ምዕራፍ 19
“ኣብ ቅዱስ ምስጢር ዘሎ ጥበብ ኣምላኽ”
1, 2. ኬገድሰና ዘለዎ “ቕዱስ ምስጢር” እንታይ እዩ፧ ስለምንታይከ፧
ምስጢር ዚማርኽ ወይ ዚስሕብ ብምዃኑ፡ ብዙሓት ሰባት ምዕቃብ የሸግሮም እዩ። ይኹን እምበር፡ መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ንነገር ምስጢር ጌርካ ምሓዝ፡ ክብሪ ኣምላኽ እዩ” ይብለና። (ምሳሌ 25:2) እወ፡ የሆዋ ኸም ልዑላዊ ገዛእን ፈጣርን መጠን ክሳዕ እቲ ንደቂ ሰብ ኪገልጸሎም ዝመደቦ ግዜ ንገለ ነገራት ምስጢር ገይሩ ንምሓዝ መሰል ኣለዎ።
2 ይኹን እምበር፡ የሆዋ ኣብ ቃሉ ዝገለጾ ዚማርኽ ምስጢር ኣሎ። እዚ ድማ ‘ቅዱስ ምስጢር ፍቓድ ኣምላኽ’ ተባሂሉ ኣሎ። (ኤፌሶን 1:9) ብዛዕባ እዚ ምስጢር እዚ ምፍላጥ ንህንጥዮትካ ዜዕግብ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ናብ ድሕነት ኪመርሓካ፡ ብዛዕባ እቲ ኣዝዩ ዓሚቝ ዝዀነ ጥበብ የሆዋ ኸኣ ምስትውዓል ኪህበካ ይኽእል እዩ።
በብቝሩብ ተገልጸ
3, 4. ኣብ ዘፍጥረት 3:15 ተመዝጊቡ ዘሎ ትንቢት ብኸመይ እዩ ተስፋ ዚህበና፧ ከመይ ዝበለ “ቕዱስ ምስጢር”ከ እዩ ሒዙ ዘሎ፧
3 ኣዳምን ሄዋንን ምስ ሓጥኡ፡ እቲ ምልእቲ ምድሪ ብፍጹማት ሰባት ክትመልእ ዚብል ዕላማ ኣምላኽ እተዓናቐፈ መሲሉ ተራእየ። ይኹን እምበር፡ ኣምላኽ ነቲ እተላዕለ ጸገም ብኡብኡ ምላሽ ሃበሉ። ከምዚ ኸኣ በለ፦ “ኣብ መንጎኻን [እቲ ተመን] ኣብ መንጎ እታ ሰበይትን፡ ኣብ መንጎ ዘርእኻን ኣብ መንጎ ዘርኣን ጽልኢ እተክል ኣለኹ። ንሱ ርእስኻ ኺጭፍልቕ እዩ፣ ንስኻ ድማ ሸዀናኡ ኽትነክስ ኢኻ።”—ዘፍጥረት 3:15።
4 እዚ ንምርዳኡ ዜጸግም ምስጢር ዝሓዘለ ቓላት እዩ። እዛ ሰበይቲ እዚኣ መን እያ፧ እቲ ተመን መን እዩ፧ ንርእሲ እቲ ተመን ዚጭፍልቕ “ዘርኢ” መን እዩ፧ ኣዳምን ሄዋንን ኪግምቱ ጥራይ እዮም ዚኽእሉ ነይሮም። ይኹን እምበር፡ ቃላት ኣምላኽ ንዅሎም እሙናት ዘርኢ እቶም ዘይእሙናት ሰብኣይን ሰበይትን ተስፋ ዚህባ እየን። ጽድቂ ኺዕወት፡ ዕላማ የሆዋ ኸኣ ኪፍጸም እዩ። እዚ ግና ብኸመይ እዩ ዚፍጸም፧ ኣብቲ ግዜ እቲ ምስጢር እዩ ነይሩ! መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ሕቡእ ጥበብ ዝዀነ ኣብ ቅዱስ ምስጢር ዘሎ ጥበብ ኣምላኽ” ይብሎ።—1 ቈረንቶስ 2:7።
5. የሆዋ ምስጢሩ በብግዜኡ ዝገለጸሉ ምኽንያት እንታይ ምዃኑ ብምሳሌ ኣረድእ።
5 እቲ “ገላጽ ምስጢራት” ዝዀነ የሆዋ ነቲ እዚ ምስጢር እዚ ሒዝዎ ዘሎ ሓሳባት ኪቐልዖ ነበሮ። (ዳንኤል 2:28) ነዚ ግና በብግዜኡን በብቝሩብን እዩ ዚገልጾ። ንመረዳእታ፡ ሓደ ንእሽቶ ቘልዓ ንኣቦኡ፡ “ባባ፡ ከመይ ኢለ እየ ተወሊደ፧” ኢሉ እንተ ዚሓትቶ ነይሩ፡ እቲ ፈቃር ኣቦኡ ዚምልሰሉ መገዲ ኣብ ግምት ከነእትዎ ንኽእል ኢና። ሓደ ጥበበኛ ኣቦ እቲ ንእሽቶ ውላዱ ኺርድኦ ዚኽእል ሓሳባት ጥራይ እዩ ዚነግሮ። እቲ ቘልዓ እናዓበየ ብዝኸደ መጠን፡ እቲ ኣቦ ተወሳኺ ፍልጠት ይህቦ። የሆዋ እውን ብተመሳሳሊ ህዝቡ ብዛዕባ ፍቓዱን ዕላማታቱን ኪርድኦም ዚኽእል እዋን መዓስ ምዃኑ ይውስን እዩ።—ምሳሌ 4:18፣ ዳንኤል 12:4።
6. (ሀ) ሓደ ኺዳን ወይ ውዕል ንምንታይ ዕላማ እዩ ዜገልግል፧ (ለ) የሆዋ ብተበግሶኡ ምስ ደቂ ሰብ ኪዳን ምእታዉ ኣገዳስነት ዘለዎ ስለምንታይ እዩ፧
6 የሆዋ ኸምዚ ዝኣመሰለ ምስጢር ንምግላጽ እተጠቕመሉ ኣገባብ እንታይ እዩ፧ ነዚ ምስጢር እዚ ንምግላጽ እተፈላለየ ኺዳናት ወይ ውዕላት እዩ ተጠቒሙ። ምናልባት ንስኻ እውን ገዛ ኽትዕድግ ወይ ገንዘብ ክትልቃሕ ወይ ከተለቅሕ ከለኻ ውዕል ዝኣቶኻሉ ግዜ ኺህሉ ይኽእል እዩ። ከምዚ ዝኣመሰለ ውዕል ክልቴኹም እተሰማማዕኩምሉ ዅነታት ኪፍጸም ምዃኑ ዜረጋግጽ ሕጋዊ ዋሕስ እዩ ዚኸውን። ይኹን እምበር፡ የሆዋ ምስ ደቂ ሰብ ወግዓዊ ኺዳን ወይ ውዕል ኪኣቱ ዘድለዮ ስለምንታይ እዩ፧ ቃሉ ጥራይ ንባዕሉ ዘተስፈዎ ነገር ኪፍጽሞ ምዃኑ እኹል መረጋገጺ ኸም ዚኸውን ግሁድ እዩ። ምስናይዚ ግና ኣብ ብዙሕ ኣጋጣሚታት ከም እተራእየ የሆዋ ንቓሉ ብሕጋዊ ውዕላት ገይሩ ኣራጒድዎ እዩ። እዚ ዜተኣማምን ስምምዕ ወይ ውዕል ከኣ ንዓና ንዘይፍጹማት ሰባት ኣብቲ የሆዋ ዝኣትዎ ቓል ምትእምማን ንምሕዳር ዝያዳ ድልዱል መሰረት የንብረልና።—እብራውያን 6:16-18።
ምስ ኣብርሃም ዝኣተዎ ኺዳን
7, 8. (ሀ) የሆዋ ምስ ኣብርሃም ከመይ ዝበለ ኺዳን እዩ ዝኣተወ፧ እዚኸ ብዛዕባ እቲ ምስጢር እንታይ ብርሃን እዩ ዜብርሃልና፧ (ለ) የሆዋ ነቲ ናብቲ እተተስፈወ ዘርኢ ዚመርሕ ሓረግ ወለዶ በብግዜኡ እናኣነጸሮ ዝኸደ ብኸመይ እዩ፧
7 ወዲ ሰብ ካብ ገነት ምስ ተሰጕጐ ልዕሊ ኽልተ ሽሕ ዚኸውን ዓመታት ጸኒሑ የሆዋ ነቲ እሙን ዝነበረ ኣብርሃም፡ “ንዘርእኻ ድማ ከም ከዋኽብቲ ሰማያት . . . ብርግጽ ከብዝሖ እየ፣ . . . ቃለይ ስለ ዝሰማዕካ፡ ኵሎም ኣህዛብ ምድሪ ብዘርእኻ በረኸት ኪረኽቡ እዮም” በሎ። (ዘፍጥረት 22:17, 18) ኣብዚ ቓል ጥራይ ኣይኰነን ዚኣትወሉ ነይሩ፣ ከመይሲ የሆዋ ነዚ ቓላት እዚ ኸም ሕጋዊ ኺዳን ገይሩ እዩ ኣቚምዎ፡ በቲ ዘይቅየር ማሕላኡ ገይሩ ኸኣ ኣራጐዶ። (ዘፍጥረት 17:1, 2፣ እብራውያን 6:13-15) እቲ ልዑል ኣምላኽ ንደቂ ሰብ ንምብራኽ ውዕል ምእታዉስ ኣየ ኽንደይ ዜሐጕስ ኰን እዩ!
“ንዘርእኻ . . . ከም ከዋኽብቲ ሰማያት . . . ከብዝሖ እየ”
8 በቲ የሆዋ ምስ ኣብርሃም ዝኣተዎ ኺዳን እቲ እተተስፈወ ዘርኢ ኻብ ዘርኢ ኣብርሃም ምዃኑ ስለ እተገልጸ፡ ሰብ ኰይኑ ኸም ዚመጽእ ተፈልጠ። እዚ ዘርኢ እዚ ግና መን እዩ ኪኸውን ነይርዎ፧ ድሕሪ ገለ ግዜ የሆዋ እቲ ዘርኢ ኻብ ደቂ ኣብርሃም ብይስሃቅ ኣቢሉ ኸም ዚመጽእ ገለጸ። ካብ ደቂ ይስሃቅ ከኣ ያእቆብ ተመርጸ። (ዘፍጥረት 21:12፣ 28:13, 14) ያእቆብ ድማ ድሕሪ ገለ ግዜ ንሓደ ኻብቶም 12 ደቁ፡ “ሺሎ [ወይ፡ “እቲ ናቱ ዝዀነ፡” እግረ ጽሑፍ] ኽሳዕ ዚመጽእ፡ ካብ ይሁዳ ዘንጊ፡ ካብ መንጎ ኣእጋሩ ኸኣ በትሪ ኣዛዚ ኣይኪፍለን እዩ፣ ተኣዛዝነት ህዝብታት ናቱ እዩ” ዚብል ትንቢታዊ ቓላት ተዛረቦ። (ዘፍጥረት 49:10) ኣብዚ ደረጃ እዚ እቲ ዘርኢ ኻብ ይሁዳ ዚመጽእ ንጉስ ከም ዚኸውን ተፈልጠ።
ምስ እስራኤል ዝኣተዎ ኺዳን
9, 10. (ሀ) የሆዋ ምስ ህዝቢ እስራኤል እንታይ ኪዳን እዩ ዝኣተወ፧ እቲ ኺዳን እቲኸ ኸመይ ዝበለ ዕቝባ እዩ ዚዀኖም፧ (ለ) እቲ ሕጊ፡ ወዲ ሰብ በጃ ኸም ዜድልዮ ዝገለጸ ብኸመይ እዩ፧
9 የሆዋ ብ1513 ቅ.ክ. ምስቶም ዘርኢ ኣብርሃም ዝዀኑ ህዝቢ እስራኤል ኪዳን ብምእታው፡ ነቲ ቕዱስ ምስጢር ብዝበለጸ ኺገልጽ ዚኽእል ምድላዋት ገበረ። እቲ ብሙሴ ኣቢሉ እተዋህበ ሕጊ ኺዳን ኣብዚ ግዜ እዚ ዘይዓዪ እኳ እንተ ዀነ፡ ኣብቲ የሆዋ ነቲ ተስፋ እተገብረሉ ዘርኢ ንምምጻእ ዝገበሮ ዕላማ ግና ዓብዪ ግደ ነይርዎ እዩ። ብኸመይ፧ ሰለስተ መገድታት ንርአ። ቀዳማይ፡ እቲ ሕጊ ኸም ከልካሊ መንደቕ እዩ ነይሩ። (ኤፌሶን 2:14) እቲ ጽድቃዊ ሕግታቱ ኣብ መንጎ ኣይሁድን ኣህዛብን ከም መንደቕ ኰይኑ እዩ ዓይዩ። በዚ ኸኣ ንሓረግ ወለዶ እቲ እተተስፈወ ዘርኢ ኸም ዚዕቀብ ገበረ። ሳላ እዚ ኸምዚ ዝኣመሰለ ዕቝባ ኸኣ፡ እቲ መሲሕ ካብ ነገድ ይሁዳ ኺውለድ ኣምላኽ ዝመደቦ ግዜ ኣብ ዝኣኸለሉ እዋን፡ ህዝቢ እስራኤል ነይሩ እዩ።
10 ካልኣይ፡ እቲ ሕጊ ወዲ ሰብ በጃ ኸም ዜድልዮ ኣጸቢቑ ገሊጹ እዩ። ፍጹም ሕጊ ስለ ዝዀነ ሓጥኣን ደቂ ሰብ ምሉእ ብምሉእ ኬማልእዎ ኸም ዘይክእሉ ኣቃሊዑ እዩ። ስለዚ፡ “እቲ እተተስፈወ ዘርኢ ኽሳዕ ዚመጽእ፡ ኣበሳ ንምግሃድ እዩ ተወሲኹ።” (ገላትያ 3:19) እቲ ሕጊ ብመሰረት መስዋእቲ እንስሳታት ንግዜኡ ሓጢኣት የተዓርቕ ነበረ። ይኹን እምበር፡ ከምቲ ጳውሎስ ዝበሎ፡ “ደም ኣብዑርን ድቤላታትን ሓጢኣት ኬርሕቕ ኣይክእልን እዩ፣” ስለዚ፡ እዚ መስዋእትታት እዚ ናይቲ መስዋእታዊ በጃ የሱስ ጽላሎት ጥራይ እዩ ነይሩ። (እብራውያን 10:1-4) ስለዚ ኸኣ እቲ ኺዳን ነቶም እሙናት ኣይሁድ “ናብ ክርስቶስ ዜብጽሕ መጕዚ” እዩ ነይሩ።—ገላትያ 3:24።
11. እቲ ሕጊ ኺዳን ንእስራኤላውያን ከመይ ዝኣመሰለ ኽቡር ተስፋ እዩ ሂብዎም፧ ግናኸ፡ እቲ ህዝቢ ብደረጃ ሃገር ነዚ ኽቡር መሰል እዚ ኺረኽቦ ዘይከኣለ ስለምንታይ እዩ፧
11 ሳልሳይ፡ እቲ ኺዳን ንእስራኤላውያን ክቡር ተስፋ ሂብዎም እዩ። ኣብ ኪዳኖም እንተ ጸኒዖም “መንግስቲ ኻህናትን ቅዱስ ህዝብን” ከም ዚዀኑ ነጊርዎም እዩ። (ዘጸኣት 19:5, 6) እቶም ቀዳሞት ኣባላት ናይቶም ኣብ ሰማይ ዜመሓድሩ “መንግስቲ ኻህናት” ብስጋ እስራኤላውያን እዮም ነይሮም። ይኹን እምበር፡ እስራኤላውያን ብደረጃ ሃገር ካብቲ ሕጊ ኺዳን ስለ ዝዓለዉ፡ ነቲ መሲሓዊ ዘርኢ ኸኣ ስለ ዝነጸግዎ፡ ነቲ ኻህናትን ነገስታትን ናይ ምዃን መሰል ኪረኽቡ ኣይከኣሉን። ንቝጽሪ እቶም “መንግስቲ ኻህናት” ደኣ እሞ መን እዩ ኺመልኦ፧ እቲ እተባረኸ ህዝቢ ምስቲ እተተስፈወ ዘርኢ ኺዛመድ ዚኽእል ደኣ ብኸመይ እዩ፧ እዚ ምስቲ ቕዱስ ምስጢር እተተሓሓዘ ዅነታት ኣብቲ ኣምላኽ ዝመደቦ ግዜ ኺግለጽ ነበሮ።
ምስ ዳዊት እተገብረ ኺዳን መንግስቲ
12. የሆዋ ምስ ዳዊት ከመይ ዝኣመሰለ ኺዳን እዩ ዝኣተወ፧ እዚ ኺዳን እዚ ኣብቲ ቕዱስ ምስጢር ኣምላኽ ከመይ ዝበለ ብርሃን እዩ ዘብርሀ፧
12 የሆዋ ኣብ መበል 11 ዘመን ቅ.ክ. ካልእ ኪዳን ምስ ኣተወ፡ ብዛዕባ እቲ ቕዱስ ምስጢር ተወሳኺ ብርሃን ኣብርሀ። ነቲ እሙን ንጉስ ዳዊት፡ “ብድሕሬኻ ኻብ ከርስኻ ዚወጽእ ዘርእኻ ኸተንስእ እየ፣ ነታ መንግስቱ እውን ከጽንዓ እየ። . . . ኣነ ድማ ዝፋን መንግስቱ ንዘለኣለም ከጽንዓሉ እየ” ብምባል ኣተስፈዎ። (2 ሳሙኤል 7:12, 13፣ መዝሙር 89:3) ስለዚ፡ ሓረግ ወለዶ እቲ እተተስፈወ ዘርኢ ኣብ ቤት ዳዊት ተሓጽረ። ይኹን እምበር፡ ሓደ ተራ ሰብሲ “ንዘለኣለም” ኪገዝእ ይኽእልዶ፧ (መዝሙር 89:20, 29, 34-36) ከምዚ ዝኣመሰለ ሰብኣዊ ንጉስ ንደቂ ሰብ ካብ ሓጢኣትን ሞትን ኬድሕኖም ይኽእልዶ፧
13, 14. (ሀ) ብመሰረት መዝሙር 110፡ የሆዋ ነቲ ዝቐብኦ ንጉስ እንታይ ቃል እዩ ኣትዩሉ፧ (ለ) ነብያት የሆዋ ብዛዕባ እቲ ዚመጽእ ዘርኢ እንታይ ተወሳኺ መግለጺታት እዮም ዝሃቡ፧
13 ዳዊት ብመንፈስ ተደሪኹ ኸምዚ ኢሉ ጸሓፈ፦ “የሆዋ ንጐይታይ፡ ‘ንጸላእትኻ ድኳ እግርኻ ኽሳዕ ዝገብሮም፡ ኣብ የማነይ ተቐመጥ’ በሎ። የሆዋ፡ ‘ንስኻ ኸም ስርዓት መልከጼዴቅ ንዘለኣለም ካህን ኢኻ!’ ኢሉ ምሒሉ እዩ፣ ሓሳቡ ኸኣ ኣይኪልውጥን እዩ።” (መዝሙር 110:1, 4) ቃላት ዳዊት ብቐጥታ ነቲ እተተስፈወ ዘርኢ ወይ መሲሕ ዜመልክት እዩ ነይሩ። (ግብሪ ሃዋርያት 2:35, 36) እቲ ንጉስ ኣብ የሩሳሌም ኰይኑ ዘይኰነስ ኣብ ሰማይ ኣብ “የማን” ኣምላኽ ኰይኑ፡ ኣብ ልዕሊ ምድሪ እስራኤል ጥራይ ዘይኰነስ ኣብ ልዕሊ ዅላ ምድሪ ኺገዝእ ነበሮ። (መዝሙር 2:6-8) ኣብዚ ትንቢት እዚ ተወሳኺ ነገር እውን ተገሊጹ ኣሎ። የሆዋ ነቲ መሲሕ “ኸም ስርዓት መልከጼዴቅ . . . ካህን” ኪገብሮ ጽኑዕ ማሕላ ኸም ዝመሓለ ነስተብህል። እቲ ዚመጽእ ዘርኢ ልክዕ ከምቲ ንጉስን ካህንን ኰይኑ ኣብ ግዜ ኣብርሃም ዜገልግል ዝነበረ መልከጼዴቅ፡ ነቲ ንጉስን ካህንን ናይ ምዃን ሽመቱ ኻብ ኣምላኽ እዩ ረኺብዎ።—ዘፍጥረት 14:17-20።
14 የሆዋ ኣብቲ ዝሓለፈ ዓመታት፡ ንነብያቱ ብዛዕባ እቲ ቕዱስ ምስጢሩ ተወሳኺ መግለጺታት ኪህቡ ተጠቒሙሎም እዩ። ንኣብነት፡ ኢሳይያስ እቲ ዘርኢ መስዋእታዊ ሞት ኪመውት ምዃኑ ገሊጹ ኣሎ። (ኢሳይያስ 53:3-12) ሚክያስ እቲ መሲሕ ኣበይ ከም ዚውለድ ነጊሩ እዩ። (ሚክያስ 5:2) ዳንኤል እቲ ዘርኢ ዚቕልቀለሉን ዚሞተሉን ግዜ መዓስ ምዃኑ እውን ከይተረፈ ብልክዕ ተነብዩ እዩ።—ዳንኤል 9:24-27።
እቲ ቕዱስ ምስጢር ተገልጸ
15, 16. (ሀ) ወዲ የሆዋ “ኻብ ሰበይቲ” እተወልደ ብኸመይ እዩ፧ (ለ) የሱስ ካብ ሰብኣውያን ወለዱ እንታይ እዩ ዝወረሰ፧ እተተስፈወ ዘርኢ ዀይኑ ዝመጸኸ መዓስ እዩ፧
15 እዚ ትንቢታት እዚ ዚፍጸመሉ መገዲ እቲ ዘርኢ ኽሳዕ ዚቕልቀል ምስጢር ኰይኑ ኪቕጽል ነበሮ። ገላትያ 4:4፡ “እቲ ተወሲኑ ዝነበረ እዋን ምስ ኣብቅዐ፡ ኣምላኽ ነቲ ኻብ ሰበይቲ እተወልደ . . . ወዱ ልኢኽዎ እዩ” ትብል። ኣብ ካልኣይ ዓመት ቅ.ክ. ሓደ መልኣኽ ንሓንቲ ማርያም ዝስማ ኣይሁዳዊት ድንግል ከምዚ በላ፦ “እንሆ ድማ፡ ክትጠንሲ፡ ወዲ እውን ክትወልዲ ኢኺ፣ ስሙ ኸኣ የሱስ ክትብልዮ ኢኺ። ንሱ ዓብዪ ኪኸውን፡ ወዲ እቲ ልዑል እውን ኪብሃል እዩ፣ የሆዋ ኣምላኽ ድማ ዝፋን ኣቦኡ ዳዊት ኪህቦ እዩ፣ . . . መንፈስ ቅዱስ ኪወርደኪ፡ ሓይሊ እቲ ልዑል እውን ኬጽልለኪ እዩ። ስለዚ ኸኣ፡ እቲ ዚውለድ፡ ቅዱስ፡ ወዲ ኣምላኽ ኪብሃል እዩ።”—ሉቃስ 1:31, 32, 35።
16 ጸኒሑ የሆዋ ንህይወት ወዱ ኻብ ሰማይ ናብ ማሕጸን ማርያም ስለ ዘመሓላለፎ፡ እቲ ወዲ ኻብ ሰበይቲ ተወልደ። ማርያም ዘይፍጽምቲ እያ ነይራ። ይኹን እምበር፡ የሱስ “ወዲ ኣምላኽ” ስለ ዝዀነ፡ ካብኣ ዘይፍጽምና ኣይወረሰን። ምስናይዚ እውን እቶም ካብ ዘርኢ ዳዊት ዝዀኑ ምድራውያን ወለዱ ብወለዶ ይኹን ብሕጋዊ መገዲ ወራሲ ዳዊት ከም ዚኸውን ገይሮምዎ እዮም። (ግብሪ ሃዋርያት 13:22, 23) የሱስ ብ29 ድ.ክ. ኪጥመቕ ከሎ የሆዋ ብመንፈስ ቅዱሱ ገይሩ ቐቢእዎ እዩ፡ ብዛዕባኡ ኸኣ፡ “ፍቑር ወደይ እዚ እዩ” በለ። (ማቴዎስ 3:16, 17) ኣብ መወዳእታ እቲ ዘርኢ ተቐልቀለ። (ገላትያ 3:16) እቲ ቕዱስ ምስጢር ብዝያዳ ዚግለጸሉ ግዜ ኸኣ በጽሐ።—2 ጢሞቴዎስ 1:10።
17. ብዛዕባ ትርጉም ዘፍጥረት 3:15 እንታይ ብርሃን እዩ ዝበርሀ፧
17 የሱስ ኣብ ግዜ ምድራዊ ኣገልግሎቱ፡ እቲ ኣብ ዘፍጥረት 3:15 ተጠቒሱ ዘሎ ተመን ሰይጣን ምዃኑ፡ ዘርኢ እቲ ተመን ከኣ ሰዓብቲ ሰይጣን ምዃኖም ኣብርሆ። (ማቴዎስ 23:33፣ ዮሃንስ 8:44) ጸኒሑ ኸኣ ሰይጣንን ዘርኡን ንዘለኣለም ዝጠፍኡሉ መገዲ ተገልጸ። (ራእይ 20:1-3, 10, 15) እታ ሰበይቲ ኸኣ “ናይ ላዕሊ የሩሳሌም” ወይ ሰበይቲ ኣምላኽ ከም ዝዀነት ተጋህደ፡ ንሳ ኸኣ እታ ብመላእኽቲ ዝቘመት ሰማያዊት ክፋል ውድብ እያ።a—ገላትያ 4:26፣ ራእይ 12:1-6።
እቲ ሓድሽ ኪዳን
18. እቲ “ሓድሽ ኪዳን” ዕላማኡ እንታይ እዩ፧
18 እቲ ቕዱስ ምስጢር፡ የሱስ ኣብ ድሮ ሞቱ ኣብ ዝነበረት ምሸት ነቶም እሙናት ደቀ መዛሙርቱ ብዛዕባ እቲ “ሓድሽ ኪዳን” ምስ ነገሮም ብዝዓበየ መገዲ ተገልጸ። (ሉቃስ 22:20) እቲ ሓድሽ ኪዳን ልክዕ ከምቲ ቕድሚኡ ዝነበረ ሕጊ ሙሴ “መንግስቲ ኻህናት” ኬቕውም ነበሮ። (ዘጸኣት 19:6፣ 1 ጴጥሮስ 2:9) ይኹን እምበር፡ እዚ ኺዳን እዚ ስጋዊ ህዝቢ ዘይኰነስ መንፈሳዊ ህዝቢ፡ ማለት ምሉእ ብምሉእ በቶም እሙናት ሰዓብቲ ክርስቶስ ዝቘመ “ናይ ኣምላኽ እስራኤል” ዜቕውም እዩ ነይሩ። (ገላትያ 6:16) እዞም ነቲ ሓድሽ ኪዳን ዘቝሙ ኣባላት እዚኦም ንዘርኢ ደቂ ሰብ ኣብ ምብራኽ ምስ የሱስ ኪሓብሩ እዮም።
19. (ሀ) እቲ ሓድሽ ኪዳን “መንግስቲ ኻህናት” ዘቖመ ስለምንታይ እዩ፧ (ለ) ቅቡኣት ክርስትያናት “ሓድሽ ፍጥረት” ተባሂሎም እተጸውዑ ስለምንታይ እዮም፡ ምስ ክርስቶስ ኰይኖም ኣብ ሰማይ ዚገዝኡኸ ኽንደይ እዮም፧
19 እንተዀነ ግና፡ እቲ ሓድሽ ኪዳን ንደቂ ሰብ ንምብራኽ “መንግስቲ ኻህናት” ኬቕውም ዝኸኣለ ስለምንታይ እዩ፧ ምኽንያቱ እቲ ኺዳን ንደቀ መዛሙርቲ ክርስቶስ ሓጥኣን ኢሉ ኣብ ክንዲ ዚዅንኖም፡ ብመስዋእቲ የሱስ ኣቢሉ ሓጢኣቶም ከም ዚሕደገሎም ገይሩ እዩ። (ኤርምያስ 31:31-34) ኣብ ቅድሚ የሆዋ ንጹህ ኣቕዋም ምስ ሓዙ ኸኣ፡ ናብታ ሰማያዊት ስድራ ቤቱ የሕብሮም ብመንፈስ ቅዱሱ ኸኣ ይቐብኦም። (ሮሜ 8:15-17፣ 2 ቈረንቶስ 1:21) በዚ ኸምዚ ኸኣ ‘ኣብ ሰማያት እተዓቝረሎም ህያው ተስፋ ንምርካብ ብሓድሽ ተወልዱ።’ (1 ጴጥሮስ 1:3, 4) እዚ ኸምዚ ዝኣመሰለ ልዕል ዝበለ መዓርግ ንደቂ ሰብ ምሉእ ብምሉእ ሓድሽ ስለ ዝዀነ ብመንፈስ እተቐብኡ ክርስትያናት “ሓድሽ ፍጥረት” ተባሂሎም ኣለዉ። (2 ቈረንቶስ 5:17) መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ሰማይ ምስ የሱስ ኰይኖም ኣብ ልዕሊ እቶም በጃ ዝሓለፈሎም ደቂ ሰብ ዚገዝኡ 144,000 ነገስታት ከም ዚህልዉ ይነግረና።—ራእይ 5:9, 10፣ 14:1-4።
20. (ሀ) ብ36 ድ.ክ. ብዛዕባ እቲ ቕዱስ ምስጢር እንታይ መግለጺ እዩ እተዋህበ፧ (ለ) ነቲ ኣምላኽ ንኣብርሃም ዘተስፈዎ በረኸት ዚረኽቦ መን እዩ፧
20 እዞም ቅቡኣት እዚኦም ምስ የሱስ “ዘርኢ ኣብርሃም” ኰኑ።b (ገላትያ 3:29) እቶም ብመጀመርታ እተመርጹ ስጋውያን ኣይሁድ እዮም ነይሮም። ብ36 ድ.ክ. ግና ካልእ ክፍሊ እቲ ቕዱስ ምስጢር፡ ማለት ኣህዛብ ወይ ኣይሁድ ዘይኰኑ ሰባት ሰማያዊ ተስፋ ኺረኽቡ ምዃኖም ተገልጸ። (ሮሜ 9:6-8፣ 11:25, 26፣ ኤፌሶን 3:5, 6) ነቲ ኣምላኽ ንኣብርሃም ዘተስፈዎ ተስፋ ዚረኽብዎ ቕቡኣት ክርስትያናት ጥራይ ድዮም፧ ኣይፋሎምን፡ ከመይሲ መስዋእቲ የሱስ ንምልእቲ ዓለም እዩ ዚጠቅም። (1 ዮሃንስ 2:2) የሆዋ ጸኒሑ ቝጽሮም ዘይተወሰነ “ብዙሓት ህዝቢ” ኻብ መወዳእታ ናይዚ ሕጂ ዘሎ ኣገባብ ሰይጣን ኪድሕኑ ምዃኖም ገሊጹ እዩ። (ራእይ 7:9, 14) ካልኦት ብዙሓት ከኣ ንዘለኣለም ኣብ ገነት ንምንባር ኪትንስኡ እዮም።—ሉቃስ 23:43፣ ዮሃንስ 5:28, 29፣ ራእይ 20:11-15፣ 21:3, 4።
ጥበብ ኣምላኽን እቲ ቕዱስ ምስጢርን
21, 22. እቲ ቕዱስ ምስጢር፡ ንጥበብ የሆዋ ዚገልጽ ብኸመይ እዩ፧
21 እቲ ቕዱስ ምስጢር ዜገርም መግለጺ እታ “ብዙሕ ዝዓይነታ ጥበብ ኣምላኽ” እዩ። (ኤፌሶን 3:8-10) የሆዋ ነዚ ቕዱስ ምስጢር እዚ ንምቛምን በብቝሩብ ንምግላጽን ኣየ ኸመይ ዝበለ ጥበብ ኰን እዩ ዘርኣየ! ንዓቕሚ ደቂ ሰብ ኣብ ግምት ኣእትዩ፡ ነቲ ናይ ሓቂ ዅነታት ልቦም ኪገልጹ ብምፍቃድ ጥበብ ኣርእዩ እዩ።—መዝሙር 103:14።
22 የሆዋ ንየሱስ ንጉስ ኰይኑ ኺገዝእ ብምምራጹ እውን፡ ነታ መወዳድርቲ ዘይብላ ጥበቡ ኣርእዩ እዩ። ኣብ ዩኒቨርስ ካብ ዘለዉ ዅሎም ፍጥረታት እቲ ኣዝዩ እሙን ወዲ የሆዋ እዩ። የሱስ ከም ሰብ ስጋን ደምን ለቢሱ ኺነብር ከሎ፡ ብዙሕ መከራ ኣሕሊፉ እዩ። ንጸገማት ደቂ ሰብ ምሉእ ብምሉእ ይርድኦ እዩ። (እብራውያን 5:7-9) ብዛዕባ እቶም መጋዝእቲ ክርስቶስከ እንታይ ኢና ኽንብል እንኽእል፧ ኣብ ዝሓለፈ ዘመናት ካብ ኵሎም ዓሌታትን ቋንቋታትን ድሕረ ባይታን እተመርጹ ሰብኡትን ኣንስትን ተቐቢኦም እዮም። እዞም ሰባት እዚኦም ዘየሕለፍዎን ዘይተዋጽኡሉን መከራ ዳርጋ የልቦን። (ኤፌሶን 4:22-24) እዞም ምሕረት ዝመልኦም ነገስታትን ካህናትን ኬመሓድሩኻስ ኣየ ኽንደይ ባህ ዜብል ኰን እዩ!
23. ክርስትያናት ምስቲ ቕዱስ ምስጢር የሆዋ እተተሓሓዘ እንታይ ክቡር መሰል እዩ እተዋህቦም፧
23 ሃዋርያ ጳውሎስ፡ “ካብ ዝሓለፈ ስርዓታትን ካብ ውሉድ ወለዶን ተሰዊሩ ዝነበረ ቕዱስ ምስጢር እዩ። ሕጂ ግና፡ ንቕዱሳት ተገሊጹ ኣሎ” ኢሉ ጸሓፈ። (ቈሎሴ 1:26) እወ፡ እቶም እተቐብኡ ናይ የሆዋ ቕዱሳት ብዛዕባ እቲ ቕዱስ ምስጢር ብዙሕ ፍልጠት ረኺቦም፡ ነዚ ፍልጠት እዚ ድማ ንብዙሓት ሚልዮናት ሰባት ኣካፊሎምዎም እዮም። ኵላትና ኣየ ኸመይ ዝበለ ኽቡር መሰል ኰን እዩ ዘሎና! የሆዋ “ምስጢር ፍቓዱ ኣፍሊጡና እዩ።” (ኤፌሶን 1:9) ሃየ እምበኣር፡ ነዚ ዓሚቝ ዜደንቕ ምስጢር የሆዋ ኣምላኽ ንሰባት እናነገርና ነረድኣዮም!
a “እቲ ቕዱስ ምስጢር እዚ ንኣምላኽ ዘሎና ተወፋይነት” ኣብ የሱስ እውን ተገሊጹ እዩ። (1 ጢሞቴዎስ 3:16) እቲ ‘ንየሆዋ ምሉእ ብምሉእ እሙን ኪኸውን ዚኽእል ኣሎ ድዩ፧’ ዚብል ብድሆ ንነዊሕ እዋን ምስጢር ኰይኑ ጸኒሑ ነበረ። የሱስ እቲ መልሲ እንታይ ምዃኑ ኣርኣየ። ሰይጣን ዝዀነ ይኹን ብድሆ እኳ እንተ ኣቕረበሉ፡ ንጽህናኡ ምሉእ ብምሉእ ሓልዩ እዩ።—ማቴዎስ 4:1-11፣ 27:26-50።
b የሱስ ምስዞም ጕጅለ እዚኦም ‘ኪዳን መንግስቲ ገይሩ’ እዩ። (ሉቃስ 22:29, 30) በዚ ኸምዚ ድማ ነዞም “ሒደት መጓሰ” ኸም ካልኣይ ክፍሊ ዘርኢ ኣብርሃም ኰይኖም ምስኡ ኣብ ሰማይ ንምግዛእ ውዕል ገበረሎም።—ሉቃስ 12:32።