ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • be መጽናዕቲ 30 ገጽ 186-ገጽ 189 ሕ.ጽ. 4
  • ንኻልእ ተገዳስነት ምርኣይ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ንኻልእ ተገዳስነት ምርኣይ
  • ካብ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት ተጠቐም
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ናይ ምዝርራብ ክእለትካ ብኸመይ ከም እተመሓይሽ
    ካብ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት ተጠቐም
  • ልቢ ንምትንካፍ ምጽዓር
    ካብ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት ተጠቐም
  • ግብራዊ ጥቕሚ ነጺሩ
    ኣብ ምንባብን ኣብ ምምሃርን ትጋህ
  • ነቲ ዓብዪ ገባር ወደ መዝሙር ምሰሎ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2007
ዝያዳ ርአ
ካብ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት ተጠቐም
be መጽናዕቲ 30 ገጽ 186-ገጽ 189 ሕ.ጽ. 4

መጽናዕቲ 30

ንኻልእ ተገዳስነት ምርኣይ

እንታይ ክትገብር ኣሎካ፧

ንኻልኦት ሰባት ብኣተሓሳስባኦምን ብድሕነቶምን ከም እትግደስ ኣርኢ።

ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

እዚ ነቲ የሆዋ ዘርኣየና ፍቕሪ እንቐድሓሉ ሓደ መገዲ እዩ። ንሓደ ሰብ ልቡ ንኽንትንክፎ እውን ኪሕግዘና ይኽእል እዩ።

ንሰባት ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ ኽንነግሮም ከለና: ንኣእምሮኦም ፍልጠት ካብ ምሃብ ንላዕሊ ኽንገብር የድልየና። ልቦም ክንትንክፍ የድሊ። ሓደ ኻብቲ ነዚ ኽንገብረሉ እንኽእል መገዲ ኸኣ ንሰማዕትና ልባዊ ተገዳስነት ምርኣይ እዩ። እዚ ተገዳስነት እዚ ብእተፈላለየ መገድታት ኪግለጽ ይከኣል እዩ።

ንኣረኣእያ ሰማዕትኻ ኣብ ግምት ኣእቱ። ሃዋርያ ጳውሎስ: ኣተዓባብያን ኣተሓሳስባን ሰማዕቱ ኣብ ግምት የእቱ ነበረ። ከምዚ ብምባል ከኣ ገለጸ:- “እቶም ኣይሁድ ምእንቲ ኽረብሕ: ምስ ኣይሁድ ከም ኣይሁዳዊ ዀንኩ። እቶም ትሕቲ ሕጊ ዘለዉ ምእንቲ ኽረብሕ ከኣ: ምስቶም ትሕቲ ሕጊ ዘለዉ— ባዕለይ እኳ ትሕቲ ሕጊ ዘይኰንኩ ኽነስይ:— ከምቲ ትሕቲ ሕጊ ዘሎ ዀንኩ። እቶም ሕጊ ዜብሎም ምእንቲ ኽረብሕሲ: ምስቶም ሕጊ ዜብሎም— ብሕጊ ክርስቶስ እምበር: ብዘይ ሕጊ ኣምላኽ ዘይኰንኩ ኽነሰይ:— ከምቶም ሕጊ ዜብሎም ኰንኩ። ኣነ እቶም ድኹማት ምእንቲ ኽረብሕ ድማ: ምስቶም ድኹማት ድኹም ኰንኩ። ብዅሉ መገዲ ንገሊኦም ምእንቲ ኸድሕን: ንዅላቶም ኵሉ ዀንኩ። እዚ ዅሉ ምእንቲ ወንጌል: ንርእሰይውን ካብኡ ኽካፈል ኢለ እየ ዝገብሮ ዘሎኹ።” (1 ቈረ. 9:20-23) ሎሚ ንሕና ‘ንዅላቶም ኵሉ ኽንከውን’ እንኽእል ከመይ ጌርና ኢና፧

ንሰባት ቅድሚ ምዝራብካ ንሕጽር ዝበለ ግዜ እውን እንተ ዀነ ንኽትዕዘቦም ኣጋጣሚ ኽትረክብ ከለኻ: ብዛዕባ ዜገድሶም ነገራትን ብዛዕባ ዅነታቶምን ዚሕብር ገለ ምልክታት ከተስተብህል ትኽእል ኢኻ። ሞያኦም እንታይ ምዃኑ ኽትፈልጥ ትኽእል ዲኻ፧ ዚኽተልዎ ሃይማኖት እንታይ ምዃኑ ዚሕብር ነገራት ርኢኻዶ፧ ብዛዕባ ዅነታት ስድራቤቶም ዚሕብር ነገራት ኣሎዶ፧ ብመሰረት እቲ እተዓዘብካዮ: ንኣቀራርባኻ ዝያዳ ኺስሕቦም ብዚኽእል መገዲ ኸተዐርዮ ምኸኣልካዶ፧

ኣቀራርባኻ ዚስሕብ ምእንቲ ኪኸውን ነቶም ኣብ ክልኻ ዘለዉ ሰባት ብኸመይ ከም እትቐርቦም ኣቐዲምካ ኽትሓስበሉ የድሊ። ኣብ ገሊኡ ኸባቢታት: እቲ ኽሊ ነቶም ካብ ወጻኢ ሃገራት ዚመጹ እውን ዜጠቓልል እዩ። ኣብ ክልኻ ኸምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ሰባት ዚነብሩ እንተ ደኣ ዀይኖም: ንኽትምስክረሎም ዜኽእለካ ውጽኢታዊ መገዲ ረኺብካዶ፧ ኣምላኽ “ኵሉ ሰብ ኪድሕን ናብ ፍልጠት ሓቂውን ኪመጽእ” ስለ ዚደሊ: ንዅሎም እትረኽቦም ሰባት ብዚስሕብ መገዲ መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ንኽትነግሮም ዕላማኻ ግበሮ።—1 ጢሞ. 2:4

ጽን ኢልካ ስማዕ። የሆዋ ንዅሉ ነገራት ኪፈልጥ ዚኽእል እኳ እንተ ዀነ: ካልኦት ኪዛረቡ ኸለዉ ጽን ኢሉ ይሰምዖም እዩ። ነብዪ ሚክያስ: የሆዋ ንመላእኽቲ ብዛዕባ ሓደ ጕዳይ ዚፍትሓሉ መገዲ ርእይቶኦም ንኺህቡ ኼተባብዖም ከሎ ብራእይ ርእይዎ እዩ። ቀጺሉ ኣምላኽ ንሓደ መልኣኽ ነቲ ዘቕረቦ ርእይቶ ኺፍጽሞ ፈቐደሉ። (1 ነገ. 22:19-22) ኣብርሃም ብዛዕባ እቲ ኣብ ልዕሊ ሶዶም ኪወርድ ዝነበሮ ናይ ጥፍኣት ፍርዲ ምስ ተሻቐለ: የሆዋ ብጸጋ ሰሚዕዎ እዩ። (ዘፍ. 18:23-33) ነቲ የሆዋ ጽን ኢሉ ብምስማዕ ዝገደፈልና ኣብነት ኣብ ኣገልግሎትና ብኸመይ ክንቀድሖ ንኽእል፧

ንኻልኦት ሓሳባቶም ኪገልጹ ኣተባብዓዮም። ግቡእ ሕቶ ሕተቶም: መልሲ ኽሳዕ ዚህቡኻ ኸኣ ተጸበዮም። ብሓቂ ጽን ኢልካ ስምዓዮም። ብተገዳስነት ኣቓልቦ ምሃብካ ብናጻ ንኺዛረቡ ኼተባብዖም እዩ። በቲ ዚህብዎ ምላሽ ዜገድሶም ነገራት እንተ ደኣ ገሊጾም: ብሜላ ጌርካ ተወሳኺ ሕቶ ሕተቶም። ንብሕታዊ ጕዳያቶም ዚትንክፍ ብዙሕ ሕቶታት ክትሓቶም እኳ እንተ ዘይብልካ: ኣጸቢቕካ ኽትፈልጦም ጽዓር። በቲ ዘቕረብዎ ሓሳባት ካብ ልብኻ ኽትንእዶም ትኽእል እንተ ደኣ ዄንካ ንኣዶም። ንርእይቶኦም ምስ ዘይትሰማምዓሉ እውን ከይተረፈ: ሓሳባቶም ብምግላጾም ብጸጋ ኣመስግኖም።—ቈሎ. 4:6

ይኹን እምበር: ንሰባት ዘሎና ተገዳስነት ሓጹር ከይሓልፍ ክንጥንቀቕ ኣሎና። ብዛዕባ ኻልኦት ክንግደስ ኣሎና ኺበሃል ከሎ ኣብ ብሕታዊ ጕዳያቶም ክንኣቱ ኣሎና ማለት ኣይኰነን። (1 ጴጥ. 4:15) ንሓደ ኣንጻር ጾታና ዝዀነ ሰብ በቲ ብሕያውነት እነርእዮ ሓልዮት ግጉይ ምርዳእ ከይነመሓላልፈሉ ኽንጥንቀቕ ኬድልየና እዩ። እቲ ንኻልኦት እተርእዮ ተገዳስነት ካብ ቦታ ናብ ቦታ: ኻብ ሰብ ናብ ሰብ እተፈላለየ ርእይቶ ስለ ዝወሃቦ: ሚዛናዊ ንምዃን ምስትውዓል ይሓትት።—ሉቃ. 6:31

ጽን ኢልካ ንኽትሰምዕ ኣቐዲምካ ምድላው ኪሕግዘካ ይኽእል እዩ። እቲ እነመሓላልፎ መልእኽቲ ኣብ ኣእምሮና ንጹር እንተ ደኣ ዀይኑ: ፍዅስ ንኺብለናን ንኻልኦት ከኣ ብባህርያዊ መገዲ ንኸነቕልበሎምን ኪሕግዘና እዩ። ሽዑ ንሳቶም እውን ፍዅስ ኢልዎም ምሳና ንኺዘራረቡ ኺተባብዑ እዮም።

ንኻልኦት ጽን ኢልና ብምስማዕ ከነኽብሮም ንኽእል ኢና። (ሮሜ 12:10) እዚ ኸኣ ንኣተሓሳስባኦምን ንስምዒቶምን ኣኽቢርና ኸም እንርእዮ ዜረጋግጸሎም እዩ። ነቲ እንዛረቦ ነገራት ብኣቓልቦ ንኺከታተሉና እውን ኪድረኹ እዮም። በዚ ምኽንያት እዚ ድማ ቃል ኣምላኽ ‘ንምስማዕ ቅልጡፍ: ንምዝራብ ደንጓዪ ኹን’ ኢሉ እዩ ዚመኽረና።—ያእ. 1:19

ካልኦት ዕቤት ንኺገብሩ ሓግዞም። ንኻልኦት ሓልዮት ነርኢ እንተ ደኣ ዄንና: ብዛዕባ እቶም ተገዳስነት ዘርኣዩ ሰባት ንኽንሓስብን ተመሊስና ብምብጻሕ ነቲ ዜድልዮም ነገራት ብቐጥታ ዜማልኣሎም ሓቅታት መጽሓፍ ቅዱስ ንኽንነግሮምን ንድረኽ ኢና። ንሰባት ተመሊስካ ኽትበጽሖም ክትሓስብ ከለኻ: ኣብ ዝሓለፈ ምብጻሕካ ብዛዕባኦም ዘስተብሃልካሉ ነገራት ሕሰበሉ። ብዛዕባ ዜገድሶም ርእሰ ነገር ተዳሎ። ካብቲ ትምህርቲ ኺረኽብዎ ዚኽእሉ ግብራዊ ጥቕሚ ብምጕላሕ: ብኸመይ ኪጥቀሙ ኸም ዚኽእሉ ኺግንዘቡ ሓግዞም።—ኢሳ. 48:17

እቲ እትዛረቦ ሰብ ኣብ ኣእምሮኡ ዜጨንቖ ዅነታት ወይ ጸገማት እንተ ደኣ ገሊጹልካ: እዚ ነቲ ብስራት ንኽትነግሮ ጽቡቕ ኣጋጣሚ ኸም ዝዀነ ጌርካ ተመልከቶ። ነቲ ንእተጨነቑ ንምጽንናዕ ወትሩ ድሉው ዝነበረ የሱስ ዝገደፈልና ኣብነት ስዓቦ። (ማር. 6:31-34) ብኡንብኡ መፍትሒ ወይ ከኣ ናይ ላዕለ ላዕሊ ምኽሪ ንምሃብ ኣይትጕየ። ከምዚ ምስ እትገብር: ነቲ ሰብ ካብ ልቢ ኸም ዘይተገደስካሉ ዀይኑ ኺስምዖ ይኽእል እዩ። ኣብ ክንዳኡ ደንግጸሉ። (1 ጴጥ. 3:8) ድሕሪኡ ኻብቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ጽሑፋት ምርምር ብምግባር: ነቲ ሰብ ንዅነታቱ ንኺዋጽኣሉ ኺሕግዞ ዚኽእል ሓበሬታ ኣካፍሎ። ነቲ ሰብ ፍቕራዊ ሓልዮት ተርእዮ እንተ ደኣ ዄንካ ኸኣ: ብቑዕ ምኽንያት ምስ ዚርከብ ጥራይ እንተ ዘይኰይኑ: ዝዀነ ይኹን ምስጢር ኣይክትቀልዓሉን ኢኻ።—ምሳ. 25:9

ብፍላይ ነቶም መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ እንመርሓሎም ሰባት ብሕታዊ ተገዳስነት ከነርእዮም ኬድልየና እዩ። ንነፍሲ ወከፍ መጽናዕቲ እትመርሓሉ ሰብ እንታይ ከም ዜድልዮ ብጸሎት ሕሰበሉ እሞ ነዚ ኣብ ግምት ብምእታው ተዳለወሉ። ‘እቲ ተመሃራይ ተወሳኺ መንፈሳዊ ዕቤት ንኺገብር እንታይ እዩ ኺገብር ዜድልዮ፧’ ኢልካ ንርእስኻ ሕተት። መጽሓፍ ቅዱስን እቲ “እሙን ኣስተውዓሊ ባርያ” ዘዳለዎ ጽሑፋትን ብዛዕባ እቲ ጕዳይ እቲ እንታይ ከም ዚብል ንኺግንዘብ ብፍቕራዊ መገዲ ሓግዞ። (ማቴ. 24:25) ኣብ ገሊኡ ኣጋጣሚታት መግለጺ ጥራይ ምሃብ እኹል ከይከውን ይኽእል እዩ። ንገሊኡ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ መምርሒታት ምስኡ ሓቢርካ ሓደ ነገር ብምግባር ብኸመይ ኣብ ግብሪ ኼውዕሎ ኸም ዚኽእል ከተርእዮ ኼድልየካ ይኽእል እዩ።—ዮሃ. 13:1-15

ሰባት ንናብራ ህይወቶም ምስ ስርዓታት የሆዋ ኣሰማሚዖም ኪመላለሱ ንኽንሕግዞም: ሚዛናዊ ምዃንን ምምዝዛንን ይሓትት። ሰባት እተፈላለየ ኣተዓባብያን ክእለትን እዩ ዘለዎም: ዕቤቶም ከኣ ይፈላለ እዩ። ኣብቲ ኻብ ካልኦት እትጽበዮ ነገራት ሚዛናዊ ብምዃን ለውሃትካ ኣርኢ። (ፊሊ. 4:5) ኣብ ህይወቶም ለውጢ ኺገብሩ ኣይተገድዶም። ቃል ኣምላኽን መንፈሱን ድራኸ ኼሕድረሎም ተጸበዮ። የሆዋ ንህዝቡ ብፍታው ልቢ ደኣ እምበር: ተገዲዶም ኬገልግልዎ ኣይደልን እዩ። (መዝ. 110:3) ብዛዕባ እቲ ናይ ብሕቶም ውሳነ ንምግባር ዜጋጥሞም ነገራት ናይ ገዛእ ርእስኻ ርእይቶ ኻብ ምሃብ ተቘጠብ፣ ዋላ እውን ክትውስነሎም እንተ ሓተቱኻ: ከይትውስነሎም ተጠንቀቕ።—ገላ. 6:5

ብግብሪ ሓግዞም። የሱስ ንሰማዕቱ ብቐዳምነት ንመንፈሳዊ ድሕነቶም እኳ ዚግደሰሎም እንተ ነበረ: ብኻልእ ዜድልዮም ነገራት እውን ይግደሰሎም ነይሩ እዩ። (ማቴዎስ 15:32) ዓቕምና ድሩት እኳ እንተ ዀነ: ክንሕግዘሉ እንኽእል ብዙሕ ግብራዊ መገድታት ኣሎ።

ንኻልኦት ዘሎና ተገዳስነት: ሓልዮት ንኸነርኢ ይድርኸና። ንኣብነት: እቲ እትዛረቦ ዘለኻ ሰብ ኵነታት ኣየር ዜሸግሮ ዘሎ እንተ ደኣ መሲሉ: ጸገም ናብ ዘይፈጥረሉ ቦታ ኺዱ: ወይ ከኣ ነቲ ምይይጥ ካልእ ግዜ ኸም እትቕጽልዎ ግበር። ኣብ ዘይምሹእ ግዜ እንተ ደኣ ኼድካዮ: ካልእ ግዜ ንኽትምለሶ ሕተቶ። ጐረቤትካ ወይ ከኣ ሓደ ተገዳስነት ዘርኣየ ሰብ እንተ ደኣ ሓሚሙ ወይ ሆስፒታል እንተ ደኣ ኣትዩ: ካርተሊና ወይ ሓጻር መልእኽቲ ብምስዳድ ወይ ከኣ ኬድካ ብምብጻሕ ተገዳስነትካ ኸተርእዮ ትኽእል ኢኻ። ዚጥዕመካ እንተ ደኣ ዀይኑ ድማ: ፈኲስ ምግቢ ኸተዳልወሉ ወይ ካልእ ዓይነት ሕያውነት ከተርእዮ ትኽእል ኢኻ።

ተመሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ብመንፈስ እናዓበዩ ምስ ከዱ: ምስቶም ናይ ቅድም ኣዕሩኾም ብዙሕ ግዜ ስለ ዘየሕልፉ ባዶነት ኪስምዖም ይኽእል እዩ። ስለዚ ተዓራረኮም። ድሕሪ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስን ኣብ ካልእ ግዜን ኣዕልሎም። ጽቡቕ ምሕዝነት ኪምስርቱ ኣተባብዓዮም። (ምሳ. 13:20) ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ኪእከቡ ሓግዞም። ኣብዚ ኣኼባታት እዚ ምስኦም ሓቢርካ ኾፍ በል: ኵሎም ካብቲ መደብ ምሉእ ብምሉእ ምእንቲ ኺጥቀሙ: ንደቆም ብምሓዝ ሓግዞም።

ካብ ልቢ ተገዳስነት ኣርኢ። ንሰባት ተገዳስነት ምርኣይ ተማሂርካ እተጥርዮ ተክኒክ ዘይኰነስ: ካብ ልቢ ዚምንጭ ባህርይ እዩ። ንኻልኦት እነርእዮ ተገዳስነት ብብዙሕ መገድታት እዩ ዚግለጽ። ጽን ኢልና ብምስማዕን ብኣዘራርባናን ይግለጽ እዩ። ንኻልኦት ብእነርእዮ ሕያውነትን ሓልዮትን ይንጸባረቕ እዩ። ምንም ነገር ከይተዛረብና ወይ ከይገበርና እውን ከይተረፈ: ብኣመለኻኽታናን ብናይ ገጽና መግለጺታትን እውን ይግለጽ እዩ። ንኻልኦት ብሓቂ ንግደሰሎም እንተ ደኣ ዄንና: ንሳቶም እውን ከም ዜስተብህልሉ ፍሉጥ እዩ።

ንኻልኦት ልባዊ ተገዳስነት እነርእየሉ ዝዓበየ ምኽንያት ግን ንፍቕርን ምሕረትን ሰማያዊ ኣቦና ኽንቀድሕ ስለ እንደሊ እዩ። እዚ ኸኣ ንሰማዕትና ናብ የሆዋን ናብቲ ንኽንዝርግሖ ዝሃበና መልእኽትን ከም ዚቐርቡ ዚገብሮም እዩ። ስለዚ እምበኣር: ብስራት ክትሰብኽ ከለኻ: ‘ንብጻይካ ድማ እምበር: ንርእስኻ ዚሕሸካ’ ጥራይ ከይትጥምት ጽዓር።—ፊል. 2:4

ልባዊ ተገዳስነት ብኸመይ ከም እተርኢ

  • እቲ ሰብ ኪዛረብ ከሎ: ጽን ኢልካ ስምዓዮ። ሓሳባቱን ስምዒቱን ብምግላጹ ኣመስግኖ። ኣተሓሳስባኡ እንታይ ምዃኑ ብንጹር ምእንቲ ኽትርድኦ ሕቶታት ሕተቶ።

  • ምስ ተዘራረብኩም ብዛዕባ እቲ ሰብ ሕሰብ። እንደገና ቐልጢፍካ ርኸቦ።

  • ነቲ ዜገድሶ ነገራት ዚምልከት ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቅታት ንገሮ።

  • ንሕጂ ይኹን ንመጻኢ ኺሕግዞ ዚኽእል ነገራት ግበረሉ።

መላመዲ:- (1) ኣኼባ ቕድሚ ምጅማሩ: ንሓደ ቐልጢፉ ዝመጸ ብሕታዊ ተገዳስነትካ ኣርእዮ። ሰላም ምባል ጥራይ ዘይኰነስ: ነቲ ሰብ ብዝያዳ ንኽትፈልጦ ጻዕሪ ግበር። ከም እትሓልየሉ ኣርእዮ። ነዚ ኣዘውቲርካ ግበሮ። (2) ኣብ ኣገልግሎት ወፍሪ ንሓደ ዝረኸብካዮ ሰብ ብሕታዊ ተገዳስነት ኣርእዮ። ምስክርነት ምሃብ ጥራይ ዘይኰነስ: ነቲ ሰብ ክትፈልጦ ጽዓር። እትዛረቦን እትገብሮን ነገራት: ምስቲ ሰብ ዚኸይድ ግበሮ። ነዚ ንምግባር ዜኽእለካ ኣጋጣሚታት ወትሩ ሃሰስ በል።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ