ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • be መጽናዕቲ 47 ገጽ 247-ገጽ 250 ሕ.ጽ. 1
  • ዚርአ ነገራት ብውጽኢታዊ መገዲ ምጥቃም

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ዚርአ ነገራት ብውጽኢታዊ መገዲ ምጥቃም
  • ካብ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት ተጠቐም
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ካብ ፍሉጥ ኵነታት ምሳሌታት ምጥቃም
    ካብ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት ተጠቐም
  • ግቡእ ኣጠቓቕማ ትዕይንታዊ ደገፍ
    ኣብ ምንባብን ኣብ ምምሃርን ትጋህ
  • ንኻልኦት ኣኽብሮት ምርኣይ
    ካብ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት ተጠቐም
  • ብዚርአ ነገራት ጌርካ ምሃር
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2006
ዝያዳ ርአ
ካብ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት ተጠቐም
be መጽናዕቲ 47 ገጽ 247-ገጽ 250 ሕ.ጽ. 1

መጽናዕቲ 47

ዚርአ ነገራት ብውጽኢታዊ መገዲ ምጥቃም

እንታይ ክትገብር ኣሎካ፧

ነቲ እትምህሮ ኣገዳሲ ነጥብታት ብዝያዳ ንምንጻር ስእልታት: ካርታታት: ሰሌዳታት: ወይ ካልእ ነገራት ተጠቐም።

ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

መብዛሕትኡ ግዜ ዚርአ ነገራት ካብ ዚዝረብ ቃላት ንላዕሊ ዝያዳ ንጹርን ነባርን ጦብላሕታ ይሓድግ።

ኣብ እተቕርቦ ትምህርቲ ዚርአ ነገራት ምጥቃም ዜድሊ ስለምንታይ እዩ፧ ምኽንያቱ ንትምህርትኻ ዝያዳ ውጽኢታዊ ኺገብሮ ይኽእል እዩ። የሆዋ ኣምላኽን የሱስ ክርስቶስን ዚርአ ነገራት ንምምሃር ተጠቒሞም እዮም: ንሕና እውን ካባታቶም ክንመሃር ንኽእል ኢና። ዚርአ ነገራት ምስ ዘረባ ተሰንዩ ኪቐርብ ከሎ: ብኽልተ ህዋሳት እዩ ሓበሬታ ዚመሓላለፍ። እዚ ኸኣ ንኣቓልቦ ሰማዕትኻ ኺሕዝን ዝሓየለ ጦብላሕታ ኺሓድገሎምን ይኽእል እዩ። ኣብቲ እትሰብኮ ብስራት ዚርአ ነገራት ክትጥቀም እትኽእል ብኸመይ ኢኻ፧ ብውጽኢታዊ መገዲ ትጥቀመሉ ኸም ዘለኻ ብኸመይ ከተርኢ ትኽእል፧

እቶም ካብ ኵሉ ዝዓበዩ መምህራን ዚርአ ነገራት ብኸመይ ከም እተጠቕሙ። የሆዋ ኣገዳሲ ትምህርትታት ንምምሃር ብቐሊሉ ዚዝከር ዚርአ ነገራት ተጠቒሙ እዩ። ሓደ ምሸት ንኣብርሃም ንግዳም ኣውጺኡ “ንሰማይ ጠምት: ምቝጻሮም እትኽእል እንተ ዄንካ: ከዋኽብቲ ቝጸር: . . . ዘርእኻውን ከምኡ ኪኸውን እዩ” በሎ። (ዘፍ. 15:5) እቲ መብጽዓ ብኣረኣእያ ሰብ ዘይከኣል ዚመስል እኳ እንተ ነበረ: ኣብርሃም ግን በዚ ተመሲጡን ኣብ የሆዋ እምነት ገይሩን እዩ። ኣብ ካልእ ኣጋጣሚ: የሆዋ ንኤርምያስ ናብ ቤት ሰራሕ መሬት ለኣኾ: ኣብኡ ኣትዩ ኸኣ እቲ ሰራሕ መሬት ኪቐርጽ ከሎ ኸም ዚርኢ ገበሮ። እዝስ ነቲ ፈጣሪ ኣብ ልዕሊ ሰባት ዘለዎ ስልጣን ዜርኢ ኸመይ ዝበለ ዘይርሳዕ ትምህርቲ ዀን እዩ! (ኤር. 18:1-6) ዮናስከ ነቲ የሆዋ በታ ጕልዒ ገይሩ ብዛዕባ ምሕረት ዝሃቦ ትምህርቲ ኸመይ ገይሩ ኺርስዖ ይኽእል፧ (ዮና. 4:6-11) የሆዋ ንነብያቱ: ነቲ ትንቢታዊ መልእኽቱ ዚርአ ነገራት ተጠቒሞም ብመርኣያ ከቕርብዎ እውን ከይተረፈ ነጊርዎም እዩ። (1 ነገ. 11:29-32፣ ኤር. 27:1-8፣ ህዝ. 4:1-17) እቲ ማሕደርን እታ ቤተ መቕደስን ሒዝዎ ዝነበረ ነገራት ንባዕሉ: ንሰማያዊ ነገራት ንኽንርዳእ ዚሕግዘና እዩ። (እብ. 9:9, 23, 24) ብዘይካዚ: ኣምላኽ ኣገዳሲ ሓበሬታ ብምምሕልላፍ ብዙሕ ራእያት ተጠቒሙ እዩ።—ህዝ. 1:4-28፣ 8:2-18፣ ግብ. 10:9-16፣ 16:9, 10፣ ራእ. 1:1

የሱስ ኪምህር ከሎ ንዚርአ ነገራት ብኸመይ እዩ ተጠቒሙሉ፧ ፈሪሳውያንን ሄሮድሳውያንን ብዘረባ ኺጠልፍዎ ምስ ፈተኑ: የሱስ ዲናር ኬምጽኡሉ ሓተተ: ናብቲ ኣብቲ ሳንቲም ዚርከብ ምስሊ ኸም ዜተኵሩ ድማ ገበረ። ድሕሪኡ ናይ ቄሳር ንቄሳር: ናይ ኣምላኽ ከኣ ንኣምላኽ ኪህቡ ኸም ዘለዎም ገለጸሎም። (ማቴ. 22:19-21) ንኣምላኽ ብዘሎና ዅሉ ኸነኽብሮ ኸም ዘሎና ንኺምህር ኢሉ ኸኣ: ሓንቲ ድኻ መበለት ኣብ ቤተ መቕደስ ዝነበራ ዅሉ: ማለት ክልተ ለብጦን: ከተውድቕ ከላ ኸም ዚትኰረላ ገበረ። (ሉቃ. 21:1-4) ኣብ ካልእ ኣጋጣሚ ኸኣ ብትሕትናን ካብ ህርፋን ስልጣን ናጻ ብምዃንን ዝመጸ ኣብነት ንምሃብ ቈልዓ ተጠቕመ። (ማቴ. 18:2-6) ባዕሉ ኣእጋር ደቀ መዛሙርቱ ብምሕጻብ: ትርጕም ትሕትና ኣርኣዮም።—ዮሃ. 13:14

ንዚርአ ነገራት ክትጥቀመሉ እትኽእል መገድታት። ከምቲ የሆዋ ዝገበሮ: ብራእያት መልእኽቲ ኸነመሓላልፍ ኣይንኽእልን ኢና። ኰይኑ ግን: ኣብ ጽሑፋት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብዙሕ ዜመራምር ስእልታት ይወጽእ እዩ። ተገዳስነት ንዘለዎም ሰባት ነታ ኣብ ቃል ኣምላኽ መብጽዓ ተገይሩላ ዘሎ ምድራዊት ገነት ብኣእምሮኦም ንኺስእልዋ ንምሕጋዝ ተጠቐመሉ። መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ቤት ክትመርሕ ከለኻ: ነቲ ተመሃራይ ናብቲ ምስ እተጽንዕዎ ዘለኹም ዚዛመድ ስእሊ ኸም ዜተኵር ክትገብሮን ነቲ ዝረኣዮ ኺገልጸልካ ኽትሓቶን ትኽእል ኢኻ። የሆዋ ንነብዪ ኣሞጽ እተወሰነ ራእያት ምስ ኣርኣዮ: “ኣሞጽ: እንታይ ትርኢ አሎኻ፧” ኢሉ ምሕታቱ ኸነስተብህለሉ ዚግባእ እዩ። (ኣሞ. 7:7, 8፣ 8:1, 2) ሰባት ናብቲ ንምምሃር ኢሉ እተዳለወ ስእልታት ከም ዜተኵሩ ኽትገብር ከለኻ: ተመሳሳሊ ሕቶታት ክትሓትት ትኽእል ኢኻ።

ቀመር ሕሳብ እንተ ጽሒፍካ ወይ ኣገዳሲ ንዝዀነ ተኸታታሊ ፍጻመታት ዜርኢ ንግዜ ዜመልክት መስመር እንተ ተጠቒምካ: ንኸም እኒ ኣብ ዳንኤል 4:16 ተጠቒሰን ዘለዋ “ሾብዓተ ግዝያት” ከምኡውን ኣብ ዳንኤል 9:24 ተጠቒሰን ዘለዋ “ሰብዓ ሰሙን” ዝኣመሰለ ትንቢታት: ሰባት ንኺርድእዎ ዝቐለለ ይዀኖም። ከምዚ ዝኣመሰለ ዚርአ ነገራት ኣብ ሓያሎ ንመጽናዕቲ ዚዳሎ ጽሑፋትና ይርከብ እዩ።

ኣብ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ስድራቤት: ከም እኒ ብዛዕባ እቲ ማሕደር: ኣብ የሩሳሌም ዝነበረት ቤተ መቕደስ: ከምኡውን ህዝቅኤል ብራእይ ዝረኣያ ቤተ መቕደስ ዝኣመሰለ ጕዳያት ትመያየጡ እንተ ኣሊኹም: ስእሊ ምጥቃምኩም ዝቐለለ ይገብሮ እዩ። ብዛዕባ እዚ ዚገልጽ ስእልታት ኣብ ኢንሳይት ኦን ዘ ስክሪፕቸርስ: ኣብ መመላእታ ጽሑፍ እቲ ናይ ቅዱሳት ጽሑፋት ትርጕም ሓዳስ ዓለም—ምስ መወከሲኡ: ከምኡውን ኣብ እተፈላለየ ሕታማት ግምቢ ዘብዐኛ ይርከብ እዩ።

መጽሓፍ ቅዱስ ምስ ስድራቤትካ ኸተንብብ ከለኻ: ካርታታት ብዚግባእ ተጠቐም። ኣብርሃም ካብ ኡር ናብ ሃራን: ካብኡ ኸኣ ናብ ቤትኤል እተጓዕዘሉ መገዲ ተኸተታተሎ። እስራኤል ካብ ግብጺ ወጺኡ ናብ ምድሪ ተስፋ ኺጐዓዝ ከሎ: እተጠቕመሉ መገዲ መርምሮ። ነፍሲ ወከፍ ነገድ እስራኤል እተዋህቦ ርስቲ ኣበይ ምዃኑ ፍለጦ። ስፍሓት ግዝኣት ሰሎሞን ተዓዘብ። ኤልያስ ካብ ኢዛቤል ምፍርራህ ምስ መጾ: ካብ ይዝርኤል ናብቲ ብኤር-ሸባዕ ሓሊፍካ ዘሎ በረኻ ዝሃደመሉ መገዲ ተኸታተሎ። (1 ነገ. 18:46–19:4) የሱስ ዝሰበኸሉ ኸተማታት ኣበይ ከም ዝነበረ ርኸቦ። ኣብ መጽሓፍ ግብሪ ሃዋርያት እተገልጸ ሃዋርያ ጳውሎስ ዝገበሮ ጕዕዞታት ተኸታተሎ።

ተመሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ምስ ተግባር እታ ጉባኤ ንምልላይ: ንምምሃር ዚሕግዝ ዚርአ ነገራት ጠቓሚ እዩ። ንተመሃራይካ መደብ ዝሓዘ ወረቐት እናኣርኣኻ: ነቲ ኣብ ዓበይቲ ኣኼባታታት እንረኽቦ ትምህርቲ ኽትገልጸሉ ትኽእል ኢኻ። ብዙሓት ሰባት ናብ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ወይ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ናይ የሆዋ መሰኻኽር መጺኦም ክርእይዎ ምኽኣሎም ጦብላሕታ ይሓድገሎም እዩ። እዚ ድማ ብዛዕባ ዕዮናን ዕላማናን ዘሎ ግጉይ ምርዳእ ኬወግድ ዜኽእል ውጽኢታዊ መገዲ እዩ። ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ንሰባት ከተርኢ ኸለኻ: ካብ ካልእ ቦታታት ኣምልኾ ብኸመይ ከም ዚፍለ ሓብር። ንትምህርቲ ዜገልግል መጠነኛ ቦታ ምዃኑ ኣጕልሕ። ብፍላይ ንህዝባዊ ኣገልግሎት ተባሂሉ እተዳለወ መዳያቱ ኣጕልሕ፣ ገለ ኻብዚ ድማ ጽሑፋት ዚውሰደሉ ቦታ: ካርታታት ክሊ: ከምኡውን ሳጹናት ውጽኢት (ካብቲ እናዞረ ገንዘብ ዚእከበሉ ኣቕሓ እተፈልየ ምዃኑ) ኽትጠቅስ ትኽእል ኢኻ።

በቲ ኣመሓዳሪ ኣካል እተዳለወ ቪድዮ እንተ ረኺብካ: እቶም ተመሃሮ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘለዎም ምትእምማን ንኺሃንጹ: ምስ ንጥፈታት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንኺፋለጡ: ከምኡውን ምስ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ተሰማሚዖም ንኺመላለሱ ንምትብባዕ ተጠቐመሉ።

ንብዙሓት ሰባት ዚርአ ነገራት ምጥቃም። ንምምሃር ዜገልግል ዚርአ ነገራት ብዚግባእ ምስ እትዳለወሉን ብውሕሉል መገዲ ምስ ዚቐርብን: ንብዙሓት ተኣከብቲ እውን ውጽኢታዊ መምሃሪ ኪኸውን ይኽእል እዩ። እሙን ኣስተውዓሊ ባርያ: ከምዚ ዝኣመሰለ ዚርአ ነገራት ብእተፈላለየ መልክዕ የዳሉ እዩ።

ኣብ ግምቢ ዘብዐኛ ዚርከብ ዚጽናዕ ጽሑፍ መብዛሕትኡ ግዜ እቲ መራሒ ኣገዳሲ ነጥብታት ንምጕላሕ ኪጥቀመሉ ዚኽእል ስእሊ ዝሓዘ እዩ። ኣብ መጽናዕቲ መጽሓፍ ጉባኤ እንጥቀመሉ ጽሑፋት እውን ከምኡ።

ገሊኡ ንህዝባዊ መደረ ዚኸውን ኣስተዋጽኦታት: ገለ ነጥብታት ንምብራህ ዚርአ ነገራት ንኽትጥቀም ይእምት እዩ። ይኹን እምበር: መብዛሕትኦም ሰማዕቲ ኣብ ኢዶም መጽሓፍ ቅዱስ ስለ ዚሕዙ: በቲ ኣብ ውሽጡ ዘሎ ምጥቃም ዝያዳ ረብሓ ኼምጽእ ይኽእል እዩ። ሓደ ወይ ካብኡ ንላዕሊ ቐንዲ ነጥብታት ንምምሕልላፍ ስእሊ ወይ ነዚ ዝሓዘ ጽሑፍ እንተ ኣድልዩ: እቲ ንምምሃር እትጥቀመሉ ነገር ካብ ድሕሪት እቲ መአከቢ ቦታ ብንጹር ኪርአ (ወይ ኪንበብ) ከም ዚኽእል ኣረጋግጽ። ከምዚ ዝኣመሰለ ናውቲ ሳሕቲ ኢኻ ኽትጥቀመሉ ዘሎካ።

ክንዛረብን ክንምህርን ከለና ዚርአ ነገራት እንጥቀመሉ ዕላማ: ንምዝንጋዕ ኣይኰነን። ንምምሃር ዜገልግል ምዕሩግ ዚርአ ንዋት ክንጥቀም ከለና: ነቲ ብፍላይ ኪጐልሕ ዘለዎ ሓሳባት ዜደልድሎ ኪኸውን ኣለዎ። ከምዚ ዝኣመሰለ ናውቲ ነቲ እተዘርበ ቓላት ዜነጽሮ: ንኽትርድኦ ዝቐለለ ዚገብሮ: ወይ ንሓቅነቱ ሓያል መርትዖ ዜቕርብ ኪኸውን ከሎ ዕላማኡ ብዚግባእ ይወቅዕ። ብዚግባእ እንተ ተጠቒምናሉ: እቲ ንምምሃር ዜገልግል ዚርአ ነገር ኰነ እቲ ነጥቢ ንሓያሎ ዓመታት ይዝከር።

ናይ ምስማዕን ምርኣይን ህዋሳትና ኣብ እንመሃሮ ትምህርቲ ኣገዳሲ ግደ ኣለዎ። እቶም ካብ ኵሉ ዝዓበዩ መምህራን ነዚ ህዋሳት እዚ ብኸመይ ከም እተጠቕሙሉ ዘክር: ንኻልኦት ልቦም ንኺትንክፎም ኣብ እትገብሮ ጻዕሪ እውን ክትመስሎም ጽዓር።

ውጽኢታዊ ዚርአ ነገራት . . .

  • ብፍላይ ኪጐልሕ ዘለዎ ነገራት ኬጕልሕ ወይ ኬነጽር ኣለዎ።

  • ቀዳማይ ዕላማኡ ንምስትምሃር ኪኸውን ኣለዎ።

  • ካብ መድረኽ እንተ ተጠቒምካሉ: ንብምሉኦም ሰማዕቲ ብንጹር ዚርአ ኪኸውን ኣለዎ።

መላመዲ:- ቀጺልካ ንምምሃር ክትጥቀመሉ እትኽእል ዚርአ ነገራት ዘርዝር:-

ንውድብ የሆዋ ሞሳ ኸም ዜሕድሩ ንምግባር

․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․․

ንቘልዓ እተወሰነ ሓቅታት መጽሓፍ ቅዱስ ንምምሃር

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ