ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • gf ትምህርቲ 9 ገጽ 15
  • ኣዕሩኽ ኣምላኽ መን እዮም፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ኣዕሩኽ ኣምላኽ መን እዮም፧
  • ዓርኪ ኣምላኽ ክትከውን ትኽእል ኢኻ!
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ብሚልዮናት ዚቝጸሩ መንፈሳውያን ፍጡራት
    መናፍስቲ ምዉታት ኪረድኡኻ ወይ ኪጐድኡኻ ይኽእሉዶ፧ ንምዃኑ ኣለዉዶ፧
  • መላእኽቲ —“መናፍስቲ ኣገልግሎት”
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2009
  • መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2014
  • መላእኽቲ ክሕግዙኻ ዝኽእልሉ መገዲ
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1998
ዝያዳ ርአ
ዓርኪ ኣምላኽ ክትከውን ትኽእል ኢኻ!
gf ትምህርቲ 9 ገጽ 15

ትምህርቲ 9

ኣዕሩኽ ኣምላኽ መን እዮም፧

እቲ ንጉስ መንግስቲ ኣምላኽ ዝዀነ የሱስ ክርስቶስን መላእኽትን ንዕዮ ስብከት ይመርሕዎ

የሱስ ክርስቶስ ወዲ የሆዋን እቲ ናይ ማሕርሮ ፍቑር ዓርኩን እዩ። የሱስ ሰብ ኰይኑ ኣብ ምድሪ ቕድሚ ምንባሩ: ሓያል መንፈሳዊ ፍጡር ኰይኑ ኣብ ሰማይ ይነብር ነበረ። (ዮሃንስ 17:5) ብድሕርዚ ንሰባት ብዛዕባ ኣምላኽ እቲ ሓቂ ንኽምህር ናብ ምድሪ መጸ። (ዮሃንስ 18:37) ንእዙዛት ሰባት ካብ ሓጢኣትን ሞትን ከድሕኖም ኢሉ ድማ ሰብኣዊ ህይወቱ ሃበ። (ሮሜ 6:23) ኣብዚ ግዜ እዚ የሱስ ንጉስ ናይታ ኣብ ምድሪ ገነት እተምጽእ ሰማያዊት መንግስቲ ኣምላኽ እዩ።—ራእይ 19:16

መላእኽቲ እውን ኣዕሩኽ ኣምላኽ እዮም። መላእኽቲ ኸም ሰባት ኣብ ምድሪ ኣይነብሩን እዮም። ኣምላኽ ንምድሪ ቅድሚ ምፍጣሩ እዮም ኣብ ሰማይ ተፈጢሮም። (እዮብ 38:4-7) ብሚልዮናት ዝቝጸሩ መላእኽቲ ኣለዉ። (ዳንኤል 7:10) እዞም ሰማያውያን ኣዕሩኽ ኣምላኽ: ሰባት ብዛዕባ የሆዋ ሓቂ ኽመሃሩ እዮም ዝደልዩ።—ራእይ 14:6, 7

ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንሓንቲ ሰበይቲ ይምስክሩላ

ኣምላኽ ኣብዛ ምድሪ እውን ኣዕሩኽ ኣለዉዎ: መሰኻኽረይ ኢሉ ድማ ይጽውዖም። ሓደ ምስክር ኣብ ቤት ፍርዲ ቐሪቡ ብዛዕባ ሓደ ሰብ ወይ ሓደ ነገር ዝፈልጦ ይነግር። ናይ የሆዋ መሰኻኽር ከኣ ንኻልኦት ሰባት ብዛዕባ የሆዋን ዕላማታቱን ይነግሩ። (ኢሳይያስ 43:10) እዞም መሰኻኽር እዚኣቶም ልክዕ ከም መላእኽቲ ብዛዕባ የሆዋ ሓቂ ኽምህሩኻ እዮም ዝደልዩ። ንዓኻውን ዓርኪ ኣምላኽ ክትከውን እዮም ዝደልዩኻ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ