መጽናዕቲ 9
ድምጺ ምልውዋጥ
ቃላትን ሓረጋትን ምጕላሕካ: ሰማዕትኻ ነቲ እትብሎ ንኺርድእዎ ይሕግዞም። ንመጠን ድምጽኻን ፍጥነትካን ቃናኻን ምልውዋጥካ ግን: መደረኻ ንምስማዕ ባህ ዜብል ይገብሮ። እዚ ጥራይ ዘይኰነ እውን: ንሰማዕትኻ ብዛዕባ እቲ እትብሎ ነገራት ከመይ ከም ዚስምዓካ ይሕብሮም እዩ። ንስኻ ነቲ ትምህርቲ ዘሎካ ኣረኣእያ: ነቲ ንሳቶም ዚህልዎም ስምዒት ኪጸልዎ ይኽእል እዩ። እዚ ኸኣ ኣብቲ ኻብ መድረኽ እትህቦ መደረን ንሓደ ውልቀ-ሰብ ኣብ ኣገልግሎት እትዛረቦ ዘረባን ይዓዪ እዩ።
ድምጺ ወድሰብ ኣዝዩ ብዙሕ ዝዓይነቱ ደሃይ ኬውስእ ስለ ዚኽእል: ብሓቂ ዜደንቕ እዩ። ብዚግባእ ምስ እንጥቀመሉ: ነቲ እትዛረቦ ነገር ህያው ኪገብሮ: ልቢ ኺትንክፍ: ስምዒት ኬለዓዕል: ኣብ ግብሪ ንምውዓል ድማ ኪድርኽ ይኽእል እዩ። ይኹን እምበር: መጠን ድምጽኻ እተመዓራርየሉ: ፍጥነትካ እትለዋውጠሉ: ወይ ቃናኻ እትቐያይረሉ ቦታ ምልክት ብምግባር ጥራይ ነዚ ሸቶ እዚ ኽትወቅዕ ኣይትኽእልን ኢኻ። በዚ ኸምዚ ዝኣመሰለ ምልክታት ተመሪሕካ እትገብሮ ምልውዋጥ ድምጺ ባህርያዊ ኣይከውንን እዩ። ንመደረኻ ህያውን ባህ ዜብልን ኣብ ክንዲ ዚገብሮ: ንሰማዕትኻ ቕጭ ኬምጽኣሎም ይኽእል እዩ። ድምጺ ብዚግባእ ምልውዋጥ: ካብ ልቢ እዩ ዚምንጭ።
ሓደ ተዛራባይ ኣዘውቲሩ ድምጹ ዚለዋውጥ እንተ ዀይኑ: ዘየድሊ ኣቓልቦ ናብ ርእሱ ኣይስሕብን እዩ። እኳ ደኣስ: ሰማዕቲ ንመንፈስ እቲ ዚግለጽ ዘሎ ርእሰ ነገር ንኺርድኦም ይሕግዝ።
መጠን ድምጽኻ ኣመዓራሪ። ሓደ ኻብቲ ድምጽኻ እትለዋውጠሉ መገዲ: መጠኑ ብምምዕርራይ እዩ። እዚ ግን ስቕ ኢልካ ብሃውሪ ዓው ወይ ቀስ ምባል ኪኸውን የብሉን። ከምዚ ምግባር ንመንፈስ እቲ እትዛረቦ ዘረባ ኺጠውዮ ይኽእል እዩ። ብዙሕ ሳዕ መጠን ድምጽኻ እትውስኽ እንተ ዄንካ: ባህ ዜብል ኣይከውንን እዩ።
ድምጽኻ ነቲ እተቕርቦ ትምህርቲ ዚሰማማዕ ኪኸውን ኣለዎ። ከም ኣብ ራእይ 14:6, 7 ወይ ራእይ 18:4 ዚርከብ ዝኣመሰለ ህጹጽ ትእዛዝ: ወይ ከም ኣብ ዘጸኣት 14:13, 14 ዚርከብ ዝኣመሰለ ሓያል መግለጺ እምነት ኣብ እተንብበሉ እዋን: ብዚግባእ መጠን ድምጽኻ ኽትውስኽ ኣሎካ። ብተመሳሳሊ: ከም ኣብ ኤርምያስ 25:22-38 ዚርከብ ዝኣመሰለ ሓያል ኵነኔ ኻብ መጽሓፍ ቅዱስ ተንብብ እንተ ኣሊኻ: መጠን ድምጽኻ ምልውዋጥካ ገሊኡ መግለጺታት ካብ ካልእ ብዝያዳ ኸም ዚንጽር ይገብር።
ዕላማኻ እውን ኣብ ግምት ኣእቱ። ሰማዕትኻ ኣብ ግብሪ ንኼውዕልዎ ኸተለዓዕሎም ዲኻ እትደሊ፧ ነቲ ቐንዲ ነጥብታት ከተጕልሖ ዲኻ እትደሊ፧ ብምስትውዓል መጠን ድምጽኻ ምውሳኽካ: ነዚ ዕላማ እዚ ንኽትወቅዕ ይሕግዘካ። ይኹን እምበር: ድምጽኻ ስቕ ኢልካ ምውሳኽ: ዕላማኻ ንኸይትወቅዕ ኬጓናድበካ ይኽእል። ብኸመይ፧ እቲ እትብሎ ዘለኻ ነገር: ድምጽኻ ኣብ ክንዲ ምውሳኽ: ምዉቕን ስምዒት ብዜንጸባርቕን መገዲ ኽትዛረቦ ይሓትት ይኸውን። ነዚ ኣብ መጽናዕቲ 11 ኽንርእዮ ኢና።
ብምስትውዓል ድምጽኻ ምንካይ እውን ንሰማዕቲ ነቲ ቐጺልካ እትብሎ ሃንቀው ኢሎም ከም ዚጽበይዎ ኺገብሮም ይኽእል እዩ። መብዛሕትኡ ግዜ ግን ከምዚ ኽትገብር ከለኻ: ደድሕሪኡ ዝያዳ ብትርር ዝበለ ቓና ድምጺ ንኽትዛረብ ዚሓትት እዩ። ድምጽኻ ኣትሒትካ ነቲ ቓላት ኣትርር ኣቢልካ ምስ እትዛረብ: ጭንቀት ወይ ፍርሂ ኼመልክት ይኽእል እዩ። መጠን ድምጺ ምንካይ: እቲ ዚዝረብ ዘሎ ምስቲ ኣብ ከባቢኡ ዚርከብ ብምንጽጻር ካልኣይ ኣገዳስነት ከም ዘለዎ ኺሕብር ይኽእል እዩ። ድምጽኻ ወትሩ ትሑት እንተ ዀይኑ ግን: ምጥርጣር ከም ዘሎካ: እምነት ከም ዚጐድለካ: ወይ በቲ ርእሰ ነገር ብሓቂ ኸም ዘይትግደስ ኬምስል ይኽእል እዩ። እምበኣር: ንኣዝዩ ልዙብ ቃናታት ብምስትውዓል ክትጥቀመሉ ኣሎካ።
ፍጥነትካ ለዋውጥ። ኣብ መዓልታዊ ዘረባ: ሓሳባትና ኣብ እንገልጸሉ ህሞት እዩ ቓላትና ዚወጽእ። ክንሕጐስ ከለና: ቅልጥፍ ቅልጥፍ ኢልና ናይ ምዝራብ ዝንባለ ኣሎና። ሰባት ነቲ እንዛረቦ ብልክዕ ኪዝክርዎ ምስ እንደሊ: ቍሩብ ዝሕል ኢልና ኢና እንዛረብ።
ይኹን እምበር: ብዙሓት ሓደስቲ ተዛረብቲ ፍጥነት ኣዘራርባኦም ኣይቀያይሩን እዮም። ስለምንታይ፧ ንቓላቶም እምብዛ ተጠንቂቖም ስለ ዚዳለዉሉ እዩ። ኵሉ እቲ ዚብልዎ ይጽሕፍዎ ይዀኑ። እቲ መደረኦም ብንባብ መልክዕ ዋላ እንተ ዘየቕረብዎ: እቲ ቓላት ግን ብምሉኡ ሸምዲዶምዎ ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም። በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ ኵሉ ብሓደ ዓይነት ፍጥነት እዮም ዜቕርብዎ። ካብ ኣስተዋጽኦ መደረ ምቕራብ: ነዚ ድኽመት እዚ ንምዕራይ ይሕግዝ እዩ።
ብሃንደበት ድምጽኻ ኣይትወስኽ፣ ከምቲ ሓንቲ ቐስ ኢላ እትኸይድ ዝነበረት ድሙ: ከልቢ ምስ ረኣየት እትብቈጽ ኪመስል የብሉን። ኣዘራርባኻ ኽሳዕ ዚበላሾ ድማ ምሒር ኣይትፍጠን።
ፍጥነት ኣዘራርባኻ ንምቅይያር: ደድሕሪ እተወሰነ ቓላት ብሃውሪ ፍጥነትካ ኣይትወስኽን ኣይትነክን። እዚ ነቲ እተቕርቦ ኽፍሊ ኣብ ክንዲ ዜጸብቖ: መሊሱ እዩ ዜበላሽዎ። ምልውዋጥ ፍጥነት ምስቲ እትብሎ ዘለኻን ምስቲ ኸተመሓላልፎ ዝደለኻ ስምዒትን ምስቲ ዕላማኻን ኪሳነ ኣለዎ። መደረኻ ብእተመጣጠነ ፍጥነት ኣቕርቦ። ሓጐስ ንምግላጽ: ከምቲ ኣብ መዓልታዊ ናብራኻ እትገብሮ ብፍጥነት ተዛረብ። ብዙሕ ኣገዳስነት ዘይብሉ ነጥብታት ክትጠቅስ ከለኻ ወይ ብዝርዝር ኪግለጽ ዘየድሊ ፍጻመታት ከተዘንቱ ኸለኻ እውን ብፍጥነት ክትዛረብ ትኽእል ኢኻ። እዚ ኸኣ መደረኻ ሓደ ዓይነት ከም ዘይከውንን እምብዛ ኸም ዘይረዝንን ይገብሮ። በቲ ኻልእ ሸነኽ ግን: ኣገዳሲ መረዳእታታት: ቀንዲ ነጥብታት: ከምኡውን መዛዘሚ ነጥብታት ብዝተሓተ ፍጥነት ኪቐርብ ኣለዎ።
ቃናኻ ቐያይር። ሓደ ናይ ሙዚቃ መሳርሒ ንሓደ ሰዓት ኣቢሉ ዚጻወት ሰብ እሞ ኣብ ኣእምሮኻ ስኣል። ኣብ ኵሉ እዚ እዋን እዚ: ሓንቲ ኖታ ጥራይ እዩ ዚወቅዕ። ፈለማ ዓው ኣቢሉ: ጸኒሑ ቀስ ኣቢሉ: ሓንሳእ እናኣቐልጠፈ: ጸኒሑ ብህድኣት ይጻወት። ኣብ መጠንን ፍጥነትን እቲ ድምጺ ምልውዋጥ እኳ እንተ ገበረ: ኣብ ቃና ግን ለውጢ ብዘይምግባሩ: እቲ “ሙዚቃ” ኣይስሕብን እዩ። ብተመሳሳሊውን: ኣብ ቃና ድምጽኻ ለውጢ እንተ ዘየልዩ: ድምጽኻ ንእዝኒ ሰማዕቲ ባህ ዜብል ኣይከውንን እዩ።
ኣብ ቃና ዚግበር ምልውዋጥ: ኣብ ኵሉ ድምጽታት ሓደ ዓይነት ጽልዋ ኸም ዘይብሉ ምግንዛብ የድሊ። ኣብ ከም ቋንቋ ቻይና ዝኣመሰለ ኣብ ቃና እተመርኰሰ ቛንቋ: ቃና ምቕያር ንትርጕም ሓንቲ ቓል ኪቕይሮ ይኽእል እዩ። ይኹን እምበር: ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ቛንቋታት እውን ከይተረፈ: ሓደ ሰብ ኣብ ድምጹ ንዚንበብ መግለጺታት ንምቅይያር ኪገብሮ ዚኽእል ነገራት ኣሎ። ነቲ ቓና ዚጥቀመሉ መጠን ምስ ካልእ ብምንጽጻር ኬመሓይሾ ይኽእል እዩ። ስለዚ: ነቲ ቐጢን ቃና ብዝያዳ ኬቕጥኖ: ነቲ ረጒድ ቃና ኸኣ ብዝያዳ ኼርጕዶ ይኽእል እዩ።
ኣብቲ ኣብ ቃና ድምጺ ዘይምርኰስ ቋንቋታት እውን ከይተረፈ: ቃና ምቕያር እተፈላለየ ሓሳባት ኬመሓላልፍ ይኽእል እዩ። ንኣብነት: ቃና ድምጽኻ ቝሩብ ብምቕጣንን ድምጽኻ እውን ብምውሳኽን: ቃላትን ሓረጋትን ንምጕላሕ ክትጥቀመሉ ትኽእል ኢኻ። ወይ ከኣ ቃና ድምጺ ብምቅይያር መጠን ግዝፍን ርሕቀትን ኪግለጽ ይከኣል እዩ። ኣብ መወዳእታ ምሉእ ሓሳባት ቃና ድምጺ ብእተወሰነ ምቕያር ንሕቶ ኼመልክት ይኽእል እዩ። ኣብ ገሊኡ ቛንቋታት እዚ ዚቕየረሉ ኣገባብ: ካብቲ ናይ ካልእ ቋንቋታት እተፈልየ እዩ።
ሓጐስን ውዕዉዕ ስምዒትን ብቕጥን ዝበለ ድምጺ ይግለጽ ይኸውን። (ኣብቲ ኣብ ቃና እተመርኰሰ ቋንቋ: ዝያዳ ምቅይያር ደሃይ ብምጥቃም ኪግለጽ ይከኣል።) ጓህን ጭንቀትን ከኣ ብርጕድ ዝበለ ድምጺ ይግለጽ ይኸውን። (ወይ ኣብቲ ኣብ ቃና እተመርኰሰ ቛንቋ: ዝወሓደ ምቅይያር ደሃይ ብምጥቃም ኪግለጽ ይከኣል።) እቲ ኣብዚ ተጠቒሱ ዘሎ ስምዒታት: ነቲ ተዛራባይ ልቢ ንኺትንክፍ ዚሕግዞ እዩ። ነቲ ስምዒታት ክትገልጾ ምስ እትደሊ: ነቲ ቓላት ስቕ ኢልካ ጥራይ ኣይተድህዮ። ድምጽኻ ነቲ ኣብኡ ዘሎ ስምዒት ከም ዚስምዓካ ብዜርኢ ኣገባብ ተጠቐመሉ።
መሰረት ምንባር። ድምጺ ምልውዋጥ ካበይ ኣትሒዝካ ኢኻ እትጅምሮ፧ ካብቲ ንኽፍልኻ ዚኸውን ሓሳባት እትመርጸሉ ግዜ እዩ። ኵሉ እቲ እተቕርቦ ትምህርቲ መረዳእታ ወይ ማዕዳ ጥራይ እንተ ዀይኑ: ኣብ ኣቀራርባኻ ድምጽኻ ንምልውዋጥ ብዙሕ ኣጋጣሚ ኣይኪህልወካን እዩ። ስለዚ: ነቲ ኣስተዋጽኦኻ ተንትኖ: ባህ ዜብልን መሃርን ትምህርቲ ንምቕራብ ዜድልየካ ነገራት ከም ዝሓቘፈ ድማ ኣረጋግጽ።
ኣብ መንጎ እቲ መደረኻ: ጐተት ብምባልካ ድምጽኻ ኽትለዋውጥ ከም ዘሎካ ተሰሚዑካ ንበል። ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ዅነታት: እንታይ ኢኻ እትገብር፧ ኣቀራርባ እቲ ኽፍልኻ ቐይሮ። ብኸመይ፧ ሓደ ኻብቲ ነዚ እትገብረሉ መገዲ: መጽሓፍ ቅዱስ ብምግንጻል ነቶም ሰማዕትኻ መጽሓፍ ቅዱሶም ኪግንጽሉ ዓድሞም እሞ: ስቕ ኢልካ ኣብ ክንዲ እትዛረብ ጥቕሲ ኣንብብ። ወይ ገሊኡ ሓሳባት ናብ ሕቶ ቐይርካ ድሕሪ ምሕታት: ንምጕላሑ ሓንሳእ ኣዕርፍ። ቀሊል ምሳሌ ኣእቱ። ተመክሮ ዘለዎም ተዛረብቲ ነዚ ሜላ እዚ እዮም ዚጥቀሙ። እንተዀነ ግን: ዘሎካ ተመክሮ ብዘየገድስ: ክፍልኻ ኽትዳለወሉ ኸለኻ ነዚ ሓሳባት እዚ ኽትጥቀመሉ ትኽእል ኢኻ።
ድምጺ ምልውዋጥ ቀመም ናይ መደረ እዩ ኺበሃል ይከኣል እዩ። ድምጽኻ ብዚግባእ እንተ ለዋዊጥካ: ንኽፍልኻ መቐረት ይውስኸሉ: ንሰማዕትኻ ድማ ባህ ይብሎም።