መጽናዕቲ 38
ተገዳስነት ዜለዓዕል መእተዊ
መእተዊ ወሳኒ ኽፋል መደረ እዩ። ብሓቂ ተገዳስነት ሰማዕትኻ እንተ ኣለዓዒልካ: ናብቲ ስዒቡ እትብሎም ንኼድህቡ ኺድረኹ እዮም። ኣብ ኣገልግሎት ወፍሪ መእተዊኻ ተገዳስነት ዘየለዓዕል እንተ ዀይኑ: ነቲ ኸተቕርቦ ዝሓሰብካ መልእኽቲ ኽትቅጽል ኣይትኽእልን ትኸውን። ኣብ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ መደረ ኸተቕርብ ከለኻ: ተገዳስነት እቶም ሰማዕቲ እንተ ዘይማሪኽካ: ሓዲጎምኻ እኳ እንተ ዘይወጹ: ገሊኦም ውልቀ-ሰባት ብዛዕባ ኻልእ ነገራት ኪሓስቡ ኺጅምሩ ይኽእሉ እዮም።
መእተዊኻ ኽትዳሎ ኸለኻ: ነዚ ዚስዕብ ዕላማታት ኣብ ኣእምሮኻ ሓዝ:- (1) ኣቓልቦ ሰማዕትኻ ምርካብ: (2) ነቲ ርእሰ ነገር ብንጹር ምጥቃስ: (3) እቲ ርእሰ ነገር ንሰማዕትኻ ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ ምዃኑ ምሕባር። ኣብ ገሊኡ ኣጋጣሚታት: እዚ ሰለስተ ዕላማታት እዚ ብሓንሳእ ኪውቃዕ ይከኣል እዩ። ሓድሓደ ግዜ ግን: በብሓደ ቘላሕታ ኺግበረሉ የድሊ ይኸውን: እቲ መስርዑ እውን ኪገላበጥ ይኽእል እዩ።
ኣቓልቦ ሰማዕትኻ ብኸመይ ከም እትረክብ። ሰባት ንሓደ መደረ ኺሰምዑ ምእካቦም ጥራይ: ነቲ ርእሰ ነገር ምሉእ ብምሉእ ብኣቓልቦ ኺሰምዑ ድሉዋት እዮም ማለት ኣይኰነን። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ ኣብ ህይወቶም ንኣቓልቦኦም ዚሰርቕ እተፈላለየ ነገራት የጋጥሞም እዩ። ኣብ ቤቶም ዝሓደግዎ ጸገም ወይ ካልእ ኣብ ህይወቶም ዘጋጠሞም ነገር የተሓሳስቦም ይህሉ ይኸውን። ንሓደ ተዛራባይ ዜጋጥሞ ብድሆ እምበኣር: ኣቓልቦ ሰማዕቲ ምርካብን ነዚ ሒዙ ምቕጻልን እዩ። ነዚ ኽትገብረሉ እትኽእል እተፈላለየ መገድታት ኣሎ።
ሓደ ኻብቲ ኣዝዩ ውሩይ መደረታት: እቲ የሱስ ኣብ ከረን ዝሃቦ ስብከት እዩ። እቲ ስብከት ብኸመይ እዩ ጀሚሩ፧ ብመሰረት እቲ ሉቃስ ዝመዝገቦ ጸብጻብ: የሱስ: “ኣቱም ድኻታት . . . ብጹኣን ኢኹም። ኣቱም ሕጂ እትጠምዩ . . . ብጹኣን ኢኹም። ኣቱም ሕጂ እትበኽዩ . . . ብጹኣን ኢኹም። ሰብ . . . እንተ ጸልኡኹም . . . ብጹኣን ኢኹም” በለ። (ሉቃስ 6:20-22) እዚ ተገዳስነት ዜለዓዕል ብኸመይ እዩ፧ የሱስ ብሒደት ቃላት ኣቢሉ ነቲ ሰማዕቱ ዜጋጥሞም ዝነበረ ኸቢድ ጸገማት ኣፍልጦ ሃበሉ። ድሕሪኡ: ነቲ ጸገም ብሰፊሕ ኣብ ክንዲ ዚገልጾ: ከምዚ ዝኣመሰለ ጸገማት ዘለዎም ሰባት ብጹኣን ወይ ሕጉሳት ኪዀኑ ኸም ዚኽእሉ ሓበረ: ነዚ ድማ ንሰማዕቱ ኺሰምዕዎ ብዚደልዩሉ መገዲ ገበሮ።
ተገዳስነት ንምልዕዓል ሕቶታት ብውጽኢታዊ መገዲ ምጥቃም ይከኣል እዩ: ኰይኑ ግን ግቡእ ዓይነት ሕቶታት ኪኸውን ኣለዎ። እቲ ሕቶታትካ: ሰማዕትኻ ኣቐዲሞም ብዛዕባ ዝሰምዕዎ ነገራት ከም እትዛረብ ዚሕብር እንተ ዀይኑ: ተገዳስነቶም ቀልጢፉ ኺሃስስ ይኽእል እዩ። ንሰማዕትኻ ዜሕፍሮም ወይ ዜሸቝርሮም ሕቶታት ኣይትሕተት። ኣብ ክንዳኡስ: ንሕቶታትካ ኸም ዚሓስቡ ብዚገብሮም መገዲ ጌርካ ቕረጾ። ሰማዕትኻ ብልቦም መልሲ ንኺህቡሉ ግዜ ምእንቲ ኺረኽቡ: ድሕሪ ነፍሲ ወከፍ ሕቶ ሓንሳእ ኣዕርፍ። ብልቦም ምሳኻ ይዘራረቡ ኸም ዘለዉ ዀይኑ ኸም ዚስምዖም ምስ ገበርካ: ኣቓልቦኦም ረኺብካ ኣለኻ ማለት እዩ።
ናይ ሓቂ ተመክሮ ህይወት ምጥቃም: ንኣቓልቦ ሰማዕቲ እትረኽበሉ ኻልእ ጽቡቕ መገዲ እዩ። ኰይኑ ግን: እቲ ተመክሮ ንገለ ኻብቶም ሰማዕትኻ ዜሕፍሮም እንተ ዀይኑ: ዛንታ ምዝንታውካ ጥራይ ንዕላማኻ ኸም እትወቅዕ ኣይገብርን እዩ። ሰማዕቲ ነቲ እተዘንትዎ ዛንታ ዚዝክርዎ: ነቲ ምስኡ ተተሓሒዙ ዚኸይድ ትምህርቲ ግን ዚርስዕዎ እንተ ዀይኖም: ሸቶኻ ስሒትካ ኣለኻ። ሓደ ተመክሮ ንመእተዊ እንተ ተጠቒምካሉ: ነቲ ኣብቲ ቐንዲ ኣካል እቲ መደረ ዚህሉ ሓደ ኣገዳሲ መዳይ መሰረት ዚዀኖ ኪኸውን ኣለዎ። ንሓደ ታሪኽ ህያው ንምግባር እተወሰነ ዝርዝር ነጥብታት ዜድልዮ እኳ እንተ ዀነ: ነቲ ተመክሮ ኣመና ኸይተንውሖ ግን ተጠንቀቕ።
ገሊኦም ተዛረብቲ መደረኦም ኣብ ቀረባ ግዜ ኣብ ዜና ብዝሰምዕዎ ነገር: ኣብቲ ዓዲ ኻብ እትሕተም ጋዜጣ ብዝረኸብዎ ነገር: ወይ ሓደ ፍሉጥ ብዓል ስልጣን ብእተዛረቦ ዘረባ ይጅምሩ። እዚ ነቲ ርእሰ ነገር ብሓቂ ዚበቅዕን ነቶም ሰማዕቲ ዚሰማምዖምን እንተ ዀይኑ: ውጽኢታዊ ኪኸውን ይኽእል እዩ።
መደረኻ ኽፋል ሓደ ዓውደ-መጽናዕቲ ወይ ክፋል ሓደ ኣኼባ ኣገልግሎት እንተ ዀይኑ: መብዛሕትኡ ግዜ መእተዊኻ ሓጺርን ቀጥታውን እንተ ዀነ ይሓይሽ። ህዝባዊ መደረ ተቕርብ እንተ ኣሊኻ: ነቲ ንመእተዊ ተባሂሉ እተመደበ ግዜ ተጠንቂቕካ ስዓቦ። ኣብ ቅድሚ ሰማዕትኻ: እቲ ሓበሬታ ዜመሓላልፍ ቀንዲ ኣካል እዩ ዝያዳ ኣገዳስነት ዘለዎ።
ሓድሓደ ግዜ ንተጠራጠርቲ ወይ ተጻባእቲ ሰማዕቲ ትዛረብ ትኸውን። ብኸመይ ኢኻ ኣቓልቦኦም ክትረክብ እትኽእል፧ እቲ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዚነብር ዝነበረ: ‘መንፈስን ጥበብን ዝመልኦ’ እተባህለ እስጢፋኖስ: ኣብ ቅድሚ ዋዕላ ኣይሁድ ብሓይሊ ቐሪቡ ነበረ። ኣብኡ ኸኣ ብጣቋ ዘለዎ ዘረባ ንክርስትና ተጣበቐሉ። ብኸመይ ግን እዩ ዘረባኡ ጀሚሩ፧ ብኣኽብሮትን ሓባራዊ ዚቕበልዎ ነገር ብምጥቃስን እዩ ጀሚሩ። “ኣቱም ኣሕዋትናን ኣቦታትናን: ስምዑ። ነቦና ኣብርሃም: . . . ኣምላኽ ክብሪ ተራእዮ” በሎም። (ግብ. 6:3፣ 7:2) ሃዋርያ ጳውሎስ ኣብቲ ኣብ ኣቴና ዚርከብ ኣርዮስፋጎስ: ኣብ መእተዊኡ “ኣቱም ሰብ ኣቴና: ብዅሉ ነገር ምምላኽ ኣማልኽቲ ኸም እተብዝሑ: እርእየኩም አሎኹ” ብምባል ንፍልይ ዝበሉ ሰማዕቱ ዚሰማማዕ ነገር ተዛረበ። (ግብ. 17:22) እስጢፋኖስ ኰነ ጳውሎስ ውጽኢታዊ መእተዊታት ስለ እተጠቕሙ: እቶም ሰባት ንኺሰምዕዎም ፍቓደኛታት ነበሩ።
ኣብ ኣገልግሎት ወፍሪ ኣብ እትኸደሉ እዋን: ኣቓልቦ ሰባት ክትረክብ ኣሎካ። ብዘይ ቈጸራ ናብ ሓደ ብዓል ቤት እንተ ኼድካ: ንሱ ብኻልእ ጕዳያት ትሑዝ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ኣብ ገሊኡ ኽፋል ዓለም: ከይተዓደሙ ዚመጹ ኣጋይሽ ቀልጢፎም ምኽንያት መምጽኢኦም ኪገልጹ ትጽቢት ይግበረሎም እዩ። ኣብ ካልእ ዓድታት ከኣ: መምጽኢኻ ቕድሚ ምግላጽካ ብመሰረት ልምዲ እቲ ኸባቢ ኽትገብሮ ዚግባእ ነገር ኣሎ።—ሉቃ. 10:5
ዝዀነ ዀይኑ: ናይ ሓቂ ምቕሉል ኣቀራርባ ንዝርርብ ምሹእ ሃዋህው ኪፈጥር ይኽእል እዩ። መብዛሕትኡ ግዜ ምስቲ ነቲ ሰብ ዜተሓሳስቦ ነገር ብቐጥታ ብዚዛመድ ነጥቢ ምጅማር ጠቓሚ እዩ። እንታይ ከም እትጥቀም ብኸመይ ክትውስን ትኽእል፧ ንሓደ ሰብ ክትቀርቦ ኸለኻ: ኣብ ገለ ንጥፈት ተጸሚዱ ነይሩዶ፧ ምናልባት ይሓርስ: ንቐጽሩ ይከናኸን: ማኪናኡ ይጽግን: ይኽሽን: ክዳውንቲ ይሓጽብ: ወይ ቈልዑ ይከናኸን ነይሩ ይኸውን። ጋዜጣ የንብብ ወይ ኣብቲ ጐደና ዚግበር ነገር ይከታተል: ወይ ካልእ ነገር ይዕዘብ ነይሩዶ፧ ኣብ ከባቢኡ እትርእዮ ነገር ብዛዕባ ብፍላይ ዜገድሶ ነገራት: ንኣብነት ብዛዕባ ምቝላብ ዓሳ: ስፖርት: ሙዚቃ: ጕዕዞ: ኮምፕዩተር: ወይ ካልእ ነገራት ይነግረካ ድዩ፧ ሰባት መብዛሕትኡ ግዜ እቲ ኣብ ቀረባ ግዜ ኣብ ረድዮ ዝሰምዕዎ ወይ ኣብ ተለቪዥን ዝረኣይዎ ነገር የተሓሳስቦም እዩ። ብዛዕባ ኸምዚ ዝኣመሰለ ዅነታት ሕቶ ምሕታትካ ወይ ሓጺር ሓሳብ ምሃብካ: ናብ ባህ ዜብል ዝርርብ ኪመርሕ ይኽእል እዩ።
የሱስ ምስታ ሳምራዊት ሰበይቲ ኣብ ጥቓ ሲካር እተዘራረበሉ ኣጋጣሚ: ምስክርነት ንምሃብ ብዚብል ሸቶ ዝርርብ ብምጅማር ዝመጸ ሓለፍ ዝበለ ኣብነት እዩ ዚዀነና።—ዮሃ. 4:5-26
መእተዊኻ ተጠንቂቕኻ ኽትዳለወሉ ኣሎካ: ብፍላይ ጉባኤኻ ነቲ ኽሊ ብተደጋጋሚ ትሽፍኖ እንተ ዀይና: ዝያዳ ጥንቃቐ የድልየካ። እንተ ዘይኰይኑ: ምስክርነት ክትህብ ኣይትኽእልን ትኸውን።
እትዛረበሉ ርእሰ ነገር ፈሊኻ ግለጽ። ኣብ ክርስትያናዊት ጉባኤ: ሓደ ኣቦ መንበር ወይ ቀቅድሜኻ ኽፍሊ ዘለዎ ሰብ: መብዛሕትኡ ግዜ ንኣርእስቲ መደረኻ የፋልጥ: ንዓኻ ድማ መእተዊ ይገብረልካ እዩ። ይኹን እምበር: ኣብቲ መእተዊኻ ነቲ ርእሰ ነገር ንሰማዕትኻ ኸተዘኻኽሮም ጠቓሚ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ነዚ ንምግባር ነቲ ፍረ ነገር ቃል ብቓሉ ኽትነግሮም ትኽእል ኢኻ: ናይ ግድን ግን ከምኡ ኽትገብር ኣሎካ ማለት ኣይኰነን። ዝዀነ ዀይኑ: እቲ መደረ ኣብ ዚቐርበሉ እዋን: እቲ ፍረ ነገር ንጹር ኪኸውን ኣለዎ። ኣብ መንጎ እቲ መእተዊ: ኣብቲ ርእሰ ነገር ከተተኵር ኣሎካ።
የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ኺሰብኩ ኺልእኮም ከሎ: ነቲ ኼብጽሕዎ ዘለዎም መልእኽቲ ብንጹር ነገሮም። “ኬድኩም ድማ፤ መንግስተ ሰማያት ቀሪባ አላ: ኢልኩም ስበኹ” በሎም። (ማቴ. 10:7) የሱስ ብዛዕባ እዚ ግዜና: “እዚ ወንጌል መንግስቲ . . . ኪስበኽ እዩ” በለ። (ማቴ. 24:14) ንሕና እውን ‘ነቲ ቓል ክንሰብኽ:’ ማለት ክንምስክር ከለና ናብ መጽሓፍ ቅዱስ ክንለግብ ምሕጽንታ ተዋሂቡና ኣሎ። (2 ጢሞ. 4:2) መጽሓፍ ቅዱስ ቅድሚ ምግንጻልና ወይ ናብ መንግስቲ ኣምላኽ ቅድሚ ምትኳርና ግን መብዛሕትኡ ግዜ እተወሰነ እዋናዊ ጕዳይ ምጥቃስ ኣድላዪ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ብዛዕባ ገበን: ሽቕለት ኣልቦነት: ምጕዳል ፍትሒ: ውግእ: መንእሰያት ብኸመይ ከም ዚሕገዙ: ሕማም: ወይ ሞት ሓሳብ ክትህብ ትኽእል ኢኻ። እንተዀነ ግን: ብዛዕባ ኣሉታዊ ጕዳያት ነዊሕ ኣይትዛረብ: መልእኽትኻ ኣወንታዊ ኪኸውን ኣለዎ። ነቲ ዝርርብ ናብ ቃል ኣምላኽን ተስፋ መንግስቲ ኣምላኽን ከም ዜተኵር ክትገብሮ ጽዓር።
እቲ ርእሰ ነገር ንዓኻ ኣገዳሲ ዝዀነሉ ምኽንያት ንሰማዕትኻ ግለጸሎም። ኣብ ጉባኤ ትዛረብ እንተ ኣሊኻ: እቶም ሰማዕትኻ ብሓፈሻ በቲ እትብሎ ዘለኻ ኸም ዚግደሱ ጌርካ ኽትወስዶ ትኽእል ኢኻ። እንተዀነ ግን: ከምቲ ሓደ ሰብ ንዕኡ ዚምልከት ነገር ኪመሃር ከሎ ዚሰምዖ ገይሮም ኪሰምዑ ድዮም፧ እቲ ዚሰምዕዎ ነገር ምስ ህይወቶም ከም ዚተኣሳሰር ስለ ዘስተውዓሉን ገለ ነገር ኪገብሩ ባህጊ ስለ ዘለዓዓልካሎምን ድዮም ኣቓልቦ ኺገብሩ፧ ንመደረኻ ኽትዳሎ ኸለኻ ንሰማዕትኻ: ማለት ንዅነታቶምን ንዜተሓሳስቦም ነገራትን ንኣረኣእያኦምን ተጠንቂቕካ ኣብ ግምት እንተ ኣእቲኻ ጥራይ እዩ ነዚ ኽትፍጽም እትኽእል። ከምዚ እንተ ጌርካ: ኣብ መእተዊኻ ነዚ ዚሕብር ነገር ኣጠቓልል።
ካብ መድረኽ መደረ ኸተቕርብ ከለኻ ወይ ንሓደ ውልቀ-ሰብ ክትምስክር ከለኻ: ሓደ ኻብቲ ብዛዕባ ሓደ ርእሰ ነገር ተገዳስነት ንምልዕዓል ዜኽእል ብሉጽ መገድታት: ንሰማዕትኻ ኣብኡ ኸም ዚኣትዉ ምግባር እዩ። ጸገማቶም: ዜድልዮም ነገራት: ወይ ኣብ ኣእምሮኦም ዘሎ ሕቶታት ምስቲ እተቕርቦ ዘለኻ ርእሰ ነገር ብኸመይ ከም ዚተሓሓዝ ግለጸሎም። ሓፈሻዊ ነገር ጥራይ ዘይኰነስ: ንዝርዝር መዳያት እቲ ጕዳይ እውን ክትገልጽ ምዃንካ ንጹር እንተ ጌርካዮ: ብዝያዳ ኼድህቡልካ እዮም። ከምዚ ንምግባር ግን: ብዚግባእ ክትዳሎ ኣሎካ።
እተቕርበሉ መገዲ። ኣብ መእተዊኻ እትብሎ ነገር ብቐዳምነት ኣገዳሲ እኳ እንተ ዀነ: እትብለሉ መገዲ እውን ተገዳስነት ኬለዓዕል ይኽእል እዩ። ስለዚ: ክትዳሎ ኸለኻ: ነቲ እትብሎ ነገር ጥራይ ዘይኰነስ: ብኸመይ ከም እትብሎ እውን ክትሓስበሉ ኣሎካ።
ዕላማኻ ንምውቃዕ ቅኑዕ ቃላት ምምራጽ ኣገዳሲ እዩ: ስለዚ ነቲ ናይ መጀመርታ ኽልተ ወይ ሰለስተ ምሉእ ሓሳባት ተጠንቂቕካ ምድላውካ ጠቓሚ ዀይኑ ኽትረኽቦ ትኽእል ኢኻ። መብዛሕትኡ ግዜ ሓጺርን ቀሊልን ምሉእ ሓሳባት እዩ ብሉጽ። ኣብ ጉባኤ መደረ ንምቕራብ እትጥቀመሉ መእተዊ ኣብ መዘኻኸሪኻ ኽትጽሕፎ ትደሊ ትኸውን: ወይ ከኣ እቲ መኽፈቲ ቓላትካ ነቲ ዜድሊ ጦብላሕታ ምእንቲ ኺሓድግ ክትሽምድዶ ትደሊ ትኸውን። ከይተሃወኽካ ውጽኢታዊ መእተዊ ምግባር: ነቲ ዝተረፈ ኽፋል መደረኻ ዜድልየካ ህድኣት ንኽትረክብ ኪሕግዘካ ይኽእል እዩ።
መዓስ ከም እትዳለወሉ። ብዛዕባ እዚ እተፈላለየ ርእይቶ እዩ ዚወሃብ። ገሊኦም ምኩራት ተዛረብቲ: ንመደረ ኻብ መእተዊ ጀሚርካ ኽትዳሎ ኸም ዚግባእ ይኣምኑ። ገሊኦም ከኣ ቀንዲ ኣካል እቲ ጽሑፍ ምስ ተወድአ ነቲ መእተዊ ኽትዳለወሉ ይግባእ ዚብል ርእይቶ ኣለዎም።
ዝርዝር ሓሳባት ሓደ ጽቡቕ መእተዊ ቕድሚ ምድላውካ: እቲ ርእሰ ነገር እንታይ ምዃኑን እንታይ ቀንዲ ነጥብታት ከም እተብርህን ክትፈልጥ ከም ዘሎካ ዜጠራጥር ኣይኰነን። እንተዀነ ግን: መደረኻ ኻብ እተሓትመ ኣስተዋጽኦ ትዳሎ እንተ ኣለኻኸ፧ ነቲ ኣስተዋጽኦ ድሕሪ ምንባብካ: ክትጥቀመሉ ዝሓሰብካ መእተዊ እንተ መጺኡልካ: ምጽሓፉ ጐዳኢ ኣይኰነን። መእተዊኻ ውጽኢታዊ ንኪኸውን: ንሰማዕትኻን ነቲ ኣብቲ ኣስተዋጽኦ ዘሎ ትምህርትን ኣብ ግምት ከተእቱ ኸም ዚግባእ ኣይትረስዕ።