ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • bh ገጽ 222-ገጽ 223
  • በዓላት ከነብዕል ግቡእ ድዩ፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • በዓላት ከነብዕል ግቡእ ድዩ፧
  • መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ እንታይ እዩ ዚምህር፧
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንገሊኡ በዓላት ዘየብዕሉ ስለምንታይ እዮም፧
    ብዛዕባ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብተደጋጋሚ ዚሕተት ሕቶታት
  • በዓል ትንሳኤዶ ወይስ ናይ ዝኽሪ በዓል ኣየናይ ኢኻ ከተብዕሎ ዝግብኣካ፧
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1996
  • ኵሉ በዓላት ንኣምላኽ ባህ የብሎ ድዩ፧
    ኣብ ፍቕሪ ኣምላኽ ብኸመይ ትጸንዕ፧
  • ኵሉ በዓላት ንኣምላኽ ባህ የብሎ ድዩ፧
    ንዘለኣለም ብህይወት ንበር!—ኣሳታፊ ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ
ዝያዳ ርአ
መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ እንታይ እዩ ዚምህር፧
bh ገጽ 222-ገጽ 223

መመላእታ ጽሑፍ

በዓላት ከነብዕል ግቡእ ድዩ፧

እቲ ኣብ ብዙሕ ክፋል ዓለም ብሰፊሑ ዚብዓል ዘሎ ሃይማኖታውን ዓለማውን በዓላት ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝመንጨወ ኣይኰነን። መበቈል እዚ በዓላት እዚ ደኣ እሞ እንታይ እዩ፧ ኣብ ቤተ መጻሕፍቲ ኼድካ ምርምር ክትገብር ትኽእል እንተ ደኣ ዄንካ፡ ገሊኡ መወከሲ መጻሕፍቲ ብዛዕባ እቲ ልሙድ በዓላት ዚብሎ ነገራት ዜገርም ኰይኑ ኽትረኽቦ ኢኻ። ሕጂ ግና ገለ ኣብነታት እስከ ንርአ።

በዓል ትንሳኤ። ኢንሳይክሎፔድያ ብሪታኒካ፡ “ኣብ ሓድሽ ኪዳን በዓል ትንሳኤ ይብዓል ምንባሩ ዚሕብር ነገር የለን” ይብል። ብኸመይ ደኣሉ እሞ ኺብዓል ጀሚሩ፧ ካብ ኣረማዊ ኣምልኾ ዝመንጨወ እዩ። እዚ በዓል እዚ ንትንሳኤ የሱስ ንምዝካር ኢልካ ዚግበር እኳ እንተ ዀነ፡ እቲ ምስኡ እተተሓሓዘ ልምድታት ግና ክርስትያናዊ ኣይኰነን።

በዓላት ሓድሽ ዓመት። ምስ ሓድሽ ዓመት ዚተሓሓዝ በዓላት ዕለቱን ልምድታቱን ካብ ሃገር ናብ ሃገር ይፈላለ እዩ። ዘ ዎርልድ ቡክ ኢንሳይክሎፔድያ ብዛዕባ ምንጪ እዚ በዓል እዚ “እቲ ጁልየስ ቄሳር ዚብሃል ሮማዊ ገዛኢ ኣብ 46 ቅ.ክ. ን1 ጥሪ መጀመርታ ሓድሽ ዓመት ገይሩ ኣቘማ። ሮማውያን ነዛ ዓመት እዚኣ ንጃኑስ ዚብሃል ናይ ኣፍ ደገታትን መዓጹን መጀመርታታትን ኣምላኽ ዝወፈይዋ እያ ነይራ። ወርሒ ጥሪ [ብእንግሊዝኛ ጃንዋሪ] በቲ ንቕድሚትን ንድሕሪትን ዚጥምት ክልተ ገጽ ዘለዎ ጃኑስ እያ ተሰምያ” ትብል። እምበኣር፡ በዓላት ሓድሽ ዓመት ኣብ ኣረማዊ ልምድታት እተመስረተ እዩ።

ሃሎዊን። ኢንሳይክሎፔድያ ኣመሪካና፡ “ምስ ሃሎዊን ዚተሓሓዝ ልማዳት ካብቲ ቕድሚ ክርስትና ዝነበረ ጽምብላት ድሩይድ [ጥንታዊ ኽህነት ሰልት ዚብሃሉ ህዝቢ] ዝመንጨወ እዩ ይብል። እቶም ሰልት ነቶም ኣምላኽ ጸሓይን ኣምላኽ ምዉታትን . . . ዚብሃሉ ኽልተ ዓበይቲ ኣማልኽቲ ኣብቲ ሓድሽ ዓመት ሰልት ዚጅምረሉ 1 ሕዳር በዓላት ይገብሩሎም ነይሮም። እቲ በዓል ምዉታት በብቝሩብ ናብ ክርስትና ተኣታተወ።”

ካልእ በዓላት። ንዅሉ እቲ ኣብ መላእ ዓለም ዚብዓል በዓላት ክንጠቕሶ ኣይንኽእልን ኢና። ይኹን እምበር፡ ንሰባት ወይ ሰብኣዊ ውድባት ክብ ዜብል በዓላት፡ ብየሆዋ ተቐባልነት የብሉን። (ኤርምያስ 17:5-7፣ ግብሪ ሃዋርያት 10:25, 26) መበቈል ሃይማኖታዊ በዓላት እውን ንኣምላኽ ኬሐጕሶ ወይ ኬጕህዮ ኸም ዚኽእል ኣይትረስዕ። (ኢሳይያስ 52:11፣ ራእይ 18:4) ኣብ ምዕራፍ 16 እዛ መጽሓፍ እዚኣ ተጠቒሱ ዚርከብ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኣምላኽ ንዓለማዊ በዓላት ብዛዕባ ምብዓል ዘለዎ ኣረኣእያ ኽትፈልጥ ኪሕግዘካ እዩ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ