ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • sp ገጽ 30-31
  • ገነት እትኸውን ምድሪ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ገነት እትኸውን ምድሪ
  • መናፍስቲ ምዉታት ኪረድኡኻ ወይ ኪጐድኡኻ ይኽእሉዶ፧ ንምዃኑ ኣለዉዶ፧
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ዝሓሸ ናብራ መብጽዓ ተገይርሉ ኣሎ
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1995
  • ኣዕሩኽ ኣምላኽ ኣብ ገነት ክነብሩ እዮም
    ዓርኪ ኣምላኽ ክትከውን ትኽእል ኢኻ!
  • ናይ ሓቂ ሃይማኖት ንዘለኣለም ክትጠቕመካ ትኽእል እያ!
    መገዲ ናይ ዘለኣለም ህይወት ረኺብካያዶ፧
  • ድሕሪ ኣርማጌዶን ሓንቲ ገነታዊት ምድሪ
    ኣብ ገነት ኣብ ምድሪ ንዘለኣለም ምንባር ትኽእል ኢኻ
ዝያዳ ርአ
መናፍስቲ ምዉታት ኪረድኡኻ ወይ ኪጐድኡኻ ይኽእሉዶ፧ ንምዃኑ ኣለዉዶ፧
sp ገጽ 30-31

ገነት እትኸውን ምድሪ

እተፈላለየ ዓሌት ዘለዎም ሰባት ኣብ ገነት ሓቢሮም ይምገቡ

የሆዋ ንዅሉ እቲ ሰይጣን ዝገበሮ ኽፉእ ነገራት ኬወግዶ እዩ። ንየሱስ ከኣ ኣብ ልዕሊ ዅላ ምድሪ ኣንጊስዎም ኣሎ። ኣብ ትሕቲ ግዝኣት የሱስ፡ ምድሪ ብምልእታ ናብ ገነት ክትቅየር እያ።—ዳንኤል 7:13, 14፣ ሉቃስ 23:43።

የሆዋ ነዚ ዚስዕብ ነገራት ተመባጺዑ ኣሎ፦

  • እኹል ምግቢ፦ “ምድሪ ፍሬኣ ሂባ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ኺባርኸና እዩ።” “ብዝሒ እኽሊ ኣብ ሃገር፡ ኣብ ርእሲ ኣኽራን ኪኸውን [እዩ]።”—መዝሙር 67:6፣ 72:16።

  • ውግእ ኣይኪህሉን፦ “ንዑ፥ ነቲ እግዚኣብሔር ዝገበሮ ግብርታት ርኣዩ፦ ነቲ ኣብ ምድሪ ዝገበሮ ዜደንቕ ነገራት ጠምቱ። ንውግእ ኣብ ኵላ ምድሪ መወዳእታ ይገብረሉ።”—መዝሙር 46:8, 9፡ ትርጕም 1990።

  • እኩያት ሰባት ኣይኪህልዉን፦ “እኩያት ኪጸንቱ እዮም፡ . . . ቅሩብ ጸኒሑ እቲ ረሲእ የሎን፡ ቦታኡ ኽትደልዮ ኢኻ፡ ኣይኪህሉን ድማ እዩ።”—መዝሙር 37:9, 10።

  • ህይወት ኣብ ገነት

    ሕማም፡ ሓዘን፡ ወይ ሞት ኣይኪህሉን፦ “ሽዑ ኣዒንቲ ዕዉራት ኪኽፈታ፡ ኣእዛን ጸማማት ከኣ ጋህ ኪብላ እየን። ሽዑ ሓንካስ ከም እራብ ኪሰርር፡ ልሳን እቲ ዓባስ ከኣ እልል ኪብል . . . እዩ።”—ኢሳይያስ 35:5, 6።

    “ኣምላኽውን ባዕሉ ምሳታቶምን ኣምላኾምን ኪኸውን እዩ። ኣምላኽ ከኣ ንብዘሎ ንብዓት ካብ ኣዒንቶም ኪደርዝ እዩ። እቲ ቐዳማይ ሐሊፉ እዩ እሞ፡ ድሕሪ ደጊም ሞት ኣይኪኸውንን፡ ድሕሪ ደጊምውን ሓዘን፡ ወይ ጫውጫው፡ ወይ ጻዕሪ ኣይኪኸውንን እዩ።”—ራእይ 21:3, 4።

የሆዋ ኸም ሰይጣንን ኣጋንንቱን ስለ ዘይኰነ፡ ፈጺሙ ኣይሕሱን እዩ። ዝኣተዎ መብጽዓ ዅሉ ኺፍጸም እዩ። (ሉቃስ 1:36, 37) የሆዋ የፍቅረካን ኣብታ ገነት ዚገብራ ምድሪ ኽትነብር ይደልየካን እዩ። ስለዚ፡ ብዛዕባ እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ዜደንቕ ሓቂ ምእንቲ ኽትመሃር፡ ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ተራኸብ። ነቲ እትመሃሮ ሓቂ ኣብ ግብሪ እንተ ኣውዒልካዮ፡ ካብ ባርነት ሓሶትን ማሪትን ድንቍርናን ሓራ ኽትወጽእ ኢኻ። ድሕሪ ግዜ ኸኣ፡ ካብ ባርነት ሓጢኣትን ሞትን እውን ከይተረፈ ሓራ ኽትወጽእ ኢኻ። የሱስ፡ “ንሓቂ ኽትፈልጥዋ ኢኹም፡ እታ ሓቂ ድማ ሓራ ኸተውጽኣኩም እያ” በለ።—ዮሃንስ 8:32።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ