ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • jl ትምህርቲ 23
  • ጽሑፋትና ዚጸሓፍን ዚትርጐምን ብኸመይ እዩ፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ጽሑፋትና ዚጸሓፍን ዚትርጐምን ብኸመይ እዩ፧
  • ሎሚ ፍቓድ የሆዋ ዚገብሩ ዘለዉ መን እዮም፧
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ቋንቋ ዚፈጥሮ ዕንቅፋት ምስጋሩ—ዕዮ ትርጉም ከመይ ይመስል፧
    ንቕሑ!—2016
  • እቲ ህያው ቋንቋታት “ዝዛረብ” መጽሓፍ
    ንዅሎም ሰባት ዝኸውን መጽሓፍ
  • ነቲ መንፈስ ዝነፈሶ ቃል ኣምላኽ ብተኣማንነት ምድጋፍ
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1997
  • “ብሩር ናተይ እዩ: ወርቂ ኸኣ ናተይ እዩ”
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2007
ዝያዳ ርአ
ሎሚ ፍቓድ የሆዋ ዚገብሩ ዘለዉ መን እዮም፧
jl ትምህርቲ 23

ትምህርቲ 23

ጽሑፋትና ዚጸሓፍን ዚትርጐምን ብኸመይ እዩ፧

ኣብ ሕ.መ.ኣ. ኣብ ዚርከብ ክፍሊ ጽሕፈት ዚዓዪ ሓው

ክፍሊ ጽሕፈት፡ ሕ.መ.ኣ.

ኣብ ደቡብ ኮርያ እትርከብ ጕጅለ ትርጉም

ደቡብ ኮሪያ

ሓደ ኣርመናዊ ሰብኣይ፡ ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተተርጐመት መጽሓፍ ሒዙ

ኣርመንያ

ሓንቲ ጓል ብሩንዲ፡ ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተተርጐመት መጽሓፍ ሒዛ

ቡሩንዲ

ሓንቲ ስሪ ላንካዊት ሰበይቲ፡ ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተተርጐመ መጽሔታት ሒዛ

ስሪ ላንካ

“ንዅሎም ኣህዛብን ነገዳትን ቋንቋታትን ህዝብታትን” “ብስራት” ንምብሳር ዚከኣለና ዘበለ ምእንቲ ኽንገብር፡ ብልዕሊ 750 ቋንቋ ጽሑፋት ነዳሉ ኢና። (ራእይ 14:6) ነዚ በዳሂ ዕዮ እዚ ብኸመይ ኢና እንፍጽሞ፧ ብሓገዝ እቶም ኣብ መላእ ዓለም ዚርከቡ ጸሓፍትን ውፉያት ተርጐምትን ኢና እዚ ኽንገብር ክኢልና፣ ኵሎም ከኣ ናይ የሆዋ መሰኻኽር እዮም።

እቲ በዅሪ ጽሑፍ ብእንግሊዝኛ ይዳሎ። ኣመሓዳሪ ኣካል ንንጥፈታት እቲ ኣብ ቀንዲ ቤት ጽሕፈትና ዚርከብ ክፍሊ ጽሕፈት ይከታተል። ክፍሊ ጽሕፈት ድማ፡ ነቲ እቶም ኣብ ቀንዲ ቤት ጽሕፈትን ኣብ ገሊአን ኣብያተ ጽሕፈት ጨንፈርን ዜገልግሉ ጸሓፍቲ ዚዓይዎ ዕዮ የተሓባብር። ኣባላት ክፍሊ ጽሕፈት እተፈላለየ ድሕረ ባይታ ዘለዎም ምዃኖም፡ እተፈላለየ ባህሊ ንዘለዎም ሰባት ዚትንክፍ ጽሑፋት ከነዳሉ ሓጊዙና እዩ፣ በዚ ኸምዚ ኸኣ ጽሑፋትና ዓለምለኻዊ ትሕዝቶ ኺህልዎ ኽኢሉ እዩ።

እቲ ጽሑፍ ናብ ተርጐምቲ ይለኣኽ። እቲ ጽሑፍ ምስ ተሰናደወን ምስ ጸደቐን፡ ብኤሌክትሮኒካዊ መገዲ ኣብ መላእ ዓለም ናብ ዘለዉ ጕጅለታት ተርጐምቲ ይለኣኽ፣ ንሳቶም ከኣ ነቲ ጽሑፍ ተርጒሞም ይእርምዎን የጽፍፍዎን። ንትርጉም እቲ ብእንግሊዝኛ እተጻሕፈ ጽሑፍ ምሉእ ብምሉእ ብቛንቋኦም ዜመሓላልፍ “ልክዕ ቃላት ሓቂ” ኺሓርዩ እዮም ዚጽዕሩ።—መክብብ 12:10።

ኮምፕዩተር ነቲ መስርሕ የቀላጥፎ። ኮምፕዩተር ናይ ጸሓፍትን ተርጐምትን ስራሕ ኪሰርሕ ኣይክእልን እዩ። ይኹን እምበር፡ ኣብ ኮምፕዩተር ዚርከብ መዝገበ ቓላትን ካልእ ንትርጉምን ንምርምርን ዚሕግዝ ናውትን ነቲ ስራሕ ኬቀላጥፎ ይኽእል እዩ። ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ማልቲላንጐጅ ኤሌክትሮኒክ ፓብሊሽንግ ሲስተም (መፕስ) ዚብሃል ናይ ኮምፕዩተር ፕሮግራም ኣዳልዮም ኣለዉ። እዚ ፕሮግራም እዚ፡ ብኣማእታት ዚቝጸር ቋንቋታት ክትጽሕፈሉን ንጽሑፍ ምስ ስእሊ ጌርካ ኸተሰናድዎን ጽሑፋት ንሕትመት ከተዳሉን ይሕግዝ።

ሒደት ኣሽሓት ሰባት ብዚዛረብዎ ቛንቋታት እውን ከይተረፈ ጽሑፋት ከነዳሉ ጻዕሪ እንገብር ስለምንታይ ኢና፧ ምኽንያቱ፡ “ኵሉ ዓይነት ሰብ ኪድሕንን ናብ ልክዕ ፍልጠት ሓቂ ኺመጽእን” ፍቓድ የሆዋ እዩ።—1 ጢሞቴዎስ 2:3, 4።

  • ጽሑፋትና ብኸመይ ይጽሓፍ፧

  • ጽሑፋትና ብብዙሕ ቋንቋታት እንትርጕሞ ስለምንታይ ኢና፧

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ