ምዕራፍ ዓሰርተ ኣርባዕተ
ሓቢርካ ብዕድመ ምድፋእ
1, 2. (ሀ) እርጋን እናቐረበ ክመጽእ ከሎ እንታይ ለውጥታት የጋጥም፧ (ለ) እቶም ኣብ ግዜ መጽሓፍ ቅዱስ ዝነበሩ ውፉያት ሰባት ኣብ ግዜ እርጋኖም ዕግበት ዝረኽቡ ዝነበሩ ብኸመይ ኢዮም፧
ብዕድመ እናደፋእና ክንከይድ ከሎና: ብዙሕ ለውጥታት የጋጥም ኢዩ። ኣካላዊ ድኻም ነቲ ዝነበረና ሓይሊ ክመጽዮ ይጅምር። ናብ መስትያት ምስ እንርኢ ኣብ ገጽና ሓደስቲ ዕጥርጣራት ከምኡውን ኣብ ጸጕርና ሽበት ወይ ድማ በራሕ ነገር ንርኢ። ብምርሳዕ ክንሽገር ንጅምር። እቶም ቈልዑ ምስ ተመርዓዉ: ደቂ ደቂ ምስ ተወልዱ ሓደስቲ ርክባት ይጅምር። ንገሊኣቶም ድማ ካብ ዓለማዊ ስራሕ ጥሮታ ምውጻእ ሓድሽ ናብራ ህይወት ከም ዝጅምሩ ይገብሮም።
2 ብዕድመ እናደፋእካ ምኻድ ብሓቂ ፈታኒ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። (መክብብ 12:1-8) ገና ግን ነቶም ኣብ ግዜ መጽሓፍ ቅዱስ ዝነበሩ ኣገልገልቲ ኣምላኽ ርኣይዎም። ዋላ እኳ ኣብ መወዳእታ እንተ ሞቱ: ኣብ እዋን እርግንኦም ዓቢ ዕግበት ዘምጽኣሎም ጥበብን ምርዳእን ኣጥርዮም ኢዮም። (ዘፍጥረት 25:8፣ 35:29፣ እዮብ 12:12፣ 42:17) ብዕድመ እናደፍኡ ኣብ ዝኸድሉ እዋን ብሓጐስ እተዋጽእሉ ብኸመይ ኢዮም፧ ምስቲ ሎሚ ንሕና ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተመዝጊቡ እንረኽቦ ስርዓታት ተሰማሚዖም ብምኻዶም ምዃኑ ርግጽ ኢዩ።—መዝሙር 119:105፣ 2 ጢሞቴዎስ 3:16, 17
3. ጳውሎስ ነቶም ብዕድመ ዝደፍኡ ሰብኡትን ኣንስትን እንታይ ምኽሪ ኢዩ ዝሃቦም፧
3 ኣብታ ንቲቶስ ዝጸሓፈሉ ደብዳበ: ሃዋርያ ጳውሎስ ነቶም ብዕድመ ዝደፍኡ ዘለዉ ዝኸውን ጥዑይ ምኽሪ ሂቡ ኣሎ። ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ:- “እቶም ኣረገውቲ ሰብኡት ጥንቁቓት: ረዘንቲ: ለባማት: ብእምነት: ብፍቕሪ: ብትዕግስቲ ጥዑያት ኪዀኑ: እተን ኣረገውቲ ኣንስቲውን ከምኡ ንንብረት ቅድስና ኸም ዚግባእ: ዘይሓመይቲ: ብዙሕ ወይኒ ንምስታይ ባሮት ዘይኰና: መሃርቲ ሰናይ ኪዀና [ምዓደን]።” (ቲቶስ 2:2, 3) ነዘን ቃላት እዚኣተን ምቕላብ ነቲ ብዕድመ ክትደፍእ ከሎኻ ዝመጽእ ብድሆታት ንኸተሰንፍ ክሕግዝ ይኽእል ኢዩ።
ነቲ ናይ ደቅኹም ብርኮም ምውጻእ ልመድዎ
4, 5. ብዙሓት ወለዲ ደቆም ካብ ገዛ ክወጹ ከለዉ እንታይ ኢዮም ዝገብሩ: ገሊኣቶም ብኸመይ ኢዮም ምስቲ ሓድሽ ኵነታት ዝለማመዱ፧
4 ከም ወላዲ መጠን ዝነበረካ ግደ ምልዋጥ ምልማድ ይሓትት ኢዩ። እቶም እኹላት ውሉዳት ሓዳር ገይሮም ብርኮም ክወጹ ከለዉ እዚ ክሳዕ ክንደይ ሓቂ ኰን ኢዩ! ንብዙሓት ወለዲ ይኣርጉ ከም ዘለዉ ዘዘኻኽሮም ናይ መጀመርታ ነገር እዚ ኢዩ። ደቆም እኹላት ኰይኖም ብምርኣዮም ዝሕጐሱ እኳ እንተዀኑ: መብዛሕትኡ እዋን ደቆም ብርኮም ንኽወጹ ብዝግባእ ኣዳልዮምዎም ድዮም ኣየዳለውዎምን ይጭነቑ ኢዮም። ኣብ ገዛ ምስኦም ክህልዉ ድማ ይናፍቑ ኢዮም።
5 ወለዲ ደቆም ብርኮም ምስ ወጹ እውን ከይተረፈ ብዛዕባ ድሕንነት ደቆም ይሽገሩ ኢዮም። ሓንቲ ኣደ ከምዚ በለት:- “ድሓን ምዃኖም ምእንቲ ከረጋግጽ: ብተደጋጋሚ ደሃዮም እንተ ዝረክብ: የሐጕሰኒ ኢዩ።” ሓደ ኣቦ ድማ ከምዚ ኢሉ የዘንቱ:- “ጓልና ካብ ገዛ ምስ ወጸት: ኣዝዩ ከቢድ ኢዩ ነይሩ። ኵሉ ግዜ ብሓባር ንዓዪ ብምንባርና ኣብ ስድራቤትና ዓቢ ሃጓፍ ገደፈት።” እዞም ወለዲ እዚኣቶም ብዘይ ደቆም ብኸመይ ኢዮም ብዓወት ክዋጽእሉ ዝኸኣሉ፧ ኣብ ብዙሕ ጕዳያት ብዛዕባ ኻልኦት ብምሕላይን ንኻልኦት ብምሕጋዝን ኢዮም ዝገብርዎ።
6. ብዛዕባ ኣብ ስድራቤት ዘሎ ርክብ ግቡእ ኣረኣእያ ንምሓዝ እንታይ ይሕግዝ፧
6 ውሉዳት ምስ ተመርዓዉ ተራ ናይቶም ወለዲ ይቕየር ኢዩ። ዘፍጥረት 2:24 “ሰብኣይ ኣቦኡን ኣዲኡን ይሐድግ: ምስ ሰበይቱ ኸኣ ይጠብቕ። ሓደ ስጋ ድማ ይዀኑ” ትብል። (ሰያፍ ዝገበርናዮ ንሕና ኢና።) ነቲ ኣምላኻዊ ስርዓታት ናይ ርእስነትን ጽቡቕ ስርዓትን ኣፍልጦ ምሃብ: ነቶም ወለዲ ብዛዕባ ዝዀነ ይኹን ነገር ግቡእ ዝዀነ ኣረኣእያ ንኽህልዎም ክሕግዞም ይኽእል ኢዩ።—1 ቈረንቶስ 11:3፣ 14:33, 40
7. ሓደ ኣቦ ደቁ ተመርዕየን ካብ ገዛ ምስ ወጻ እንታይ ሰናይ ኣረኣእያ ኢዩ ዝዀስኰሰ፧
7 ሓደ ሰብኣይን ሰበይቱን ክልተ ደቆም ተመርዕየን ካብ ገዛ ምስ ወጻ: ኣብ ህይወቶም ዝጐደለ ነገር ከም ዘሎ ኰይኑ ተሰምዖም። ኣብ መጀመርታ እቲ ሰብኣይ ምስቶም ሰብኡት ደቁ ተቐየመ። እንተዀነ ግን: ነቲ ናይ ርእስነት ስርዓት ምስ ኣስተንተነሉ: እቶም ሰብኡት ደቁ ነናይ ስድራቤቶም ሓላፍነት ዝስከሙ ምዃኖም ተገንዘበ። ስለዚ ድማ ደቁ ምኽሪ ደልየን ክሓትኦ ከለዋ: ናይ ሰብኡተን ሓሳባት እንታይ ምዃኑ ይሓተን: ድሕርዚ ብእተኻእለ መጠን ደጋፊ ክኸውን ይጽዕር። እቶም ሰብኡት ደቁ ድማ ከም ዓርኮም ገይሮም ይርእይዎ: ምኽሩ ድማ ደስ ኢልዎም ይቕበሉ።
8, 9. ገለ ወለዲ ነቲ ናይ ደቆም ብርኮም ምውጻእ ብኸመይ ኢዮም ዝለምድዎ፧
8 እቶም ሓደስቲ መርዑት: ዋላ እኳ ዘይቅዱስ ጽሑፋዊ ነገር እንተዘይገበሩ: እቶም ወለዲ ዝበለጸ ኢዩ ኢሎም ዝሓስብዎ ነገር እንተዘይሰዓቡኸ፧ እተመርዓዉ ውሉዳት ዘለውዎም ሰብኣይን ሰበይትን ከምዚ ይብሉ:- “ኵሉ ግዜ ኣረኣእያ የሆዋ ንኽርድኡ ንሕግዞም: ምስቲ ዝገበርዎ ውሳነ ምስ ዘይንሰማማዕ ግን: ሓሳቦም ንቕበል: ደገፍናን ምትብባዕናን ድማ ንህቦም።”
9 ኣብ ገለ ሃገራት እስያ: ገለ ኣዴታት ውሉዳተን ብርኮም ክወጹ ክቕበልኦ ይኸብደን ኢዩ። ይኹን እምበር: ክርስትያናዊ ስርዓትን ርእስነትን ዘኽብራ እንተድኣ ኰይነን: እቲ ምስ ኣንስቲ ደቀን ዝህልወን ምፍሕፋሕ ዝወሓደ ኢዩ ዝኸውን። ሓንቲ ክርስትያን ሰበይቲ እቶም ደቃ ካብታ ስድራቤት ምፍላዮም “ምንጪ ናይ እናወሰኸ ዝኸይድ ምስጋና” ኰይኑ ረኸበቶ። ነቲ ሓድሽ ቤቶም ንምምሕዳር ዘለዎም ክእለት ክዓቢ ምርኣያ ደስ በላ። እዚ ድማ ነቲ ንሳን ሰብኣያን እናዓበዩ ክኸዱ ከለዉ ዝህልዎም ኣካላውን ኣእምሮኣውን ጾር ዘቃልል ማለት ኢዩ።
ነቲ ናይ መርዓ ማእሰርኩም እንደገና ህያው ግበርዎ
ብዕድመ ክትደፍኡ ከለኹም: ኣብ ንሓድሕድኩም ዘለኩም ፍቕሪ እንደገና ኣደልድልዎ
10, 11. ሰባት ነቲ ኣብ ማእከላይ ዕድመ ምስ በጻሕካ ዘጋጥም ፈተናታት ንኽዋጽእሉ ዝሕግዞም ቅዱስ ጽሑፋዊ ምኽሪ እንታይ ኢዩ፧
10 ሰባት ኣብ ማእከላይ ዕድመ ክበጽሑ ከለዉ እተፈላለየ መልሰ-ግብሪ የርእዩ ኢዮም። ገለ ሰብኡት ንኣሽቱ ምእንቲ ክመስሉ ፍልይ ዝበለ ክዳውንቲ ይኽደኑ። ብዙሓት ኣንስቲ ብዛዕባ እቲ ብትከተ-ጽግያት ዘምጽኦ ለውጥታት ይሻቐላ። እቲ ዘሕዝን ድማ ገለ ኣብ ማእከላይ ዕድመ ዘለዉ ሰባት ምስ ኣንጻር ጾታ ኰሸምሸም ብምባል ኣብቲ ናይ መርዓ ብጻዮም ቂምን ቅንእን ከም ዝሓድር ይገብሩ። ይኹን እምበር: እቶም ንኣምላኽ ዝፈርሁ ዓበይቲ ሰብኡት ንዘይግቡእ ባህግታት ብምዕጋት “ብኣእምሮ ጥቁዋት” ኢዮም ዝዀኑ። (1 ጴጥሮስ 4:7 NW ) ብሱላት ኣንስቲ እውን ብተመሳሳሊ ካብቲ ንበዓል ቤተን ዘለወን ፍቕርን ንየሆዋ ባህ ከብላ ዘለወን ባህግን ተላዒለን: ነቲ ናይ ሓዳረን ቅሳነት ንምዕቃብ ይዓያ ኢየን።
11 ንጉስ ልሙኤል ብመንፈስ ቅዱስ ተደሪኹ: ነታ ንሰብኣያ ‘ምሉእ ዕድሚኣ ሰናይ እምበር ክፉእ ዘይትገብሮ’ ‘ደገኛ ሰበይቲ’ እተዋህበ ምስጋና መዝጊቡ ኣሎ። (ሰያፍ ዝገበርናዮ ንሕና ኢና።) ሓደ ክርስትያን ሰብኣይ ነቲ ሰበይቱ ኣብ ማእከላይ ዕድመ ክትበጽሕ ከላ ዘጋጥማ ዝዀነ ይኹን ስምዒታዊ ዘይምርጋእ ብዓወት ንኽትዋጽኣሉ እትገብሮ ጻዕሪ የማስወሉ ኢዩ። እቲ ዘለዎ ፍቕሪ ‘ንኽንእዳ’ ከለዓዕሎ ኢዩ።—ምሳሌ 31:10, 12, 28
12. ዓመታት እናሓለፈ ክኸይድ ከሎ ሰብኣይን ሰበይትን ዝያዳ ክሓብሩ ዝኽእሉ ብኸመይ ኢዮም፧
12 ኣብተን ቈልዑ እተዕብዩለን ዝነበርኩም ብስራሕ ትሑዛት ዝነበራ ዓመታት: ክልቴኹም ነቲ ናይ ደቅኹም ድሌት ንምምላእ ነቲ ብሕታዊ ድሌታትኩም ደስ ኢልኩም ገዲፍኩም ትዀኑ ኢኹም። ንሳቶም ምስ ወጹ ግን ኣብቲ ሓዳርኩም እንደገና እተተኵርሉ እዋን ኢዩ። ሓደ ሰብኣይ “ደቀይ ካብ ገዛ ምስ ወጻ: ምስ በዓልቲ ቤተይ እንደገና ናይ ምልላይ ቈጸራታት (ብእንግሊዝኛ ኮር ትሽፕ ) ጀመርና” ይብል። ካልእ ሰብኣይ ድማ “ብዛዕባ ናይ ሓድሕድና ጥዕና ንተሓላለ: ኣካላዊ ምንቅስቓስ ኣድላዪ ምዃኑ ድማ ንዘኻኸር” ይብል። ጽምዋ ምእንቲ ከይስምዖም ድማ ንሱን ሰበይቱን ንኻልኦት ኣባላት እታ ጉባኤ ይዕድሙ። እወ: ብዛዕባ ካልኦት ምግዳስ በረኸት የምጽእ ኢዩ። ኣብ ርእሲ እዚ: ንየሆዋ ባህ ዘብል ኢዩ።—ፊልጲ 2:4፣ እብራውያን 13:2, 16
13. ሰብኣይን ሰበይትን ሓቢሮም ብዕድመ እናደፍኡ ክኸዱ ከለዉ ግልጺ ምዃንን ቅንዕናን እንታይ ግደ ኣለወን፧
13 ኣብ መንጎኹም ሓሳብ ንሓሳብ ኣብ ምልውዋጥ ሃጓፍ ክህሉ ኣይተፍቅዱ። ናጻ ኴንኩም ብሓባር ተዘራረቡ። (ምሳሌ 17:27) ሓደ ሰብኣይ “ብምግዳስን ብምሕላይን ብዛዕባ ሓድሕድና ዘሎና ምርዳእ ነዕምቖ” ብምባል ሓሳብ ይህብ። ሰበይቱ እውን “ብዕድመ እናደፋእና ምስ ከድና ብሓባር ኴንና ሻሂ ምስታይ: ምዕላል: ከምኡውን ንሓድሕድና ምትሕብባር ባህ ክብለና ጀመረ” ብምባል ምስኡ ትሰማማዕ። ግልጽን ቅኑዕን ምዃን ነቲ ናይ ሓዳር ማእሰር ንምድልዳል ክሕግዝ ይኽእል ኢዩ: እዚ ድማ ነቲ መፍረስ ሓዳር ዝዀነ ሰይጣን ዘምጽኦ መጥቃዕቲ ንምቅላስ ከም እትብርትዕ ይገብር።
ምስ ደቂ ደቅኹም ምዃን ተሓጐስሉ
14. ኣብቲ ጢሞቴዎስ ከም ክርስትያን ዝገበሮ ዕቤት ዓባዩ እንታይ ግደ ነበራ፧
14 ደቂ ደቂ ‘ዘውዲ’ ናይቶም ኣረገውቲ ኢዮም። (ምሳሌ 17:6) ምስ ደቂ ደቅኻ ምዃን ብሓቂ ባህ ዘብል—ጽቡቕን ዘሐድስን—ክኸውን ይኽእል ኢዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እታ ምስ ጓላ ኤውኒቄ ኰይና ነቲ ሕጻን ዝነበረ ጢሞቴዎስ እምነታ ዝማሃረቶ ሎኢስ እተባህለት ዓባዩ ጽቡቕ ይዛረብ ኢዩ። እዚ መንእሰይ እዚ ኣዲኡን ዓባዩን ነቲ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ ኣኽቢረን ከም ዝሕዝኦ ፈሊጡ ዓበየ።—2 ጢሞቴዎስ 1:5፣ 3:14, 15
15. ንደቂ ደቂ ዝምልከት: እቶም ኣባሓጎታትን እኖሓጎታትን እንታይ ክቡር ዝዀነ ኣበርክቶ ኢዮም ክገብሩ ዝኽእሉ: እንታይከ ኢዮም ከወግዱ ዘለዎም፧
15 ኣብዚ እምበኣር: ኣቦሓጎታትን እኖሓጎታትን ክቡር ዝዀነ ኣበርክቶ ክገብርሉ ዝኽእሉ ፍሉይ ኵነታት ኣሎ። ኣባሓጎታትን እኖሓጎታትን: እቲ ብዛዕባ ዕላማታት የሆዋ ዘለኩም ፍልጠት ድሮ ንደቅኹም ኣካፊልኩምዎም ኢኹም። ሕጂ እውን ምስ እዞም ካልእ ወለዶ ከምኡ ክትገብሩ ትኽእሉ ኢኹም! ብዙሓት ቈልዑ ኣባሓጎታቶምን እኖሓጎታቶምን ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ዛንታታት ከዘንትውሎም ከለዉ ባህ ይብሎም ኢዩ። እቲ ኣቦ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ ንደቁ ከም ዝሰርጾም ናይ ምግባር ዘለዎ ሓላፍነት ከም ዘይትወስዱ ሓቂ ኢዩ። (ዘዳግም 6:7) ኣብ ክንድኡስ ነዚ ሓላፍነት እዚ ደገፍቲ ኢኹም እትዀኑ። ጸሎትኩም ከም ናይቲ ጸሓፍ መዝሙር ዝኸውን ይግበሮ:- “ነዚ ወለዶዚ ቕልጽምካ: ነቲ ዚመጽእውን ስልጣንካ ኽሳዕ ዘበስሮምሲ: ዎ ኣምላኽ: ብእርግናይ ምስ ሸየብኩ እኳ ኣይትሕደገኒ።”—መዝሙር 71:18፣ 78:5, 6
16. ኣባሓጎታትን እኖሓጎታትን ኣብ ስድራቤቶም ወጥሪ ንኽልዓል ምኽንያት ንኸይኰኑ እንታይ ክገብሩ ይኽእሉ፧
16 እቲ ዘሕዝን ገለ ኣባሓጎታትን እኖሓጎታትን ነቶም ንኣሽቱ ቀበጥበጥ ስለ ዘብልዎም: ኣብ መንጎ እቶም ዝዓበዩ ደቆምን እቶም ኣባሓጎታትን እኖሓጎታትን ወጥሪ ክሳዕ ዝፍጠር ይኸውን። ይኹን እምበር: እቲ ቅንዕና እተሓወሶ ሕያውነትኩም ደቂ ደቅኹም ንወለዶም ክነግርዎም ደስ ዘይብሎም ነገራት ከማኽሩኹም ከም ዝቐሎም ክገብር ኢዩ። ሓድሓደ እዋን መንእሰያት እቶም ሕያዎት ኣባሓጎታቶምን እኖሓጎታቶምን ኣንጻር ወለዶም ብምዃን ክድግፍዎም ተስፋ ይገብሩ ኢዮም። እሞ እንታይ ይኹን፧ ምስትውዓል ብምጥቃም ነቶም ደቂ ደቅኹም ምስ ወለዶም ግልጺ ክዀኑ ኣተባብዕዎም። ከምዚ ምግባር ንየሆዋ ባህ ከም ዘብሎ ክትገልጹሎም ትኽእሉ ኢኹም። (ኤፌሶን 6:1-3) ኣድላዪ እንተድኣ ኰይኑ ድማ ምስቶም ወለዶም ብምዝርራብ እቶም ውሉዳት ንኽቐርብዎም መገዲ ክትከፍቱሎም ትኽእሉ ኢኹም። ብዛዕባ እቲ ኣብ ዕድሜኹም እተማህርኩምዎ ነገራት ምስ ደቂ ደቅኹም ክትዘራረቡ ከለኹም ግልጺ ኩኑ። ቅኑዓትን ግልጽን ምዃንኩም ክጠቕሞም ይኽእል ኢዩ።
ክትኣርጉ ከለኹም ኵነታትኩም ኣተዓራርዩ
17. ብዕድመ ዝደፍኡ ክርስትያናት ከመይ ዝበለ ቈራጽነት ናይቲ ጸሓፍ መዝሙር ኢዮም ክቐድሑ ዘለዎም፧
17 ብዕድመ እናደፋእኩም ክትከዱ ከለኹም: ነቲ ቅድሚ ሕጂ ትገብርዎ ዝነበርኩም ብምልኡ ወይ ነቲ ክትገብርዎ እተደልዩ ኵሉ ክትገብሩ ከም ዘይትኽእሉ ክትርድኡ ኢኹም። ሓደ ሰብ ነዚ ናይ ምእራግ መስርሕ ክቕበሎን ብዓወት ክዋጽኣሉን ዝኽእል ብኸመይ ኢዩ፧ ብኣተሓሳስባኹም 30 ዓመት ዝገበርኩም ይመስለኩም ይኸውን: እቲ ኣብ መስትያት እትርእይዎ ግን ካልእ ክዉንነት ኢዩ ዝገልጽ። ተስፋ ኣይትቝረጹ። እቲ ጸሓፍ መዝሙር “ብጊዜ እርግና ኣይትደርብየኒ: ሓይለይ ኪውዳእ ከሎ: ኣይትሕደገኒ” ብምባል ንየሆዋ ለመነ። ነዚ ጸሓፍ መዝሙር ዝገበሮ ቈራጽነት ንምቕዳሕ ወስኑ። ንሱ “ኣነ ግና ኵሉ ጊዜ ተስፋ ኽገብር: ንዅሉ ምስጋናኻውን ክውስኸሉ እየ” በለ።—መዝሙር 71:9, 14
18. ሓደ ብሱል ክርስትያን ንእዋን ጥሮታኡ ብዝበለጸ ክጥቀመሉ ዝኽእል ብኸመይ ኢዩ፧
18 ብዙሓት ካብ ዓለማዊ ስራሕ ጥሮታ ምስ ወጹ እቲ ንየሆዋ ዘቕርብዎ ምስጋና ክውስኽሉ ኣቐዲሞም ተዳልዮም ኢዮም። ሓደ ሕጂ ጥሮታ ዘሎ ኣቦ ከምዚ ኢሉ ይገልጽ:- “ጓልና ትምህርቲ ምስ ወድአት እንታይ ከም ዝገብር ኣቐዲመ መደብኩ። ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ክጅምር ወሰንኩ: ንየሆዋ መሊአ ምእንቲ ከገልግሎ ድማ ዝነበረኒ ንግዲ ሸጥኩ። መምርሒ የሆዋ ንምርካብ ጸለኹ።” ኣብ ዕድመ ጥሮታ ክትበጽሕ ትቀራረብ እንተድኣ ኣሊኻ: እቲ ዓቢ ፈጣሪና ብዝበሎ ነገር ተጸናናዕ: ንሱ ከምዚ በለ:- “ክሳዕ እርግናኹም ኣነ እየ: ክሳዕ ትሽይቡ ድማ ክጾረኩም . . . እየ።”—ኢሳይያስ 46:4
19. ነቶም ብዕድመ ዝደፍኡ ዘለዉ እንታይ ምኽሪ ኢዩ ተዋሂቡ ዘሎ፧
19 ካብ ዓለማዊ ስራሕ ጥሮታ ወጺእካ ክትለምድ ቀሊል ከይከውን ይኽእል ኢዩ። ሃዋርያ ጳውሎስ ነቶም ብዕድመ ዝደፍኡ ሰብኡት “ሚዛናዊ ኣመል” (NW ) ዘለዎም ክዀኑ መኸሮም። እዚ ብሓፈሻ ርእስኻ ምቍጽጻር: ናይ ምቾት ናብራ ንምንባር ዘይምድላይ ዝሓትት ኢዩ። ካብቲ ናይ ቅድም ንላዕሊ ኣብ ግዜ ጥሮታ ገለ እትገብሮ ነገራት ምልማድን ርእስኻ ምቕጻዕን ከድሊ ኢዩ። ስለዚ እምበኣር: ብስራሕ ትሑዛት ኩኑ። “ጻዕርኹም ብጐይታ ኸንቱ ኸም ዘይኰነ ፈሊጥኩም: ብዕዮ ጐይታ . . . ኵሉ ጊዜ ዕዙዛት ኩኑ።” (1 ቈረንቶስ 15:58) ንኻልኦት ንምሕጋዝ ንጥፈታትኩም ኣስፍሑ። (2 ቈረንቶስ 6:13) ብዙሓት ክርስትያናት ከምቲ ዓቕሞም ዘፍቅደሎም ነቲ ብስራት ብቕንኢ ይሰብኩ ኢዮም። ብዕድመ እናደፋእኩም ክትከዱ ከሎኹም ‘ብእምነት: ብፍቕሪ: ብትዕግስቲ ጥዑያት ኩኑ።’—ቲቶስ 2:2
ናይ ሓዳር ብጻይ ምስ ዝመውት ነቲ ግድል ምፍትሑ
20, 21. (ሀ) ኣብዚ ኣገባብ እዚ: ውዒሉ ሓዲሩ ንሰብኣይን ሰበይትን እንታይ ኢዩ ዝፈላልዮም፧ (ለ) ሃና ነቶም ናይ መርዓ ብጻዮም ዝሞቶም ሓዘንተኛታት ጽቡቕ ኣብነት እትኸውን ብኸመይ ኢያ፧
20 ኣብዚ ኣገባብ እዚ እተመርዓዉ ሰባት ውዒሉ ሓዲሩ ብሞት ይፋላለዩ ምዃኖም ዘሕዝን ሓቂ ኢዩ። እቶም ናይ መርዓ ብጻዮም ዝሞቶም ክርስትያናት እቲ ዘፍቅርዎ ሰብ ደቂሱ ምህላዉ ይፈልጡ ኢዮም: ሓደ መዓልቲ ክርእይዎ ምዃኖም ድማ ይተኣማመኑ ኢዮም። (ዮሃንስ 11:11, 25) እንተዀነ ግን: እቲ ኵነታት ብሓቂ የሕዝኖም ኢዩ። እቲ ብህይወት ዘሎ ነቲ ኵነታት ብኸመይ ብዓወት ክዋጽኣሉ ይኽእል፧a
21 ሓንቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘላ ሰበይቲ እንታይ ከም ዝገበረት ምዝካር ክሕግዝ ይኽእል ኢዩ። ሃና ምስ ተመርዓወት ድሕሪ ሸውዓተ ዓመት መበለት ኰነት: ብዛዕብኣ ምስ እነንብብ ዕድሚኣ 84 ከም ዝነበረ ንርኢ። ሰብኣያ ምስ ሞታ ከም ዝሓዘነት ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና። ብኸመይ ተዋጽኣትሉ፧ ኣብቲ ቤት መቕደስ ንየሆዋ ለይትን መዓልትን ቅዱስ ኣገልግሎት ተቕርበሉ ነበረት። (ሉቃስ 2:36-38) እቲ ሃና ጸሎት እተሓወሶ ኣገልግሎት ብምግባር እተሕልፎ ዝነበረት ናብራ ነቲ ብሰንኪ መበለት ምዃና ዝነበራ ጓህን ጽምዋን ዓቢ ፈውሲ ከም ዝነበረ ዘጠራጥር ኣይኰነን።
22. ገለ መበለታትን ኣንስቶም ዝሞትኦምን ንጽምዋ ብዓወት እተዋጽእሉ ብኸመይ ኢዮም፧
22 ሓንቲ ቅድሚ ዓሰርተ ዓመታት መበለት ዝዀነት 72 ዝዕድሜኣ ሰበይቲ ከምዚ ኢላ ትገልጽ:- “እቲ ንዓይ ዝዓበየ ብድሆ ዝዀነኒ መዛርብቲ ብጻይ ምስኣን ኢዩ። በዓል ቤተይ ጽን ኢሉ ዝሰምዕ ሰብኣይ ኢዩ ነይሩ። ብዛዕባ ጉባኤን ኣብቲ ኣገልግሎት ዝነበረና ግደን ነዕልል ነበርና።” ካልእ መበለት ድማ ከምዚ በለት:- “ዋላ እኳ ግዜ እናሓለፈ ምስ ከደ ዝሓዊ ነገር እንተዀነ: እቲ ንሓደ ሰብ ንኽሓዊ ዝሕግዞ ኣጠቓቕማ ግዜኡ ምዃኑ ዝያዳ ሓቂ ኰይኑ ረኺበዮ። ንኻልኦት ንኽትሕግዝ ዝቐለለ ኢዩ ዝዀነልካ።” ሓደ ሰበይቱ ዝሞተቶ ወዲ 67 ዓመት ድማ “ንሓዘን ብዓወት ንኽትዋጽኣሉ ዝሕግዝ ዝበለጸ መገዲ: ንኻልኦት ምጽንናዕ ኢዩ” ብምባል ይሰማማዕ።
ኣብ ግዜ እርጋን ኣምላኽ ኣኽቢሩ ኢዩ ዝርእየኩም
23, 24. መጽሓፍ ቅዱስ ነቶም ብዕድመ ዝደፍኡ ሰባት: ብፍላይ ድማ ነቶም ናይ መርዓ ብጻዮም ዝሞቶም: እንታይ ዓቢ መጸናንዒ ኢዩ ዝህብ፧
23 ሞት እተፍ ቅሮ ሰብ ዝወስድ እኳ እንተዀነ: የሆዋ ግን ኵሉ ግዜ እሙንን ዘይልወጥን ኰይኑ ኢዩ ዝነብር። እቲ ብግዜ ጥንቲ ዝነበረ ንጉስ ዳዊት ከምዚ ብምባል ዘመረ:- “ንእግዚኣብሄር ሓንቲ ነገር ለሚንዮ: ውቃበ እግዚኣብሄር ንምርኣይ: መቕደሱውን ንምምርማርሲ ምሉእ ዕድመይ ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ክነብር ደልየ አሎኹ።”—መዝሙር 27:4
24 ሃዋርያ ጳውሎስ “ነተን መበለታት: ብሓቂ መበለታት ዝዀና ኣኽብረን” ብምባል ኣተባቢዑ ኣሎ። (1 ጢሞቴዎስ 5:3) እቲ ነዚ ትምህርቲ እዚ ስዒቡ ተዋሂቡ ዘሎ ምኽሪ እተን ናይ ቀረባ ዘመድ ዘይብለን ዝግብአን መበለታት ካብታ ጉባኤ ዘድሊ ስጋዊ ደገፍ ክረኽባ ይኽእላ ኢየን። ይኹን እምበር: እቲ “ኣኽብረን” ዝብል መምርሒ ዝለዓለ ግምት እውን ምሃብ ዘስምዕ ኢዩ። ንኣምላኽ ዝፈርሃ መበለታትን ኣንስቶም ዝሞትኦምን የሆዋ ኣኽቢሩ ይርእዮምን ከናብሮምን ምዃኑ ብምፍላጥ ዓቢ ምጽንናዕ ኢዮም ዝረኽቡ!—ያእቆብ 1:27
25. ነቶም ብዕድመ ዝደፍኡ ገና እንታይ ሸቶ ኢዩ ዘለዎም፧
25 እቲ መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶ ቃል ‘ሸያብ ጸጕሪ ክብረት ኢዩ’ ይብል። ‘ኣብ መገዲ ጽድቂ ክርከብ [ከሎ ድማ] ዘውዲ’ ኢዩ። (ምሳሌ 16:31፣ 20:29) ስለዚ እምበኣር: ምርዑዋት ኩኑ እንደገና ንጽል ዝዀንኩም ንኣገልግሎት የሆዋ ኣብ ህይወትኩም ቀዳምነት ምሃብ ቀጽሉ። ከምዚ ብምግባር ሕጂ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ጽቡቕ ስም ይህልወኩም: ንመጻኢ ድማ ኣብታ ብሰንኪ እርጋን ዝመጽእ ስቓይ ዘይህልወላ ሓዳስ ዓለም ንዘለኣለም ናይ ምንባር ተስፋ ኣለኩም።—መዝሙር 37:3-5፣ ኢሳይያስ 65:20
a ብዛዕባ እዚ ኣርእስቲ እዚ ዝያዳ ሓሳባት ንምርካብ ነታ ብማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ መጽሓፍ ቅዱስን ትራክትን ትካል ኒው ዮርክ እተሓትመት እተፍ ቅርዎ ሰብ ምስ ዝመውት እትብሃል ብሮሹር ርኣዩ።