ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • ll ክፋል 1 ገጽ 4-5
  • ንኣምላኽ ከመይ ጌርና ንሰምዖ፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ንኣምላኽ ከመይ ጌርና ንሰምዖ፧
  • ንኣምላኽ ስምዓዮ እሞ ንዘለኣለም ክትነብር ኢኻ
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ክፍሊ 1
    ንኣምላኽ ስምዓዮ
  • መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2015
  • መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2013
  • ብፍቕሪ ናይ ምስማዕ ጥበብ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2005
ዝያዳ ርአ
ንኣምላኽ ስምዓዮ እሞ ንዘለኣለም ክትነብር ኢኻ
ll ክፋል 1 ገጽ 4-5

ክፍሊ 1

ንኣምላኽ ከመይ ጌርና ንሰምዖ፧

ኣምላኽ ብመጽሓፍ ቅዱስ ኣቢሉ ይዛረበና እዩ። 2 ጢሞቴዎስ 3:16

የሆዋ ኣብ ሰማያዊ ዝፋኑ ዀይኑ፡ ንሰባት መጽሓፍ ቅዱስ ኪጽሕፉ ደሪኽዎም

ናይ ሓቂ ኣምላኽ ብሰባት ኣቢሉ፡ ሓሳባቱ ኣብ ሓደ ቕዱስ መጽሓፍ ከም ዚጸሓፍ ገይሩ እዩ። እዚ መጽሓፍ እዚ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ይብሃል። ኣብኡ ድማ፡ ኣገዳሲ ሓበሬታ ኣሎ። ኣምላኽ ነቲ ሓበሬታ እቲ ኽትፈልጦ ይደልየካ እዩ።

ኣምላኽ ምንጪ ዅሉ ጥበብ ስለ ዝዀነ፡ ንዓና ዚጠቕመና ዘበለ ይፈልጥ እዩ። ንዕኡ ምስ እትሰምዖ፡ ብሓቂ ጥበበኛ ኽትከውን ኢኻ።—ምሳሌ 1:5።

መጽሓፍ ቅዱስ ብሓያሎ ቛንቋታት፣ ሓደ ሰብኣይ ብቛንቋኡ መጽሓፍ ቅዱስ የንብብ

ኣምላኽ፡ ኵሉ ሰብ ንመጽሓፍ ቅዱስ ኬንብቦ እዩ ዚደሊ። እዚ መጽሓፍ እዚ ኸኣ፡ ብብዙሕ ቋንቋታት ይርከብ እዩ።

ንኣምላኽ ክትሰምዖ እንተ ደሊኻ፡ ንመጽሓፍ ቅዱስ ከተንብቦን ክትርድኦን ኣሎካ።

ኣብ ኵሉ ቦታ ዚርከቡ ሰባት ይሰምዑ ኣለዉ። ማቴዎስ 28:19

ሓደ ናይ የሆዋ ምስክር ንሓደ ሰብኣይ ጥቕሲ መጽሓፍ ቅዱስ የንብበሉን መጽሓፍ ቅዱስ ይምህሮን

ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ንመጽሓፍ ቅዱስ ክትርድኦ ኺሕግዙኻ ይኽእሉ እዮም።

ኣብ ምልእቲ ምድሪ፡ ብዛዕባ ኣምላኽ እቲ ሓቂ ይምህሩ እዮም።

ኣብ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዚግበር ኣኼባ

ነዚ ትምህርቲ እዚ ገንዘብ ክትከፍል ኣይትሕተትን ኢኻ። ኣብ ከባቢኻ ኣብ ዚርከብ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ናይ የሆዋ መሰኻኽር እውን፡ ብዛዕባ ኣምላኽ ክትምሃር ትኽእል ኢኻ።

  • ቃል ኣምላኽ ሓቂ እዩ።—ዮሃንስ 17:17።

  • ብኣምላኽ ክንእመን እንኽእል ስለምንታይ ኢና፧—ዘሁልቍ 23:19።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ