ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • rq ትምህርቲ 12 ገጽ 24-25
  • ንህይወትን ደምን ኣኽብሮት ምርኣይ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ንህይወትን ደምን ኣኽብሮት ምርኣይ
  • ኣምላኽ ካባና ዝደልዮ ብቕዓት እንታይ ኢዩ፧
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ንህይወት ኣኽብሮት ኣርኢ
    መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይምህረና፧
  • ከምቲ ኣምላኽ ብዛዕባ ህይወት ዘለዎ ኣረኣእያ ይሃሉኻ
    መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ እንታይ እዩ ዚምህር፧
  • ንህይወት ከምቲ ኣምላኽ ዜኽብራ ጌርካ ዲኻ እተኽብራ፧
    ኣብ ፍቕሪ ኣምላኽ ብኸመይ ትጸንዕ፧
  • ንህይወት ከምቲ ኣምላኽ ዜኽብራ ጌርካ ዲኻ እተኽብራ፧
    “ንርእስኹም ብፍቕሪ ኣምላኽ ሓልውዋ”
ኣምላኽ ካባና ዝደልዮ ብቕዓት እንታይ ኢዩ፧
rq ትምህርቲ 12 ገጽ 24-25

ትምህርቲ 12

ንህይወትን ደምን ኣኽብሮት ምርኣይ

ንህይወት (1) ንምንጻል ጥንሲ (1) ብኸመይ ክንርእዮ ኣለና፧

ክርስትያናት ካብ ሓደጋ ንኽድሕኑ ጥንቁቓት ምዃኖም ብኸመይ ኢዮም ዘርእዩ፧ (2)

እንስሳታት ምቕታል ጌጋ ድዩ፧ (3)

ገለ ካብቲ ንህይወት ኣኽብሮት ዘየርኢ ተግባራት እንታይ ኢዩ፧ (4)

ንደም ዝምልከት ሕጊ ኣምላኽ እንታይ ኢዩ፧ (5)

እዚኸ ምትሕልላፍ ደም ዘጠቓልል ድዩ፧ (6)

1. የሆዋ ናይ ህይወት ምንጪ ኢዩ። ኵሎም ህያዋን ፍጥረታት ህይወቶም ካብ ኣምላኽ ኢያ። (መዝሙር 36:⁠9) ህይወት ንኣምላኽ ቅድስቲ ኢያ። ህይወት ናይቲ ኣብ ከብዲ ኣዲኡ ዘሎ ዘይተወልደ ቈልዓ እውን ከይተረፈ ንየሆዋ ክብርቲ ኢያ። ንኸምዚ ዝበለ ዝዓቢ ዘሎ ቈልዓ ደይ መደይ ኢልካ ምቕታል ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ጌጋ ኢዩ።​—⁠ዘጸኣት 21:⁠22, 23፣ መዝሙር 127:⁠3

2. ናይ ሓቂ ክርስትያናት ካብ ሓደጋ ንኽድሕኑ ጥንቁቓት ኢዮም። ማኪናታቶምን ኣባይቶምን ጥዑይ ምዃኑ የረጋግጹ ኢዮም። (ዘዳግም 22:⁠8) ኣገልገልቲ ኣምላኽ ንባህታ ወይ ድማ ንምግራም ኢሎም ብዘየድሊ ብህይወት ኣይጻወቱን ኢዮም። ስለዚ ድማ ደይመደይ ኢሎም ንኻልኦት ኣብ ዝጐድእ ዓይነት ስፖርት ኣይካፈሉን ኢዮም። ዓመጽ ዘተባብዕ መዘናጊዒታት የርሕቑ ኢዮም።​—⁠መዝሙር 11:⁠5፣ ዮሃንስ 13:⁠35

3. ናይ እንስሳ ህይወት እውን ንፈጣሪ ቅዱስ ኢዩ። ሓደ ክርስትያን ንመግቢ ከምኡውን ንኽዳን ኢሉ ወይ ድማ ንገዛእ ርእሱ ካብ ሕማምን ሓደጋን ንምክልኻል ኢሉ እንስሳታት ይቐትል ይኸውን። (ዘፍጥርት 3:21፣ 9:3፣ ዘጸኣት 21:⁠28) እንተዀነ ግን: ንእንስሳታት ብሕማቕ ምሓዝ ወይ ድማ ንስፖርት ወይ ንምዝንጋዕ ኢልካ ምቕታል ግን ጌጋ ኢዩ።​—⁠ምሳሌ 12:⁠10

4. ሽጋራ ምትካኽ: ቤተል ናት ምሕያኽ: ከምኡውን ንመዘናግዘዒ ኢልካ ሓሽሽ ምውሳድ ንክርስትያናት ግቡእ ኣይኰነን። እዚ ተግባራት እዚ ጌጋ ኢዩ ምኽንያቱ (1) ባርይኡ ይገብረና (2) ንኣካላትና ይጐድኦ: ከምኡውን (3) ርኹስ ኢዩ። (ሮሜ 6:⁠19፣ 12:⁠1፣ 2 ቈረንቶስ 7:⁠1) ነዚ ተግባራት እዚ ክትገድፍ ከቢድ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። እንተዀነ ግን: ንየሆዋ ባህ ከነብል ኢልና ክንገብሮ ይግብኣና።

5. ደም እውን ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ቅዱስ ኢዩ። ኣምላኽ እታ ነፍሲ ወይ ድማ ህይወት ኣብ ደም ኢያ ዘላ በለ። ስለዚ ደም ምብላዕ ጌጋ ኢዩ። ናይ ሓደ ደሙ ብግቡእ ዘይፈሰሰ እንስሳ ስጋ ምብላዕ እውን ጌጋ ኢዩ። ሓደ እን​ስሳ ምስ ዝሓልቕ ወይ ድማ ብመፈንጠራ ተታ​ሒዙ ምስ ዝመውት: ስግኡ ክብላዕ የብሉን። ብዂናት ወይ ድማ ብጥይቲ ምስ ዝውጋእ: ክብላዕ እንተድኣ ኰይኑ ቀልጢፉ ደሙ ክፈስስ ኣለዎ።​—ዘፍጥረት 9:⁠3, 4፣ ዘሌዋውያን 17:⁠13, 14፣ ግብሪ ሃዋርያት 15:⁠28, 29

6. ምትሕልላፍ ደምከ ጌጋ ድዩ፧ የሆዋ ካብ ደም ክንሕሎ ከም ዝደልየና ዘክር። እዚ ድማ ብዝዀነ ይኹን መገዲ ናይ ካልኦት ደም ወይ ናይ ገዛእ ርእስና እተቐመጠ ደም እውን ይኹን ናብ ኣካላትና ከነእቱ የብልናን ማለት ኢዩ። (ግብሪ ሃዋርያት 21:⁠25) ስለዚ ድማ ናይ ሓቂ ክርስትያናት ደም ምትሕልላፍ ኣየፍቅዱን ኢዮም። ከም እኒ ደም ብዘይብሎም ውጽኢታት ገይርካ ዝግበር ካልእ ዓይነት ሕክምና ክግበረሎም ይቕበሉ ኢዮም። ክነብሩ ይደልዩ ኢዮም: እንተዀነ ግን: ሕጊ ኣምላኽ ብምፍራስ ህይወቶም ከድሕኑ ኣይፍትኑን ኢዮም።​—ማቴዎስ 16:⁠25

[ኣብ ገጽ 25 ዘሎ ስእልታት]

ንኣምላኽ ባህ ምእንቲ ከነብሎ ምትሕልላፍ ደም: ርኹስ ኣመላት: ከምኡውን ኣብ ዘየድሊ ሓደጋታት ምእታው ከነርሕቕ ኣለና

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ