ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • bm ክፋል 5 ገጽ 8
  • ኣምላኽ ንኣብርሃምን ንስድራ ቤቱን ባረኾም

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ኣምላኽ ንኣብርሃምን ንስድራ ቤቱን ባረኾም
  • መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ መልእኽቲ ሒዙ ኣሎ፧
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ካብ ማይ ኣይሂ ክሳዕ እቲ ካብ ግብጺ ዝወጽሉ ግዜ
    መጽሓፈይ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ዛንታታት
  • የሆዋ—“ኣምላኽ ሰላም”
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2011
  • ዘፍጥረት—ትሕዝቶ
    መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
  • “ኣነዶ ኣብ ክንዲ ኣምላኽ እየ፧”
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2015
ዝያዳ ርአ
መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ መልእኽቲ ሒዙ ኣሎ፧
bm ክፋል 5 ገጽ 8
ኣብርሃም ነቲ ዚሓርደሉ ኻራ ሒዙ፡ ይስሃቕ ድማ ኣብ ልዕሊ እቲ መሰውኢ ደቂሱ

ክፋል 5

ኣምላኽ ንኣብርሃምን ንስድራ ቤቱን ባረኾም

ዘርኢ ኣብርሃም ሰሰኑ። ኣምላኽ ንዮሴፍ ኣብ ግብጺ ኣዕቈቦ

የሆዋ፡ ሓደ መዓልቲ እቲ ዜፍቅሮ ወዱ ኸም ዚስቀን ከም ዚመውትን ይፈልጥ ነይሩ እዩ። ኣብ ዘፍጥረት 3:15 ተመዝጊቡ ዚርከብ ትንቢት፡ ነዚ ሓቂ እዚ ዚእምት እዩ። እሞኸ የሆዋ፡ መስዋእቲ ወዱ ኽሳዕ ክንደይ ክቡር ምዃኑ፡ ንደቂ ሰብ ኬረድኦም ክኢሉዶ፧ መጽሓፍ ቅዱስ ህያው ምሳሌ ሒዙ ኣሎ። ኣምላኽ ንኣብርሃም፡ ነቲ ዜፍቅሮ ወዱ ይስሃቅ ኪስውእ ሓተቶ።

ኣብርሃም ዓባይ እምነት ነበረቶ። እቲ ብትንቢት እተነግረሉ መድሓኒ ወይ ዘርኢ ኻብ መስመር ወለዶ ይስሃቅ ከም ዚመጽእ፡ ኣምላኽ ተመባጺዑሉ ነይሩ እዩ። ኣብርሃም፡ ኣድላዪ እንተ ዀይኑ ኣምላኽ ንይስሃቅ ኬተንስኦ ኸም ዚኽእል ስለ ዝኣመነ፡ ንወዱ ብተኣዛዝነት ኪስውእ ወሰነ። ካብ ኣምላኽ እተላእከ መልኣኽ ግን፡ ንወዱ ኸይስውእ ከልከሎ። ኣምላኽ ንኣብርሃም ስለቲ ንዜፍቅሮ ውሉዱ ኺስውእ ዘርኣዮ ፍቓደኛነት ድሕሪ ምንኣዱ፡ ነቲ እሙን ሰብኣይ መብጽዓታቱ ደገመሉ።

ጸኒሑ ይስሃቅ፡ ኤሳውን ያእቆብን ዚበሃሉ ኽልተ ኣወዳት ወለደ። ኤሳው ንመንፈሳዊ ነገራት ዚንዕቕ እዩ ነይሩ፣ ያእቆብ ግን ንመንፈሳዊ ነገራት ኣኽቢሩ ዚርኢ ስለ ዝነበረ፡ ዓስቢ ረኸበ። ኣምላኽ ንያእቆብ፡ እስራኤል ኢሉ ስሙ ቐየረሉ፣ እቶም 12 ደቂ እስራኤል ድማ ርእስታት 12 ነገዳት እስራኤል ኰኑ። እታ ስድራ ቤት እቲኣ ናብ ዓብዪ ህዝቢ ዝዓበየት ግን ብኸመይ እያ፧

መብዛሕትኦም እቶም ውሉዳት ነቲ ብዕድመ ዚንእሶም ዮሴፍ ሓዎም ቀንኡሉ። ባርያ ኪኸውን ሸጥዎ፣ እቶም ዝገዝእዎ ሰባት ድማ ናብ ግብጺ ወሰድዎ። ኣምላኽ ግን ነቲ እሙንን ተባዕን መንእሰይ ባረኾ። ዮሴፍ ብዙሕ መከራ እኳ እንተ ኣሕለፈ፡ ኣብ መወዳእታኡ ግን በቲ ገዛኢ ግብጺ ዝነበረ ፈርኦን ተመሪጹ፡ ዓብዪ ስልጣን ተዋህቦ። ኣብቲ ግዜ እቲ ጥሜት ኰይኑ ስለ ዝነበረ፡ ያእቆብ ንደቁ ኻብ ግብጺ እኽሊ ኺሽምቱ ለኣኾም፣ ዮሴፍ ከኣ ኣብ ልዕሊ ዅሉ እኽሊ ተሸይሙ ነበረ። ዮሴፍ ምስ ኣሕዋቱ ብዜደንቕ መገዲ ድሕሪ ምርኻቡ፡ ይቕረ በለሎም፡ ምስ ኵሎም ስድራ ቤቶም ናብ ግብጺ ኸም ዚግዕዙ ድማ ገበረ። ንሳቶም ብሉጽ ምድሪ ተዋህቦም፡ ኣብኡ ድማ ዓበዩን ሰሰኑን። ዮሴፍ ነዚ ነገራት እዚ፡ ኣምላኽ መብጽዓታቱ ንኺፍጽም ኢሉ ኸም ዝገበሮ ገይሩ እዩ ተረዲእዎ።

ዮሴፍ ንኣሕዋቱ መንነቱ ይገልጸሎም

ያእቆብ መዓልትታት እርጋኑ ብስድራ ቤቱ ተኸቢቡ፡ ኣብ ግብጺ ኣሕለፎ። ኣብ ኣጋ ሞቱ፡ እቲ መብጽዓ እተገብረሉ ዘርኢ ወይ መድሓኒ፡ ካብ መስመር ወለዶ እቲ ይሁዳ ዚበሃል ወዱ ዚውለድ ሓያል ገዛኢ ኪኸውን ምዃኑ ተነበየ። ዮሴፍ እውን ሓያሎ ዓመታት ጸኒሑ ናብ ሞቱ ምስ ቀረበ፡ ኣምላኽ ሓደ መዓልቲ ንእንዳ ያእቆብ ካብ ግብጺ ኸም ዜውጽኦም ተነበየ።

—ኣብ ዘፍጥረት ምዕራፍ 20 ኽሳዕ 50፣ እብራውያን 11:17-22 እተመስረተ።

  • ኣምላኽ ንኣብርሃም እንታይ ኪገብር እዩ ነጊርዎ፧ በዚ ኸምዚኸ ንደቂ ሰብ እንታይ መልእኽቲ እዩ ኣመሓላሊፉሎም፧

  • ዮሴፍ ናብ ግብጺ ዝኸደ ብኸመይ እዩ፧ እዚኸ እንታይ ውጽኢት ነበሮ፧

  • ያእቆብ ቀቅድሚ ሙማቱ እንታይ ኢሉ ተነበየ፧

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ