ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • fg ትምህርቲ 3 ሕቶ. 1-4
  • እቲ ብስራት ብሓቂ ኻብ ኣምላኽ ድዩ፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • እቲ ብስራት ብሓቂ ኻብ ኣምላኽ ድዩ፧
  • ብስራት ኣምላኽ
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ካብ ኣምላኽ ክትመሃር ዘሎካ ስለምንታይ ኢኻ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2011
  • መጽሓፍ ቅዱስ ካብ ኣምላኽ እተላእከልና መልእኽቲ እዩ
    ንዘለኣለም ብህይወት ንበር!—ኣሳታፊ ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ኣምላኽ ዝሃበና መጽሓፍ
    መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይምህረና፧
  • መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ ካብ ኣምላኽ ድዩ፧
    ኣብ ገነት ኣብ ምድሪ ንዘለኣለም ምንባር ትኽእል ኢኻ
ዝያዳ ርአ
ብስራት ኣምላኽ
fg ትምህርቲ 3 ሕቶ. 1-4

ትምህርቲ 3

እቲ ብስራት ብሓቂ ኻብ ኣምላኽ ድዩ፧

1. ደራሲ መጽሓፍ ቅዱስ መን እዩ፧

እተፈላለየ ቕዳሓት መጽሓፍ ቅዱስ ከምኡውን ጥንታዊ ጽሑፋት መጽሓፍ ቅዱስ

እቲ ሰባት ንዘለኣለም ኣብ ምድሪ ኺነብሩ ምዃኖም ዚገልጽ ብስራት ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተጻሒፉ ኣሎ። (መዝሙር 37:29) መጽሓፍ ቅዱስ፡ 66 ንኣሽቱ መጻሕፍቲ ዝሓዘ መጽሓፍ እዩ። ኣምላኽ፡ 40 እሙናት ሰባት ተጠቒሙ እዩ ንመጽሓፍ ቅዱስ ኣጽሒፍዎ። እተን ናይ መጀመርታ ሓሙሽተ መጻሕፍቲ፡ ዳርጋ 3,500 ዓመት ኣቢሉ ይገብር ብሙሴ እየን ተጻሒፈን። እታ ናይ መወዳእታ መጽሓፍ ከኣ፡ ልዕሊ 1,900 ዓመት ኣቢሉ ይገብር ብሃዋርያ ዮሃንስ እያ ተጻሒፋ። ጸሓፍቲ መጽሓፍ ቅዱስ ሓሳባት መን እዮም ጽሒፎም፧ ኣምላኽ ብመንፈስ ቅዱስ ተጠቒሙ እዩ ንጸሓፍቲ መጽሓፍ ቅዱስ ሓሳባቱ ኣመሓላሊፉሎም። (2 ሳሙኤል 23:2) ጸሓፍቲ መጽሓፍ ቅዱስ ሓሳባት ኣምላኽ ደኣ እምበር፡ ሓሳባቶም ኣይጸሓፉን። እምበኣር፡ ደራሲ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኣምላኽ እዩ።—2 ጢሞቴዎስ 3:16፣ 2 ጴጥሮስ 1:20, 21 ኣንብብ።

ደራሲ መጽሓፍ ቅዱስ መን እዩ፧ ዘርእስታ ቪድዮ ርአ

2. መጽሓፍ ቅዱስ፡ ሓቂ ምዃኑ ርግጸኛታት ክንከውን እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ መጻኢ ብልክዕ ስለ ዚንበ፡ ቃል ኣምላኽ ምዃኑ ንፈልጥ ኢና። ብዛዕባ መጻኢ ኺንበ ዚኽእል ዋላ ሓደ ሰብ የለን። (እያሱ 23:14) እቲ ዅሉ ዚኽእል ኣምላኽ ጥራይ እዩ ብዛዕባ መጻኢ ብትኽክል ኪፈልጥ ዚኽእል።—ኢሳይያስ 42:9፣ 46:10 ኣንብብ።

ንሓደ ኻብ ኣምላኽ ዝመጸ መጽሓፍ ፍሉይ ኪኸውን ንጽበዮ ኢና፣ ፍሉይ ድማ እዩ። ብቢልዮናት ዚቝጸር ቅዳሓት መጽሓፍ ቅዱስ ብኣማእታት ቋንቋታት ተዘርጊሑ ኣሎ። ጥንታዊ እኳ እንተ ዀነ፡ ምስ እተረጋገጸ ስነ ፍልጠት ይሰማማዕ እዩ። ኣርብዓ ጸሓፍቲ እኳ እንተ ጸሓፍዎ ንሓድሕዱ ኣይጋጮን እዩ። ብዘይካዚ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እቲ ፍቕራዊ ባህርያት ኣምላኽ ብልክዕ ይነግረና እዩ። ህይወት ሰባት ናይ ምቕያር ሓይሊ እውን ኣለዎ። እዚ መርትዖታት እዚ፡ ንሚልዮናት ሰባት፡ መጽሓፍ ቅዱስ ቃል ኣምላኽ ከም ዝዀነ ኣእሚንዎም እዩ።—1 ተሰሎንቄ 2:13 ኣንብብ።

መጽሓፍ ቅዱስ፡ ሓቂ ምዃኑ ርግጸኛታት ክንከውን እንኽእል ብኸመይ ኢና፧ ዘርእስታ ቪድዮ ርአ

3. መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ እዩ ዚገልጽ፧

ነታ ቐዳመይቲ ገነት፡ ዝጠፍአት ገነት፡ ማይ ኣይሂ፡ ሙሴ ነተን ዓሰርተ ትእዛዛት ሒዙ ኸሎ፡ ከምኡውን የሱስ ኪምህር ከሎ ዘርኢ ስእሊ።

መጽሓፍ ቅዱስ ኣብቲ ኣምላኽ ንደቂ ሰብ ፍቕራዊ ዕላማ ኸም ዘለዎ ዚገልጽ ብስራት የተኵር። ቅዱሳት ጽሑፋት፡ ወዲ ሰብ ኣብ ምድሪ ናይ ምንባር መሰሉ ብኸመይ ከም ዘጥፍአን ኣብ መወዳእታ ኸኣ ምድሪ ብኸመይ ናብ ገነት ከም እትቕየርን ይገልጽ እዩ።—ራእይ 21:4, 5 ኣንብብ።

ብዘይካዚ፡ ቃል ኣምላኽ ሕግታትን ስርዓታትን ምኽርን ሒዙ ኣሎ። ብተወሳኺ፡ ብዛዕባ እቲ ኣምላኽ ምስ ደቂ ሰብ ዝነበሮ ርክብ ዚገልጽ ታሪኽ ሒዙ ኣሎ። እዚ ታሪኽ እዚ ኸኣ ባህርያት ኣምላኽ ይገልጽ። ስለዚ እምበኣር፡ መጽሓፍ ቅዱስ ንኣምላኽ ክትፈልጦ ኺሕግዘካ ይኽእል እዩ። ብኸመይ ዓርኩ ኽትከውን ከም እትኽእል እውን ይገልጽ እዩ።—መዝሙር 19:7, 11፣ ያእቆብ 2:23፣ 4:8 ኣንብብ።

4. ንመጽሓፍ ቅዱስ ክትርድኦ እትኽእል ብኸመይ ኢኻ፧

እዛ ብሮሹር እዚኣ፡ ነቲ የሱስ እተጠቕመሉ ሜላ ተጠቒምካ ንመጽሓፍ ቅዱስ ክትርድኦ ኽትሕግዘካ እያ። የሱስ፡ ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ በብሓደ እናጠቐሰ፡ ሰማዕቱ ‘ነቲ ቕዱሳት ጽሑፋት ምእንቲ ኼስተውዕልዎ’ ይገልጸሎም ነበረ።—ሉቃስ 24:27, 45 ኣንብብ።

ከም ብስራት ኣምላኽ ገይሩ ኣቓልቦ ዚስሕብ ብስራት የልቦን። እንተዀነ ግና፡ ገሊኣቶም ነዚ ብስራት እዚ ግዲ የብሎምን፣ አረ ገሊኣቶምሲ ነዚ ብስራት እዚ ኺሰምዑ ኸለዉ ይቝጥዑ እዮም። ንስኻ ግና በዚ ኣይትደሃል። ንኣምላኽ እንተ ፈሊጥካዮ ኢኻ ናይ ዘለኣለም ህይወት ክትረክብ እትኽእል።—ዮሃንስ 17:3 ኣንብብ።

ዝያዳ ሓበሬታ እንተ ደሊኻ፡ ኣብ ምዕራፍ 2 እታ መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይምህረና፧ ዘርእስታ መጽሓፍ ርአ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ