ክፍሊ 2
“የሆዋስ ፍትሒ ይፈቱ እዩ”
ኣብዛ እንነብረላ ዘለና ዓለም ዘይፍትሓዊ ተግባራት ኣስፋሕፊሑ ብምህላዉ፡ መብዛሕትኦም ሰባት ንኣምላኽ እዮም ዚወቕስዎ። ይኹን እምበር፡ መጽሓፍ ቅዱስ፡ “የሆዋስ ፍትሒ ይፈቱ እዩ” ብምባል ልብኻ ዜረስርስ ሓቂ ይምህረና እዩ። (መዝሙር 37:28) ኣብዛ ኽፍሊ እዚኣ፡ ንሱ ንሓቅነት እዚ ቓላት እዚ ዘረጋገጸሉ መገድታትን ንዅሎም ደቂ ሰብ ብኸመይ ተስፋ ኸም ዚህቦምን ክንምሃር ኢና።