ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • jl ትምህርቲ 28
  • ኣብ ወብ ሳይትና እንታይ ኪርከብ ይከኣል፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ኣብ ወብ ሳይትና እንታይ ኪርከብ ይከኣል፧
  • ሎሚ ፍቓድ የሆዋ ዚገብሩ ዘለዉ መን እዮም፧
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ንኣገዳሲ ሕቶታት ህይወት ኣበይ መልሲ ኽንረኽበሉ ንኽእል፧
    ንኣገዳሲ ሕቶታት ህይወት ኣበይ መልሲ ኽንረኽበሉ ንኽእል፧
  • ብዛዕባ እዚ ዚስዕብ ሓሲብካዶ ትፈልጥ፧
    ንቕሑ!—2019
  • ወግዓዊ ወብ ሳይትና—ንናይ ብሕትን ናይ ስድራ ቤትን መጽናዕቲ ተጠቐመሉ
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2012
  • ብዛዕባ መገዲ ሓጐስ ተወሳኺ ሓበሬታ ርኸብ
    ንቕሑ!—2018
ዝያዳ ርአ
ሎሚ ፍቓድ የሆዋ ዚገብሩ ዘለዉ መን እዮም፧
jl ትምህርቲ 28

ትምህርቲ 28

ኣብ ወብ ሳይትና እንታይ ኪርከብ ይከኣል፧

ሓንቲ ሰበይቲ ኣብ ኮምፕዩተራ ምርምር ትገብር

ፈረንሳ

ኣቦን ወድን ኮምፕዩተር ይጥቀሙ

ፖላንድ

ሓንቲ ሰበይቲ ኣብ ኢንተርነት፡ ብቛንቋ ምልክት እተዳለወ ቪድዮ ትርኢ

ሩስያ

የሱስ ክርስቶስ ንሰዓብቱ፡ “ነቲ ሰናይ ግብርኹም ርእዮም፡ ኣብ ሰማያት ንዘሎ ኣቦኹም ምእንቲ ኼመጕስዎ፡ ብርሃንኩም ኣብ ቅድሚ ሰብ ይብራህ” በሎም። (ማቴዎስ 5:16) ስለዚ ኸኣ፡ ንዘመናዊ ተክኖሎጂ፡ እንተላይ ንኢንተርነት ብዚግባእ ንጥቀመሉ ኢና። jw.org፡ ብዛዕባ እምነታትን ንጥፈታትን ናይ የሆዋ መሰኻኽር ሓበሬታ ዚርከበሉ ወግዓዊ ወብ ሳይትና እዩ። ኣብኡ እንታይ ኣሎ፧

ብተደጋጋሚ ንዚሕተት ሕቶታት ዚኸውን መጽሓፍ ቅዱሳዊ መልሲ። ንገለ ኻብቲ ሰባት ዚሓትትዎ ኣገዳሲ ሕቶታት ዚኸውን መልሲ ኽትረክብ ትኽእል ኢኻ። ንኣብነት፡ እታ መከራ የኽትም ደዀን ይኸውን፧ ዘርእስታ ትራክትን እታ ምዉታት ኪትንስኡ ድዮም፧ ዘርእስታ ትራክትን ኣብ ኦንላይን ብልዕሊ 600 ቛንቋ ይርከባ። ትርጉም ሓዳስ ዓለም ብልዕሊ 130 ቋንቋ ኽትረኽቦ ትኽእል ኢኻ። ከም መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ እንታይ እዩ ዚምህር፧ ዘርእስታ መጽሓፍ ዝኣመሰለ ንመጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዚሕግዝ ጽሑፋትን ሓደስቲ ሕታማት ግምቢ ዘብዐኛን ንቕሑ!ን እውን ክትረክብ ትኽእል ኢኻ። መብዛሕትኡ ኻብዚ ጽሑፋት፡ ካብቲ ወብ ሳይት ብቐጥታ ኸተንብቦ ወይ ክትሰምዖ፡ ወይ ከኣ ብመልክዕ MP3፡ PDF፡ ወይ EPUB ከተራግፎ ትኽእል ኢኻ። ንሓደ ተገዳስነት ዘሕደረ ሰብ እውን፡ ብቛንቋኡ ሒደት ገጻት ሓቲምካ ኽትህቦ ትኽእል ኢኻ። ብሓያሎ ምልክት ቋንቋ እተዳለወ ቪድዮታት እውን ኣሎ። ኣብ ግዜ ዕረፍትኻ እተሰምዖ፡ ድራማዊ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስን መጽሓፍ ቅዱሳዊ ድራማታትን ጥዑም ሙዚቃን ከተራግፍ ትኽእል ኢኻ።

ብዛዕባ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዚገልጽ ናይ ሓቂ ሓበሬታ። ኣብቲ ወብ ሳይት፡ ሓድሽ ዜናን ዓለምለኻዊ ዕዮና ዚምልከት ቪድዮታትን ንናይ የሆዋ መሰኻኽር ዚትንክፍ ፍጻመታትን ሰብኣዊ ረድኤት ንምሃብ እንገብሮ ጻዕርታትን እውን ይወጽእ እዩ። ብዛዕባ ኣብ መጻኢ ዚህሉ ኣኼባታት ዞባን ኣድራሻ ኣብያተ ጽሕፈት ጨንፈርናን ድማ ሓበሬታ ኽትረክብ ትኽእል ኢኻ።

በዚ መገዲ እዚ፡ ብርሃን ሓቂ ኽሳብ ወሰን ምድሪ ነብርህ ኣለና። ኣብ ኵሉ ኽፍለ ዓለም፡ እንተላይ ኣብ ኣንታርክቲካ ዚርከቡ ሰባት ከኣ ይጥቀሙ ኣለዉ። “ቃል የሆዋ . . . ብፍጥነት ኪዝርጋሕ” ጸሎትና እዩ።—2 ተሰሎንቄ 3:1።

  • jw.org፡ ሰባት ሓቅታት መጽሓፍ ቅዱስ ኪምሃሩ ዚሕግዝ ዘሎ ብኸመይ እዩ፧

  • ኣብ ወብ ሳይትና እንታይ ክትርኢ ትደሊ፧

መጠንቀቕታ፦

ተጻረርትና ዘዳለውዎ ብዛዕባ ውድብና ናይ ሓሶት ሓበሬታ ዚዝርግሕ ገለ ገለ ወብ ሳይት ኣሎ። ዕላማኦም ሰባት ንየሆዋ ኻብ ምግልጋል ኬቋርጹ ምግባር እዩ። ካብዚ ወብ ሳይታት እዚ ኽንርሕቕ ኣሎና።—መዝሙር 1:1፣ 26:4፣ ሮሜ 16:17።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ