ክፍሊ 1
ንኣምላኽ ከመይ ጌርና ንሰምዖ፧
ኣምላኽ ብመጽሓፍ ቅዱስ ኣቢሉ ይዛረበና እዩ። 2 ጢሞቴዎስ 3:16
ናይ ሓቂ ኣምላኽ ብሰባት ኣቢሉ፡ ሓሳባቱ ኣብ ሓደ ቕዱስ መጽሓፍ ከም ዚጸሓፍ ገይሩ እዩ። እዚ መጽሓፍ እዚ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ይብሃል። ኣብኡ ድማ፡ ኣገዳሲ ሓበሬታ ኣሎ። ኣምላኽ ነቲ ሓበሬታ እቲ ኽትፈልጦ ይደልየካ እዩ።
ኣምላኽ ምንጪ ዅሉ ጥበብ ስለ ዝዀነ፡ ንዓና ዚጠቕመና ዘበለ ይፈልጥ እዩ። ንዕኡ ምስ እትሰምዖ፡ ብሓቂ ጥበበኛ ኽትከውን ኢኻ።—ምሳሌ 1:5።
ኣምላኽ፡ ኵሉ ሰብ ንመጽሓፍ ቅዱስ ኬንብቦ እዩ ዚደሊ። እዚ መጽሓፍ እዚ ኸኣ፡ ብብዙሕ ቋንቋታት ይርከብ እዩ።
ንኣምላኽ ክትሰምዖ እንተ ደሊኻ፡ ንመጽሓፍ ቅዱስ ከተንብቦን ክትርድኦን ኣሎካ።
ኣብ ኵሉ ቦታ ዚርከቡ ሰባት ይሰምዑ ኣለዉ። ማቴዎስ 28:19
ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ንመጽሓፍ ቅዱስ ክትርድኦ ኺሕግዙኻ ይኽእሉ እዮም።
ኣብ ምልእቲ ምድሪ፡ ብዛዕባ ኣምላኽ እቲ ሓቂ ይምህሩ እዮም።
ነዚ ትምህርቲ እዚ ገንዘብ ክትከፍል ኣይትሕተትን ኢኻ። ኣብ ከባቢኻ ኣብ ዚርከብ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ናይ የሆዋ መሰኻኽር እውን፡ ብዛዕባ ኣምላኽ ክትምሃር ትኽእል ኢኻ።