp ገጽ 28-29

ዜደንቕ መጻኢ

የሱስ ንሰይጣን ናብ መዓሙቝ ይድርብዮ

ኣብ ቀረባ እዋን፡ ሰይጣንን ኣጋንንቱን ኪቕየዱ እዮም

ሰይጣንን ኣጋንንቱን ንደቂ ሰብ እናኣታለልዎም ነዊሕ ኣይኪጸንሑን እዮም። ድሮ እኳ የሆዋ ኻብ ሰማይ ደርብይዎም ኣሎ። (ራእይ 12:9) ድሕሪ ሓጺር እዋን ከኣ፡ ኣምላኽ ንሰይጣንን ንኣጋንንቱን ኼጥፍኦም እዩ። ሃዋርያ ዮሃንስ ብዛዕባ እቲ ኣምላኽ ዘርኣዮ ራእይ ከምዚ በለ፦ “መርሖ መዓሙቝን ሓደ ገዚፍ መቝሕን ኣብ ኢዱ ዝሐዘ መልኣኽ ድማ ካብ ሰማይ ኪወርድ ከሎ ርኤኹ። ንሱውን ነቲ ገበል፡ ነቲ ናይ ጥንቲ ተመን፡ ሐዞ፡ እዚ እቲ ድያብሎስን ሰይጣንን እዩ፡ ሽሕ ዓመትውን አሰሮ። እተን ሽሕ ዓመት ክሳዕ ዚፍጸማ ኸኣ፡ ናብ መዓሙቝ ደርበዮ። ድሕሪ ደጊም ነህዛብ ምእንቲ ኸየስሕቶም ኢሉውን፡ ዐጽዩ ኣብ ልዕሊኡ ሐተመ።” (ራእይ 20:1-3) ድሕሪ ግዜ፡ ሰይጣንን ኣጋንንቱን ንዘለኣለም ኪጠፍኡ እዮም።—ራእይ 20:10።

ኣብ ምድሪ ዘለዉ እኩያት ሰባት እውን ኪጠፍኡ እዮም።—መዝሙር 37:9, 10፣ ሉቃስ 13:5።

ምዉታት ኪትንስኡ እዮም

ኣብ ገነታዊት ምድሪ፡ ሰባት ንምዉታት ይቕበልዎም

ምዉታት ኣብ ምድሪ ኺትንስኡ እዮም

ሰይጣንን ኣጋንንቱን ምስ ጠፍኡ፡ የሆዋ ንደቂ ሰብ ኪባርኾም እዩ። ምዉታት ህይወት ከም ዘይብሎም መቸም ትዝክር ኢኻ። የሱስ ንሞት ምስ ድቃስ፡ ማለት ሕልምታት ምስ ዘይብሉ ኸቢድ ድቃስ ኣመሳሲልዎ እዩ። (ዮሃንስ 11:11-14) ከምኡ ዝገበረ፡ እቶም ዝሞቱ ናብ ህይወት ከም ዚምለሱ ይፈልጥ ስለ ዝነበረ እዩ። “ኣብ መቓብር ዘለዉ ዅላቶም . . . ኺወጹ እዮም” ከኣ በለ።—ዮሃንስ 5:28, 29፣ ምስ ግብሪ ሃዋርያት 24:15 ኣረኣኢ።

ምዉታት ኣብ ምድሪ ህይወት ኪረኽቡ እዮም። ኣብቲ እዋን እቲ፡ ብዛዕባ ዝሞቱ ሰባት ዚገልጽ መርድእ ዘይኰነስ፡ ናብ ህይወት ብዛዕባ እተመልሱ ሰባት ዚነግር ብስራት ኪስማዕ እዩ። እነፍቅሮም ሰባት ካብ መቓብር ኪወጹ ኸለዉ ኽንቅበሎምሲ ኽሳዕ ክንደይ ዘሐጕስ ኰን እዩ!

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ