ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • jl ትምህርቲ 15
  • ሽማግለታት ንጉባኤ ዜገልግሉ ብኸመይ እዮም፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ሽማግለታት ንጉባኤ ዜገልግሉ ብኸመይ እዮም፧
  • ሎሚ ፍቓድ የሆዋ ዚገብሩ ዘለዉ መን እዮም፧
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ክርስትያናዊት ጉባኤ ብኸመይ እያ ተወዲባ፧
    ንዘለኣለም ብህይወት ንበር!—ኣሳታፊ ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ
  • “ነቲ ምሳኻትኩም ዘሎ መጓሰ ኣምላኽ ጓስይዎ”
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2011
  • ‘ነቶም ኣብ ማእከልኩም ዚጽዕሩ ኣኽብርዎም’
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2011
  • “መጓሰ ኣምላኽ ጓስይዎ”
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2002
ዝያዳ ርአ
ሎሚ ፍቓድ የሆዋ ዚገብሩ ዘለዉ መን እዮም፧
jl ትምህርቲ 15

ትምህርቲ 15

ሽማግለታት ንጉባኤ ዜገልግሉ ብኸመይ እዮም፧

ሓደ ሽማግለ ምስ ኣባላት ጉባኤ ይዛራረብ

ፊንላንድ

ሓደ ሽማግለ ኣብ ጉባኤ ይምህር

ምምሃር

ሽማግለታት ንኣባላት ጉባኤ የተባብዑ

ምጕሳይ

ሓደ ሽማግለ የገልግል

ምምስካር

ኣብ ውድብና ዚኽፈሎ ቐሺ የብልናን። ኣብ ክንዳኡስ፡ ከምቲ ክርስትያናዊት ጉባኤ ኽትስረት ከላ ዚግበር ዝነበረ፡ ብቕዓት ዘለዎም ሓለውቲ፡ ‘ጉባኤ ኣምላኽ ምእንቲ ኺጓስዩ’ ይሽየሙ እዮም። (ግብሪ ሃዋርያት 20:28) እዞም ሽማግለታት እዚኦም፡ ኣብ ጉባኤ ዚመርሑን ዚጓስዩን መንፈሳዊ ብስለት ዘለዎም ሰብኡት እዮም፣ ነዚ ዚገብርዎ ድማ ‘ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ብፍታው እምበር፡ ብግዲ ኣይኰነን፣ ብሃንቀውታ እምበር፡ ንዘይግቡእ ረብሓ ኣይኰነን።’ (1 ጴጥሮስ 5:1-3) ብኸመይ እዮም ዜገልግሉና፧

ይከናኸኑናን ይሕልዉናን። ሽማግለታት ንጉባኤ ብመንፈሳዊ ንምዕቋብ ይመርሑን ይሕግዙን እዮም። ኣምላኽ ነዚ ኣገዳሲ ግደ እዚ ብሕድሪ ኸም ዝሃቦም ስለ ዚፈልጡ፡ ንህዝቡ ኣይጕይተቱሎምን እዮም፣ የግዳስ፡ ንድሕንነትናን ንሓጐስናን ኣበርክቶ ይገብሩ እዮም። (2 ቈረንቶስ 1:24) ከምቲ ሓደ ጓሳ ንነፍሲ ወከፍ በጊዑ ብትግሃት ዚከናኸና፡ ሽማግለታት ከኣ ንነፍሲ ወከፍ ኣባል ጉባኤ ብውልቂ ኺፈልጡ ይጽዕሩ እዮም።—ምሳሌ 27:23።

ብኸመይ ፍቓድ ኣምላኽ ከም እንገብር ይምህሩና። ኣብ ሰሰሙን፡ ሽማግለታት ንእምነትና ንምብርታዕ፡ ኣኼባታት ጉባኤ ይመርሑ እዮም። (ግብሪ ሃዋርያት 15:32) እዞም ውፉያት ሰብኡት እዚኦም፡ ኣብ ንጥፈታት ወንጌላውነት እውን ምሳና ብምዕያይን ኣብ ኵሉ መዳያት ኣገልግሎት ብምስልጣንን፡ መሪሕ ግደ ኣለዎም።

ብሕታዊ መተባብዒ ይህቡና። ሽማግለታት ጉባኤና፡ በብውልቂ ብመንፈስ ዜድልየና ዘበለ ምእንቲ ኼማልኡልና፡ ካብ ቅዱሳት ጽሑፋት ሓገዝን መጸናንዕን ንምሃብ፡ ኣብ ቤትና ወይ ኣብ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ኪበጽሑና ይኽእሉ እዮም።—ያእቆብ 5:14, 15።

መብዛሕትኦም ሽማግለታት ኣብ ርእሲ እቲ ኣብ ጉባኤ ዚገብርዎ ዕዮ፡ ግዜን ቈላሕታን ዚጠልብ ዓለማዊ ዕዮን ሓላፍነት ስድራ ቤትን ኣለዎም። ነዞም ጻዕረኛታት ኣሕዋት እዚኦም፡ ኣኽብሮት ይግብኦም እዩ።—1 ተሰሎንቄ 5:12, 13።

  • ሽማግለታት ጉባኤ እንታይ ግደ ኣለዎም፧

  • ሽማግለታት ብብሕቲ ተገዳስነት ዜርእዩና ብኸመይ እዮም፧

ንተወሳኺ ሓበሬታ

ንምግልጋል ብቕዓት ዘለዎ መን እዩ፧ ቅዱስ ጽሑፋዊ ብቕዓት ሽማግለታትን ኣገልገልቲ ጉባኤን ኣብ 1 ጢሞቴዎስ 3:1-10, 12፣ ቲቶስ 1:5-9 ከተንብብ ትኽእል ኢኻ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ