ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • rq ትምህርቲ 13 ገጽ 26-27
  • ነታ ሓቀኛ ሃይማኖት ብኸመይ ኢኻ ክትረኽባ እትኽእል፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ነታ ሓቀኛ ሃይማኖት ብኸመይ ኢኻ ክትረኽባ እትኽእል፧
  • ኣምላኽ ካባና ዝደልዮ ብቕዓት እንታይ ኢዩ፧
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ንናይ ሓቂ ኣምልኾ ብኸመይ ከተለልዮ ትኽእል፧
    ብስራት ኣምላኽ
  • ንናይ ሓቂ ኣምልኾ ብኸመይ ከተለልዮ ትኽእል፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2011
  • ኣምላኽ ዚቕበሎ ኣምልኾ
    መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ እንታይ እዩ ዚምህር፧
  • ነታ ሓቀኛ ሃይማኖት ምልላያ
    ኣብ ገነት ኣብ ምድሪ ንዘለኣለም ምንባር ትኽእል ኢኻ
ዝያዳ ርአ
ኣምላኽ ካባና ዝደልዮ ብቕዓት እንታይ ኢዩ፧
rq ትምህርቲ 13 ገጽ 26-27

ትምህርቲ 13

ነታ ሓቀኛ ሃይማኖት ብኸመይ ኢኻ ክትረኽባ እትኽእል፧

ኵለን ሃይማኖታት ንኣምላኽ ባህ የብልኦዶ ኢየን: ወይስ ሓንቲ ኢያ ባህ እተብሎ፧ (1)

ክርስትያናት ኢና ዝብላ ብዙሓት ሃይማኖታት ዘለዋ ስለምንታይ ኢዩ፧ (2)

ሓቀኛታት ክርስትያናት ከተለልዮም እትኽእል ብኸመይ ኢዩ፧ (3-7)

1. የሱስ ሓንቲ ሓቀኛ ክርስትያናዊት ሃይማኖት ኢዩ መስሪቱ። ስለዚ እምበኣር ሎሚ ሓንቲ ኣካል ወይ ጕጅለ ናይ ሓቀኛታት ኣምለኽቲ የሆዋ ኣምላኽ ጥራይ ኢያ ክትህሉ ዘለዋ። (ዮሃንስ 4:⁠23, 24፣ ኤፌሶን 4:⁠4, 5) መጽሓፍ ቅዱስ ኣብታ ናብ ህይወት እትወስድ ጸባብ መገዲ ዘለዉ ውሑዳት ሰባት ጥራይ ምዃኖም ኢዩ ዝምህር።​—ማቴዎስ 7:⁠13, 14

2. መጽሓፍ ቅዱስ ድሕሪ ሞት ናይቶም ሃዋርያት: ጌጋ ትምህርትታትን ዘይክርስትያናዊ ተግባራትን ቀስ ኢሉ ኣብታ ክርስትያናዊት ጉባኤ ክኣቱ ምዃኑ ኣቐዲሙ ነጊሩ ነበረ። ንኣመንቲ ኣብ ክንዲ ንክርስቶስ ንሰባት ክስዕቡ ክስሕብዎም ኢዮም። (ማቴዎስ 7:⁠15, 21⁠-​23፣ ግብሪ ሃዋርያት 20:⁠29, 30) ስለዚ ድማ ኢና ክርስትያናት ኢና ዝብላ ብዙሓት እተፈላለያ ሃይማኖታት ንርኢ ዘለና። ንሓቀኛታት ክርስትያናት ብኸመይ ኢና ከነለልዮም እንኽእል፧

3. እታ ኣዝያ ጕልሕቲ መለለይት ናይ ሓቀኛታት ክርስትያናት ኣብ መንጎኦም ናይ ሓቂ ፍቕሪ ምህላዋ ኢዩ። (ዮሃንስ 13:⁠34, 35) ካብ ካልእ ዓሌት ወይ ካልእ ዝሕብሮም ሰባት እተፈልዩ ከም ዝዀኑ ገይሮም ክሓስቡ ኣይተማሃሩን። ናይ ካልእ ሃገር ሰባት ክጸልኡ እውን ኣይተማሃሩን። (ግብሪ ሃዋርያት 10:⁠34, 35) ስለዚ ድማ ኣብ ውግኣት ኣይካፈሉን ኢዮም። ሓቀኛታት ክርስትያናት ንሓድሕዶም ከም ኣሕዋትን ኣሓትን ኢዮም ዝረኣኣዩ።​—1 ዮሃንስ 4:⁠20, 21

4. ካልእ መለለዪ ናይ ሓቀኛ ሃይማኖት እቶም ኣባላታ ንመጽሓፍ ቅዱስ ዓሚቝ ኣኽብሮት ዘለዎም ኢዮም። ከም ቃል ኣምላኽ ገይሮም ይቕበልዎ: ነቲ ዝብሎ ድማ ይኣምንዎ ኢዮም። (ዮሃንስ 17:⁠17፣ 2 ጢሞቴዎስ 3:⁠16, 17) ንቓል ኣምላኽ ካብ ናይ ሰብ ሓሳባት ወይ ድማ ልምድታት ዝለዓለ ገይሮም ኢዮም ዝርእይዎ። (ማቴዎስ 15:⁠1⁠-​3, 7⁠-​9) ኣብ መዓልታዊ ህይወቶም ምስ መጽሓፍ ቅዱስ ተሰማሚዖም ክነብሩ ኢዮም ዝጽዕሩ። ስለዚ ድማ ዝሰብክዎን ዝገብርዎን ነንበይኑ ኣይኰነን።​—⁠ቲቶስ 1:⁠15, 16

5. ሓቀኛ ሃይማኖት ስም ኣምላኽውን ከተኽብር ይግብኣ። (ማቴዎስ 6:⁠9) የሱስ ነቲ የሆዋ ዝብል ስም ኣምላኽ ካልኦት ከም ዝፈልጥዎ ገይሩ ኢዩ። ሓቀኛታት ክርስትያናት እውን ከምኡ ክገብሩ ይግብኦም። (ዮሃንስ 17:⁠6, 26፣ ሮሜ 10:⁠13, 14) ኣብቲ እትነብረሉ ዘሎኻ ማሕበረሰብ ዝርከቡ ንኻልኦት ብዛዕባ ስም ኣምላኽ ዝነግሩ መን ኢዮም፧

6. ሓቀኛታት ክርስትያናት ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ክሰብኩ ይግብኦም። የሱስ ከምኡ ኢዩ ገይሩ። ኵሉ ግዜ ብዛዕባ እታ መንግስቲ ይዛረብ ነይሩ። (ሉቃስ 8:⁠1) ንደቀ መዛሙርቱ ነዚ መልእኽቲ እዚ ኣብ ኵላ ምድሪ ክሰብክዎ ኣዚዝዎም ኢዩ። (ማቴዎስ 24:⁠14፣ 28:⁠19, 20) ሓቀኛታት ክርስትያናት ኣብዛ ምድሪ እዚኣ ናይ ሓቂ ሰላምን ድሓንን ከተምጽእ እትኽእል መንግስቲ ኣምላኽ ጥራይ ምዃና ይኣምኑ ኢዮም።​—መዝሙር 146:⁠3⁠-​5

7. ናይ የሱስ ደቀ መዛሙርቲ ክፍሊ ናይዛ እክይቲ ዓለም ክዀኑ ኣይግባእን። (ዮሃንስ 17:⁠16) ኣብ ናይ ዓለም ፖለቲካዊ ጕዳያትን ናይ ማሕበረሰብ ምግርጫዋትን ኣይኣትዉን ኢዮም። ነቲ ኣብ ዓለም ዘሎ ልሙድ ዝዀነ ጐዳኢ ጠባያት: ተግባራት: ከምኡውን ኣረኣእያታት የርሕቑ ኢዮም። (ያእቆብ 1:⁠27፣ 4:⁠4) ከምዚ ዝኣመሰለ ናይ ሓቀኛ ክርስትና መለለይታት ዘለዎም ኣብቲ እትነብረሉ ማሕበረሰብ ዘለዉ ሃይማኖታውያን ጕጅለ ክትፈልጦም ምኸኣልካዶ፧

[ኣብ ገጽ 26, 27 ዘሎ ስእልታት]

ሓቀኛታት ክርስትያናት ንሓድሕዶም ይፋቐሩ: ንመጽሓፍ ቅዱስ የኽብሩ: ከምኡውን ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ይሰብኩ ኢዮም

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ