ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • ll ክፋል 5 ገጽ 12-13
  • ማይ ኣይሂ—መን ሰሚዖም፧ መንከ ኣይሰምዑን፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ማይ ኣይሂ—መን ሰሚዖም፧ መንከ ኣይሰምዑን፧
  • ንኣምላኽ ስምዓዮ እሞ ንዘለኣለም ክትነብር ኢኻ
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • መርከብ ኖህ
    ካብ መጽሓፍ ቅዱስ እትምሃሮ ትምህርቲ
  • ክፍሊ 5
    ንኣምላኽ ስምዓዮ
  • ኖህ መርከብ ይሰርሕ
    መጽሓፈይ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ዛንታታት
  • “ምስቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ተመላለሰ”
    ኣስኣሰር እምነቶም ስዓብ
ዝያዳ ርአ
ንኣምላኽ ስምዓዮ እሞ ንዘለኣለም ክትነብር ኢኻ
ll ክፋል 5 ገጽ 12-13

ክፍሊ 5

ማይ ኣይሂ—መን ሰሚዖም፧ መንከ ኣይሰምዑን፧

ብግዜ ኖህ ዝነበሩ መብዛሕትኦም ሰባት ክፉእ ገበሩ። ዘፍጥረት 6:5

እኩያት መላእኽቲ ስጋ ለቢሶም ምስ ኣንስቲ ይራኸቡ

ኣዳምን ሄዋንን ውሉዳት ወለዱ፣ ሰባት ከኣ ኣብ ምድሪ ኺበዝሑ ጀመሩ። ድሕሪ ግዜ፡ ገለ መላእኽቲ ምስ ሰይጣን ሓቢሮም ዓለዉ።

ንኣንስቲ ምእንቲ ኺምርዓዉ፡ ናብ ምድሪ መጺኦም ስጋ ሰብ ለበሱ። እተን ኣንስቲ፡ ልዕለ ሰብኣዊ ሓይሊ ዘለዎም ጨካናትን ብርቱዓትን ኣወዳት ወለዳ።

ሓንቲ ሰበይቲ ሕጻን ሓቚፋ ኸላ፡ ሓደ ቘልዓ ይሃርማ፣ ካብ እኩያት መላእኽቲ እተወልዱ ነፊሊም ዓመጻ ዝመልኦ ተግባራት ይፍጽሙ

ምድሪ ኸኣ፡ እከይ ብዚገብሩ ሰባት መልአት። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “የሆዋ ኸኣ፡ ክፍኣት ሰብ ኣብ ምድሪ ኸም ዝበዝሐን ኵሉ ዝንባለ ሓሳባት ልቡ ድማ ወትሩ ኽፉእ ጥራይ ከም ዝዀነን ረኣየ” ይብለና።

ኖህ ንኣምላኽ ሰሚዑ፡ መርከብ ሰርሐ። ዘፍጥረት 6:13, 14, 18, 19, 22

ኖህ ንኣምላኽ ይሰምዖ

ኖህ፡ ጻድቕ ሰብ እዩ ነይሩ። የሆዋ ንኖህ፡ ንእኩያት ሰባት ብማይ ኣይሂ ኸም ዜጥፍኦም ነገሮ።

ኖህን ስድራ ቤቱን መርከብ ይሰርሑ

ኣምላኽ ንኖህ፡ ዓባይ መርከብ ሰሪሑ፡ ንስድራ ቤቱን ንእተፈላለዩ ዓይነት እንስሳታትን ናብኣ ኼእቱ ነገሮ።

ኖህ ንሰባት ማይ ኣይሂ ኸም ዚመጽእ የጠንቅቖም፡ ንሳቶም ግና ይስሕቅዎ

ኖህ ንሰባት ብዛዕባ ማይ ኣይሂ ኣጠንቀቖም፣ ንሳቶም ግና ኣይሰምዕዎን። ገሊኦም ኣላገጹሉ፡ ገሊኦም ከኣ ጸልእዎ።

ኖህን ስድራ ቤቱን ንእንስሳታት ኣኪቦም ናብታ መርከብ የእትውዎም

እታ መርከብ ተሰሪሓ ምስ ተወድአት፡ ኖህ ንእንስሳታት ናብኣ ኣእተወ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ